ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 15 ገጽ 18
  • እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብምትእምማን ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ዝርርባዊ ኣቀራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 15 ገጽ 18

መጽናዕቲ 15

እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

1 ተሰሎንቄ 1:5

ጽማቝ ሓሳባት፦ ንሓቂ ብጽኑዕ ከም እትኣምነሉን ኣገዳስነት እቲ እትብሎ ዘለኻን ኣርኢ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ኣጸቢቕካ ተዳሎ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት እንታይ ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ ብኸመይ ከም ዚድግፎን ክሳዕ ዚርድኣካ ኣጽንዕ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታትካ፡ ብሒደት ቀለልቲ ቓላት ጌርካ ገለጾ። ኣብቲ ንሰማዕትኻ ዘለዎ ጥቕሚ ኣተኵር። መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ነቲ ሓሳባት ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጦን ኣቀራርባኻ ምእንቲ ኺምሓየሽን፡ ብኸመይ ከም እተቕርቦ ተለማመድ።

  • እምነትካ ዜርኢ ቓላት ተጠቐም። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓላት ከም ዘለዎ ኣብ ክንዲ እትደግሞ፡ ብናትካ ቓላት ተዛረብ። ብዛዕባ እቲ እትብሎ ዘለኻ ርግጸኛ ኸም ዝዀንካ ዜርኢ ኣዘራርባ ሕረ።

  • ሓሳባትካ ኻብ ልቢ ብዕቱብ ግለጽ። ብእኹል መጠን ድምጺ ተዛረብ። ዓይኒ ዓይኒ ምጥማት ቅር ዜብል እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሰማዕትኻ ጠምቶም።

    ግብራዊ ምኽሪ

    እምነትካ ዜርኢ ኣገላልጻ ኺብሃል ከሎ፡ ብዘይ ሜላ ምዝራብ፡ ደረቕ ዝርእይቶኡ ምዃን፡ ወይ ግድን ስምዑኒ በሃሊ ምዃን ማለት ኣይኰነን። ዋላ እውን ብዕቱብ ክትዛረብ ከለኻ፡ ንሰማዕትኻ ብፍቕራዊ መገዲ ተማሕጸኖም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ