ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lvs ምዕ. 14 ገጽ 187-199
  • ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንበር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንበር
  • ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣብ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኣንብብ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ምምልላስ
  • ኣብ ስድራ ቤት ብቕንዕና ምምልላስ
  • ኣብ ጉባኤ ብቕንዕና ምምልላስ
  • ኣብ ዓለም ብቕንዕና ምምልላስ
  • ቅንዕና ዜምጽኦ በረኸት
  • ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ተመላለስ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓቀኛ ምዃን ረብሓ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ብቕንዕና ምምልላስ ዘለዎ ጥቕሚ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ካብ ኣልማዝ ዚበልጽ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
lvs ምዕ. 14 ገጽ 187-199
ሓደ ሓው ኣብ ኮምፕዩተሩ ዘይግቡእ ምስሊ ኸይርኢ ኢሉ ገጹ ይመልስ

ምዕራፍ 14

ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንበር

“ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር [ንደሊ ኢና]።”—እብራውያን 13:18።

1, 2. ብቕንዕና ንምንባር ክንጽዕር ከለና፡ የሆዋ ኸመይ ይስምዖ፧

ሓደ ቘልዓ ኻብ ቤት ትምህርቱ ናብ ገዛኡ ኺምለስ ከሎ፡ ገንዘብ ዝመልአት ቦርሳ ኣብ መገዲ ረኺቡ። እሞኸ እንታይ ገይሩ፧ ንዕኡ ኺወስዳ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነታ ቦርሳ ናብ ዋናኣ መሊስዋ። ኣደ እቲ ቘልዓ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐት፡ ብእኡ ብዙሕ እያ ተሓቢና።

2 መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ውሉዳቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ምስ ዝዀኑ፡ ብዙሕ ይሕጐሱ እዮም። ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ፣ ብቕንዕና ኽንመላለስ ከለና ድማ፡ ንዕኡ የሐጕሶ እዩ። (መዝሙር 31:5) ንሕና እውን ንዕኡ ባህ ከነብሎ፡ ‘ኣብ ኵሉ ድማ ብቕንዕና ኽንነብር ንደሊ ኢና።’ (እብራውያን 13:18) ብቕንዕና ምንባር ኣጸጋሚ ኪዀነሉ ዚኽእል ኣርባዕተ መዳይ ህይወት እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ገለ ኻብቲ ነቲ ጸገማት ምስ ሰገርና ዚርከብ ጥቕምታት ክንርኢ ኢና።

ምስ ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ምምልላስ

3-5. (ሀ) ንርእስና ኸነታልል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ምስ ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ኽንመላለስ እንታይ ይሕግዘና፧

3 ምስ ካልኦት ብቕንዕና ንምምልላስ፡ ፈለማ ምስ ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ኽንመላለስ ኣሎና። እዚ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ጉባኤ ሎዲቅያ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ንኣምላኽ ባህ ዘየብልዎ ኽነሶም፡ ባህ ከም ዜብልዎ ገይሮም እናሓሰቡ ገዛእ ርእሶም የዐሽዉ ነይሮም እዮም። (ራእይ 3:17) ንሕና እውን ብዛዕባ እንታይነትና ንርእስና ኸነታልል ንኽእል ኢና።

4 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ዘሎ እንተ መሲልዎ፡ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ያእቆብ 1:26) እተወሰነ ጽቡቕ ክሳዕ ዝገበርና፡ ስድታት ምዃንና ወይ ዘረባ ሽምጠጣ ምዝራብና ወይ ምሕሳውና ንኣምላኽ ከም ዘየገድሶ ጌርና ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ንርእስና ኢና ነታልል ዘለና። እሞ ደኣ ንርእስና ምእንቲ ኸይነታልል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

5 ንርእስና ብመትስያት ክንርኢ ኸለና፡ ደጋዊ ትርኢትና ኢና እንርኢ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና ድማ፡ ውሽጣዊ እንታይነትና ኢና እንርኢ። መጽሓፍ ቅዱስ ብርታዐናን ድኽመትናን ክንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ኣዘራርባናን እንታይ ለውጥታት ክንገብር ከም ዚግብኣና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሃር ኢና። (ያእቆብ 1:23-25 ኣንብብ።) ዋላ ሓንቲ ኣበር ከም ዘይብልና ዚስምዓና እንተ ዀይኑ ግና፡ ኣድላዪ ምምሕያሽ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ንርእስና ብቕንዕና ኽንምርምር ኣሎና። (ድጕዓ 3:40፣ ሃጌ 1:5) ጸሎት እውን ብዛዕባ እንታይነትና ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ንየሆዋ ኺምርምረናን ጕድለታትና ፈሊጥና ኸነዐሪ ኺሕግዘናን ብጸሎት ክንልምኖ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 139:23, 24) እወ፡ “የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።”—ምሳሌ 3:32።

ኣብ ስድራ ቤት ብቕንዕና ምምልላስ

6. ሰብኣይን ሰበይትን ብቕንዕና ኺመላለሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

6 ቅንዕና ኣብ ስድራ ቤት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ብግህዶ ዚዛራረቡ እንተ ዀይኖም፡ ንሓድሕዶም ይተኣማመኑ እዮም። ኣብ መውስቦ ዚህሉ ምትላል፡ እተፈላለየ መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ምርዑው ሰብ ምስ ካልእ ኺኳሸም፡ ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ፡ ወይ ብሕቡእ ምስ ካልእ ፍቕራዊ ርክብ ክምስርት ይኽእል እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ግና ሓደ ዘማሪ፡ “ምስ መታለልቲ ሰባት ኣይሓብርን፡ ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 26:4) ብሓሳብካ እኳ ንመጻምድትኻ ተታልል እንተ ዄንካ፡ እዚ ንሓዳርካ ኺጐድኦ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓው ኣብ ኮምፕዩተሩ ዘይግቡእ ምስሊ ኸይርኢ ኢሉ ገጹ ይመልስ

ንሓዳርካ ኼዳኽም ንዚኽእል ዝዀነ ነገር ቀልጢፍካ ንጸጎ

7, 8. ንውሉዳት ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ብዛዕባ ኣገዳስነት ቅንዕና ኸመይ ጌርካ ኽትምህሮም ትኽእል፧

7 ውሉዳት እውን ቅንዕና ዘለዎ ኣገዳስነት ኪምሃሩ ኣለዎም። ወለዲ ንውሉዳቶም ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ነዚ ኺምህርዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መለበሚ ዚዀኑና መታለልቲ ሰባት ተጠቒሶም ይርከቡ እዮም። ገለ ኻባታቶም፡ እቲ ሰራቒ ዝዀነ ዓካን፡ እቲ ገንዘብ ኪረክብ ኢሉ ዝሓሰወ ገሓዚ፡ እቲ ገንዘብ ዝሰረቐን ንየሱስ ብ30 ሰልዲ ብሩር ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኺጥቀሱ ይከኣሉ እዮም።—እያሱ 6:17-19፣ 7:11-25፣ 2 ነገስት 5:14-16, 20-27፣ ማቴዎስ 26:14, 15፣ ዮሃንስ 12:6።

8 መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንዕናኦም ሰናይ ኣብነት ዚዀኑ ብዙሓት ሰባት እውን ሒዙ ኣሎ። ገለ ኻባታቶም፡ እቲ ንደቁ ዝረኸብዎ ገንዘብ ኪመልሱ ዝኣዘዞም ያእቆብ፡ እቶም ነቲ ንኣምላኽ ንእተኣትወ መብጽዓ ዝሓለዉ ይፍታሕን ጓሉን፡ እቲ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ ብቕንዕና እተመላለሰ የሱስ ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። (ዘፍጥረት 43:12፣ መሳፍንቲ 11:30-40፣ ዮሃንስ 18:3-11) ካብዞም መለበሚታትን ኣብነታትን እዚኦም፡ ውሉዳት ብዛዕባ ኣገዳስነት ቅንዕና ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም።

9. ወለዲ ብቕንዕና ዚመላለሱ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ንውሉዳት ብኸመይ ይሕግዞም፧

9 ግናኸ፡ ወለዲ ኻብዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም፦ “ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራንዶ፧ ኣታ፡ ‘ኣይትስረቕ’ ኢልካ እትሰብኽ፡ ትሰርቕዶ፧” (ሮሜ 2:21) ወለዲ ኸምቲ ዚብልዎ ዘይገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ውሉዳት ነዚ ይፈልጥዎ እዮም። ንውሉዳትና ብቕንዕና ኺመላለሱ እናመሃርና፡ ንሕና ግና ብቕንዕና ዘይንመላለስ እንተ ዄንና፡ እዚ የደናግሮም እዩ። ውሉዳት ከኣ፡ ወለዶም ብዛዕባ ንኣሽቱ ነገራት እኳ ኺሕስዉ እንተ ርእዮም፡ ንሳቶም እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ። (ሉቃስ 16:10 ኣንብብ።) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ውሉዳት፡ ወለዶም ብቕንዕና ኺመላለሱ እንተ ርእዮም፡ ንሳቶም ዓብዮም ውሉዳት ምስ ወለዱ ብቕንዕና ዚመላለሱ ወለዲ ይዀኑ እዮም።—ምሳሌ 22:6፣ ኤፌሶን 6:4።

ኣብ ጉባኤ ብቕንዕና ምምልላስ

10. ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኽንዛራረብ ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ብቕንዕና እንዛራረብ፧

10 ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ብቕንዕና ኽንመላለስ ኣሎና። ተራ ዕላል ብቐሊሉ ናብ ኣሉታዊ ወረ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናብ ሕሜት ኪቕየር ይኽእል እዩ። ንዘረባ ሓቅነቱ ኸየረጋገጽና እንተ ደጊምናዮ፡ ሓሶት ንነዝሕ ንህሉ ንኸውን። ካብዝስ ‘ከናፍርና እንተ ተቘጻጸርና’ ይሓይሽ። (ምሳሌ 10:19) ብቕንዕና ምዝራብ ኪብሃል ከሎ፡ እንሓስቦ፡ እንፈልጦ፡ ወይ ዝሰማዕናዮ ዘበለ ዅሉ ንዛረብ ማለት ኣይኰነን። እቲ እንዛረቦ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይጕዳይና፡ ዘየድሊ፡ ወይ ሃሳዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:11) ገሊኦም ሰባት ነቲ ዘይእሩም ዘረባኦም፡ “ሓቂ እንድየ እሞ ተዛሪበ” ኢሎም የመኻንዩሉ እዮም። ንሕና ግና ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ዘረባና ጥዑምን ሰናይን ኪኸውን ኣለዎ።—ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ።

11, 12. (ሀ) ዝሓጥአ ሰብ ንተግባሩ ኺሓብእ ኢሉ ዚሕሱ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዅነታት ከመይ ገይሩ እዩ ዜጋድዶ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧ (ሐ) ከመይ ጌርና ኢና ምስ ውድብ የሆዋ ብቕንዕና ኽንመላለስ እንኽእል፧

11 የሆዋ ንሽማግለታት፡ ንጉባኤ ኺሕግዙ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። ሽማግለታት ከኣ ብቕንዕና ሓሳብና ምስ እንገልጸሎም እዮም ብቐሊሉ ኺሕግዙና ዚኽእሉ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ እንተ ትሓምም እሞ ኽትሕከም እንተ ትደሊ፡ ገለ ኻብቲ ምልክት ሕማምካዶ ንሓኪም ምሓባእካሉ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከመይ ገይሩ ኺሕክመካ ይኽእል፧ ብተመሳሳሊ፡ ከቢድ ጌጋ እንተ ጌርና፡ ክንሓብኦ ኢልና ኽንሕሱ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ ሽማግለታት ኬድና ብቕንዕና ኽንነግሮም ኣሎና። (መዝሙር 12:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:1-11) ሕጂ ድማ፡ ብዛዕባ ኻልእ ኵነታት እስከ ንሕሰብ፦ ዓርክኻ ኸቢድ ጌጋ ኸም ዝገበረ እንተ ፈሊጥካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ (ዘሌዋውያን 5:1) “ብሓቂ ዓርኩ እንተ ዀይነ፡ እሓብኣሉ” ዲኻ እትብል፡ ወይስ ሽማግለታት ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኬዐርን ኬደልድልን ከም ዚሕግዝዎ ኢኻ እትዝክር፧—እብራውያን 13:17፣ ያእቆብ 5:14, 15።

12 ንውድብ የሆዋ ኸም ጸብጻብ ንጥፈታት ኣገልግሎትና ዝኣመሰለ ሓበሬታ ኽንህብ ከለና፡ ነዚ ብቕንዕና ኽንገብሮ ኣሎና። ንፈላምነት ወይ ንኻልእ ዓይነት ኣገልግሎት ከነመልክት ከለና እውን ቅኑዕ ሓበሬታ ኽንመልእ ኣሎና።—ምሳሌ 6:16-19 ኣንብብ።

13. ምስ ክርስትያናት ብጾትና ብስራሕ እንራኸብ እንተ ዄንና፡ ከመይ ጌርና ኢና ብቕንዕና ኽንመላለስ እንኽእል፧

13 ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ንስራሖም ካብ ኣምልኾኦም ኪፈልይዎ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ከለና፡ ዋኒን ስራሕና ኣይንገብርን ኢና። ንኣሕዋትና ወይ ንኣሓትና ድማ ምስ ስራሕ ብእተተሓሓዘ ጕዳይ ክንብለጸሎም ኣይንደልን ኢና። ኣብ ስራሕካ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ቘጺርካ፡ ብግዜኡ ኽፈሎም፡ ከምቲ ቓል ዝኣቶኻዮ ኽፈሎም፡ ብሕጊ ዚፍቀደሎም ኵሉ ጥቕምታት እውን ሃቦም። እዚ ኸኣ ንመድሕን ሕክምና ወይ ንዕረፍቲ እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:18፣ ያእቆብ 5:1-4) ኣስራሒኻ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይኑ ድማ፡ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኣይትጸበ። (ኤፌሶን 6:5-8) ሰዓታት ስራሕካ ሓሊኻ ስራሕ፣ ስራሕካ እውን ብግቡእ ስራሕ።—2 ተሰሎንቄ 3:10።

14. ክርስትያናት ንግዳዊ ዋኒን ቅድሚ ምጅማሮም እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

14 ምስ ሓው ወይ ሓብቲ ንግዳዊ ዋኒን ክትገብር እንተ ሓሲብካኸ፧ እዚ ምስ ወፍሪ ገንዘብ ወይ ምስ ልቓሕ ዚተሓሓዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፦ ኵሉ ኣብ ጽሑፍ ኣስፍሮ! ነብዪ ኤርምያስ መሬት ኪዕድግ ከሎ፡ ክልተ ቕዳሓት ውዕል ምስ ጸሓፈ፡ እታ ሓንቲ ቕዳሕ ብመሰኻኽር ከም እትኽተም ድሕሪ ምግባሩ፡ ንኽልቲአን ሰነዳት ንመጻኢ መወከሲ ኪዀና ኣቐሚጥወን እዩ። (ኤርምያስ 32:9-12፣ ኣብ ዘፍጥረት 23:16-20 እውን ርአ።) ገሊኦም ሰባት ንውዕል ብጽሑፍ ምስፋሩ፡ ምስ ኣሕዋትና ኸም ዘይንተኣማመን ዜምስል ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ንውዕል ኣብ ጽሑፍ ምስፋሩ፡ ካብ ብዙሕ ዘይምርድዳኣትን ጓህን ባእስን እዩ ዚሰትረና። ኣብ ጕዳይ ስራሕ እውን እንተ ዀነ፡ ሰላም ጉባኤ ኻብ ዝዀነ ስምምዕ ስራሕ ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ።—1 ቈረንቶስ 6:1-8፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 30 ርአ።

ኣብ ዓለም ብቕንዕና ምምልላስ

15. የሆዋ ኣብ ንግዲ ብዛዕባ ዚግበር ምትላል ከመይ ይስምዖ፧

15 ምስ ኵሉ ሰብ፡ እንተላይ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ብቕንዕና ኽንመላለስ ኣሎና። የሆዋ ብቕንዕና ኽንመላለስ እዩ ዚደልየና። “ዘይቅኑዕ ሚዛን ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ ልክዕ መምዘኒ ግና ባህ የብሎ።” (ምሳሌ 11:1፣ 20:10, 23) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ግዜ ሚዛን ኣብ ንግዳዊ ልውውጣት የገልግል ነይሩ እዩ። ገሊኦም ነጋዶ ግና ንዓማዊሎም ኣብ ሚዛን ይዕምጽዎም ወይ ካብ ግቡእ ንላዕሊ የኽፍልዎም ነይሮም እዮም። ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ኣብ ንግዲ ምትላል ኣዝዩ ልሙድ እዩ። ከምቲ የሆዋ ሽዑ ምትላል ዚጸልእ ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ምትላል ይጸልእ እዩ።

16, 17. ኣብ ምንታይ ዓይነት ልሙድ ዝዀነ ናይ ምትላል ተግባራት ኢና ኽንኣቱ ዘይብልና፧

16 ከነታልለሉ እንኽእል ኵነታት ንዅላትና የጋጥመና እዩ፣ ንኣብነት፡ ስራሕ ንምእታው ከነመልክት ከለና፡ መንግስቲ ዚሓትቶ ፎርምታት ክንመልእ ከለና፡ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ መርመራ ኽንገብር ከለና፡ ከምዚ ዝበለ ዅነታት የጋጥመና እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ምሕሳው፡ ምግናን፡ ወይ ዜታልል ሓበሬታ ምሃብ ጌጋ ኸም ዘይኰነ ይኣምኑ እዮም። እዚ ኣየገርመናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ፡ ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ . . . ሰናይ ዘይፈትዉ” ኸም ዚዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።

17 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ነቶም መታለልቲ ሰባት ከም ዚሰልጦም ኪመስለና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 73:1-8) ሓደ ክርስትያን ብምኽንያት ቅንዕናኡ ኻብ ስራሕ ኪስጐጕ፡ ገንዘቡ ኺዕመጽ፡ ወይ ኣብ ስራሕ ኪግፋዕ ይኽእል እዩ። ንቕንዕና ዚኽፈል መስዋእቲ ግና ይኽሕሰና እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧

ቅንዕና ዜምጽኦ በረኸት

18. ጽቡቕ ስም ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

18 ብቕንዕናኡን ብሓቀኛነቱን ብተኣማንነቱን ጽቡቕ ስም ዘለዎ ሰብ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሳሕቲ ዚርከብ ብምዃኑ ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ። ነፍሲ ወከፍና ኸምዚ ዓይነት ስም ከነጥሪ ንኽእል ኢና። (ሚክያስ 7:2) ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ሰባት ብቕንዕናኻ ኼላግጹልካ ወይ ዓሻ ኺብሉኻ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ግና ብቕንዕናኻ ኺንእዱኻን ኪኣምኑኻን እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንዕናኦም እዮም ዚፍለጡ። ገሊኦም ኣስራሕቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዓት ምዃኖም ስለ ዚፈልጡ፡ ንዓታቶም ኪቘጽሩ እዮም ዚደልዩ። ገሊኦም ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ቕጥፈት ኪስጐጉ ኸለዉ ኸኣ፡ ብዙሕ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ስራሕ ኣይስጐጉን እዮም።

ሓንቲ ሓብቲ፡ መሳርሕታ እኳ ህኩያት እንተ ዀና፡ ብትግሃት ትዓዪ

ብትግሃት ብምዕያይ፡ ንየሆዋ ኸነኽብሮ ንኽእል ኢና

19. ብቕንዕና ምንባርካ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ይጸልዎ፧

19 ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ትነብር እንተ ዄንካ፡ ሰናይ ሕልናን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ክትረክብ ኢኻ። ከምቲ፡ “ቅኑዕ ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና” ኢሉ ዝጸሓፈ ጳውሎስ ክንከውን ንኽእል ኢና። (እብራውያን 13:18) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ እቲ ፈቃር ኣቦኻ የሆዋ ነቲ ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንምንባር እትገብሮ ጻዕሪ ኼስተብህለሉን ኣኽቢሩ ኺርእዮን እዩ።—መዝሙር 15:1, 2፣ ምሳሌ 22:1 ኣንብብ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

1 ቅንዕና ኣብ ዘይብላ ዓለም ኢና እንነብር

“ንሓድሕዶም ሓሶት ይዛራረቡ . . . ብመታለሊ ኣልባብ ይዛረቡ።”—መዝሙር 12:2

ምስ ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ኽንመላለስ እንታይ ይሕግዘና፧

  • መዝሙር 31:5፣ እብራውያን 13:18

    የሆዋ ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ካልኦትን ብቕንዕና ኽንመላለስ ይደልየና።

  • መዝሙር 139:23, 24፣ ያእቆብ 1:23-25

    ጸሎትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ እንታይነትና ኽንፈልጥን ለውጥታት ክንገብርን ይሕግዘና።

2 ኣብ ስድራ ቤት ብቕንዕና ምምልላስ ሰላምን ሓድነትን የምጽእ

“ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ።”—መዝሙር 26:4

ኣብ ስድራ ቤት ብቕንዕና ምምልላስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ምሳሌ 6:16-19

    ኣብ ስድራ ቤት ብቕንዕና ምምልላስ፡ ምትእምማን ይፈጥር። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ብቕንዕና ኺመላለሱ ኣለዎም።

  • ምሳሌ 22:6፣ ኤፌሶን 6:4

    ውሉዳት፡ ወለዶም ብቕንዕና ኸም ዚመላለሱ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ብቕንዕና ኺመላለሱ ቐሊል ይዀነሎም እዩ።

3 ቅንዕና ንጉባኤ ይጠቕማ

“የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።”—ምሳሌ 3:32

ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብቕንዕና ምምልላስና ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ምሳሌ 10:19፣ ቈሎሴ 4:6

    ወትሩ ሓቂ ኽንዛረብ ኢና እንደሊ፣ እንተዀነ ግና፡ ቃላትና ጥዑምን ሰናይን ኪኸውን ኣለዎ።

  • ዘሌዋውያን 5:1፣ እብራውያን 13:17፣ ያእቆብ 5:14, 15

    ንሽማግለታት ብቕንዕና ሓሳብና ምስ እንገልጸሎም፡ ኪሕግዙና ይኽእሉ እዮም።

  • ኤርምያስ 32:9-12፣ ኤፌሶን 6:5-8

    ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንግዳዊ ዋኒን ክንገብር እንተ ሓሲብና፡ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዓት ክንከውንን ብፍትሓዊ መገዲ ኽንሕዞምን ውዕልና ከነኽብርን ኣሎና።

4 ብቕንዕና ምምልላስ ወትሩ ይጠቕመና

“ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ።”—ምሳሌ 22:1

ኣብ ምንታይ ካልእ መዳያት ህይወትና ኢና ብቕንዕና ኽንመላለስ ዘሎና፧

  • መዝሙር 37:21፣ ማቴዎስ 22:17-21፣ ሮሜ 13:1-7፣ ኤፌሶን 4:25, 28

    ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ንግዲ፡ ኣብ መርመራ ቤት ትምህርቲ፡ ንቐረጽ ዚምልከትን ካልእ መንግስቲ ዚሓትቶ ፎርምታት ኣብ ምምላእ፡ ቅኑዓት ክንከውን ኣሎና።

ቅንዕና ኻብ ሃብቲ ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧

  • መዝሙር 15:1, 2፣ ምሳሌ 11:1፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

    ብቕንዕናኡን ብተኣማንነቱን ጽቡቕ ስም ዘለዎ ሰብ ምዃን ኣዝዩ ኽቡር ነገር እዩ። ብቕንዕና ምንባር፡ ሰናይ ሕልና ኽንረክብ የኽእለና። የሆዋ ነቲ ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንምንባር እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ