ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 3
  • ለውሃት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ለውሃት
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ተገዳስነት
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • “ሕጊ ለውሃት” ይደርኽካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣብዛ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም ብሕያውነት ምምልላስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ህዝቢ ኣምላኽ ሕያውነት ኪፈትዉ ኣለዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 3

ዝርርብ ምጅማር

የሱስ ንሓደ ዕዉር ምእንቲ ኼሕውዮ ብለውሃት ይቐርቦ።

ዮሃ. 9:1-7

ትምህርቲ 3

ለውሃት

ስርዓት፦ “ፍቕሪ . . . ለዋህ . . . እያ።”—1 ቈረ. 13:4።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስ ንሓደ ዕዉር ምእንቲ ኼሕውዮ ብለውሃት ይቐርቦ።

ቪድዮ፦ የሱስ ንሓደ ዕዉር ሰብኣይ ኣሕወዮ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 9:1-7 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. የሱስ ነቲ ዕዉር ፈለማ እንታይ እዩ ገይሩሉ—ኣሕውይዎ ድዩ ወይስ ብስራት እዩ ነጊርዎ፧—ዮሃ. 9:35-38 ርአ።

  2. ለ. እቲ ሰብኣይ ሳላ እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኣቀራርባ ነቲ ብስራት ኪቕበል ብዝያዳ ተለዓዒሉ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ሓደ ሰብ ከም እንሓልየሉ እንተ ርእዩ፡ ንመልእኽትና ንምስማዕ ብዝያዳ ይለዓዓል እዩ።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ደንግጽ። ነቲ ሰብ ስምዒቱ ኽትርድኣሉ ፈትን።

  1. ሀ. ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ብዛዕባ እንታይ እዩ ዜተሓሳስቦ ዘሎ፧ እንታይ ኪሕግዞ ወይ ኪስሕቦ ይኽእል፧’ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብ ልቢ ኽትልውሃሉ ትኽእል ኢኻ።

  2. ለ. ሓደ ሰብ ኪዛረበካ ኸሎ ጽን ኢልካ ብምስማዕ፡ ከም እትሓልየሉ ኣርእዮ። ስምዒቱ ወይ ጸገሙ ኺነግረካ ኸሎ፡ ኣርእስቲ ኣይትቐይር።

4. ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ተዛረብ። ነቲ ሰብ እትርሕርሓሉን ብሓቂ ኽትሕግዞ እትደልን እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣብ ኣዘራርባኻ ይንጸባረቕ እዩ። ቃላትካ ተጠንቂቕካ ሕረ፡ ግቡእ ቃና ድምጺ እውን ተጠቐም፣ ኬጕህዮ ዚኽእል ነገር ካብ ምዝራብ ተቘጠብ።

5. ሓግዝ። ነቲ ሰብ ብግብራዊ መገድታት ንምሕጋዝ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ብለውሃት እትገብሮ ተግባር ንዝርርብ መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ።

ኣብዚ እውን ርአ

ሮሜ 12:15, 16፣ ገላ. 6:10፣ እብ. 13:16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ