ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 79 ገጽ 186-ገጽ 187 ሕ.ጽ. 2
  • የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ምዉታት የተንስእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ሓንቲ ጓል ተንስአት!
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ክዳን የሱስ ተንክያ ሓወየት
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 79 ገጽ 186-ገጽ 187 ሕ.ጽ. 2
ሕሙማት ኪሓውዩ ናብ የሱስ ይመጹ

ትምህርቲ 79

የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ

የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ኢሉ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። ንጉስ ምስ ኰነ እንታይ ከም ዚገብር ምእንቲ ኼርኢ ግና፡ የሆዋ ንዕኡ ቕዱስ መንፈሱ ብምሃብ፡ ተኣምራት ኪገብር ሓይሊ ሃቦ። ስለዚ፡ ኵሉ ዓይነት ሕማም ኬሕዊ ይኽእል ነበረ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ፡ ሕሙማት ሓገዙ ደልዮም ናብኡ ይመጹ ነበሩ፡ ንሱ እውን ንዅሎም የሕውዮም ነበረ። ዕዉራት ይርእዩ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ልሙሳት ብእግሮም ይኸዱ፡ ኣጋንንቲ ዚቈጻጸርዎም ሰባት እውን ናጻ ይዀኑ ነበሩ። ጫፍ ክዳኑ እኳ እንተ ተንክዮም፡ ይሓውዩ ነበሩ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ እውን ሰባት ይስዕብዎ ነበሩ። የሱስ በይኑ ኪኸውን ኪደሊ ኸሎ እኳ፡ ይቕበሎም ነበረ።

ሓደ ግዜ፡ ልሙስ ሰብኣይ ናብታ የሱስ ዝነበራ ቤት ኣምጽኡሉ። ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ ግና፡ ናብታ ቤት ኪኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ነቲ ናሕሲ ኣፍሪሶም፡ ነቲ ሰብኣይ ናብ የሱስ ኣውረድዎ። ሽዑ፡ የሱስ ነቲ ሰብኣይ፡ ‘ተንስእ እሞ ኺድ’ በሎ። ከምኡ ምስ ገበረ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ተገረሙ።

ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ፡ የሱስ ናብ ሓንቲ ቝሸት ምስ ኣተወ፡ ዓሰርተ ድዉያት ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ‘የሱስ፡ ሓግዘና!’ ኢሎም ጨርሑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ድዉያት ናብ ሰብ ኪቐርቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። የሱስ ከኣ ነቶም ሰባት፡ ናብ ቤተ መቕደስ ኪኸዱ ነገሮም፣ ከመይሲ፡ ድዉያት ምስ ሓወዩ፡ ከምኡ ኺገብሩ ሕጊ የሆዋ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። ኣብ መገዲ ኸለዉ ድማ፡ ሓወዩ። ሓደ ኻብቶም ድዉያት ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፡ ንየሱስ ንምምስጋንን ንኣምላኽ ንምውዳስን ተመሊሱ መጸ። ካብቶም ዓሰርተ፡ እዚ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ንየሱስ ኣመስጊንዎ።

ሓንቲ ን12 ዓመት ዝሓመመት ሰበይቲ፡ ክትሓዊ ብዙሕ ትጽዕር ነበረት። ንሳ ኸኣ ብመንጎ ህዝቢ፡ ንየሱስ ብድሕሪኡ ቐሪባ ጫፍ ክዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ እውን ሓወየት። ከምኡ ምስ ኰነ፡ የሱስ፡ “መን እዩ ዝተንከየኒ፧” በለ። እታ ሰበይቲ ድማ ፈሪሃ እኳ እንተ ነበረት፡ ናብኡ ቐሪባ እቲ ሓቂ ነገረቶ። የሱስ ከኣ፡ ‘ጓለየ፡ ብሰላም ኪዲ’ ኢሉ ኣጸናንዓ።

ያኢሮስ ዝስሙ መራሕ ምኵራብ ድማ፡ ‘ጓለይ ብርቱዕ ሕማም ሓሚማ ኣላ እሞ፡ ናብ ቤተይ ግዳ ንኺድ’ ኢሉ ለመኖ። የሱስ ናብ ቤት ያኢሮስ ቅድሚ ምብጻሑ ግና፡ እታ ጓል ሞተት። የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ስድራ ኼተሓዝንዎም ተኣኪቦም ነበሩ። የሱስ ድማ፡ ‘ደቂሳ ኣላ እሞ፡ ኣይትብከዩ’ በሎም። ድሕሪኡ፡ ነታ ጓል ብኢዳ ሒዙ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ። ንሳ ድማ ብኡብኡ ተንስአት፣ የሱስ ከኣ ንወለዳ፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኣዘዞም። ወለዳ ኸመይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ!

የሱስ ንጓል ያኢሮስ የተንስኣ

“ኣምላኽ ንዕኡ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረን ንዅሎም እቶም ድያብሎስ ዝጨቈኖም እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ ትፈልጡ ኢኹም።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:38

ሕቶታት፦ የሱስ ኵሉ ዓይነት ሕማም ኬሕዊ ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ጓል ያኢሮስ እንታይ እያ ዀይና፧

ማቴዎስ 9:18-26፣ 14:36፣ ማርቆስ 2:1-12፣ 5:21-43፣ 6:55, 56፣ ሉቃስ 6:19፣ 8:41-56፣ 17:11-19

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ