ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 16 ገጽ 44-ገጽ 45 ሕ.ጽ. 4
  • እዮብ መን ነበረ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እዮብ መን ነበረ፧
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ብየሆዋ ተስፋ ግበር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • እዮብ ተጸሚሙ—ንሕናውን ንኽእል ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 16 ገጽ 44-ገጽ 45 ሕ.ጽ. 4
ሰለስተ ሰብኡት ንእዮብ ኪበጽሕዎ ይመጹ፡ ንሱ እውን ምሉእ ሰብነቱ ቘሳሲሉ ኣሎ

ትምህርቲ 16

እዮብ መን ነበረ፧

ኣብ ምድሪ ዑጽ፡ ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብኣይ ነበረ። ስሙ ኸኣ እዮብ ይብሃል ነበረ። ብዙሓት ስድራ ዝነበርዎ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ ሕያዋይ ስለ ዝነበረ፡ ንብዙሓት ድኻታትን ሰብኡተን ንዝሞትወን ኣንስትን ወለዶም ንዝሞትዎም ውሉዳትን ይሕግዞም ነበረ። ቅኑዕ ዘበለ ይገብር ብምንባሩ ግና፡ ብዘይ ጸገማት ኪነብር ክኢሉዶ፧

ሰይጣን ድያብሎስ

እዮብ ደኣ ኣይፈለጠን ነይሩ እምበር፡ ሰይጣን ድያብሎስ ይጥምቶ ነይሩ እዩ። የሆዋ ኸኣ ንሰይጣን፡ ‘ንኣገልጋልየይ እዮብ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የሎን። ንዓይ ይሰምዓንን ቅኑዕ ዘበለ ይገብርን እዩ’ በሎ። ሰይጣን ከኣ፡ ‘እዮብ ዚእዘዘካ እኮ ንጥቕሙ እዩ። ንስኻ ተዕቍቦን ትባርኾን ኢኻ። መሬትን እንስሳታትን ሂብካዮ ኢኻ። ነዚ ዅሉ እንተ ኣሕዲግካዮ፡ ኣይኬምልኸካን እዩ’ ኢሉ መለሰሉ። የሆዋ ድማ፡ ‘ንእዮብ ክትፍትኖ ትኽእል ኢኻ። ክትቀትሎ ግና ኣይተፈቕደልካን’ በሎ። ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንሰይጣን፡ ንእዮብ ኪፍትኖ ዝፈቐደሉ፧ እዮብ በቲ ፈተና ኸም ዘይወድቕ ስለ እተኣማመነ እዩ።

ሰይጣን ንእዮብ ብብዙሕ መዓት ገይሩ ኺፍትኖ ጀመረ። ኣብ መጀመርታ፡ ሳባውያን ዚብሃሉ ሰባት ሰደደሉ፣ ንሳቶም ከኣ ንኸብትን ንኣእዱግን እዮብ ሰረቕወን። ድሕሪኡ፡ ኵለን ኣባጊዕ እዮብ ብሓዊ ነደዳ። ቀጺሎም፡ ከለዳውያን ዚብሃሉ ኻልኦት ሰባት፡ ንኣግማል እዮብ ሰረቕወን። ነቶም ነተን እንስሳታት ዚሕልዉ ዝነበሩ ኣገልገልቲ እውን ቀተልዎም። ድሕርዚ ኸኣ፡ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ መዓት ኣጋጠመ። ኵሎም ደቂ እዮብ ኣብ ድግስ ከለዉ፡ እታ ዝነበርዋ ቤት ወዲቓ ቐተለቶም። እዮብ በዚ ብዙሕ ሓዘነ፣ ንየሆዋ ምምላኽ ግና ኣይሓደጎን።

ሰይጣን ንእዮብ ብዝያዳ ኼሳቕዮ ስለ ዝደለየ፡ ኣብ ምሉእ ሰብነቱ ብርቱዕ ቍስሊ ኸም ዚወጾ ገበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እዮብ ብርቱዕ ቃንዛ ነበሮ። ስለምንታይ እዚ ዅሉ መከራ ኸም ዝወረዶ ኣይፈለጠን። ኰይኑ ግና፡ እዮብ ነቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣምልኾ ኣየቋረጾን። ኣምላኽ ከኣ ነዚ ዅሉ ረኣዮ፣ ብእዮብ እውን ብዙሕ ባህ በሎ።

ሰይጣን ቀጺሉ ንእዮብ ኪፍትንዎ ሰለስተ ሰብኡት ሰደደሉ። ንሳቶም ድማ፡ ‘ሓጢእካስ ክትሓብኦ ፈቲንካ ኽትከውን ኣሎካ። ኣምላኽ ይቐጽዓካ እዩ ዘሎ’ በልዎ። እዮብ ከኣ፡ ‘ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኣይገበርኩን’ በሎም። ድሕሪኡ ግና እዚ ዅሉ ጸገማቱ ኻብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ኺሓስብ ጀመረ፣ ንኣምላኽ ከኣ፡ ‘በዲልካኒ’ ኢሉ ተዛረቦ።

ኤሊሁ ዝስሙ ብዕድመ ዝነኣሰ ሰብኣይ ድማ ነቲ ዝርርቦም ጽን ኢሉ ይሰምዖ ነበረ። ድሕሪኡ ግና፡ ‘ኵላትኩም እትብልዎ ዘለኹም ጌጋ እዩ። የሆዋ ኻብቲ ኽንርድኦ እንኽእል ንላዕሊ ዓብዪ እዩ። እከይ ዘበለ ፈጺሙ ኣይገብርን እዩ። ኵሉ ነገር ይርእን ኣብ ጸገማትና ይሕግዘናን እዩ’ ኢሉ ተቢዑ ተዛረበ።

እዮብን ሰበይቱን ቈልዓ ሓቚፎም

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንእዮብ ተዛረቦ። ‘ንሰማይን ንምድርን ክፈጥሮ ኸለኹ፡ ንስኻ ኣበይ ኔርካ፧ ስለምንታይ ኢኻ ኸም ዝበደልኩኻ ጌርካ እትዛረብ ዘለኻ፧ ትዛረብ ኣለኻ እምበር፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚኸውን ኣይትፈልጥን ኢኻ’ በሎ። እዮብ ከኣ ጌጋኡ ተኣመነ፡ ‘ኣነ ተጋግየ እየ። ብዛዕባኻ ሰሚዐ ነይረ፡ ሕጂ ግና ብሓቂ ፈሊጠካ። ንዓኻ ዘይከኣለካ ነገር የልቦን። ብዘረባይ ተጣዒሰ እየ’ ድማ በለ።

እቲ ፈተና ምስ ተወድአ፡ የሆዋ ንእዮብ ጥዕናኡ መለሰሉ፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ኣጸቢቑ ዚበዝሕ ነገራት ከኣ ሃቦ። እዮብ ነዊሕ ዕድመን ዜሐጕስ ህይወትን ነበሮ። ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ እዮብ ንየሆዋ ስለ ዝሰምዖ፡ የሆዋ ባረኾ። ንስኻኸ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ከም እዮብ ንየሆዋ ኸተምልኾ ዲኻ፧

“ብዛዕባ ተጻዋርነት እዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ . . . ነቲ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ርኢኹም ኣለኹም።”—ያእቆብ 5:11

ሕቶታት፦ ሰይጣን ንእዮብ ብኸመይ እዩ ፈቲንዎ፧ የሆዋ ንእዮብ ብኸመይ እዩ ዓስቡ ሂብዎ፧

እዮብ 1:1–3:26፣ 4:7፣ 32:1-5፣ 34:5, 21፣ 35:2፣ 36:15, 26፣ 38:1-7፣ 40:8፣ 42:1-17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ