ትምህርቲ 55
መልኣኽ የሆዋ ንህዝቅያስ ኣዕቈቦ
መንግስቲ ኣሶር ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ተቘጻጸራ። ድሕሪኡ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳ ኺቈጻጸራ ደለየ። ንኸተማታት ይሁዳ ድማ በብተራ ሓዘን። ልዕሊ ዅሉ ግና ንኸተማ የሩሳሌም እዩ ኺሕዛ ደልዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንየሩሳሌም የዕቍባ ኸም ዝነበረ፡ ሰናክሪብ ኣይፈለጠን ነይሩ።
ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኺሓድጋ፡ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ብዙሕ ገንዘብ ከፈሎ። ሰናክሪብ ከኣ ነቲ ገንዘብ እኳ እንተ ወሰዶ፡ ንየሩሳሌም ኬጥቅዕዋ ኢሉ ሓያላት ሰራዊቱ ሰደደ። ኣሶራውያን እናቐረቡ ይመጹ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ህዝቢ ፈርሁ። ሽዑ፡ ህዝቅያስ፡ ‘ኣይትፍርሁ። ኣሶራውያን ብርቱዓት እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግና ካባታቶም ብዝያዳ ኼበርትዓና እዩ’ በሎም።
ሰናክሪብ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኼላግጸሎም ኢሉ ንሓደ ራብሳቀ ዚብሃል ልኡኹ ናብ የሩሳሌም ለኣኾ። እቲ ራብሳቀ ድማ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ደው ኢሉ፡ ‘የሆዋ ኺሕግዘኩም ኣይክእልን እዩ። ህዝቅያስ ኣየታልልኩም። ካባና ኼዕቍበኩም ዚኽእል ኣምላኽ የልቦን’ በሎም።
የሆዋ ድማ ንህዝቅያስ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ነገሮ። ‘በቲ እቲ ራብሳቀ ዝበሎ ኣይትፍራህ። ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣይኪሕዛን እዩ’ እውን በሎ። ድሕሪኡ፡ ህዝቅያስ ካብ ሰናክሪብ ደብዳበታት መጾ። እተን ደብዳበታት ከኣ፡ ‘ኢድካ ሃብ። የሆዋ ኼድሕነካ ኣይክእልን እዩ’ ዚብላ ነበራ። ሽዑ፡ ህዝቅያስ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ንስኻ በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃንካ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣድሕነና’ ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ድማ፡ ‘ንጉስ ኣሶር ናብ የሩሳሌም ኣይኪመጽእን እዩ። ንኸተማይ ከዕቍባ እየ’ በሎ።
ሰናክሪብ ከኣ ንየሩሳሌም ከም ዚሕዛ ተኣማሚኑ ነበረ። ሓደ ለይቲ ግና፡ የሆዋ ንመልኣኹ ናብቲ እቶም ኣሶራውያን ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዝሰፈሩሉ ሰፈር ሰደዶ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ 185,000 ተዋጋእቲ ቐተለ! ንጉስ ሰናክሪብ ከኣ፡ እቶም ሓያላት ሰራዊቱ ሰኣነ። ስለዚ፡ ተሳዒሩ ናብ ዓዱ ኻብ ምምላስ፡ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። የሆዋ ኸምቲ ቓል ዝኣተዎ ንህዝቅያስን ንየሩሳሌምን ኣዕቈቦም። ሽዑ ኣብ የሩሳሌም እንተ ትነብርሲ፡ ኣብ የሆዋ ምተወከልካዶ፧
“መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡ የናግፎም እውን።”—መዝሙር 34:7