ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 100 ገጽ 232-ገጽ 233 ሕ.ጽ. 2
  • ጳውሎስን ጢሞቴዎስን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጳውሎስን ጢሞቴዎስን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ንምግልጋል ድሉውን ፍቓደኛን ዝነበረ ጢሞቴዎስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ነበረ
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ጢሞቴዎስ ‘ብእምነት ናይ ሓቂ ውሉድ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 100 ገጽ 232-ገጽ 233 ሕ.ጽ. 2
ጳውሎስን ሲላስን ጢሞቴዎስን

ትምህርቲ 100

ጳውሎስን ጢሞቴዎስን

ኤውኒቄን ሎኢስን ጢሞቴዎስ ብንእስነቱን

ኣብ ጉባኤ ልስጥራ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል መንእሰይ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ግሪኻዊ ኣቦን ካብ ኣይሁዳዊት ኣደን እተወልደ ነበረ። እታ ኤውንቄ ዝስማ ኣዲኡን እታ ሎኢስ ዝስማ ዓባዩን ከኣ፡ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዘን ብዛዕባ የሆዋ መሃራኦ።

ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ጕዕዞ ስብከቱ ናብ ልስጥራ ምስ ከደ፡ ጢሞቴዎስ ንኣሕዋት ከም ዜፍቅርን ኪሕግዞም ከም ዚደልን ኣስተብሃለሉ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኣብቲ ጕዕዞ ኪኸይድ ዓደሞ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሕለፍዎ ግዜ ኸኣ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንፉዕ ሰባኽን መምህርን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ኣሰልጠኖ።

መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንጳውሎስን ንጢሞቴዎስን ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ይመርሖም ነበረ። ሓደ ለይቲ፡ ሓደ ሰብኣይ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ናብ መቄዶንያ ኸይዱ ኺረድኦም ነገሮ። ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ሲላስን ሉቃስን ድማ ኪሰብኩን ጉባኤታት ኬቝሙን ኢሎም ናብኡ ኸዱ።

ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ተሰሎንቄ፡ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ክርስትያናት ኰኑ። ገሊኦም ኣይሁድ ግና ንጳውሎስን ንብጾቱን ቀንኡሎም። ናዕቢ ድሕሪ ምልዕዓሎም ከኣ፡ ንኣሕዋት ወጢጦም ናብ ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ወሰድዎም እሞ፡ ‘እዞም ሰባት እዚኦም ጸላእቲ መንግስቲ ሮሜ እዮም!’ ኢሎም ጨደሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህይወት ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ኣብ ሓደጋ ስለ ዝነበረ፡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሃደሙ።

ሰብ ቤርያ ኸኣ ነቲ ብስራት ኪፈልጡ ይደልዩ ነበሩ፣ ግሪኻውያንን ኣይሁድን እውን ኣመኑ። ገሊኦም ኣይሁድ ካብ ተሰሎንቄ ምስ መጹ ግና፡ ኪርብሹ ጀመሩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ናብ ኣቴና ኸደ። ጢሞቴዎስን ሲላስን ግና ንኣሕዋት ኬበርትዑ፡ ኢሎም ኣብ ቤርያ ተረፉ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ለኣኾ፣ ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቲ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኪኽእልዎ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ንብዙሓት ጉባኤታት እናበጽሐ ኼተባብዐን ኢሉ ለኣኾ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሓደ ቤት ብሰንሰለት ምስ ሓላዊኡ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ንጢሞቴዎስ ሓሳቡ እናነገረ ደብዳበ የጽሕፎ

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ‘እቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ፡ ኪስጐጉ እዮም’ ኢሉ ነገሮ። ጢሞቴዎስ ድማ ምእንቲ እምነቱ ተሰጒጉን ተኣሲሩን እዩ። ንየሆዋ ተኣማንነቱ ኼርኢ ኣጋጣሚ ብምርካቡ ኸኣ፡ ሕጉስ እዩ ነይሩ።

ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ ‘ንጢሞቴዎስ እልእከልኩም ኣለኹ። ብሓቂ ምምልላስ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺምህረኩም፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ኬሰልጥነኩም እዩ’ ኢሉ ጸሓፈሎም። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ይኣምኖ ነይሩ እዩ። ንብዙሕ ዓመታት ኣዕሩኽን መገላግልትን ኰይኖም ዓይዮም እዮም።

“ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን። ኵላቶምሲ ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን።”—ፊልጲ 2:20, 21

ሕቶታት፦ ጢሞቴዎስ መን እዩ ነይሩ፧ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኪዀኑ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

ግብሪ ሃዋርያት 16:1-12፣ 17:1-15፣ ፊልጲ 2:19-22፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:1-5፣ 3:12, 14, 15፣ እብራውያን 13:23

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ