ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 152
  • የሆዋ ዚውደሰላ ቤት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ዚውደሰላ ቤት
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • የሐጕሰካዶ፧
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 152

መዝሙር 152

የሆዋ ዚውደሰላ ቤት

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(1 ነገስት 8:27፣ 1 ዜና መዋእል 29:14)

  1. 1. የሆዋ፡ ዓብዪ ዝግብርኻ፡

    ንሰማያት ዝዘርጋሕካ፡

    ’ዛ ዝሃነጽናልካ ቤት ግዳ፡

    ክንደይ’ኳ ዘይትንእሰካ።

    ሓቢርና ኸነገልግለካ፡

    ክንውድሶ ’ውን ንስምካ፡

    እንሆ ብምሉእ ልብና፡

    ክንውፍያ ተዳሊና።

    (መሰጋገሪ)

    ጕልበትና፡ ጥሪትና

    ህያብ እዩ ካባኻ፣

    ’ቲ ዝሃብካና ኢና

    መሊስና ሂብናካ።

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ ነመስግነካ፡

    ብመዝሙር ንውድሰካ።

    ወቂቡ ቦታ ኣምልኾና፡

    ተባሪኹ ’ቲ ጻዕርና።

  2. 2. የሆዋ፡ ርኢኻ ’ንደልዮ፡

    ባሪኽካዮ እቲ ዕዮ፡

    እንሀት ኣብ ቅድሜኻ ’ዛ ቤት፡

    ንስምካ ’ወ እተሃንጸት።

    እታ መንፈስካ ዝዓሰላ፡

    ህዝብኻ ዚሕደሱላ፡

    ብርሃንካ ’ውን ዚዅልዓላ፡

    ኣሰር የሱስ ’ንስዕበላ።

    (መሰጋገሪ)

    ግዜና ሰዊእና፡

    ዓቕምና ’ወ ኽእለትና፣

    ክንህበካ መሪጽና፡

    ንዓኻ ብሉጽና።

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ ነመስግነካ፡

    ብመዝሙር ንውድሰካ።

    ወቂቡ ቦታ ኣምልኾና፡

    ተባሪኹ ’ቲ ጻዕርና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ