ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 4
  • ትሕትና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሕትና
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንጳውሎስ ምሰሎ
  • የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ትሑት ዝልቡ . . . እየ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • የሱስ ኣርኣያ ትሕትና ሃበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 4

ዝርርብ ምጅማር

ሃዋርያ ጳውሎስ ብሰንሰለት ምስ ወተሃደር ተኣሲሩ ኸሎ ንንጉስ ኣግሪጳን ንፌስጦስ እቲ ሹምን ንበርኒቄን ብኣኽብሮት ይዛረቦም።

ግብ. 26:2, 3

ትምህርቲ 4

ትሕትና

ስርዓት፦ “ብትሕትና . . . ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።”—ፊል. 2:3።

ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ብሰንሰለት ምስ ወተሃደር ተኣሲሩ ኸሎ ንንጉስ ኣግሪጳን ንፌስጦስ እቲ ሹምን ንበርኒቄን ብኣኽብሮት ይዛረቦም።

ቪድዮ፦ ጳውሎስ ንንጉስ ኣግሪጳ ሰበኸሉ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 3 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. ጳውሎስ ኣብቲ ንንጉስ ኣግሪጳ እተዛረበሉ መገዲ ብኸመይ እዩ ትሕትና ኣርእዩ፧

  2. ለ. ጳውሎስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ከም ዚትኰር ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧—ግብ. 26:22 ርአ።

ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

2. ንመልእኽትና ብትሕትናን ብኣኽብሮትን እንተ ኣቕሪብናዮ፡ ብዝያዳ ሰሓቢ እዩ ዚኸውን።

ንጳውሎስ ምሰሎ

3. ብዜስተናዕቕ መገዲ ኣይትዛረብ። ንስኻ ዅሉ ኸም እትፈልጥ፡ ካልእ ሰብ ግና ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጥ ብዜስምዕ መገዲ ኣይትዛረብ። የግዳስ፡ ብኣኽብሮት ተዛረብ።

4. መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ እቲ እትዛረቦ ሓቅታት ምዃኑ ንጹር ግበር። ቃል ኣምላኽ ልቢ ሰባት ዚትንኪ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። ነዚ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ኣብ ግቡእ መሰረት ኢና እምነት እንሃንጽ።

5. ልኡም ኩን። ክትረትዕ ኢልካ ህርድግ ኣይትበል። ክንማጐት ኣይንደልን ኢና። ወትሩ ህዱእ ብምዃንን ካብ ነገር ብምርሓቕን፡ ትሕትና ኣርኢ። (ምሳ. 17:14፣ ቲቶ. 3:2) ልኡም ምላሽ፡ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ዝርርብ ንምግባር መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ።

ኣብዚ እውን ርአ

ሮሜ 12:16-18፣ 1 ቈረ. 8:1፣ 2 ቈረ. 3:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ