መዝሙር 86
ብየሆዋ እተምሃርና ንኹን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ንዑ ተምሃሩ ብዛዕባ የሆዋ።
’ቲ መንፈስ’ዩ፡ “ማይ ህይወት ስተ” ’ሉ።
ጥዑይ ትምህርቲ፡ ኣምላኽ ይህብ’ዩ፣
ንሓቂ ዚጠምዩ ዚጸግቡሉ።
2. ነስተብህል እምበር ኣኼባና ኣይንሕደግ።
’ወ ንምሃር ቅኑዕ ከነለሊ።
ኣብዚ ይርከብ መንፈስ ኣምላኽና፣
ኣብዚ ንረክብ ብርታዐ፡ ሓይሊ።
3. የበርትዓ’የን ዚውድሳ ኸናፍር።
ጥዑማት’የን ልሳን እተማህሩ።
ጥራስ ኣይነብኵር ካብ ኣኼባና!
ኣብኡስ ኣለዉ ቓሉ ዜፍቅሩ።
(እብ. 10:24, 25፣ ራእ. 22:17 እውን ርአ።)