ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 54 ገጽ 130-ገጽ 131 ሕ.ጽ. 1
  • የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ዮናስ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ይመሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ዮናስን እቲ ዓቢ ዓሳን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 54 ገጽ 130-ገጽ 131 ሕ.ጽ. 1
ዮናስ ናብ ባሕሪ ይጥሕል፡ ሓደ ዓብዪ ዓሳ እውን ኣብ ጥቓኡ ይሕምብስ

ትምህርቲ 54

የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ

ነበርቲ እታ ነነዌ እትብሃል ከተማ ኣሶራውያን እኩያት ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ንነብዪ ዮናስ ናብ ነነዌ ኸይዱ፡ መገድታቶም ኪቕይሩ መጠንቀቕታ ኺህቦም ኣዘዞ። ዮናስ ግና ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ሃደመ። ናብ ተርሲስ ናብ እትኸይድ መርከብ ተሰቒሉ እውን ጕዕዞ ጀመረ።

እታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ኸላ ድማ፡ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ፣ እቶም ባሕረኛታት እውን ኣዝዮም ፈርሁ። ናብ ኣማልኽቶም ከኣ ጸልዩ፡ ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ዚኸውን ዘሎ፧’ ኢሎም እውን ሓተቱ። ኣብ መወዳእታ፡ ዮናስ፡ ‘ብሰረይ እዩ። ካብቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ እሃድም እየ ዘለኹ። ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ እሞ፡ እቲ ማዕበል ኪሃድእ እዩ’ በሎም። ኣብ ፈለማ፡ እቶም ባሕረኛታት ንዮናስ ናብ ባሕሪ ኺድርብይዎ ኣይደለዩን፣ ንሱ ግና ከምኡ ኺገብሩ ነገሮም። ናብ ባሕሪ ምስ ደርበይዎ ኸኣ፡ እቲ ማዕበል ሃድአ።

ዮናስ ዚመውት መሲልዎ ነበረ። ናብ ውሽጢ ባሕሪ ኺጥሕል ከሎ ድማ፡ ናብ የሆዋ ጸለየ። ሽዑ፡ የሆዋ ዓብዪ ዓሳ ሰደደ። እቲ ዓሳ ድማ ንዮናስ ከይቀተለ ወሓጦ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ዀይኑ፡ ‘ወትሩ ኽእዘዘካ መብጽዓ እኣቱ ኣለኹ’ ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ድማ ንዮናስ፡ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲ ብደሓን ከም ዚጸንሕ ድሕሪ ምግባር፡ ነቲ ዓሳ ናብ ንቑጽ ምድሪ ኸም ዚተፍኦ ገበሮ።

የሆዋ ንዮናስ ስለ ዘድሓኖ፡ ዮናስ ድሕሪኡ ናብ ነነዌ ኪኸይድ ኣይነበሮን ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። የሆዋ መሊሱ ንዮናስ ናብ ነነዌ ኪኸይድ ኣዘዞ። ሽዑ ኸኣ፡ ዮናስ ከምቲ እተኣዘዞ ገበረ። ናብታ ኸተማ ኸይዱ ድማ፡ ነቶም እኩያት ሰባት፡ ‘ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትጠፍእ እያ’ በሎም። ድሕሪኡ ግና፡ ዘይተጸበዮ ነገር ኰነ፣ እቶም ሰብ ነነዌ ሰሚዖም መገድታቶም ቀየሩ። ንጉስ ነነዌ ኸኣ ንህዝቡ፡ ‘ናብ ኣምላኽ ተማህለሉን ተነስሑን። ምናልባት ኣየጥፍኣናን ይኸውን’ በሎም። የሆዋ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኸም እተነስሑ ምስ ረኣየ፡ ንነነዌ ኣየጥፍኣን።

ዮናስ ናብ ነነዌ ይቐርብ

ዮናስ ከኣ፡ እታ ኸተማ ስለ ዘይጠፍአት፡ ተቘጥዐ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ንዮናስ ተዓጊስዎን ምሒርዎን እዩ፣ ዮናስ ግና ንህዝቢ ነነዌ ኣይመሓሮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከንፈሩ ጀሊዑ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ተኽሊ ሓምሓም ኮፍ በለ። ድሕሪኡ፡ እታ ተኽሊ ሓረረት፣ ዮናስ ድማ ተቘጥዐ። ስለዚ፡ የሆዋ ንዮናስ፡ ‘ንስኻ ኻብ ሰብ ነነዌ ንላዕሊ ብዛዕባ እዛ ተኽሊ ኢኻ እትሓሊ። ኣነ ስለ ዝመሓርክዎም እዮም ድሒኖም’ በሎ። እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ህዝቢ ነነዌ ኻብ ዝዀነ ተኽሊ ንላዕሊ ኣገዳስነት ነይርዎም እዩ።

“የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ።”—2 ጴጥሮስ 3:9

ሕቶታት፦ የሆዋ ንዮናስ እንታይ ትምህርቲ እዩ ምሂርዎ፧ ካብቲ ንዮናስ ዘጋጠሞ ነገር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ዮናስ 1:1–4:11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ