ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 55 ገጽ 132
  • መልኣኽ የሆዋ ንህዝቅያስ ኣዕቈቦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልኣኽ የሆዋ ንህዝቅያስ ኣዕቈቦ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ ይሕግዞ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • “ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ህዝቅያስ ዓስቢ እምነቱ ረኸበ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 55 ገጽ 132
መልኣኽ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን መጥቃዕቲ ይፍኑ

ትምህርቲ 55

መልኣኽ የሆዋ ንህዝቅያስ ኣዕቈቦ

መንግስቲ ኣሶር ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ተቘጻጸራ። ድሕሪኡ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳ ኺቈጻጸራ ደለየ። ንኸተማታት ይሁዳ ድማ በብተራ ሓዘን። ልዕሊ ዅሉ ግና ንኸተማ የሩሳሌም እዩ ኺሕዛ ደልዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንየሩሳሌም የዕቍባ ኸም ዝነበረ፡ ሰናክሪብ ኣይፈለጠን ነይሩ።

ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኺሓድጋ፡ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ብዙሕ ገንዘብ ከፈሎ። ሰናክሪብ ከኣ ነቲ ገንዘብ እኳ እንተ ወሰዶ፡ ንየሩሳሌም ኬጥቅዕዋ ኢሉ ሓያላት ሰራዊቱ ሰደደ። ኣሶራውያን እናቐረቡ ይመጹ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ህዝቢ ፈርሁ። ሽዑ፡ ህዝቅያስ፡ ‘ኣይትፍርሁ። ኣሶራውያን ብርቱዓት እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግና ካባታቶም ብዝያዳ ኼበርትዓና እዩ’ በሎም።

ሰናክሪብ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኼላግጸሎም ኢሉ ንሓደ ራብሳቀ ዚብሃል ልኡኹ ናብ የሩሳሌም ለኣኾ። እቲ ራብሳቀ ድማ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ደው ኢሉ፡ ‘የሆዋ ኺሕግዘኩም ኣይክእልን እዩ። ህዝቅያስ ኣየታልልኩም። ካባና ኼዕቍበኩም ዚኽእል ኣምላኽ የልቦን’ በሎም።

የሆዋ ድማ ንህዝቅያስ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ነገሮ። ‘በቲ እቲ ራብሳቀ ዝበሎ ኣይትፍራህ። ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣይኪሕዛን እዩ’ እውን በሎ። ድሕሪኡ፡ ህዝቅያስ ካብ ሰናክሪብ ደብዳበታት መጾ። እተን ደብዳበታት ከኣ፡ ‘ኢድካ ሃብ። የሆዋ ኼድሕነካ ኣይክእልን እዩ’ ዚብላ ነበራ። ሽዑ፡ ህዝቅያስ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ንስኻ በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃንካ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣድሕነና’ ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ድማ፡ ‘ንጉስ ኣሶር ናብ የሩሳሌም ኣይኪመጽእን እዩ። ንኸተማይ ከዕቍባ እየ’ በሎ።

ሰናክሪብ ከኣ ንየሩሳሌም ከም ዚሕዛ ተኣማሚኑ ነበረ። ሓደ ለይቲ ግና፡ የሆዋ ንመልኣኹ ናብቲ እቶም ኣሶራውያን ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዝሰፈሩሉ ሰፈር ሰደዶ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ 185,000 ተዋጋእቲ ቐተለ! ንጉስ ሰናክሪብ ከኣ፡ እቶም ሓያላት ሰራዊቱ ሰኣነ። ስለዚ፡ ተሳዒሩ ናብ ዓዱ ኻብ ምምላስ፡ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። የሆዋ ኸምቲ ቓል ዝኣተዎ ንህዝቅያስን ንየሩሳሌምን ኣዕቈቦም። ሽዑ ኣብ የሩሳሌም እንተ ትነብርሲ፡ ኣብ የሆዋ ምተወከልካዶ፧

“መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡ የናግፎም እውን።”—መዝሙር 34:7

ሕቶታት፦ የሆዋ ንየሩሳሌም ብኸመይ እዩ ኣዕቊብዋ፧ የሆዋ ንዓኻ ዜዕቍበካዶ ይመስለካ፧

2 ነገስት 17:1-6፣ 18:13-37፣ 19:1-37፣ 2 ዜና መዋእል 32:1-23

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ