መዝሙር 103
ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
(ኤፌሶን 4:8)
1. የሆዋ ይሕግዘና’ዩ፡
ብጓሶት ኣቢሉ፣
ብኣብነቶም የርእየና፡
’ንመላለሰሉ።
(ኣዝማች)
ኣምላኽ ሂቡና ውህበት ሰባት፡
እሙናት፡ ሓቀኛታት፣
ነባጊዑ’ውን ዚሓልዩለን፡
ዚምግቡና ፍልጠት።
2. ጓሶትና ስለ ዜፍቅሩና፡
ይከናኸኑና፣
’ተ ጕሂና ወይ ’ተ ሓዚንና፡
የጸናንዑና።
(ኣዝማች)
ኣምላኽ ሂቡና ውህበት ሰባት፡
እሙናት፡ ሓቀኛታት፣
ነባጊዑ’ውን ዚሓልዩለን፡
ዚምግቡና ፍልጠት።
3. ካብ ሓቂ መታን ከይነላግስ፡
ምኽሪ ይህቡና፣
ንኣምላኽ መታን ከነገልግል፡
ወትሩ ይምዕዱና።
(ኣዝማች)
ኣምላኽ ሂቡና ውህበት ሰባት፡
እሙናት፡ ሓቀኛታት፣
ነባጊዑ’ውን ዚሓልዩለን፡
ዚምግቡና ፍልጠት።
(ኢሳ. 32:1, 2፣ ኤር. 3:15፣ ዮሃ. 21:15-17፣ ግብ. 20:28 እውን ርአ።)