ነቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ ዚኸውን ሕቶታት
1ይ ክፋል ክርስትያናዊ እምነታት
በቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርካዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ኽትፈልጥ ክኢልካ ኢኻ። እቲ እተምሃርካዮ ትምህርቲ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክትምስርት ኣኽኢሉካ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ገነት፡ ህይወትን በረኸትን ክትረክብ ከም እትኽእል ድማ ኣተስፍዩካ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበረካ እምነት ደልዲሉ እዩ፣ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምሕባርካ ድማ ድሮ ብዙሕ በረኸት ረኺብካ ኣለኻ። ነቲ የሆዋ ሎሚ ምስ ህዝቡ ዘለዎ ርክብ ክትርዳእ እውን ክኢልካ ኢኻ።—ዘካ. 8:23።
ሕጂ ንጥምቀት ኣብ እትዳለወሉ ዘለኻ ግዜ፡ ካብቲ ምስ ሽማግለታት ጉባኤ ብዛዕባ መሰረታዊ እምነት ክርስትና እትገብሮ ምይይጥ ክትጥቀም ኢኻ። (እብ. 6:1-3) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምፍላጥ እትገብሮ ዅሉ ጻዕሪ ይባርኮ፣ እቲ ዘተስፈወና ዓስቢ ኸኣ ይሃብካ።—ዮሃ. 17:3።
1. ስለምንታይ ኢኻ ኽትጥመቕ ደሊኻ፧
2. የሆዋ መን እዩ፧
• “እምበኣር፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድርን የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፍለጥ፡ . . . ካልእ የልቦን።”—ዘዳ. 4:39።
• “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”—መዝ. 83:18።
3. ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ንዓኻ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።’”—ማቴ. 6:9።
• “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”—ሮሜ 10:13።
4. ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ እተዋህበ ስያመታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧
• “የሆዋ፡ እቲ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽ እዩ።”—ኢሳ. 40:28።
• “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና።”—ማቴ. 6:9።
• “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።”—1 ዮሃ. 4:8።
5. ንየሆዋ ኣምላኽ እንታይ ክትህቦ ትኽእል፧
• “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።”—ማር. 12:30።
• “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ።”—ሉቃ. 4:8።
6. ንየሆዋ እሙን ክትከውን እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧
• “ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ።”—ምሳ. 27:11።
7. ናብ መን ኢኻ እትጽሊ፧ ብስም መንከ ኢኻ እትጽሊ፧
• “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኺህበኩም እዩ።”—ዮሃ. 16:23።
8. ብዛዕባ እንታይ ክትጽሊ ትኽእል፧
• “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብቲ እኩይ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።’”—ማቴ. 6:9-13።
• “እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።”—1 ዮሃ. 5:14።
9. የሆዋ ንጸሎት ገሊኡ ሰብ ዘይሰምዖ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
• “ናብ የሆዋ ኺምህለሉ እዮም፣ ንሱ ግና ኣይኪምልሰሎምን እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ እቲ እኩይ ግብርታቶም፡ ገጹ ኺሓብኣሎም እዩ።”—ሚክ. 3:4።
• “ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ እውን ንምህለላኦም ይሰምዓ እየን፣ ገጽ የሆዋ ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።”—1 ጴጥ. 3:12።
10. የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
• “ስምኦን ጴጥሮስ፡ ‘ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ’ ኢሉ መለሰሉ።”—ማቴ. 16:16።
11. የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ፧
• “ወዲ ሰብ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።”—ማቴ. 20:28።
• “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ።”—ሉቃ. 4:43።
12. ንመስዋእቲ የሱስ ከም እተመስግነሉ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
• “እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ፡ ንሱ ምእንቲ ዅሎም ሞይቱ እዩ።”—2 ቈረ. 5:15።
13. የሱስ እንታይ ስልጣን ኣለዎ፧
• “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።”—ማቴ. 28:18።
• “ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣቢልዎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሂብዎ።”—ፊል. 2:9።
14. ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብየሱስ እተሸመ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኸም ዝዀነስ ትኣምነሉ ዲኻ፧
• “እቲ ጐይታኡ ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”—ማቴ. 24:45።
15. መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ድዩ፧
• “እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ‘መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ’ . . . ኢሉ መለሰላ።”—ሉቃ. 1:35, 37።
• “እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”—ሉቃ. 11:13።
16. የሆዋ ንመንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ተጠቒሙሉ፧
• “ሰማያት ብቓል የሆዋ፡ ኣባታቶም ዘለዉ ዅሎም እውን ብመንፈስ ኣፉ ተገይሮም።”—መዝ. 33:6።
• “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ . . . ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም።”—ግብ. 1:8።
• “ካብ ብሕታዊ ትርጉም ዚመጽእ ትንቢት ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዘየልቦ፡ ቅድም እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥ. 1:20, 21።
17. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
• “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳን. 2:44።
18. መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ክትጠቕመካ እያ፧
• “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእ. 21:4።
19. በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከበሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ብኸመይ ትፈልጥ፧
• “ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሕት ኢሎም፡ ‘እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧’ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ ‘. . . ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።’”—ማቴ. 24:3, 4, 7, 14።
• “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም።”—2 ጢሞ. 3:1-5።
20. ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ቦታ ኸም እትህባ ብኸመይ ተርኢ፧
• “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ።”—ማቴ. 6:33።
• “የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ ‘ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ ጕንዲ ስቅያቱ ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ።’”—ማቴ. 16:24።
21. ሰይጣንን ኣጋንንትን መን እዮም፧
• “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፣ . . . ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ።”—ዮሃ. 8:44።
• “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ።”—ራእ. 12:9።
22. ሰይጣን ንየሆዋን ነቶም ንዕኡ ዜምልኽዎን እንታይ ኢሉ እዩ ኸሲስዎም፧
• “እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን፡ ‘ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኣእዋም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና፡ ኣምላኽ፡ “ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ እውን” ኢሉ’ በለቶ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ‘ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ’ በላ።”—ዘፍ. 3:2-5።
• “ሰይጣን ግና ንየሆዋ፡ ‘ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ’ . . . ኢሉ መለሰሉ።”—እዮ. 2:4, 5።
23. ክሲ ሰይጣን ሓሶት ምዃኑ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
• “ንኣምላኽ . . . ብምሉእ ልቢ . . . ኣገልግሎ።”—1 ዜና 28:9።
• “ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”—እዮ. 27:5።
24. ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧
• “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።”—ሮሜ 5:12።
25. ምዉታት ኣብ ምንታይ ኵነታት እዮም ዘለዉ፧
• “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።”—መክ. 9:5።
26. ንምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
• “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ተስፋ ኣሎኒ።”—ግብ. 24:15።
27. ምስ የሱስ ኰይኖም ምእንቲ ኺገዝኡ ናብ ሰማይ ዚኸዱ ሰባት ክንደይ እዮም፧
• “እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ከረን ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም 144,000 እውን ምስኡ ረኣኹ።”—ራእ. 14:1።