ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 6
  • ትብዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትብዓት
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 6

ዝርርብ ምጅማር

የሱስ ንዘኬዎስ ካብ ኦም ኪወርድ ይሓትቶ፡ ገሊኦም ከኣ በዚ ይግረሙ።

ሉቃ. 19:1-7

ትምህርቲ 6

ትብዓት

ስርዓት፦ “ብስራት ኣምላኽ ክንነግረኩም ብኣምላኽና ተቢዕና ኢና።”—1 ተሰ. 2:2።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስ ንዘኬዎስ ካብ ኦም ኪወርድ ይሓትቶ፡ ገሊኦም ከኣ በዚ ይግረሙ።

ቪድዮ፦ የሱስ ንዘኬዎስ ሰበኸሉ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ሉቃስ 19:1-7 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. ገሊኦም ሰባት ንዘኬዎስ ዜርሕቕዎ ዝነበሩ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

  2. ለ. ስለምንታይ ግና እዩ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግሮ እተለዓዓለ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ብዘይ ኣድልዎ ንምስባኽ ትብዓት የድልየና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ኣብ የሆዋ ተወከል። መንፈስ ኣምላኽ ንየሱስ፡ ንምስባኽ ዜኽእል ሓይሊ ሂብዎ እዩ፣ ንዓኻ እውን ሓይሊ ኺህበካ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 10:19, 20፣ ሉቃ. 4:18) ንዜፍርሁኻ ዘበሉ ምእንቲ ኽትሰብከሎም፡ ካብ የሆዋ ትብዓት ለምን።—ግብ. 4:29።

4. ኣቐዲምካ ኣይትፍረድ። ንገሊኦም ሰባት ብሰንኪ ትርኢቶም፡ ማሕበራዊ ወይ ቍጠባዊ ደረጃኦም፡ ኣነባብራኦም፡ ወይ ሃይማኖታዊ እምነታቶም ከነዛራርቦም ኣይንደልን ንኸውን። ነዚ ዚስዕብ ግና ዘክር፦

  1. ሀ. የሆዋን የሱስን ልቢ ኼንብቡ ይኽእሉ እዮም፣ ንሕና ግና ኣይንኽእልን ኢና።

  2. ለ. ካብ ምሕረት የሆዋ ኺጥቀም ዘይክእል ዋላ ሓደ የልቦን።

5. ኣብ መንጎ ትብዓትን ሜላን ጥንቃቐን ሚዛንካ ሓሉ። (ማቴ. 10:16) ኣይትማጐት። እቲ ሰብ ነቲ ብስራት ዘይቅበሎ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ንዓኻ እንተ ኣስጊኡካ፡ ብልኡም መንፈስ ነቲ ዝርርብ ዛዝሞ።—ምሳ. 17:14።

ኣብዚ እውን ርአ

ግብ. 4:31፣ ኤፌ. 6:19, 20፣ 2 ጢሞ. 1:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ