ካልኣይ ክፋል
“ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ”—ንጹህ ኣምልኾ ተበላሽዩ
ኣትኵሮ፦ ይሁዳን የሩሳሌምን ብመንፈሳውን ብስነ ምግባራውን መዳይ ተበላሽየን
የሆዋ ንእስራኤላውያን የፍቅሮምን ይሓልየሎምን ብምንባሩ፡ “ዘኽብሮ ገንዘበይ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ዘጸ. 19:5፡ እ.ጽ.) ንሳቶም ግና ኣብታ ስሙ ዚጽውዓላ ቤተ መቕደስ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብምምላኽ፡ ክፉእ እዮም ፈድዮምዎ! ንልቡ ኣጕህዮምዎ፡ ንዕኡ ድማ ኣጽሪፎምዎ። ስለምንታይ እዮም እስራኤላውያን ክንድዚ ተበላሽዮም፧ ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ካብቲ እስራኤል ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብከ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧