ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 83 ገጽ 194-ገጽ 195 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ ንኣሽሓት መገበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ንኣሽሓት መገበ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኣሽሓት መገበ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ ይምግብ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ካብቲ ብተኣምር እተረኽበ እንጌራ እንታይ ንምሃር፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • የሱስ ብዙሓት ሰባት ይምግብ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 83 ገጽ 194-ገጽ 195 ሕ.ጽ. 1
ሃዋርያት ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ምግቢ ይዕድልዎም

ትምህርቲ 83

የሱስ ንኣሽሓት መገበ

ቀቅድሚ ፋስጋ 32 ድ.ክ.፡ ሃዋርያት ካብ ዙረት ስብከት ተመልሱ። ደኺሞም ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ ኬዕርፉ ኢሉ ብጃልባ ናብ ቤት-ሳይዳ ወሰዶም። እታ ጃልባ ናብ ገምገም ምስ ቀረበት ግና፡ ኣሽሓት ህዝቢ ኸም ዝሰዓብዎም ረኣየ። የሱስ ምስ ሃዋርያቱ በይኖም ኪዀኑ ደልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ህዝቢ ብጽቡቕ ተቐበሎም። ሕሙማቶም ኣሕወየ፡ ኪምህሮም እውን ጀመረ። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃሮም። ምስ መሰየ፡ ሃዋርያቱ ናብኡ መጺኦም፡ ‘እዞም ህዝቢ ጠምዮም ኪዀኑ ኣለዎም። ዚብላዕ ኪረኽቡስ ኣሰናብቶም’ በልዎ።

ሓደ ቘልዓ ንየሱስ እንጌራን ዓሳን ይህቦ

የሱስ ድማ፡ ‘ኪኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፣ ንስኻትኩም ኣብዚ ዚብላዕ ሃብዎም’ በሎም። እቶም ሃዋርያት ከኣ፡ ‘ኬድና እንጌራ ኽንዕድገሎም ትደሊ ዲኻ፧’ በልዎ። ሓደ ኻብቶም ሃዋርያት ዝዀነ ፊልጶስ ድማ፡ ‘ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተ ዚህልወና፡ ነዞም ህዝቢ ዚኣክል እንጌራ ኽንዕድግ ኣይንኽእልን ኢና’ በለ።

የሱስ ከኣ፡ ‘ክንደይ ዚኣክል ምግቢ ኣሎና፧’ ኢሉ ሓተተ። እንድርያስ ድማ፡ ‘ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን። እዚኣተን ግና እንታይ ይጠቕማ፧’ በለ። የሱስ ከኣ፡ ‘ነቲ እንጌራን ነቲ ዓሳን ኣምጽእዎ’ በሎም። ነቶም ህዝቢ ድማ በብሓምሳን በብሚእትን ኪቕመጡ ነገሮም። ነቲ እንጌራን ዓሳን ወሲዱ ኸኣ፡ ናብ ሰማይ ጠሚቱ ጸለየ። ሽዑ፡ ነቲ ምግቢ ንሃዋርያቱ ሃቦም፣ ንሳቶም እውን ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ 5,000 ሰብኡት ኰኑ እተን ኣንስትን እቶም ቈልዑን ድማ በሊዖም ጸገቡ። ድሕሪኡ፡ ዋላ ሓንቲ ምእንቲ ኸይትባኽን፡ እቶም ሃዋርያት ነቲ ዝተረፈ ኣከብዎ። እቲ ዝተረፈ ኸኣ፡ 12 መሶብ ምሉእ ኰነ! እዝስ ዜደንቕ ተኣምር ደይኰነን፧

እቶም ህዝቢ በዚ ስለ እተደነቑ፡ ንየሱስ ኬንግስዎ ደለዩ። የሱስ ግና፡ የሆዋ ንዕኡ ዜንግሰሉ ግዜ ኸም ዘይኣኸለ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ፡ ንሃዋርያቱ ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላ ኪኸዱ ነገሮም። ንሳቶም ከኣ ናብ ጃልባ ደየቡ፣ የሱስ እውን በይኑ ናብ ከረን ደየበ። ስለምንታይ፧ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ስለ ዝደለየ እዩ። ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ነበሮ፡ ወትሩ ንጸሎት ግዜ ይምድብ ነይሩ እዩ።

“ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ።”—ዮሃንስ 6:27

ሕቶታት፦ የሱስ ንሰባት ከም ዚሓልየሎም ብኸመይ ኣርእዩ፧ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

ማቴዎስ 14:14-22፣ ሉቃስ 9:10-17፣ ዮሃንስ 6:1-15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ