ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 11
  • ቀሊል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀሊል
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • በታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ጌርካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ፧
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ‘ንጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣቕልበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ትምህርቲ ቕድሚ ምሃብካ ግቡእ ምድላው ግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 11

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

የሱስ ኣብ ጥቓ ማይ ንእተኣከቡ ሰባት ይምህሮም። ኣብ ልዕሊኦም ኣዕዋፍ ይዝምብያ ኣለዋ፡ ኣብ ጥቓኦም እውን ዕምባባ መሮር ኣሎ።

ማቴ. 6:25-27

ትምህርቲ 11

ቀሊል

ስርዓት፦ “ከም ዚርዳእ ጌርኩም . . . እንተ ዘይተዛሪብኩም፡ እቲ ዚዝረብ ከመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧”—1 ቈረ. 14:9።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስ ኣብ ጥቓ ማይ ንእተኣከቡ ሰባት ይምህሮም። ኣብ ልዕሊኦም ኣዕዋፍ ይዝምብያ ኣለዋ፡ ኣብ ጥቓኦም እውን ዕምባባ መሮር ኣሎ።

ቪድዮ፦ የሱስ ብዛዕባ ሓልዮት ኣቦኡ ብምሳሌ ኣብርሀ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ማቴዎስ 6:25-27 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. የሱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ሓልዮት ንምምሃር እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧

  2. ለ. የሱስ ብዛዕባ ኣዕዋፍ ብዙሕ ነገራት ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ምንታይ ቀሊል ነጥብታት እዩ ኣተኲሩ፧ እዚ ውጽኢታዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ቀሊል ኣመሃህራ እንተ ተጠቒምና፡ ሰባት ነቲ እንምህሮም ትምህርቲ ይዝክርዎ እዮም፣ በቲ ትምህርቲ እውን ልቦም ይትንከ እዩ።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ዘረባ ኣይተብዝሕ። ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ እትፈልጦ ዘበለ ዅሉ ኣብ ክንዲ እተዘንቱ፡ ኣብቲ ንመጽናዕቲ እተሓርየ ርእሰ ነገር ኣተኵር። ሕቶ ምስ ሓተትካ፡ ተምሃራይካ መልሲ ኽሳዕ ዚህበካ ብትዕግስቲ ተጸበ። መልሲ እታ ሕቶ ዘይፈልጣ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ሓሳብ እንተ ሂቡ፡ ባዕሉ ሓሲቡ ኣብ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሕ ተወሳኺ ሕቶታት ሕተቶ። እቲ ተምሃራይ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ምስ ተረድኦ፡ ናብ ዚቕጽል ሕለፍ።

4. ንተምሃራይካ፡ ሓድሽ ትምህርትታት ምስቲ ኣቐዲሙ ዚፈልጦ ነገራት ኬተሓሕዝ ሓግዞ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርኩም፡ እቲ ተምሃራይካ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ኣቐዲሙ እንታይ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኣሕጽር ኣቢልኩም ክትዛራረቡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

5. ንምሳሌታት ተጠንቂቕካ ተጠቐመሉ። ምሳሌ ቕድሚ ምጥቃምካ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1. ሀ. ‘እዛ ምሳሌ እዚኣ ቐላል ድያ፧’

  2. ለ. ‘ተምሃራየይ ብቐሊሉ ኺርድኣ ይኽእል ድዩ፧’

  3. ሐ. ‘ተምሃራየይ ነታ ምሳሌ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ኺዝክሮ ድዩ፧’

ኣብዚ እውን ርአ

ማቴ. 11:25፣ ዮሃ. 16:12፣ 1 ቈረ. 2:1

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ