መዝሙር 21
ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ንየሆዋ እተሐጕስ፡
ኣብ ቅድሚኡ ኽብርቲ፣
ክርስቶስ ዝገዛኢኣ፡
ሰማያዊት መንግስቲ።
(ኣዝማች)
ድለዩ ነታ መንግስቲ፣
ድማ ናይ ኣምላኽ ጽድቂ።
ወድሱ ኣብ ቅድሚ ሰባት፣
ኣገልግሉ ብሓቂ።
2. ንጽባሕ ኣይንጭነቕን፡
እንታይ ክንበልዕ ኢልና፣
ኣምላኽ ኬማልኣልና’ዩ፡
መንግስቱ ’ተ ’ቐዲምና።
(ኣዝማች)
ድለዩ ነታ መንግስቲ፣
ድማ ናይ ኣምላኽ ጽድቂ።
ወድሱ ኣብ ቅድሚ ሰባት፣
ኣገልግሉ ብሓቂ።
3. ንኣውጅ መንግስቲ ኣምላኽ፡
ንንገሮም ብስራቱ፣
ብየሆዋ ኺትስፈዉ፡
ከምኡ’ውን ብመንግስቱ።
(ኣዝማች)
ድለዩ ነታ መንግስቲ፣
ድማ ናይ ኣምላኽ ጽድቂ።
ወድሱ ኣብ ቅድሚ ሰባት፣
ኣገልግሉ ብሓቂ።
(መዝ. 27:14፣ ማቴ. 6:34፣ 10:11, 13፣ 1 ጴጥ. 1:21 እውን ርአ።)