ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 8 ገጽ 11
  • ዚምህር ምሳሌታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዚምህር ምሳሌታት
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • “ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብዓሚቝ ምስትውዓልን ናይ ምርዳእ ክእለትን ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 8 ገጽ 11

መጽናዕቲ 8

ዚምህር ምሳሌታት

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ማቴዎስ 13:34, 35

ጽማቝ ሓሳባት፦ ነቲ እትምህሮ ትምህርቲ ንሰማዕትኻ ብዚስሕብን ኣገዳሲ ነጥብታት ብዚምህርን ቀሊል ምሳሌታት ጌርካ ሰልሞ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ቀሊል ምሳሌታት ሕረ። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ንዓበይቲ ነገራት ንምግላጽ፡ ንኣሽቱ ነገራት ተጠቐም፣ ንኸበድቲ ነገራት ንምግላጽ ከኣ፡ ቀለልቲ ነገራት ተጠቐም። ነቲ ምሳሌ ዚሓላልኾ ዘየድሊ ዝርዝር ነጥብታት ኣይትወስኽ። ኣብቲ ምሳሌ ዘሎ ዝርዝር ነገራት ምስቲ እትምህሮ ትምህርቲ ኸም ዚዛመድ ኣረጋግጽ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሰማዕትኻ በቲ ዘይተዛመደ ነጥብታት ኣቓልቦኦም ኪስረቕ እዩ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ኣስተብሃሊ ኹን። ኣብ ከባቢኻ ንዘላ ዓለም ተዓዘባ፡ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ኣጽንዕ፡ ንኽኢላታት መምህራን እውን ስምዓዮም። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንትምህርትኻ ክትስልመሉ እትኽእል ምሳሌታት ኣስተብህል። ነዚ ምሳሌታት እዚ ኣብ ሓደ ፋይል ኣቐምጦ።

  • ንሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ሰማዕትኻ ዚነጥፉሉን ዚግደሱሉን ነገራት፡ ከም ምሳሌታት ጌርካ ሕረ። ምሳሌታትካ ኸየሕፍሮም ወይ ቅር ከየብሎም ተጠንቀቕ።

  • ቀንዲ ነጥቢ ምሃር። ንንኣሽቱ ዝርዝራት ዘይኰነስ፡ ንቐንዲ ነጥብታት ብምሳሌታት ጌርካ ኣጕልሓዮ። ሰማዒኻ ነቲ ምሳሌ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽትምህሮ እትደልዮ ነጥቢ ኸም ዚዝክሮ ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ