ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 65 ገጽ 154-ገጽ 155 ሕ.ጽ. 1
  • ኣስቴር ንህዝባ ኣድሓነቶም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣስቴር ንህዝባ ኣድሓነቶም
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማርዶካይን ኣስቴርን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 65 ገጽ 154-ገጽ 155 ሕ.ጽ. 1
ንግስቲ ኣስቴር ናብቲ ብዙሓት ሓለውቲ ዘለውዎ ኣጸድ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ትኣቱ

ትምህርቲ 65

ኣስቴር ንህዝባ ኣድሓነቶም

ንግስቲ ኣስቴር

ኣብታ ኣብ ፋርስ እትርከብ ከተማ ሱሳን፡ ኣስቴር እትብሃል ኣይሁዳዊት ትነብር ነበረት። ስድራ ቤታ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ዝወሰዶም እዮም ነይሮም። ንዓኣ ድማ ማርዶካይ ዝስሙ ወዲ ሓው ኣቦኣ እዩ ኣዕብይዋ። ማርዶካይ ኣገልጋሊ ኣሓሽዌሮስ ንጉስ ፋርስ እዩ ነይሩ።

ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ሓዳስ ንግስቲ ደለየ። ገላዉኡ ድማ ኣብታ ሃገር ዚርከባ መልክዐኛታት ኣዋልድ ኣምጽኡሉ፣ ሓንቲ ኻባታተን እውን ኣስቴር ነበረት። ንጉስ ግና ካብ ኵለን እተን ኣዋልድ ንኣስቴር ንግስቱ ኽትከውን ሓረያ። ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር፡ ኣይሁዳዊት ምዃና ኸይትነግር ኣዚዝዋ ነበረ።

ሃማን ዝስሙ ዕቡይ ሰብኣይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መሳፍንቲ ተሸይሙ ነበረ። ንሱ ድማ፡ ኵሉ ሰብ ኪሰግደሉ ደለየ። ማርዶካይ ግና ከምኡ ምግባር ኣበየ። ሃማን እውን በዚ ኣመና ስለ እተቘጥዐ፡ ኪቐትሎ ደለየ። ማርዶካይ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ሃማን ምስ ፈለጠ ኸኣ፡ ኣብታ ሃገር ንዚነብሩ ዅሎም ኣይሁድ ኪቐትሎም ውዲት ኣለመ። ንንጉስ ድማ፡ ‘ኣይሁድ ሓደገኛታት እዮም፣ ከተጥፍኦም ኣሎካ’ በሎ። ኣሓሽዌሮስ ከኣ፡ ‘ኣድላዪ ዝበልካዮ ግበር’ በሎ፡ ሕጊ ኼውጽእ እውን ስልጣን ሃቦ። ሃማን ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዅሎም ኣይሁድ ኣብ መበል 13 ወርሒ ኣዳር ኪቐትልዎም ሕጊ ኣውጽአ። የሆዋ ግና ነዚ ይርእዮ ነበረ።

ኣስቴር ብዛዕባ እቲ ሕጊ ኣይትፈልጥን ነበረት። ስለዚ ኸኣ፡ ማርዶካይ ቅዳሕ እቲ ሕጊ ሰደደላ እሞ፡ ‘ኬድኪ ንንጉስ ተዛረብዮ’ በላ። ኣስቴር ድማ፡ ‘ከይተጸውዐ ናብ ንጉስ ዚኣቱ ዘበለ ዅሉ ይቕተል እዩ። ንጉስ ከኣ ካብ ዘይጽውዓኒ 30 መዓልቲ ዀይኑ ኣሎ። ግናኸ፡ ናብኡ ክኸይድ እየ። ዘንጉ እንተ ዘርጊሑለይ፡ ብህይወት ክነብር እየ። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ክመውት እየ’ ኢላ መለሰት።

ኣስቴር ከኣ ናብ ኣጸድ ንጉስ ከደት። ንጉስ ምስ ረኣያ ድማ፡ ዘንጉ ዘርግሓላ። ንሳ ኸኣ ናብኡ ቐረበት፣ ንሱ እውን፡ ‘ኣስቴር፡ እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ፧’ ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ ‘ንዓኻን ንሃማንን ናብ ድግስ ክዕድመኩም እደሊ እየ’ በለቶ። ኣብቲ ድግስ ከኣ፡ ኣስቴር መሊሳ ኻልእ መዓልቲ ናብ እትገብሮ ድግስ ዓደመቶም። ኣብቲ ኻልኣይ ድግስ፡ ንጉስ፡ ‘እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ፧’ ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ ‘ሓደ ሰብ ንዓይን ንህዝበይን ኪቐትለና ተላዒሉ ኣሎ። በጃኻ ኣድሕነና’ በለቶ። ንጉስ ከኣ፡ ‘መን እዩ ኪቐትለኩም ዚደሊ፧’ ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ ‘እዚ ኽፉእ ሃማን እዩ’ በለት። ሽዑ፡ ኣሓሽዌሮስ ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ፡ ንሃማን ብኡብኡ ኣቕተሎ።

ይኹን እምበር፡ ነቲ ሃማን ዘውጽኦ ሕጊ ኺስርዞ ዚኽእል ዋላ ሓደ ኣይነበረን፣ ንጉስ እውን እንተ ዀነ ኺስርዞ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንጉስ ንማርዶካይ፡ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ሸሞ፡ ሓድሽ ሕጊ ኼውጽእ እውን ስልጣን ሃቦ። ማርዶካይ ከኣ፡ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወ ገዛእ ርእሶም ኪከላኸሉ ዚፈቅድ ሕጊ ኣውጽአ። ኣብ መበል 13 ኣዳር ድማ፡ ኣይሁድ ንጸላእቶም ሰዓርዎም። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ዓመት ዓመት ነዚ ዓወት እዚ የብዕልዎ ኣለዉ።

“ንዓታቶምን ንኣህዛብን ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምእንታይ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ክትቀርቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 10:18

ሕቶታት፦ ኣንጻር ኣይሁድ እንታይ ውዲት እዩ እተኣልመ፧ ኣስቴር ብየሆዋ ኸም እትኣምን ከመይ ገይራ እያ ኣርእያ፧

ኣስቴር 2:5-20፣ 3:1–5:8፣ 7:1–8:14፣ 9:1-28

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ