ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rr ገጽ 26-27
  • ናብራን ግዜን ህዝቅኤል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብራን ግዜን ህዝቅኤል
  • ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብግዜኡ ዝነበሩ ነብያት
  • የሩሳሌም ጠፍአት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት” ምግልጋል
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • ንምስጢር እታ ዓባይ ኦም ምቕላዕ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ሓደ ዓቢ ምስሊ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
rr ገጽ 26-27

ሳጹን ትምህርቲ 2ለ

ናብራን ግዜን ህዝቅኤል

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

ህዝቅኤል ማለት “ኣምላኽ የበርትዕ” ማለት እዩ። ትንቢታቱ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መልእኽቱ ግና ምስ ትርጉም ስሙ ዚሰማማዕን ንእምነት እቶም ንኣምላኽ ንጹህ ኣምልኾ ኬቕርቡ ዚደልዩ ሰባት ዜበርትዕን እዩ ነይሩ።

ህዝቅኤል።

ብግዜኡ ዝነበሩ ነብያት

  • ኤርምያስ።

    ኤርምያስ

    ካብ ዓሌት ካህናት እዩ ነይሩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ የሩሳሌም ኣገልጊሉ (647–580 ቅ.ክ.)

  • ሑልዳ።

    ሑልዳ

    ኣብ ከባቢ 642 ቅ.ክ.፡ መጽሓፍ ሕጊ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ እተረኽበሉ እዋን ተገልግል ነይራ

  • ዳንኤል።

    ዳንኤል

    ካብቲ ኻብ ነገድ ነገስታት ዝዀነ ይሁዳ እዩ ነይሩ፣ ናብ ባቢሎን ድማ ብ617 ቅ.ክ. ተወሲዱ

  • ኣንባቆም።

    ኣንባቆም

    ኣብ ይሁዳ፡ ኣብ መጀመርታ ግዜ ንግስና ዮያቂም የገልግል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ

  • ኦብድያ።

    ኦብድያ

    ኣንጻር ኤዶም ተነብዩ፣ ነዚ ድማ ብግዜ ጥፍኣት የሩሳሌም ተነብይዎ ኪኸውን ኣለዎ

መዓስ ተነብዮም፧ (ኵሉ ኣቈጻጽራ ቅ.ክ.)

ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ነብያት ዜርኢ ሰሌዳ ግዜ (ኵሉ ኣቈጻጽራ ቅ.ክ.)። ኤርምያስ፦ ካብ 647 ክሳዕ ከባቢ 580፣ ሑልዳ፦ ከባቢ 642፣ ዳንኤል፦ ካብ ከባቢ 617 ክሳዕ ከባቢ 537፣ ኣንባቆም፦ ከባቢ 625፣ ህዝቅኤል፦ ካብ 613 ክሳዕ ከባቢ 591፣ ኦብድያ፦ ከባቢ 607።

ብግዜ ህዝቅኤል እተፈጸመ ቐንዲ ፍጻመታት(ኵሉ ኣቈጻጽራ ቅ.ክ.)

  1. ከ.643፦ ተወልደ

  2. 617፦ ብምርኮ ናብ ባቢሎን ተወስደ

  3. 613፦ ኪንበ ጀመረ፣ ራእይ የሆዋ ረኣየ

  4. 612፦ ኣብ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ዘሎ ኽሕደት ራእይ ረኣየ

  5. 611፦ ንየሩሳሌም ኪዅንና ጀመረ

  6. 609፦ ሰበይቱ ሞተት፣ የሩሳሌም ከኣ ንመወዳእታ ግዜ ተኸብበት

  7. 607፦ የሩሳሌም ከም ዝጠፍአት ወረ በጽሖ

  8. 593፦ ራእይ ቤተ መቕደስ ረኣየ

  9. 591፦ ነቡካድነጻር ንግብጺ ኸም ዚወርራ ተነበየ፣ ንመጽሓፉ ወድኣ

ነገስታት ይሁዳን ባቢሎንን

  1. 659-629፦ ዮስያስ ንጹህ ኣምልኾ ኣስፋሕፍሐ፣ ግናኸ ብፈርኦን ኔኮ ኣብ ውግእ ተቐትለ

  2. 628፦ ዮኣሓዝ ንሰለስተ ወርሒ ሕማቕ ኣገዛዝኣ ገዝአ፡ ብፈርኦን ኔኮ ድማ ተታሕዘ

  3. 628-618፦ እቲ ኽፉእ ዝነበረ ንጉስ ዮያቂም ንፈርኦን ኔኮ ተገዝኦ

  4. 625፦ ነቡካድነጻር ንሰራዊት ግብጺ ሰዓሮ

  5. 620፦ ነቡካድነጻር ንይሁዳ ንመጀመርታ ግዜ ወረራ፣ ንዮያቂም ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ዀይኑ ንየሩሳሌም ኪገዝእ ሸሞ

  6. 618፦ ዮያቂም ካብ ነቡካድነጻር ዓለወ፣ ባቢሎናውያን ንምድሪ ተስፋ ኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝወረሩሉ እዋን ግና ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ

  7. 617፦ እቲ የኮንያ እውን ተባሂሉ ዚፍለጥ ዮያኪን ዚብሃል ክፉእ ንጉስ ንሰለስተ ወርሒ ነገሰ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንነቡካድነጻር ኢዱ ሃበ

  8. 617-607፦ እቲ እኩይን ጃጃውን ዝነበረ ጼዴቅያስ፡ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ኰይኑ ይገዝእ ነበረ

  9. 609፦ ጼዴቅያስ ካብ ነቡካድነጻር ዓለወ፣ ነቡካድነጻር ድማ ንይሁዳ ሳልሳይ ሳዕ ወረራ

  10. 607፦ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ኣጥፍኣ፣ ንጼዴቅያስ ኣዒንቱ ኣዕዊሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶ

ናብ ምዕራፍ 2፡ ሕጡብ ጽሑፍ 28, 29 ተመለስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ