ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 68 ገጽ 162-ገጽ 163 ሕ.ጽ. 1
  • ኤልሳቤጥ ወለደት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኤልሳቤጥ ወለደት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መገዲ ዜዳሉ ተወልደ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ካብ ኣምላኽ ክልተ መልእኽቲ መጸ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • እቲ ጸራግ መገዲ ተወሊዱ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ካብ ሰማይ ዝመጸ መልእኽትታት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 68 ገጽ 162-ገጽ 163 ሕ.ጽ. 1
ዘካርያስ ንፈተውቱን ንኣዝማዱን፡ ወዱ ዮሃንስ ተባሂሉ ኸም ዚስመ ይሕብሮም

ትምህርቲ 68

ኤልሳቤጥ ወለደት

ድሕሪ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ልዕሊ 400 ዓመት ሓለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዘካርያስ ዝስሙ ካህንን ሰበይቱ ኤልሳቤጥን ኣብ ጥቓ ኸተማ የሩሳሌም ይነብሩ ነበሩ። ካብ ዚምርዓዉ ነዊሕ ዓመታት ገይሮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ፡ ዘካርያስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዕጣን ኪዓጥን ከሎ፡ ገብርኤል መልኣኽ ተራእዮ። ዘካርያስ ድማ ፈርሀ፣ ገብርኤል ግና፡ ‘ኣይትፍራህ። ካብ የሆዋ ብስራት እየ ኣምጺአልካ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድ እያ፣ ስሙ እውን ዮሃንስ ክትብሎ ኢኻ። የሆዋ ንዮሃንስ ንፍሉይ ዕዮ ሓርይዎ ኣሎ’ በሎ። ዘካርያስ ከኣ፡ ‘ከመይ ገይረ ኽኣምነካ እኽእል፧ ኣነን ሰበይተይን ስለ ዝኣረግና፡ ውሉድ ክንወልድ ኣይንኽእልን ኢና’ በሎ። ገብርኤል ድማ፡ ‘ኣነ ነዚ ብስራት እዚ ኽነግረካ ኻብ ኣምላኽ እየ ተላኢኸ። ስለ ዘይኣመንካኒ ግና፡ እቲ ሕጻን ክሳዕ ዚውለድ፡ ምዝራብ ክትስእን ኢኻ’ በሎ።

ዘካርያስ ከኣ ኣብታ መቕደስ ደንጐየ። ኣብ መወዳእታ ምስ ወጸ ድማ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዝነበሩ ህዝቢ እንታይ ከም ዝዀነ ኺፈልጡ ደለዩ። ዘካርያስ ግና ኪዛረብ ኣይከኣለን። ብኢዱ ጥራይ እዩ ኼመልክትሎም ዚኽእል ዝነበረ። ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ፡ ዘካርያስ ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ኸም ዝመጾ ፈለጡ።

ድሕርዚ፡ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎ፡ ኤልሳቤጥ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ፈተውታን ኣዝማዳን ከኣ ነቲ ሕጻን ኪርእይዎ መጹ። ምስኣ ድማ ብዙሕ ተሓጐሱ። ኤልሳቤጥ ከኣ፡ ‘ዮሃንስ ተባሂሉ እዩ ኺስመ’ በለቶም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ካብ ቤተ ሰብኪ ዮሃንስ እተሰምየ የልቦን። ብስም ኣቦኡ፡ ዘካርያስ ኢልኪ ስመይዮ’ በልዋ። ዘካርያስ ግና፡ ‘ስሙ ዮሃንስ እዩ’ ኢሉ ጸሓፈሎም። ሽዑሽዑ ኸኣ፡ ዘካርያስ መሊሱ ኺዛረብ ከኣለ! ብዛዕባ እቲ ሕጻን ድማ ኣብ ብዘላ ይሁዳ ተወርየ፣ ሰባት እውን፡ ‘እዚ ሕጻን እዝስ ምስ ዓበየ እንታይ ኪኸውን እዩ፧’ ኢሎም ሓሰቡ።

ሽዑ፡ ዘካርያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ‘የሆዋ ይወደስ። ዜድሕነና መድሓኒ ወይ መሲሕ ከም ዚሰድድ ንኣብርሃም ኣተስፍይዎ ነይሩ እዩ። ዮሃንስ ነብዪ ኪኸውን እዩ፣ ንመሲሕ እውን መገዲ ኼዳልወሉ እዩ’ ኢሉ ተነበየ።

ንማርያም ዘመድ ኤልሳቤጥ እውን ሓደ ፍሉይ ነገር ኣጋጢምዋ እዩ። ኣብ ዚቕጽል ምዕራፍ፡ ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

“እዚ ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ።”—ማቴዎስ 19:26

ሕቶታት፦ ገብርኤል ንዘካርያስ እንታይ ኢሉ እዩ ነጊርዎ፧ ዮሃንስ እንታይ ፍሉይ ዕዮ እዩ ነይርዎ፧

ማቴዎስ 11:7-14፣ ሉቃስ 1:5-25, 57-79፣ ኢሳይያስ 40:3፣ ሚልክያስ 3:1

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ