ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 34 ገጽ 84-ገጽ 85 ሕ.ጽ. 2
  • ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ሴፍ የሆዋን ጊዴዎንን!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ጊዴዎንን እቶም 300 ሰቡን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣቱም ሽማግለታት፡ ካብ ጊዴዎን ተምሃሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርክና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 34 ገጽ 84-ገጽ 85 ሕ.ጽ. 2
ጊዴዎንን ሰቡን መለኸት ነፍሑ፡ ዓታሩ ሰበሩ፡ ፋናታቶም ኣወዛወዙ፡ ከምኡ ድማ ጨደሩ

ትምህርቲ 34

ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም

ጸኒሖም እስራኤላውያን መሊሶም ካብ የሆዋ ረሓቑ፣ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን ኬምልኹ ጀመሩ። ንሸውዓተ ዓመት ከኣ ሚድያናውያን ንእስራኤላውያን፡ እንስሳታቶም ወሰዱሎም፡ ኣእካሎም እውን ኣጥፍእዎ። እስራኤላውያን ድማ ካብ ሚድያናውያን ኬምልጡ ኢሎም፡ ኣብ በዓትታትን ኣብ ኣኽራንን ተሓብኡ። ንየሆዋ እውን ኬድሕኖም ለመንዎ። ስለዚ ኸኣ፡ የሆዋ ናብ ሓደ ጊዴዎን ዝስሙ መንእሰይ፡ መልኣኽ ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ ‘ሓያል ጅግና ምእንቲ ኽትከውን፡ የሆዋ መሪጹካ እዩ’ በሎ። ጊዴዎን ከኣ፡ ‘ከመይ ገይረ እየ ንእስራኤል ዘድሕኖ፧ ኣነ እኮ ዝረብሕ ኣይኰንኩን’ በሎ።

እሞ ደኣ ጊዴዎን ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ኸም ዝመረጾ ኺፈልጥ ክኢሉ፧ ጸምሪ ወይ ጸጕሪ በጊዕ ኣብ ባይታ ኣንበረ እሞ ንየሆዋ፡ ‘ንግሆ፡ እዚ ጸምሪ እዚ ብኣውሊ እንተ ጠልቅዩ፡ ንእስራኤል ከድሕኖ ኸም እትደልየኒ ኽፈልጥ እየ’ በሎ። ንጽብሒቱ፡ እቲ ጸምሪ ጠልቅዩ ጸንሖ፡ እቲ ባይታ ግና ንቑጽ ነበረ። ከም ብሓድሽ ግና፡ ንጽብሒቱ እቲ ጸምሪ ንቑጽ ኪኸውን፡ እቲ ባይታ ግና ኪትርክስ ለመነ። ከምኡ ምስ ኰነ ድማ፡ ጊዴዎን ብየሆዋ ኸም እተመርጸ ምሉእ ብምሉእ ኣመነ። ተዋጋእቲ ኣኪቡ ኸኣ ምስ ሚድያናውያን ኪዋጋእ ከደ።

የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ ‘ንእስራኤላውያን ዓወት ክህቦም እየ። ግናኸ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ተዋጋእቲ ስለ ዘለዉኻ፡ ኣብቲ ውግእ ብሓይልኹም ከም ዝሰዓርኩም ኪመስለኩም እዩ። ስለዚ፡ ዚፈርህ ዘበለ ናብ ቤቱ ኺምለስ ኣውጅ’ በሎ። በዚ ኸምዚ፡ 22,000 ተዋጋእቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ፣ 10,000 ሰባት ከኣ ተረፉ። የሆዋ ድማ፡ ‘ገና ብዙሓት ተዋጋእቲ ኣለዉ። ናብ ውሒዝ ውሰዶም እሞ ማይ ኪሰትዩ ንገሮም። ነቶም ካብ ጸላኢ እናተጠንቀቑ ዚሰትዩ ጥራይ ምሳኻ ኣጽንሓዮም’ በሎ። ካብቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ 300 ጥራይ ብንቕሓት እናተኸታተሉ ማይ ሰተዩ። የሆዋ ኸኣ፡ እቶም ሒደት ሰብኡት ን135,000 ተዋጋእቲ ሚድያናውያን ከም ዚስዕርዎም ቃል ኣተወ።

በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንጊዴዎን፡ ‘ሕጂ ኣብ ሚድያናውያን መጥቃዕቲ እትፍንወሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ’ በሎ። ጊዴዎን ከኣ ነቶም ተዋጋእቲ፡ መለኸትን ዓታሩን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓታሩ ድማ ፋናታት ሃቦም። ‘ንዓይ ርኣዩኒ እሞ፡ ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝገበሮ ግበሩ’ ኸኣ በሎም። ድሕሪኡ፡ ጊዴዎን መለኸቱ ነፍሐ፡ ንዕትሮኡ ሰበሮ፡ ነቲ ፋናኡ ኣወዛወዞ፡ ‘ሰይፊ የሆዋን ጊዴዎንን!’ ኢሉ እውን ጨደረ። ኵሎም እቶም 300 ሰባት እውን ከምኡ ገበሩ። ሽዑ፡ ሚድያናውያን ሰምበዱ፡ ናብ ኵሉ ኣንፈት እውን ሃደሙ። ኣብቲ ሕንፍሽፍሽ ከኣ ንሓድሕዶም ተዋግኡ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓወት ሃቦም።

ብፍርሂ እተሸበሩ ሚድያናውያን ተዋጋእቲ

“እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና [ኣይኰነን]።”—2 ቈረንቶስ 4:7

ሕቶታት፦ የሆዋ ንጊዴዎን ከም ዝመረጾ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣረጋጊጹሉ፧ ሰራዊት ጊዴዎን 300 ጥራይ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

መሳፍንቲ 6:1-16፣ 6:36–7:25፣ 8:28

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ