ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 85 ገጽ 198-ገጽ 199 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ ብሰንበት ኣሕወየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ብሰንበት ኣሕወየ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ተጻረርዎ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ናይ ፈሪሳውያን እናፈለጥካ ምኽሓድ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ምሕዋይ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ኣሕወዮ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 85 ገጽ 198-ገጽ 199 ሕ.ጽ. 1
ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ይሓትትዎ

ትምህርቲ 85

የሱስ ብሰንበት ኣሕወየ

ፈሪሳውያን ንየሱስ ይጸልእዎ ነበሩ፣ ኪሕዝዎ እውን ምኽንያት ኪረኽቡሉ ይደልዩ ነበሩ። ብሰንበት ኬሕዊ ኸም ዘይብሉ እውን ይዛረቡ ነበሩ። ሓደ ሰንበት፡ የሱስ ኣብ ጐደና እናኸደ ዕዉር ለማኒ ረኸበ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ‘ሓይሊ ኣምላኽ ነዚ ሰብ እዚ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ርኣዩ’ በሎም። ንጥፍጣፉ ምስ ሓመድ ብምትሕውዋስ፡ በቲ ጸብሪ ገይሩ ንኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ለኸዮ። የሱስ ድማ፡ ‘ኣብ ሓጽቢ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ገበረ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ ኺርኢ ኸኣለ።

በዚ ድማ፡ ሰባት ተገረሙ። ‘እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ሰብኣይ ድዩ፡ ወይስ ንዕኡ ዚመስል እዩ፧’ እውን በሉ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ‘ብዕዉረይ እተወለድኩ ኣነ እየ’ በሎም። እቶም ሰባት ድማ፡ ‘ከመይ ኢልካ ደኣ ኽትርኢ ኽኢልካ፧’ በልዎ። ንሱ ምስ ነገሮም ከኣ፡ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።

ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ነቶም ፈሪሳውያን፡ ‘የሱስ ኣብ ኣዒንተይ ጸብሪ ገይሩለይ፡ ከይደ ኽሕጸብ እውን ነጊሩኒ። ከምኡ ምስ ገበርኩ፡ ክርኢ ኽኢለ’ በሎም። እቶም ፈሪሳውያን ከኣ፡ ‘የሱስ ብሰንበት ዜሕዊ እንተ ዀይኑ፡ ሓይሉ ኻብ ኣምላኽ ኣይኰነን’ በሉ። ካልኦት ግና፡ ‘ሓይሉ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ፡ ጠሪሱ ኼሕዊ ኣይምኸኣለን ነይሩ’ በሉ።

እቶም ፈሪሳውያን ከኣ ንወለዲ እቲ ሰብኣይ ጸዊዖም፡ ‘ወድኹም ከመይ ገይሩ ኺርኢ ኽኢሉ፧’ ኢሎም ሓተትዎም። ፈሪሳውያን ብየሱስ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ምኵራብ ንምስጓጕ ተሰማሚዖም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ወለዱ ፈርሁ። ስለዚ፡ ‘እንድዒ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንዕኡ ሕተትዎ፧’ በልዎም። እቶም ፈሪሳውያን ድማ ነቲ ሰብኣይ ተወሳኺ ሕቶታት ሓተትዎ፣ ንሱ ኸኣ፡ ‘ዝፈልጦ ዅሉ ነጊረኩም እየ። ስለምንታይ ኢኹም ደጋጊምኩም እትሓትቱኒ ዘለኹም፧’ በሎም። ሽዑ፡ እቶም ፈሪሳውያን ተቘጥዑ፡ ሰጐጕዎ እውን።

የሱስ ድማ ከይዱ ነቲ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ፡ ‘ብመሲሕዶ ትኣምን ኢኻ፧’ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ‘መን ምዃኑ እንተ ዝፈልጥ ምኣመንኩ’ በሎ። ሽዑ፡ የሱስ፡ ‘ኣነ መሲሕ እየ’ በሎ። እሞኸ የሱስ በዚ ኸምዚ ለዋህ ምዃኑ ደይኰነን ኣርእዩ፧ ነቲ ሰብኣይ ኣሕውይዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እምነት ክትህልዎ እውን ሓጊዝዎ እዩ።

“ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣለኹም።”—ማቴዎስ 22:29

ሕቶታት፦ የሱስ ነቲ ዕዉር ሰብኣይ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧ ስለምንታይ እዮም ፈሪሳውያን ንየሱስ ዚጸልዎ ዝነበሩ፧

ዮሃንስ 9:1-41

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ