ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 81 ገጽ 190-ገጽ 191 ሕ.ጽ. 2
  • ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ ምኽንያት
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ጽቡቕ ግበሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኣሎካ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 81 ገጽ 190-ገጽ 191 ሕ.ጽ. 2
የሱስ ንብዙሓት ህዝቢ ኣብ ከረን ይሰብከሎም

ትምህርቲ 81

ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ምስ ሓረዮም፡ ካብቲ ኸረን ወረደ እሞ ብዙሓት ህዝቢ ናብ እተኣከቡሉ ቦታ መጸ። እቶም ህዝቢ ድማ ካብ ገሊላን ይሁዳን ጢሮስን ሲዶንን ሶርያን ካብ ስግር ዮርዳኖስን ዝመጹ ነበሩ። ሕሙማትን ብኣጋንንቲ ዚሳቐዩን ሰባት እውን ኣምጽኡሉ። የሱስ ከኣ ንዅሎም ኣሕወዮም። ብጎቦ እቲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ድማ ኪዛረብ ጀመረ። ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን እንተ ዄንና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ገለጸ። ኣብ ህይወትና መምርሒ የሆዋ ኸም ዜድልየና ኽንፈልጥን ንዕኡ ኸነፍቅሮን ኣሎና። ንሰባት ዘይነፍቅሮም እንተ ዄንና ግና፡ ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ኣይንኽእልን ኢና። ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ንጸላእትና ኽንልውሃሎም ኣሎና።

የሱስ ድማ ከምዚ በለ፦ ‘ንኣዕሩኽኩም ጥራይ ምፍቃር እኹል ኣይኰነን። ንጸላእትኹም እውን ከተፍቅሩ፡ ካብ ልቢ ኸኣ ይቕረ ኽትብሉሎም ኣሎኩም። ሓደ ሰብ ብኣኻ እንተ ሓሪቑ፡ ናብኡ ኼድካ ይቕረታ ኺገብረልካ ሕተቶ። ንሰባት ከምቲ ኺገብሩልኩም እትደልይዎም ግበሩሎም።’

የሱስ ንብዙሓት ህዝቢ ኣብ ከረን ይሰብከሎም

የሱስ ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት እውን ጽቡቕ ምኽሪ ሃበ። ከምዚ ድማ በለ፦ ‘ብዙሕ ገንዘብ ካብ ምጥራይ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ኣጸቢቑ ይሓይሽ። ሰራቒ ንገንዘብኩም ኪሰርቆ ይኽእል እዩ፣ ምስ የሆዋ ዘሎኩም ዕርክነት ግና ዋላ ሓደ ኺሰርቆ ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እትበልዕዎ፡ እትሰትይዎ፡ ወይ እትኽደንዎ ኣይትጨነቑ። ንኣዕዋፍ እሞ ረኣይወን። ኣምላኽ ንዓታተን እኹል ዚብላዕ ይህበን እዩ። ብምጭናቕኩም፡ ኣብ ዕድመኹም ሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣይትውስኹን ኢኹም። የሆዋ ዜድልየኩም ዘበለ ኸም ዚፈልጥ ኣይትረስዑ።’

እቶም ህዝቢ ኸም ናይ የሱስ ገይሩ ዚዛረብ ሰሚዖም ኣይፈልጡን ነበሩ። መራሕቲ ሃይማኖቶም እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣይመሃርዎምን። ስለምንታይ እዩ የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነ፧ ምኽንያቱ፡ ኵሉ ትምህርቱ ኻብ የሆዋ እዩ ነይሩ።

“ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 11:29

ሕቶታት፦ ኣዕሩኽ የሆዋ ንምዃን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ የሆዋ ንዓኻ፡ ንሰባት እንታይ ክትገብረሎም እዩ ዚደልየካ፧

ማቴዎስ 4:24–5:48፣ 6:19-34፣ 7:28, 29፣ ሉቃስ 6:17-31

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ