ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 7
  • ጽንዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽንዓት
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንጳውሎስ ምሰሎ
  • ትሕትና
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ተገዳስነት
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ትዕግስቲ
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስካ ብጽሓዮም—መዓስ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 7

ንግዱሳት ምክትታል

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ንእተኣከቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም።

ግብ. 19:8-10

ትምህርቲ 7

ጽንዓት

ስርዓት፦ “ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።”—ግብ. 5:42።

ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ንእተኣከቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም።

ቪድዮ፦ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ብጽንዓት ተመላለሰ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 19:8-10 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. ጳውሎስ በቶም እተጻረርዎ ኣብ ክንዲ ዚሕለል፡ ነቶም ግዱሳት ኣብ ምሕጋዝ ዝጸንዐ ብኸመይ እዩ፧

  2. ለ. ጳውሎስ ነቶም ግዱሳት ንምምሃር ክንደይ ሳዕ እዩ ተተመሊሱ ዚኸዶም ዝነበረ፧ ነዚኸ ንኽንደይ ዚኣክል ንውሓት እዩ ገይርዎ፧

ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

2. ውጽኢታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን፡ ግዜን ጕልበትን ክንውፊ ኣሎና።

ንጳውሎስ ምሰሎ

3. ንግዱስ ኣብ ዚጥዕሞ እዋን ብጽሓዮ። ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘መዓስ እየ ኽረኽቦ ዝኽእል፧ መዓስን ኣበይን እየ ኸዛራርቦ ዝኽእል፧’ እቲ እዋን ዘይጥዕመካ እኳ እንተ ዀነ፡ ተኸታቲልካ ብጽሓዮ።

4. ቈጸራ ግበር። ዝርርብኩም ምስ ወዳእኩም፡ ዳግም እትዛራረቡሉ ንጹር ቈጸራ ግበር። ድሕሪኡ፡ ቈጸራኻ ሓሉ።

5. ትስፉው ኣረኣእያ ሓዝ። ኣብ ገዛኡ ብዙሕ ዘይርከብ ወይ መብዛሕትኡ ግዜ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ሰብ፡ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ጌርካ ተቐላጢፍካ ኣይትደምድም። (1 ቈረ. 13:4, 7) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብጽንዓት ተኸታቲልካ ብጽሓዮ፣ እንተዀነ ግና፡ ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ።—1 ቈረ. 9:26።

ኣብዚ እውን ርአ

ግብ. 10:42፣ 1 ቈረ. 9:22, 23፣ 2 ቈረ. 4:1፣ ገላ. 6:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ