ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 2
  • ባህርያዊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ባህርያዊ
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፊልጶስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ ፊልጶስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንፊልጶስ ምሰሎ
  • ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተገዳስነት
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • “ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 2

ዝርርብ ምጅማር

ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ንሓደ ኣብ ሰረገላ ኾፍ ኢሉ ኻብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዜንብብ ዘሎ ኢትዮጵያዊ የዛርቦ።

ግብ. 8:30, 31

ትምህርቲ 2

ባህርያዊ

ስርዓት፦ “ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል . . . ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!”—ምሳ. 15:23።

ፊልጶስ እንታይ ገይሩ፧

ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ንሓደ ኣብ ሰረገላ ኾፍ ኢሉ ኻብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዜንብብ ዘሎ ኢትዮጵያዊ የዛርቦ።

ቪድዮ፦ ፊልጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ሰበኸሉ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. ፊልጶስ ዝርርብ ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧

  2. ለ. እዚ መገዲ እዚ፡ ዝርርብ ንምጅማርን ነቲ ሰብኣይ ሓድሽ ሓቂ ንምክፋልን ባህርያዊ መገዲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ፊልጶስ እንታይ ንምሃር፧

2. ዝርርብ ብባህርያዊ መገዲ ኺምዕብል እንተ ሓዲግናዮ፡ እቲ ሰብ ፍዅስ ኪብሎን ንመልእኽትና ኺሰምዖን ይኽእል እዩ።

ንፊልጶስ ምሰሎ

3. ኣስተብሃሊ ኹን። ኣብ ገጽን ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስን እተንብቦ ነገር ብዙሕ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ኪዛረበካ ፍቓደኛ ድዩ፧ “[ብዛዕባ እዝስ] ትፈልጥዶ፧” ኢልካ ብምሕታት፡ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ። ኪዛረብ ንዘይደሊ ሰብ ግና ብግዲ ኸተዛራርቦ ኣይትፈትን።

4. ዕጉስ ኩን። ብኡብኡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዛረብ ከም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ነቲ ነገር ብባህርያዊ መገዲ እተልዕለሉ ግቡእ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዚፍጠር ተጸበ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ካልእ እዋን ከተልዕለሉ የድልየካ ይኸውን።

5. ተዓጻጻፊ ኹን። ዝርርብ ናብ ዘይተሓስበ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ሰብ ዜገድሶ ነገር ንምክፋል ፍቓደኛ ኹን፣ ዋላ እውን ካብቲ ሓሲብካዮ ዝነበርካ እተፈልየ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኸተካፍል የድሊ ይኸውን።

ኣብዚ እውን ርአ

መክ. 3:1, 7፣ 1 ቈረ. 9:22፣ 2 ቈረ. 2:17፣ ቈሎ. 4:6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ