ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lvs ምዕ. 17 ገጽ 226-237
  • ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ
  • ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣብ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኣንብብ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብቐጻሊ እምነትካ ህነጽ
  • “ናብ ብስለት ንገስግስ”
  • ኣብ ተስፋኻ ኣተኵር
  • ንክርስትያናዊት ተስፋኻ ወትሩ ኣደልድላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ብየሆዋ ተስፋ ግበር: ተባዕ ድማ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ናብ ብጽሕና ክርስቶስ ትበጽሕዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ናብ የሆዋ ልገብ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
lvs ምዕ. 17 ገጽ 226-237
ስድራ ቤታት ኣብ ገነት

ምዕራፍ 17

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ

“በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ . . . ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።”—ይሁዳ 20, 21።

1, 2. ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኵላትና ድልዱላትን ጥዑያትን ክንከውን ንደሊ ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ምግቢ ንምገብ፡ ኣዘውቲርና ምውስዋስ ኣካላት ንገብር፡ ንሰብነትና እውን ንከናኸን ኢና። ከምኡ ንምግባር ጻዕሪ ዜድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ እንተ ዘይተሓሊልና ብፍሪኡ ንሕጐስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብኻልእ መዳይ እውን ድልዱላትን ጥዑያትን ክንከውን ንደሊ ኢና።

2 ንየሆዋ ኽንፈልጦ ኢልና ኽሳዕ ሕጂ ዝገበርናዮ ነገር ጽቡቕ ጅማሮ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስኡ ዘሎና ርክብ ብዝያዳ ኸነደልድሎ ኣሎና። ይሁዳ ንክርስትያናት፡ “ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ኢሉ ኣብ ዘተባብዓሉ እዋን፡ “በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም” ብምባል ከመይ ገይሮም ከምኡ ኸም ዚገብሩ ገሊጹሎም እዩ። (ይሁዳ 20, 21) እሞኸ ኸመይ ጌርና ኢና ድልድልቲ እምነት ክንሃንጽ እንኽእል፧

ብቐጻሊ እምነትካ ህነጽ

3-5. (ሀ) ሰይጣን ብዛዕባ ስርዓታት የሆዋ ኸመይ ኪስምዓካ ይደሊ፧ (ለ) ንስኻ ብዛዕባ ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ኸመይ ይስምዓካ፧

3 መገድታት የሆዋ ብሉጽ ምዃኑ ብብሕትኻ ኽትኣምነሉ ኣሎካ። ሰይጣን፡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባር ኣመና ኸቢድ ከም ዝዀነን ቅኑዕን ጌጋን ባዕልኻ እንተ ወሲንካ ኸም ዚሕሸካን ጌርካ ኽትሓስብ እዩ ዚደልየካ። ካብ ገነት ኤደን ኣትሒዙ፡ ሰይጣን ንሰባት፡ ነዚ ነገር እዚ ኼእምኖም ጽዒሩ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ሎሚ እውን ሒዅ ይብል ኣሎ።

4 ሰይጣን ሓቁ ድዩ፧ ስርዓታት የሆዋስ እምብዛ ቐያዲ ድዩ፧ ኣይፋልን። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ ኣብ ጽቡቕ መናፈሻ ትዛወር ኣለኻ ንበል። ሓደ ነዊሕ ዝቝመቱ ሓጹር ከኣ ንገሊኡ ቦታ ሓጺርዎ ትርኢ። ምናልባት ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ‘እዚ ሓጹር እዚ ንምንታይ እዩ ዓጊቱኒ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ድሕሪኡ ግና፡ ካብ ስግር እቲ ሓጹር፡ ኣንበሳ ኺጓዝም ትሰምዕ። እሞኸ ሽዑ ብዛዕባ እቲ ሓጹር ከመይ ይስምዓካ፧ ድራር ኣንበሳ ኸይትኸውን የዕቍበካ ብምህላዉ፡ ትሕጐስ ኢኻ! ስርዓታት የሆዋ ድማ ከምቲ ሓጹር እዩ፣ ድያብሎስ ከኣ ከምቲ ኣንበሳ እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ቀልብኹም ሓልዉ፡ ንቕሑ! ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ” ኢሉ የጠንቅቐና እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:8።

5 የሆዋ ብሉጽ ህይወት ኪህልወና እዩ ዚደሊ። ብሰይጣን ክንታለል ኣይደልን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ዜዕቍበናን ዜሐጕሰናን ሕግታትን ስርዓታትን ዝሃበና። (ኤፌሶን 6:11) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ያእቆብ፡ “እቲ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ዚጥምትን ብእኡ ዚጸንዕን፡ . . . ብግብሩ . . . ሕጉስ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ያእቆብ 1:25።

6. መገድታት ኣምላኽ ብሉጽ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ኢና እንኣምን፧

6 መምርሒ የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ህይወትና ይመሓየሽ፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት እውን እናደልደለ ይኸይድ እዩ። ንኣብነት፡ ናብኡ ደጋጊምና ኽንጽሊ ዝቐረበልና ጻውዒት እንተ ተቐቢልና፡ ንጥቀም ኢና። (ማቴዎስ 6:5-8፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17) ነቲ ንዕኡ ኸነምልኾን ንሓድሕድና ኽንተባብዕን ተባሂሉ ኣብ ኣኼባ ኽንእከብ እተዋህበና መምርሒ ምስ እንእዘዝ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዕዮ ስብከትን ኣብ ዕዮ ትምህርትን ምሉእ ተሳትፎ ምስ ዚህልወና፡ ሕጉሳት ንኸውን ኢና። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ገላትያ 6:2፣ እብራውያን 10:24, 25) እዚ ነገራት እዚ ንእምነትና ኣብ ምድልዳል ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓገዘና ምስ እንሓስብ፡ መገድታት የሆዋ ብሉጽ ምዃኑ ብዝያዳ እናኣመንና ንኸይድ ኢና።

7, 8. ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዜጋጥም ፈተናታት ከይንጭነቕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

7 ኣመና ኪኸብደና ዚኽእል ፈተናታት ኣብ መጻኢ ኸየጋጥመና ንጭነቕ ንኸውን ኢና። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ፡ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ። ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን! ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ፡ ጽድቅኻ ድማ ከም ማዕበላት ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ዚብል ቃላት የሆዋ ዘክሮ።—ኢሳይያስ 48:17, 18።

ማዕበላት ባሕሪ

8 ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ሰላምና ኸም ዘይነጽፍ ፈለግ፡ ጽድቅና እውን ወትሩ ንገማግም ከም ዚጸፍዕ ማዕበላት ባሕሪ እዩ ዚኸውን። ኣብ ህይወትና ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ” ኢሉ የተስፍወና እዩ።—መዝሙር 55:22።

“ናብ ብስለት ንገስግስ”

9, 10. ብሱል ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

9 ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እናደልደለ ምስ ከደ፡ ‘ናብ ብስለት ክትግስግስ’ ኢኻ። (እብራውያን 6:1) ብሱል ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

10 ዕድመ ብምቝጻር ጥራይ ብሱላት ክርስትያናት ኣይንኸውንን ኢና። ብሱላት ንምዃን፡ ንየሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ናይ ቀረባ ዓርክና ኽንገብሮ፡ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ንምሓዝ ድማ ክንጽዕር ኣሎና። (ዮሃንስ 4:23) ጳውሎስ፡ “እቶም ብስጋ ዚነብሩስ፡ ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ፣ እቶም ብመንፈስ ዚነብሩ ግና፡ ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ሮሜ 8:5) ብሱል ሰብ፡ ኣብ ተድላ ወይ ኣብ ስጋዊ ነገራት ኣይኰነን ዜተኵር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እዩ ዜተኵር፡ ኣብ ህይወቱ ኸኣ ጥበባዊ ምርጫ እዩ ዚገብር። (ምሳሌ 27:11፣ ያእቆብ 1:2, 3 ኣንብብ።) ብኻልኦት ተጸልዩ ጌጋ ኣይገብርን እዩ። የግዳስ፡ ቅኑዕ ዘበለ ይፈልጥ፡ ብቘራጽነት ድማ ቅኑዕ ይገብር እዩ።

11, 12. (ሀ) ጳውሎስ ብዛዕባ “ልቦና” ክርስትያናት እንታይ ኢሉ፧ (ለ) ብሱል ክርስትያን ምስ ስፖርተኛ ብኸመይ ይመሳሰል፧

11 ብስለት ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ብሱላት እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (እብራውያን 5:14) እታ “ዘሰልጠኑ” እትብል ቃል፡ ነቲ ስፖርተኛ ዚገብሮ ስልጠና ተዘክረና ትኸውን።

12 ሓደ ኽኢላ ስፖርተኛ ንኽእለቱ ንምምዕባል ብዙሕ ግዜን ስልጠናን የድልዮ እዩ። ኪውለድ ከሎ፡ ስፖርተኛ ዀይኑ ኣይኰነን ዚፍጠር። ሕጻን ኪውለድ ከሎ፡ ንኣእዳዉን ንኣእጋሩን ብኸመይ ብልክዕ ከም ዚጥቀመሉ ኣይፈልጥን እዩ። በብቝሩብ ግና፡ ኣቕሑ ብኸመይ ከም ዚሕዝን ብኸመይ ብእግሩ ኸም ዚኸይድን ይለምድ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ስልጠና ምስ ወሰኸሉ ኸኣ፡ ስፖርተኛ ይኸውን እዩ። ንሕና እውን ብሱላት ክርስትያናት ክንከውን ግዜን ጻዕርን የድልየና እዩ።

13. ከምቲ የሆዋ ዚሓስቦ ጌርና ምእንቲ ኽንሓስብ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና ኸምቲ የሆዋ ዚሓስቦ ጌርና ኸም እንሓስብን ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዚህልወናን መርሚርና ኢና። ንስርዓታት የሆዋ ኽንርድኦን ክንፈትዎን ተማሂርና ኢና። ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ‘ነዚ ዅነታት እዚ ዚምልከት እንታይ ሕግታት ወይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ ከመይ ገይረ ኽትግብሮ እኽእል፧ የሆዋ እንታይ ክገብር ይደልየኒ፧’ ኢልና ርእስና ንሓትት ኢና።—ምሳሌ 3:5, 6፣ ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።

14. እምነትና ኽንሃንጽ እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

14 ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ምህናጽ ጠሪስና ኣይነቋርጽን ኢና። ከምቲ መዓዛታት ዘለዎ ምግቢ ምብላዕ ንሰብነትና ዜደልድሎ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንምሃሮ ነገራት ከኣ ድልድልቲ እምነት ይሃንጸልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን፡ ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን መሰረታዊ ሓቅታት ተማሂርና ኢና። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ዝዓመቘ ነገራት ክንርዳእ ኣሎና። ጳውሎስ፡ ‘ዕጹም ብልዒ ንብሱላት እዩ’ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እዚ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ነቲ እተምሃርናዮ ምስ እንትግብሮ፡ ጥበብ ንረክብ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ነገር እያ” ይብለና እዩ።—ምሳሌ 4:5-7፣ 1 ጴጥሮስ 2:2።

15. ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብሓቂ ምፍቃር ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

15 ሓደ ሰብ ድልዱልን ጥዑይን ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ወትሩ ኸምኡ ዀይኑ ንምቕጻል ግና፡ ገዛእ ርእሱ ኺከናኸን ኣለዎ። ብሱል ሰብ እውን፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ድልዱል ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ኣበርቲዑ ኺዓዪ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ጳውሎስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 13:5) ይኹን እምበር፡ ድልድልቲ እምነት ጥራይ እኽልቲ ኣይኰነትን። ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ብቐጻሊ ኽትዓቢ ኣለዋ። ጳውሎስ፡ “ኵሉ ፍልጠት . . . እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ ምዀንኩ” ኢሉ እዩ።—1 ቈረንቶስ 13:1-3።

ኣብ ተስፋኻ ኣተኵር

16. ሰይጣን ከመይ ኪስምዓና እዩ ዚደሊ፧

16 ሰይጣን፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኸም ዘይንኽእል ጌርና ኽንሓስብ እዩ ዚደልየና። ተስፋ ኽንቈርጽን ንጸገማትና ፍታሕ ከም ዘይብሉ ጌርና ኽንሓስብን እዩ ዚደልየና። ንክርስትያናት ብጾትና ኽንኣምኖም ኣይደልየናን እዩ፣ ክንሕጐስ እውን ኣይደልየናን እዩ። (ኤፌሶን 2:2) ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንዓናን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ከም ዚጐድኦ ይፈልጥ እዩ። የሆዋ ግና ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እንቃለሰሉ ነገር ሂቡና ኣሎ። እወ፡ ተስፋ ሂቡና ኣሎ።

17. ኣገዳስነት ተስፋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧

17 ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:8፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንቝራዕ ርእሲ “ተስፋ ድሕነት” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ንተስፋ ምስቲ ወተሃደር ንርእሱ ንምክልኻል ኣብ ውግእ ዚገብሮ ቝራዕ ርእሲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ነገር ተስፋ እንተ ጌርና፡ እዚ ንኣእምሮና ኼዕቍቦን ኣሉታዊ ሓሳባት ንምጽራር ኪሕግዘናን እዩ።

18, 19. የሱስ ከመይ ኢሉ እዩ ብተስፋ ዝበርትዐ፧

18 ተስፋ ንየሱስ ኣበርቲዕዎ እዩ። ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ ተደራራቢ ጸገማት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ሓደ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኣሕሊፉ ሂብዎ። ሓደ ኻልእ ድማ ‘ኣይፈልጦን እየ’ ኢሉ ኽሒድዎ። ገሊኦም ከኣ ሓዲጎምዎ ሃዲሞም። ደቂ ዓዱ ድማ ተሳቕዩ ኺመውት ሕቶ ኣቕሪቦም። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ነዚ ዅሉ ስቓይ ተጻዊርዎ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ፡ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ።”—እብራውያን 12:2።

19 የሱስ እሙን ምስ ዚኸውን፡ ንኣቦኡ ኸም ዜኽብሮን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኸም ዜረጋግጽን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ኸኣ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጺኡሉ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡ ኸም ዚሓብር እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ድማ ኪጻወር ሓጊዝዎ እዩ። ንሕና እውን ከም የሱስ ኣብ ተስፋና ኸነተኵር ኣሎና። ተስፋና ኸኣ ዝመጸ እንተ መጸ፡ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።

20. ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽትሕዝ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

20 የሆዋ ንእምነትካን ንተጻዋርነትካን ይርእዮ እዩ። (ኢሳይያስ 30:18፣ ሚልክያስ 3:10 ኣንብብ።) “ትምኒት ልብኻ ኺህበካ” ኣተስፍዩካ ኣሎ። (መዝሙር 37:4) ስለዚ፡ ኣብ ተስፋኻ ኣተኵር። ሰይጣን፡ ተስፋ ኽትቈርጽን እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ነገራት ከም ዘይፍጸም ጌርካ ኽትሓስብን እዩ ዚደልየካ። ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ግና ኣይትሰነፍ! ተስፋኻ ይደክም ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንየሆዋ ኺሕግዘካ ለምኖ። ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከብ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ዘክሮ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”

21, 22. (ሀ) የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንስኻ እንታይ ክትገብር ቈሪጽካ ኣለኻ፧

21 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ባህ ዜብል ነገራት ኣዘውቲርካ ኣስተንትን። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ብህይወት ዘሎ ዘበለ ዅሉ ንየሆዋ ኼምልኾ እዩ። (ራእይ 7:9, 14) ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት እሞ ሕሰብ። ካብቲ እንግምቶ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ኪኸውን እዩ! ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሉ እከይን ኪውገድ እዩ። ኣይክትሓምምን ኢኻ፣ ኣይክትመውትን እውን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ መዓልቲ መዓልቲ ባህ ኢሉካ ምስ ምሉእ ሓይልኻ ኽትበራበር ኢኻ። ኵሉ ሰብ ንምድሪ ገነት ንምግባር ተሓባቢሩ ኺዓዪ እዩ። ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ምግብን ውሑስ መንበርን ኪህልዎ እዩ። ሰባት ሕሱማት ወይ ዓመጽቲ ኣይኪዀኑን እዮም፣ የግዳስ፡ ንሓድሕዶም ኪለዋውሁ እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ሰባት “ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” ኪህልዎም እዩ።—ሮሜ 8:21።

ስድራ ቤታት ኣብ ገነት

22 የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚቐርበካ ዓርክኻ ኪኸውን ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ኽትእዘዞን መዓልቲ መዓልቲ ኽትቀርቦን ዚከኣለካ ግበር። እወ፡ ኵላትና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ንጽናዕ!—ይሁዳ 21።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

1 ብቐጻሊ እምነትካ ኣደልድል

“በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም [ህነጹ]።”—ይሁዳ 20

እምነትና ንምህናጽ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

  • ኤፌሶን 6:11፣ ያእቆብ 1:25፣ 1 ጴጥሮስ 5:8

    ንየሆዋ ዘሎና ተኣዛዝነት ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዚዀነናን ብኸመይ ዝሓሸ ህይወት ክንነብር ከም ዚሕግዘናን ሕሰብ።

  • ማቴዎስ 28:19, 20፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17፣ እብራውያን 10:24, 25

    እምነትና ንምድልዳል፡ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ፡ ብዛዕባ የሆዋ ንኻልኦት ክንነግር፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ክንሓብር ኣሎና።

  • መዝሙር 55:22፣ ኢሳይያስ 48:17, 18

    የሆዋ ኸቶ ኣይኪጥንጥነካን እዩ። መምርሒኡ እንተ ስዒብካ፡ ሰላም ኪህልወካ እዩ።

2 ብሱላት ክርስትያናት ክንከውን ንደሊ ኢና

“ናብ ብስለት ንገስግስ።”—እብራውያን 6:1

ብሱል ክርስትያን ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

  • ሮሜ 8:5፣ እብራውያን 5:14

    ብሱል ንምዃን ግዜን ጻዕርን የድሊ እዩ። ብሱል ክርስትያን ከም ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ኺህልዎ ይጽዕር፡ ጥበባዊ ውሳነታት ድማ ይገብር እዩ።

  • ምሳሌ 27:11፣ ያእቆብ 1:2, 3

    ጸገማት ንእምነትካ ኸተደልድልን ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኸተርእን ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ።

  • ምሳሌ 3:5, 6፣ ያእቆብ 1:5

    ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ የሆዋ እንታይ ክትገብር ከም ዚደልየካ ኣስተንትን፡ ኪሕግዘካ እውን ለምኖ።

  • 2 ቈረንቶስ 13:5

    ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምፍላጥን ምስኡ ዘሎካ ርክብ ካብ ምድልዳልን ከቶ ኣይተቋርጽ።

3 ኣብ ተስፋኻ ኣተኵር

“ተስፋ ድሕነት . . . ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ቐልብና ንሓሉ።”—1 ተሰሎንቄ 5:8

ተስፋ ብኸመይ የዕቍበና፧

  • እብራውያን 12:2

    ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ ኣዝዩ ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። ተስፋ ንየሱስ፡ ፈተናታት ኪጻወር ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ሕሰብ።

  • ፊልጲ 4:6, 7

    ተስፋኻ ይደክም ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ፡ ብዛዕባኡ ጸሊ። ኣሉታዊ ሓሳባትን ጥርጣረታትን የዳኽም እዩ። የሆዋ ግና ትብዓትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ይህብ እዩ።

  • ሚልክያስ 3:10፣ ሮሜ 8:21

    ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ዘሎካ ተስፋ ኣዘውቲርካ ኣስተንትን። ሓዳስ ዓለም ካብቲ እትግምቶ ንላዕሊ ኣጸቢቓ ትበልጽ እያ።

  • መዝሙር 37:4፣ ይሁዳ 21

    የሆዋ ኸም ናይ ቀረባ ዓርክኻ ጌርካ ኽትፈልጦ ይደልየካ እዩ። ንዕኡ እዙዝ ንምዃን ዚከኣለካ ዘበለ ግበር፣ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብዝያዳ ቕረቦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ