ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 46 ገጽ 112-ገጽ 113 ሕ.ጽ. 1
  • ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ መን ኣምላኽ ምዃኑ ተፈተነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ መን ኣምላኽ ምዃኑ ተፈተነ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐሉ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ፍቓድ የሆዋ ገይሮም ኤልያስ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ልዕል የብሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 46 ገጽ 112-ገጽ 113 ሕ.ጽ. 1
ካብ የሆዋ ዝወረደ ሓዊ ንመስዋእቲ ኤልያስ በልዖ

ትምህርቲ 46

ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ መን ኣምላኽ ምዃኑ ተፈተነ

እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል፡ ብዙሓት ክፉኣት ነገስታት ነበርዋ። ካብ ኵሎም ግና ኣከኣብ ዝኸፍአ ንጉስ ነበረ። ንሱ ንበዓል እተምልኽ እክይቲ ሰበይቲ ተመርዓወ። ንሳ ኸኣ ኢዛቤል ትብሃል ነበረት። ኣከኣብን ኢዛቤልን ነታ ምድሪ ብኣምልኾ በዓል መልእዋ፡ ንነብያት የሆዋ እውን ቀተልዎም። እሞኸ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ ንኣከኣብ መልእኽቲ ኼብጽሓሉ ኢሉ ንነብዪ ኤልያስ ለኣኾ።

ኤልያስ ከኣ ንንጉስ ኣከኣብ፡ ብሰንኪ ኽፍኣቱ ኣብ እስራኤል ዝናም ከም ዘይዘንም ነገሮ። ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ድማ፡ ኣእካል ኣይበቘለን፡ እቶም ህዝቢ እውን ጠመዩ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንኤልያስ መሊሱ ናብ ኣከኣብ ለኣኾ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ‘ንስኻ ጭንቂ ኣምጺካልና። እዚ ብሰንክኻ እዩ’ በሎ። ኤልያስ ድማ፡ ‘እዚ ደርቂ ብሰንከይ ኣይኰነን መጺኡ። ንስኻ ንበዓል ብምምላኽካ እዩ መጺኡ። ሕጂ፡ መን ኣምላኽ ምዃኑ ኽንፍትን ኢና። ንህዝብን ንነብያት በዓልን ኣብ ርእሲ ኸረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ’ በሎ።

ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ኸረን ተኣከቡ። ኤልያስ ከኣ፡ ‘ሓዲኡ ወስኑ። የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ንዕኡ ስዓብዎ። በዓል እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ንዕኡ ስዓብዎ። ሕጂ ኸምዚ ንግበር፦ እዞም 450 ነብያት በዓል መስዋእቲ የዳልዉ፡ ናብ ኣምላኾም እውን ይማህለሉ፣ ኣነ እውን መስዋእቲ ኣዳልየ ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ፡ ንሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ’ በለ። እቶም ህዝቢ ኸኣ በዚ ተሰማምዑ።

እቶም ነብያት በዓል ድማ መስዋእቲ ኣዳለዉ። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ፡ ‘ኦ በዓል፡ መልሰልና!’ እናበሉ ናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። በዓል ግና ኣይመለሰሎምን። ኤልያስ ከኣ፡ ‘ምናልባት ደቂሱ ኸይህሉ እሞ ምእንቲ ኺበራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደኣ ተማህለሉ’ ኢሉ ኣላገጸሎም። ክሳዕ ምሸት ድማ፡ እቶም ነብያት በዓል ይምህለሉ ነበሩ። ዚምልስ ግና ኣይነበረን።

ሽዑ ኤልያስ መስዋእቱ ኣብቲ መሰውኢ ኣንበሮ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ማይ ኣፍሰሰሉ። ድሕሪኡ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነካ ነዞም ህዝቢ ኣፍልጦም’ ኢሉ ጸለየ። ብኡብኡ፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ ሓዊ ሰዲዱ ነቲ መስዋእቲ በልዖ። እቶም ህዝቢ ድማ ዓው ኢሎም፡ ‘የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ!’ በሉ። ኤልያስ ከኣ፡ ‘ካብ ነብያት በዓል ሓደ እኳ ኣየምልጥ!’ በሎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ 450 ነብያት በዓል ተቐትሉ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ንእሽቶ ደበና ምስ ተራእየት፡ ኤልያስ ንኣከኣብ፡ ‘ብርቱዕ ዝናም ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ሰረገላኻ ተሰቒልካ ናብ ቤትካ ኺድ’ በሎ። እቲ ሰማይ ድማ ብደበና ጸልመተ፡ ንፋስ ከኣ ነፈሰ፡ ብርቱዕ ዝናም እውን ዘነመ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ደርቂ ኣብቅዐ። ኣከኣብ ድማ ንሰረገላኡ ብፍጥነት እናጋለበ ኸደ። ኤልያስ እውን ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ሰረገላ ቐዲምዎ ጐየየ! ድሕርዚ ግና ኵሉ ጸገማት ኤልያስ ተፈቲሑዶ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”—መዝሙር 83:18

ሕቶታት፦ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ መን ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ እተፈተነ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ንጸሎት ኤልያስ ብኸመይ እዩ መሊስዎ፧

1 ነገስት 16:29-33፣ 17:1፣ 18:1, 2, 17-46፣ ያእቆብ 5:16-18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ