ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 75 ገጽ 178-ገጽ 179 ሕ.ጽ. 4
  • ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንፈተናታት ክንቃወሞ የድልየና
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ‘ንድያብሎስ ተጻረሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ካብቲ የሱስ ንፈተናታት እተዋጽኣሉ መገዲ ተምሃር
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ካብ ናይ የሱስ ፈተናታት ምምሃር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 75 ገጽ 178-ገጽ 179 ሕ.ጽ. 4
የሱስ ካብ ላዕለዋይ ጫፍ እታ ቤተ መቕደስ ምጽዳፍ ይኣቢ

ትምህርቲ 75

ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ

የሱስ ንኣእማን ናብ እንጌራ ምቕያር ይኣቢ

የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ናብ በረኻ ተመርሐ። ን40 መዓልቲ ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይበልዐ ድማ፡ ኣመና ጠመየ። ሽዑ፡ ድያብሎስ ንየሱስ ኪፍትኖ መጸ እሞ፡ ‘ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል’ በሎ። የሱስ ግና፡ ‘ብህይወት ንምንባር ካብ ምግቢ ንላዕሊ ኸም ዜድሊ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዚዛረቦ ቓል እውን ክትሰምዕ ከም ዚግባእ ጽሑፍ ኣሎ’ ኢሉ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መለሰሉ።

ቀጺሉ፡ ድያብሎስ ንየሱስ፡ ‘ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ጽደፍ። ኣምላኽ መላእኽቱ ኸም ዚሰድድ እሞ ንሳቶም ከም ዚሕዙኻ ጽሑፍ ኣሎ’ በሎ። የሱስ ግና፡ ‘ንየሆዋ ኣይትፈትኖ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ’ ኢሉ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ብሓድሽ ጠቐሰሉ።

የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ዅለን መንግስትታት ዓለም ምቕባል ይኣቢ

ድሕሪኡ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለምን ሃብተንን ክብረንን ኣርኣዮ እሞ፡ ‘ሓንሳእ ጥራይ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዘን ኵለን መንግስትታት ክህበካ እየ’ በሎ። የሱስ ግና፡ ‘ንየሆዋ ጥራይ ኣምልኮ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ኪድ፡ ሰይጣን!’ በሎ።

ድሕርዚ፡ ድያብሎስ ሓዲግዎ ኸደ፣ መላእኽቲ ናብ የሱስ መጺኦም ከኣ፡ ዚብላዕ ሃብዎ። ካብኡ ንደሓር፡ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ ነበረ። ናብ ምድሪ ድማ ነቲ ዕዮ እቲ ኺዓዪ እዩ ተላኢኹ። ሰባት ንትምህርቲ የሱስ ይፈትውዎ ነበሩ፣ ኣብ ዝኸዶ ዅሉ እውን ይስዕብዎ ነበሩ።

“ድያብሎስ . . . ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ።”—ዮሃንስ 8:44

ሕቶታት፦ እቲ ሰለስተ ፈተናታት እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስከ ንድያብሎስ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሉ፧

ማቴዎስ 4:1-11፣ ማርቆስ 1:12, 13፣ ሉቃስ 4:1-15፣ ዘዳግም 6:13, 16፣ 8:3፣ ያእቆብ 4:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ