መዝሙር 46
ነመስግነካ የሆዋ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. የሆዋ ዅል ግዜ ነመስግነካ፡ - ስለ ዝገለጽካልና ብርሃንካ። - ፍሉይ መሰል’ዩ ምስማዕካ ጸሎትና፣ - ምፍቃድካ ኽንገልጽ ናይ ልብና። 
- 2. ነመስግነካ ወድኻ ሂብካና፣ - ንዓለም ስዒሩ ኣቕሲኑና። - ፍቓድካ ኽንገብር ትሕግዘና፣ - መብጽዓ ኽንፍጽም ትረድኣና። 
- 3. ክንሰብኽ ምኽኣልና ነመስግነካ፣ - ክንምህር ብዛዕባ ዓብዪ ስምካ። - ኪሓልፍ’ዩ ዅሉ ጭንቂ መከራ፣ - ኪርህወና’ዩ፡ ክንወጽእ ሓራ። 
(መዝ. 50:14፣ 95:2፣ 147:7፣ ቈሎ. 3:15 እውን ርአ።)