ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lvs ምዕ. 16 ገጽ 213-225
  • ንድያብሎስ ተጻረርዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንድያብሎስ ተጻረርዎ
  • ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣብ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኣንብብ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ከም ዚጓዝም ኣንበሳ”
  • “ቅልስና”
  • ካብ ኣጋንንቲ ኣጸቢቕካ ርሓቕ
  • ሰይጣን ኬታልለና ይፍትን
  • ሰይጣን ንባህርያዊ ድሌትና ይምዝምዞ
  • ብዛዕባ ኣጋንንቲ ዚውረ ወረ
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ንሰይጣን ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ጸላእቲ ኣምላኽ መን እዮም፧
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
ዝያዳ ርአ
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
lvs ምዕ. 16 ገጽ 213-225
ሓደ ሓው ኣብ ዕዮ ስብከት ብምስታፍ ንሰይጣን ይጻረሮ

ምዕራፍ 16

ንድያብሎስ ተጻረርዎ

“ንድያብሎስ . . . ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ።”—ያእቆብ 4:7።

1, 2. ብዛዕባ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እንታይ ክንፈልጥ የድልየና፧

ኣብታ የሆዋ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም፡ ህይወት ዜደንቕ ኪኸውን እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሓለነልና ዄንና ኽንነብር ኢና። ሕጂ ግና ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ ዚቈጻጸርዋ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። (2 ቈረንቶስ 4:4) ንዓታቶም ክንርእዮም እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ብሓቂ ኣለዉ፡ ኣዝዮም ሓያላት እውን እዮም።

2 ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና ናብ የሆዋ ኸም እንለግብን ከመይ ጌርና ርእስና ኻብ ሰይጣን ከም እነዕቍብን ክንርኢ ኢና። የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዓና ንምትላልን ንምጥቃዕን ዚጥቀሙሉ ሜላታት ክንፈልጦ ኣሎና።

“ከም ዚጓዝም ኣንበሳ”

3. ድያብሎስ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

3 ሰይጣን፡ ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ጥቕሞም ኢሎም ከም ዜምልኽዎ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት እንተ ኣጋጢምዎም ከኣ ንየሆዋ ኸም ዘየገልግልዎ ይማጐት እዩ። (እዮብ 2:4, 5 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃር ከም ዚደሊ ምስ ኣርኣየ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን የስተብህሉሉ፡ ኬጐናድብዎ እውን ይጽዕሩ እዮም። ሓደ ሰብ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ኺጥመቕ ከሎ፡ ይቝጥዑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንድያብሎስ፡ “ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ሰይጣን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪበትኮ እዩ ዚደሊ።—መዝሙር 7:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12።

ሓደ ሓው ኣብ ዕዮ ስብከት ብምስታፍ ንሰይጣን ይጻረሮ

ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ሰይጣን ይቝጣዕ እዩ

4, 5. (ሀ) ሰይጣን እንታይ እዩ ኺገብር ዘይክእል፧ (ለ) ‘ንድያብሎስ ንጻረሮ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 እንተዀነ ግና፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ክንፈርሆም የብልናን። የሆዋ ነቲ ንሳቶም ኣብ ልዕሌና ኼውርድዎ ዚኽእሉ ነገራት ደሪትዎ እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ኻብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚድሕኑ እውን ኣተስፍዩ ኣሎ። (ራእይ 7:9, 14) የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዜዕቍቦም፡ ድያብሎስ ነዚ ንምዕጋት ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።

5 ናብ የሆዋ እንተ ለጊብና፡ ሰይጣን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪበትኮ ኣይክእልን እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ንስኻትኩም ምስ የሆዋ ኽሳዕ ዝዀንኩም፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ። (2 ዜና መዋእል 15:2፣ 1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ።) ከም እኒ ኣቤል፡ ሄኖክ፡ ኖህ፡ ሳራ፡ ሙሴ ዝኣመሰሉ ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ናብ የሆዋ ብምልጋብ፡ ንድያብሎስ ተጻሪሮምዎ እዮም። (እብራውያን 11:4-40) ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ቃል ኣምላኽ፡ “ንድያብሎስ . . . ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ” ይብለና እዩ።—ያእቆብ 4:7።

“ቅልስና”

6. ሰይጣን ከመይ ገይሩ እዩ ዜጥቅዓና፧

6 ሰይጣን ኣብቲ ኣብ ልዕሌና ኼውርዶ ዚኽእል ነገር ብየሆዋ ኸም እተደረተ ዚፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምድኻም ይጽዕር እዩ። ሎሚ፡ ድያብሎስ ብሓያሎ እተፈላለየ መገድታት ኬጥቅዓና ይፍትን ኣሎ፣ ንኣሽሓት ዓመታት እተጠቕመሉ ስልትታት እውን ይጥቀም ኣሎ። ገለ ኻብዚ እንታይ እዩ፧

7. ሰይጣን ንህዝቢ የሆዋ ዜጥቅዖም ስለምንታይ እዩ፧

7 ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:19) ሰይጣን ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ይቈጻጸራ ኣሎ፣ ንህዝቢ የሆዋ እውን ኪቈጻጸሮም ይደሊ እዩ። (ሚክያስ 4:1፣ ዮሃንስ 15:19፣ ራእይ 12:12, 17) ድያብሎስ ብዙሕ ግዜ ኸም ዘይተረፎ ይፈልጥ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና፡ ንኣምላኽ ዘይእሙናት ክንከውን ብርቱዕ ጸቕጢ የውርድ ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ፡ ድያብሎስ ብቐጥታ የጥቅዕ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ብዝረቐቐ መገዲ እዩ ዜጥቅዕ።

8. ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ እዩ ኺግንዘብ ዘለዎ፧

8 ኣብ ኤፌሶን 6:12፡ ‘ቅልስና ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስቲ እዩ’ ዚብል ነንብብ ኢና። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን በብውልቂ ምስ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ይቃለስ እዩ። ኵሎም እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ሰባት ኣብዚ ቓልሲ እዚ ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ኼስተውዕሉ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ንክርስትያናት ጸኒዖም ኪቘሙ ወይ ንድያብሎስ ኪቃወምዎ ኣተባቢዕዎም ኣሎ።—ኤፌሶን 6:11, 13, 14።

9. ሰይጣንን ኣጋንንቱን እንታይ ኪገብሩና እዮም ዚጽዕሩ፧

9 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብእተፈላለየ መገድታት ኬታልሉና ይጽዕሩ እዮም። ንሰይጣን ብሓደ መገዲ ስለ እተጻረርናዮ፡ ብኻልእ መገዲ ንሱ ኣይብለጸልናን ማለት ኣይኰነን። ድያብሎስ ንዓና ዚሕዘሉ መጻወድያ ምእንቲ ኺሓሪ ኢሉ፡ ድኽመትና ኺፈልጥ ሒዅ ይብል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻወድያ ድያብሎስ ስለ ዚምህረና ግና፡ ብእኡ ኽንትሓዝ ኣይግባኣናን እዩ። (2 ቈረንቶስ 2:11፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 31 ርአ።) ሓደ ኻብዚ ኸኣ ኣጋንንታዊ ተግባራት እዩ።

ካብ ኣጋንንቲ ኣጸቢቕካ ርሓቕ

10. (ሀ) ኣጋንንታዊ ተግባራት እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንኣጋንንታዊ ተግባራት ብኸመይ ይርእዮ፧

10 ኣጋንንታዊ ተግባራት ተባሂሉ ዘሎ፡ ንሰብ ምስ ኣጋንንቲ ዜራኽቦ ልዕለ ባህርያዊ ተግባራት የጠቓልል፣ ገለ ኻብዚ ጥንቈላ፡ ስራይ፡ ወይ ጥየቓ ምዉታት ኪጥቀስ ይከኣል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣጋንንታዊ ተግባራት “ፍንፉን” ምዃኑ፡ ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባራት እናተሳተፍና ኸኣ ንየሆዋ ኸነምልኾ ኸም ዘይንኽእል ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 18:10-12፣ ራእይ 21:8) ክርስትያናት ካብ ኵሉ ዓይነት ኣጋንንታዊ ተግባራት ጠሪሶም ኪርሕቁ ኣለዎም።—ሮሜ 12:9።

11. ብዛዕባ ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ንምፍላጥ ዘሎና ህንጥዮት ናበይ ኪመርሓና ይኽእል፧

11 ብልዕለ ባህርያዊ ነገራት ንምሰጥ እንተ ዄንና፡ ብቐሊሉ ናብ ኣጋንንታዊ ተግባራት ከም እንስሓብ ሰይጣን ይፈልጥ እዩ። ዝዀነ ዓይነት ኣጋንንታዊ ተግባር ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይበትኮ እዩ።

ሰይጣን ኬታልለና ይፍትን

12. ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ኸመይ ገይሩ እዩ ኺጸልዎ ዚፍትን፧

12 ሰይጣን ንኣተሓሳስባ ሰባት ኬደናግር ይፍትን እዩ። ሰባት “ንጽቡቕሲ ኽፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ” ኢሎም ክሳዕ ዚሓስቡ፡ በብቝሩብ ጥርጣረታት ይዘርኣሎም እዩ። (ኢሳይያስ 5:20) ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይዓዪ፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ዕሽሽ እንተ ኢልና ኸኣ ብዝያዳ ኸም እንሕጐስ ጌርና ኽንሓስብ እዩ ዚደልየና።

13. ሰይጣን ከመይ ገይሩ እዩ ጥርጣረታት ኪዘርእ ዚፍትን፧

13 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ብዙሕ ዚዕወተሉ ሜላታት፡ ጥርጣረ ምንዛሕ እዩ። ነዚ ንነዊሕ ግዜ ኺጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ገነት ኤደን፡ ንሄዋን፡ “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧” ኢሉ ብምሕታት ጥርጣረ ኺዘርኣላ ፈቲኑ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1) ደሓር ብግዜ እዮብ ድማ፡ ሰይጣን ንየሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ፡ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ኢሉ ሓቲትዎ እዩ። (እዮብ 1:9) ድሕሪ ጥምቀት የሱስ ከኣ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” ኢሉ ብድሆ ኣቕሪቡሉ እዩ።—ማቴዎስ 4:3።

14. ሰይጣን ንሰባት፡ ኣጋንንታዊ ተግባራት ብሓቂ ሓደገኛ እንተ ዀይኑ ኸም ዚጠራጠሩ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧

14 ሎሚ እውን ድያብሎስ ጥርጣረታት ይዘርእ ኣሎ። ንገሊኡ ዓይነት ኣጋንንታዊ ተግባራት ንጹህ ከም ዚመስል ብምግባር፡ ኣጋንንታዊ ተግባራት ብሓቂ ኽፉእ እንተ ዀይኑ ሕቶታት ከም ዚፍጠር ይገብር ኣሎ። ገሊኦም ክርስትያናት እውን ከይተረፉ፡ እዚ ሓደጋ እዚ ኣይረኣዮምን እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:3) እሞ ደኣ ንርእስና ንምዕቋብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብሰይጣን ምእንቲ ኸይንታለል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ክንታለለሉ እንኽእል ክልተ ዓውዲ፡ ማለት መዘናግዕን ሕክምናን እስከ ንርአ።

ሰይጣን ንባህርያዊ ድሌትና ይምዝምዞ

15. ከመይ ጌርና ኢና ብመዘናግዒ ኣቢልና ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባር ክንሳተፍ እንኽእል፧

15 ሎሚ፡ ኣብ ሓያሎ ፊልምታትን ቪድዮታትን መደባት ተለቪዥንን ጸወታታት ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን፡ ብዛዕባ ኣጋንንትን ስሒርን ልዕለ ባህርያዊ ሓይልታትን ይርአ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኸም ዘይጐድእ መዘናግዒ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፣ ንኣጋንንቲ ኣብ ህይወትካ ኺኣትዉ ምፍቃድ ዘለዎ ሓደጋ እውን ኣየስተውዕልዎን እዮም። ሓደ ሰብ ብኸም እኒ ቘጸራ ኸዋኽብትን ንባብ ኢድን ካርታታት ጥንቈላን ክሪስታላዊ ዅዕሶን ንባብ ዳካ ቡንን ኣቢሉ ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባር ኪሳተፍ ይኽእል እዩ። ድያብሎስ ነቲ እዚ ዜምጽኦ ሓደጋ ይሓብኦ እዩ፣ ነዚ ነገር እዚ ኸኣ ምስጢራውን መሳጥን ባህ ዜብልን ኬምስሎ ይፍትን እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባር ባዕሉ ኽሳዕ ዘይተሳተፈ፡ ኣጋንንታዊ ወይ ልዕለ ባህርያዊ ነገር ምርኣይ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ከም ዘይብሉ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—1 ቈረንቶስ 10:12።

16. ስለምንታይ ኢና ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ንዘለዎ መዘናግዒ ኸነርሕቕ ዘሎና፧

16 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሓሳባትና ኺፈልጥዎ ኣይክእሉን እዮም። ንርእስናን ንስድራ ቤትናን እንመርጾ መዘናግዒ ወይ ካልእ እንመርጾ ነገራት ብምዕዛብ ግና፡ ትምኒትናን ሓሳባትናን ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ጠየቕቲ መናፍስቲ፡ ብዛዕባ ስራይ፡ ኣጋንንቲ ብዛዕባ ዝሓደርዎ ሰብ፡ ብዛዕባ ጠንቋሊ፡ ብዛዕባ ቫምፓየር፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዜዘንቱ ፊልምታት፡ ሙዚቃ፡ ወይ መጻሕፍቲ ንመርጽ እንተ ዄንና፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብዛዕባኦም ክንፈልጥ ከም እንህንጠ ይዕዘቡ እዮም። ሽዑ፡ ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባር ብዝያዳ ኸም እንጥሕል ኪገብሩና ይፍትኑ እዮም።—ገላትያ 6:7 ኣንብብ።

17. ሰይጣን ነቲ ጥዕና ንምርካብ ዘሎና ድሌት ከመይ ገይሩ ኺምዝምዞ ይኽእል፧

17 ሰይጣን ነቲ ጥዕና ንምርካብ ዘሎና ድሌት እውን ኪምዝምዞ ይኽእል እዩ። ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ጥዕና ይስእኑ እዮም። ሓደ ሰብ እተፈላለየ ሕክምናታት ፈቲኑ ኸይሰልጦ ይኽእል እዩ። (ማርቆስ 5:25, 26) እንታይ ከም ዚገብር ስለ ዚሕርብቶ፡ ዝዀነ ነገር ኪፍትን ይሓስብ ይኸውን። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ግና፡ ምስ “ስሒር” ምትሕሓዝ ዘለዎ ሕክምና ኸይንመርጽ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ኢሳይያስ 1:13።

ሓደ ሓው ኣብ ሆስፒታል ምስ ዝደቀሰት ሰበይቱ ይጽሊ

ክትሓምም ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል

18. ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ሕክምና እዮም ኪቕበሉ ዘይብሎም፧

18 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ገሊኦም ምስ “ስሒር” ኣብ እተተሓሓዘ ተግባር ይሳተፉ ነይሮም እዮም። የሆዋ ድማ ንዓታቶም፡ “ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክሓብእ እየ። ብዙሕ እኳ እንተ ጸለኹም፡ ኣይሰምዓኩምን እየ” ኢልዎም እዩ። (ኢሳይያስ 1:15) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ንጸሎቶም እኳ ኣይሰምዖን እዩ! ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሹ፡ ብሕልፊ ኣብ እንሓምመሉ እዋን ድማ ከም ዘይሕግዘና ኺገብሮ ዚኽእል ዝዀነ ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና። (መዝሙር 41:3) ስለዚ፡ እቲ ኽንገብሮ ዝሓሰብና ሕክምና ምስ ኣጋንንታዊ ተግባር ወይ ምስ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ብገለ ኸይተሓሓዝ ኸነጻሪ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:13) ኪተሓሓዝ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ክንሓድጎ ኣሎና!—ተወሳኺ ሓበሬታ 32 ርአ።

ብዛዕባ ኣጋንንቲ ዚውረ ወረ

19. ድያብሎስ ንብዙሓት ሰባት ከመይ ገይሩ እዩ ዜፍርሆም፧

19 ገሊኦም ሰባት ንድያብሎስን ንኣጋንንቱን ብሓሳብና እንፈጥሮም ነገር ገይሮም ዚርእይዎም እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ግና ኣብ ህይወቶም ስለ እተመከርዎም፡ ናይ ሓቂ ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። ብዙሓት ሰባት ብእኩያት መናፍስቲ ይርዕዱ፡ ንማሪታዊ ልምድታት ከኣ ባሮት ይዀኑ እዮም። ገሊኦም ድማ ብዛዕባ እቲ ኣጋንንቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፈጸምዎ ዜስካሕክሕ ነገር ወረ ብምውራይ ፍርሂ ይነዝሑ እዮም። ብዙሕ ግዜ፡ ሰባት በዚ ወረ እዚ ስለ ዚምሰጡ፡ ንሳቶም ብግዲኦም የውርይዎ እዮም። ብሰንኪ እዚ ወረ እዚ ኸኣ፡ ሰባት ንድያብሎስ ይፈርህዎ እዮም።

20. ከመይ ጌርና ኢና ሓሶት ሰይጣን ክንነዝሕ እንኽእል፧

20 ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሰይጣን ብሰባት ኪፍራህ እዩ ዚደሊ። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10) ንሱ ሓሳዊ እዩ፣ ንኣእምሮ እቶም ናብ ኣጋንንታዊ ተግባራት ዚስሓቡ ድማ ከመይ ገይሩ ኸም ዚጸሉ ይፈልጥ እዩ፣ ሓቂ ዘይኰነ ነገር እውን ኬእምኖም ይኽእል እዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ከም ዝረኣይዎን ከም ዝሰምዕዎን ዚመስሎም ነገር ኬውርዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ወረ ብእተደጋገመ መጠን ከኣ፡ እናተጋነነ እዩ ዚኸይድ። ነዚ ወረ እዚ ብምድጋም፡ ፍርሂ ኣብ ምንዛሕ ንሰይጣን ክንሕግዞ ኣይንደልን ኢና።—ዮሃንስ 8:44፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:16።

21. ብዛዕባ ኣጋንንቲ ኣብ ክንዲ እነውሪ፡ ብዛዕባ እንታይ ክንዛረብ ኣሎና፧

21 ሓደ ኻብ ህዝቢ የሆዋ ምስ ኣጋንንቲ ዚተሓሓዝ ነገር ኣጋጢምዎ እንተ ነይሩ፡ ንዕላል ኢሉ ብዛዕባ እዚ ኼውሪ ኣይግባእን እዩ። ህዝቢ የሆዋ በቲ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገር ኪፈርሁ የብሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ የሱስን ኣብቲ የሆዋ ንዕኡ ዝሃቦ ሓይልን ከነተኵር ኣሎና። (እብራውያን 12:2) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣጋንንቲ ኣየውረየሎምን። የግዳስ፡ ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ”ን እዩ ኣተኲሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:11፣ ሉቃስ 8:1፣ ሮሜ 1:11, 12።

22. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

22 ዕላማ ሰይጣን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምብታኽ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነዚ ንምግባር ከኣ ዘይፍንቅሎ እምኒ የልቦን። ንሕና ግና ንሜላታት ድያብሎስ ንፈልጦ ኢና፣ ንዅሉ ዓይነት ኣጋንንታዊ ተግባራት ከኣ ክንጻረር ቈሪጽና ኣለና። ንድያብሎስ ድማ ቈራጽነትና ኼዳኽም ‘ኣጋጣሚ ኣይንህቦን’ ኢና። (ኤፌሶን 4:27 ኣንብብ።) እወ፡ ንድያብሎስ እንተ ተጻሪርናዮ፡ ካብ መጻወድያታቱ ኸነምልጥ፡ ኣብ ትሕቲ ዕቝባ የሆዋ ድማ ክንከውን ኢና።—ኤፌሶን 6:11።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

1 ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ድያብሎስ እያ

“ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:19

ዕላማ ሰይጣን እንታይ እዩ፧

  • 1 ጴጥሮስ 5:8

    ሰይጣን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዎን ኪበትኮን እዩ ዚደሊ።

  • እዮብ 2:4, 5

    ሰባት ንየሆዋ ምፍላጦምን ምፍቃሮምን የቘጥዖ እዩ።

2 ንሰይጣን ኣይትፍርሃዮ

“ንኣምላኽ ተገዝእዎ፣ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ።”—ያእቆብ 4:7

ንድያብሎስ ክንጻረሮ ኸም እንኽእል ብኸመይ ንፈልጥ፧

  • ራእይ 7:9, 14

    የሆዋ ነቲ ድያብሎስ ኣብ ልዕሌና ኼውርዶ ዚኽእል ነገር ደሪትዎ እዩ። ብዙሓት ህዝቢ ድሒኖም ናብ ሓዳስ ዓለም ከም ዚኣትዉ እውን ኣተስፍዩ ኣሎ።

  • 2 ዜና መዋእል 15:2

    ናብ የሆዋ ምስ እንለግብ፡ ሰይጣን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪበትኮ ኣይክእልን እዩ።

  • 1 ቈረንቶስ 10:13፣ እብራውያን 11:4-40

    የሆዋ ኸምቲ ነቶም ጥንቲ ንዝነበሩ ሰባት ዝሓገዞም፡ ንዓና እውን ብተኣማንነት ክንጸንዕ ከም ዚሕግዘና ቓል ኣትዩልና ኣሎ።

3 ነቲ ሰይጣን ንዓና ንምትላል ዚኣልሞ ውዲት ንጠንቀቐሉ

“ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።”—2 ቈረንቶስ 2:11

ድያብሎስ ንዓና ንምትላል እንታይ ዓይነት ሜላታት እዩ ዚጥቀም፧

  • ዮሃንስ 15:19፣ ራእይ 12:12, 17

    ድያብሎስ ንዓለም ይቈጻጸራ ኣሎ፣ ንህዝቢ የሆዋ ግና ኣይቈጻጸሮምን እዩ። ስለዚ፡ ዕላማ መጥቃዕቱ ገይርዎም ኣሎ።

  • ዘፍጥረት 3:1፣ ገላትያ 5:19-21፣ ኤፌሶን 6:12

    ድያብሎስ ምእንቲ ኼጥቅዓና ኢሉ፡ ድኽመትና ኺፈልጥ ሒዅ ይብል እዩ።

  • ዘሌዋውያን 19:26፣ ኢሳይያስ 1:13, 15፣ ማርቆስ 5:25, 26

    ሕክምና ኽትመርጽ ከለኻ፡ ተጠንቀቕ። ሓደ ሰብ እንታይ ከም ዚገብር ምስ ሓርበቶ፡ ኪሓዊ ኢሉ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ዚጥቀም ዓይነት ሕክምና ኺፍትን ይኽእል እዩ።

  • ዘዳግም 18:10-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:19፣ ገላትያ 6:7፣ ራእይ 21:8

    ኣጋንንቲ፡ ብዛዕባ ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ክንፈልጥ ከም እንህንጠ እንተ ርእዮም፡ ነዚ ኪምዝምዝዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባራት እንተ ተሳቲፍና፡ ንየሆዋ ዘይእሙናት ንኸውን ኢና።

4 ሓሶት ድያብሎስ ኣይትንዛሕ

“ድያብሎስ . . . ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን [እዩ]።”—ዮሃንስ 8:44

ከመይ ጌርና ኢና ሓሶት ድያብሎስ ክንነዝሕ እንኽእል፧

  • ሮሜ 1:11, 12፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:16

    ሰባት ብዛዕባ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ካብቲ ብሓቂ ዝዀንዎ ንላዕሊ ሓያላት ከም ዝዀኑ የውርዩ እዮም። ንሕና ግና ፍርሂ ዚነዝሕ ወረ ኣብ ክንዲ እንደግም፡ ንሓድሕድና ኣብ ምትብባዕ ኢና እነተኵር።

  • ኤፌሶን 6:11

    ነቲ ድያብሎስ ዜታልለሉ መገድታት ምስ ፈለጥናዮ፡ ንዕኡ ኽንጻረሮን ናብ የሆዋ ኽንለግብን ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ