ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 42 ገጽ 102-ገጽ 103 ሕ.ጽ. 3
  • እቲ ተባዕን እሙንን ዮናታን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ተባዕን እሙንን ዮናታን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ዮናታን “ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ‘ንየሆዋ ኺዓግቶ ዚኽእል ነገር የልቦን’
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ንየሆዋ እሙን ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 42 ገጽ 102-ገጽ 103 ሕ.ጽ. 3
ዮናታንን እቲ ተሰካም ኣጽዋሩን

ትምህርቲ 42

እቲ ተባዕን እሙንን ዮናታን

እቲ በዅሪ ወዲ ሳኦል ዝዀነ ዮናታን ተባዕ ተዋጋኢ ነበረ። ዳዊት ብዛዕባ ዮናታን፡ ካብ ንስሪ ዚቕልጥፍ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይል ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ፡ ዮናታን ኣብ ሓደ ዅርባ፡ 20 ተዋጋእቲ ፍልስጥኤማውያን ረኣየ። ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ፡ ‘ኣባታቶም መጥቃዕቲ እንፍኑ፡ የሆዋ ምልክት እንተ ሂቡና ጥራይ ኢና። ፍልስጥኤማውያን፡ “ናባና ደይቡ” እንተ ኢሎምና፡ ከነጥቅዖም ኢና’ በሎ። ሽዑ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን፡ ‘ናባና ደይቡ እሞ ንዋጋእ!’ በልዎም። ስለዚ፡ ክልቲኦም ናብቲ ዅርባ ደይቦም ነቶም ተዋጋእቲ ሰዓርዎም።

ዮናታን ንዳዊት ንብረቱ ይህቦ

ዮናታን በዅሪ ወዲ ሳኦል ስለ ዝነበረ፡ ንኣቦኡ ተኪኡ ኺነግስ ምኸኣለ ነይሩ። ግናኸ፡ የሆዋ ንዳዊት ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ከም ዝሓረዮ፡ ዮናታን ይፈልጥ ነበረ። ይኹን እምበር፡ በዚ ኣይቀንአን። ዮናታንን ዳዊትን ከኣ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኰኑ። ሓደ ነቲ ሓደ ኼዕቍቦን ኪከላኸለሉን ቃል ተኣታተዉ። ከም ምልክት ዕርክነቶም ከኣ፡ ዮናታን ንዳዊት፡ ክዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ዕጣቑን ሃቦ።

ዳዊት ካብ ሳኦል ሃዲሙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዮናታን ናብኡ ኸይዱ፡ ‘በርትዕ፡ ትባዕ። የሆዋ ንጉስ ክትከውን ሓርዩካ እዩ። ኣቦይ እውን ነዚ ይፈልጦ እዩ’ በሎ። ከም ዮናታን ዝኣመሰለ እሙን ዓርክስ ምደለኻዶ፧

ዮናታን ንዓርኩ ንምሕጋዝ፡ ብተደጋጋሚ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ። ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ይደሊ ምንባሩ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንኣቦኡ፡ ‘ንዳዊት እንተ ቐቲልካዮ፡ ሓጢኣት ኪዀነካ እዩ። ዋላ ሓንቲ ኣይበደለካን’ በሎ። ሳኦል ከኣ ብዮናታን ብዙሕ ተቘጥዐ። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ሳኦልን ዮናታንን ኣብ ውግእ ብሓንሳእ ሞቱ።

ዮናታን ምስ ሞተ፡ ዳዊት ንመፊቦሸት ወዲ ዮናታን ደለዮ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ‘ኣቦኻ እሙን ዓርኪ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኽከናኸነካ እየ። ኣብ ቤተ መንግስተይ ክትነብር፡ ኣብ መኣደይ ድማ ክትበልዕ ኢኻ’ በሎ። ስለዚ፡ ዳዊት ንዓርኩ ዮናታን ፈጺሙ ኣይረስዖን።

“ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን።”—ዮሃንስ 15:12, 13

ሕቶታት፦ ዮናታን ተባዕ ምዃኑ ብኸመይ ኣርእዩ፧ ዮናታን እሙን ምዃኑ ብኸመይ ኣርእዩ፧

1 ሳሙኤል 14:1-23፣ 18:1-4፣ 19:1-6፣ 20:32-42፣ 23:16-18፣ 31:1-7፣ 2 ሳሙኤል 1:23፣ 9:1-13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ