ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 56 ገጽ 134-ገጽ 135 ሕ.ጽ. 1
  • ዮስያስ ሕጊ ኣምላኽ ይፈቱ ነበረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮስያስ ሕጊ ኣምላኽ ይፈቱ ነበረ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮስያስ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ነበርዎ
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • እቲ ትሑት ዮስያስ ስምረት የሆዋ ነበሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ቅኑዕ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ንጉስ እስራኤል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ዮስያስ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር መረጸ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 56 ገጽ 134-ገጽ 135 ሕ.ጽ. 1
ሻፋን ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ንንጉስ ዮስያስ የንብበሉ

ትምህርቲ 56

ዮስያስ ሕጊ ኣምላኽ ይፈቱ ነበረ

ዮስያስ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ፡ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ህዝቢ ስሒር ይገብሩን ጣኦታት የምልኹን ነበሩ። ዮስያስ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንየሆዋ ኸመይ ገይሩ ብቕኑዕ መገዲ ኸም ዜምልኾ ኺፈልጥ ጸዓረ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ጣኦታትን መሰውኢታትን ኬፍርስ ጀመረ። ወዲ 26 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም እትጽገን ገበረ።

ኣብታ ቤተ መቕደስ ድማ ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ሕጊ የሆዋ ዝሓዘት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ረኸበ፣ ምናልባት እታ መጽሓፍ ብሙሴ እተጻሕፈት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሻፋን ዚብሃል ናይ ንጉስ ጸሓፊ ከኣ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ናብ ዮስያስ ወሲዱ፡ ዓው ኢሉ ኻብኣ ኼንብበሉ ጀመረ። ዮስያስ ድማ ምስ ሰምዖ፡ እቶም ህዝቢ ንብዙሕ ዓመታት ትእዛዝ የሆዋ የፍርሱ ኸም ዝነበሩ ፈለጠ። ንጉስ ዮስያስ ከኣ ንሒልቅያ፡ ‘የሆዋ ብዙሕ ተቘጢዑና ኣሎ። ኪድ እሞ ተዛረቦ። እንታይ ከም እንገብር እውን የሆዋ ኺነግረና እዩ’ በሎ። የሆዋ ድማ ብነብዪት ሑልዳ ኣቢሉ፡ ‘ህዝቢ ይሁዳ ሓዲጎምኒ እዮም። ኣነ ድማ ክቐጽዖም እየ፣ ግናኸ፡ ዮስያስ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ብግዜ ንግስናኡ ኣይክቐጽዖምን እየ’ ኢሉ መለሰ።

ሒልቅያ ነታ ሕጊ የሆዋ ዝሓዘት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ይረኽባ

ንጉስ ዮስያስ ነቲ መልእኽቲ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከደ፡ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ እውን ኣከቦም። ሽዑ፡ ዓው ኢሉ ሕጊ የሆዋ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ዮስያስን እቶም ህዝብን ድማ ብምሉእ ልቦም ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ተመባጽዑ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህዝቢ ይሁዳ ፋስጋ ኻብ ዘየብዕሉ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ዮስያስ ኣብቲ ሕጊ፡ ፋስጋ ዓመት ዓመት ኪብዓል ከም ዚግባእ ምስ ኣንበበ ግና፡ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ንየሆዋ ኣምላኽና ፋስጋ ኸነብዕል ኢና’ በሎም። ድሕሪኡ፡ ዮስያስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ብዙሕ መስዋእትታት ኣዳለወ፡ ጕጅለታት ዘመርቲ እውን ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ፋስጋ ኣብዓሉ፣ ደድሕሪኡ እውን ሸውዓተ መዓልቲ ዚወስድ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ካብ ዘመን ሳሙኤል ኣትሒዙ ኸምኡ ዝበለ ፋስጋ ኣይተባዕለን። ዮስያስ ንሕጊ ኣምላኽ ብሓቂ ይፈትዎ ነበረ። ንስኻኸ ብዛዕባ የሆዋ ምፍላጥ የሐጕሰካ ድዩ፧

“ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።”—መዝሙር 119:105

ሕቶታት፦ ንጉስ ዮስያስ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኪንበብ ምስ ሰምዐ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ የሆዋ ብዛዕባ ዮስያስ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧

2 ነገስት 21:26፣ 22:1–23:30፣ 2 ዜና መዋእል 34:1–35:25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ