ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 48 ገጽ 116-ገጽ 117 ሕ.ጽ. 1
  • ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ተንስአ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ተንስአ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት፡ ሳላ እምነታ ተባሪኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ብኣምላኹ ተጸናንዐ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ብኣምላኹ ተጸናንዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ከም ኤልያስ እሙን ክትከውን ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 48 ገጽ 116-ገጽ 117 ሕ.ጽ. 1
ኤልያስ ንሓንቲ ዕንጨይቲ እትኣሪ መበለት ይጽውዓ

ትምህርቲ 48

ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ተንስአ

ዕትሮ ሓርጭን መቐርሰሚቶ ዘይትን

ደርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ‘ናብ ሰራጵታ ኺድ። ኣብኣ ድማ ሓንቲ መበለት ክትምግበካ እያ’ በሎ። ኤልያስ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፡ ሓንቲ ድኻ መበለት ዕንጨይቲ ኽትኣሪ ረኣየ። ንሱ ድማ ማይ ከተስትዮ ሓተታ። ክትከይድ ከላ ኸኣ፡ ‘በጃኺ ቝራስ እንጌራ ኣምጽእለይ’ በላ። እታ መበለት ግና፡ ‘ንዓኻ ዝህበካ እንጌራ የብለይን። ንዓይን ንወደይን ዚኣክል ሓርጭን ዘይትን ጥራይ እዩ ዘሎኒ’ በለቶ። ኤልያስ ድማ፡ ‘ንዓይ እንጌራ እንተ ጌርክለይ፡ ዝናም ክሳዕ ዚዘንም፡ እቲ ሓርጭን እቲ ዘይትን ከም ዘይውዳእ የሆዋ ቓል ኣትዩ ኣሎ’ በላ።

ስለዚ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ቤታ ኸይዳ፡ ነቲ ነብዪ የሆዋ እንጌራ ኣዳለወትሉ። ከምቲ የሆዋ እተዛረቦ ድማ፡ እቲ ደርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እታ መበለትን ወዳን ዚብላዕ እንጌራ ኣይሰኣኑን። እቲ ሓርጭን እቲ ዘይትን ከቶ ኣይተወድአን።

ድሕሪኡ፡ ሓደ ዜሕዝን ነገር ኰነ። ወዲ እታ መበለት ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ሞተ። ንሳ ኸኣ ንኤልያስ ኪሕግዛ ለመነቶ። ሽዑ፡ ኤልያስ ነቲ ቘልዓ ኻብ ሕቝፋ ተቐቢሉ ናብታ ኣብ ደርቢ እትርከብ ክፍሊ ወሰዶ። ኣብ ዓራቱ ኣደቂሱ ድማ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ነዚ ቘልዓ ኣተንስኣዮ’ ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ነቲ ቘልዓ ምትንሳኡ ስለምንታይ ዜደንቕ ነገር ከም ዝዀነስ ትፈልጥዶ፧ ምኽንያቱ፡ ክሳዕ ሕጂ ኸም እንፈልጦ፡ ቅድሚኡ ኻብ ሞት ዝተንስአ ሰብ ኣይነበረን። እታ መበለትን ወዳን ከኣ እስራኤላውያን ኣይነበሩን።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ሞት ተንሲኡ ኼተንፍስ ጀመረ! ኤልያስ ድማ ነታ መበለት፡ ‘ርኣዪ! ወድኺ ህያው ኰይኑ’ በላ። ንሳ ኸኣ ኣዝያ ተሓጐሰት እሞ ንኤልያስ፡ ‘ንስኻ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኢኻ። የሆዋ ዝበለካ ጥራይ ስለ እትዛረብ እየ ነዚ ፈሊጠ’ በለቶ።

ኤልያስ ነታ መበለት ወዳ ይህባ

“ንኳዃት እሞ ኣስተብህሉሎም፦ ኣምላኽ ይምግቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ፡ ኣይዓጽዱ፣ ቆፎ ወይስ ማዕከን እውን የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩምዶ ኣዚኹም ኣይትበልጹን፧”—ሉቃስ 12:24

ሕቶታት፦ እታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር መበለት ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ብኸመይ እያ ኣርእያ፧ ኤልያስ ናይ ሓቂ ነብዪ ኣምላኽ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፍለጥ፧

1 ነገስት 17:8-24፣ ሉቃስ 4:25, 26

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ