ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 8
  • ትዕግስቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዕግስቲ
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ዕጉስ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቪድዮታት ተጠቒምካ ምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ካብ መስዋእቲ የሱስ ተጠቐም
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ተገዳስነት
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 8

ንግዱሳት ምክትታል

የሱስ ንሓዉ ያእቆብ ኣብ እንዳ ጽርበት ዕንጨይቲ የዛርቦ። ያእቆብ ንየሱስ ስለ ዝረኣዮ ይግረም።

ዮሃ. 7:3-5፣ 1 ቈረ. 15:3, 4, 7

ትምህርቲ 8

ትዕግስቲ

ስርዓት፦ “ፍቕሪ ዓቃል . . . እያ።”—1 ቈረ. 13:4።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስ ንሓዉ ያእቆብ ኣብ እንዳ ጽርበት ዕንጨይቲ የዛርቦ። ያእቆብ ንየሱስ ስለ ዝረኣዮ ይግረም።

ቪድዮ፦ የሱስ ንሓዉ ብትዕግስቲ ሓገዞ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 7:3-5ን 1 ቈረንቶስ 15:3, 4, 7ን ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. ኣሕዋት የሱስ ኣብ ፈለማ ንመልእኽቱ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

  2. ለ. የሱስ ብሓዉ ያእቆብ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ገሊኦም ሰባት ነቲ ብስራት ንምቕባል ካብ ካልኦት ዝነውሐ ግዜ ስለ ዚወስደሎም፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ኣሎና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ካልእ ኣቀራርባ ፈትን። ሓደ ሰብ ብኡብኡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ጸቕጢ ኣይትግበረሉ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ ብቪድዮታት ወይ ብዓንቀጻት ጌርካ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚግበርን ንሱ ብኸመይ ከም ዚጥቀምን ኣረድኣዮ።

4. ኣይተወዳድር። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይነት ኣለዎ። ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሉ ሰብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር እንተ ዘይደልዩ፡ ወይ ንገሊኡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕባል እንተ ኣብዩ፡ ምኽንያቱ ኽትፈልጥ ጽዓር። ንገሊኡ መዳያት ሃይማኖታዊ እምነቱ ስለ ዚፈትዎ ደዀን ይኸውን፧ ካብ ቤተ ሰቡ ወይ ካብ ጐረባብቱ ጸቕጢ ስለ ዚወርዶ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ እቲ ዝበልካዮ ኺሓስብ፡ ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣኽቢሩ ኺርእዮ ግዜ ሃቦ።

5. ብዛዕባ እቲ ግዱስ ጸሊ። ነቲ ነገር ብኣወንታዊ መንፈስን ብሜላን ምእንቲ ኽትሕዞ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። ብዙሕ ተገዳስነት ንዘይብሉ ሰብ ምብጻሕ መዓስ ከም እትሓድጎ ምእንቲ ኸተስተውዕል ጸሊ።—1 ቈረ. 9:26።

ኣብዚ እውን ርአ

ማር. 4:26-28፣ 1 ቈረ. 3:5-9፣ 2 ጴጥ. 3:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ