ነኣብ ልዕሊ ሓሰውቲ መምህራን ዝወርድ ፍርዲ የሆዋ
“ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዜሰክሕ ርኤኹ፣ የመንዝሩ፣ ብሓሶት ይመላለሱ፣ . . . ኵላቶም ከም ሶዶም፣ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ከም ጎሞራ ኾኑኒ።” — ኤርምያስ 23:14።
1. ሓደ ኣብ መለኰታዊ ትምህርቲ ዝጽመድ ሰብ ኣዝዩ ከቢድ ሓለፍነት ዝሽከም ስለምንታይ ኢዩ ?
ዝኾነ ይኹን ኣብቲ መሎኮታዊ ትምህርቲ ዝጽመድ ሰብ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ዝሽከም ። ያእቆብ 3:1 ከጠንቅቕ ከሎ “ኣሕዋተየ : ዝገድድ ፍርዲ ከም እንቕበል ፈሊጥኩም፣ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ” ይብል ። እወ : ካብ ክርስትያናት ብሓፈሻ : እቶም መምህራን ቃል ኣምላኽ ቅቡል ጸብጻብ ከቕርቡ ብዝያዳ ይሕተቱ ኢዮም። እዝስ ነቶም ሓሰውቲ መምህራን ኰይኖም ዝርከቡ እንታይ ማለት ኰን ይኸውን ? እስኪ ኣብቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበረ ኵነታት ንመልከት ። ነዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ብኸመይ ጽላሎቱ ኰይኑ ከም ዘሎ ክንርኢ ኢና ።
2, 3. የሆዋ ብኤርምያስ ገይሩ ብዛዕባ ናይ የሩሳሌም ሓሰውቲ መምህራን እንታይ ፍረዲ ኢዩ ዝሃበ ?
2 ብ647 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መበል 13 ዓመት ንግስነት ናይ ንጉስ ዮስያስ : ኤርምያስ ነብዪ የሆዋ ክኸውን ተመዘዘ ። የሆዋ ኣንጻር ይሁዳ ዝዛረቦ ዘረባ ስለ ዝነበሮ ንኤርምያስ ነቲ መልእኽቲ ክነግር ለኣኾ ። ናይ የሩሳሌም ሓሰውቲ ነብያት ወይ ከኣ ሓሰውቲ መምህራን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ዜሰክሕ ነገራት’ ይገብሩ ነበሩ ። እቲ ክፍኣቶም ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝነበረ ኣምላኽ ንየሩሳሌምን ይሁዳን ከም ሰዶምን ጎሞራን መሰለን ። ኤርምያስ ምዕራፍ 23 ብዛዕባዚ ነገርዚ ይነግረና ኢዩ። ቍጽሪ 14 ከምዚ ትብል :-
3 “ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዜሰክሕ ርኤኹ : የመንዝሩ : ብሓሶት ይመላለሱ : ሓደ እኳ ኻብ እከዩ ኸይምለስ : ኢድ እቶም እኩያት የጽንዑ ኣለዉ ። ኵላቶም ከም ሰዶም : እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ኸም ጎመራ ኾኑኒ ።”
4. እቲ ሕማቕ ሞራላዊ ኣብነት ናይቶም መምህራን የሩሳሌም ከመይ ኢሉ ኢዩ ሎሚ ምስ ናይ ህዝበ ክርስትያን መምህራን ዝመሳሰል ?
4 እወ : እዞም ነብያት ወይ መምህራን እዚኣቶም ሕማቕ ኣብነት ናይ ሞራል ኢዮም ኮይኖም ነይሮም : በዚ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ከምቲ ናቶም ክገብር ኣተባብዕዎ ። እስኪ ነቲ ሎሚ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዘሎ ኵነታት ተዓዘቦ ! ልክዕ ከምቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩዶ ከይኰኑ ? ሎሚ ቤተ ክህነት ንኣመናዝርን ንግብረ ሶዶማውያንን ከም ኣባላት ናይ ቤተ ክህነት ኰይኖም ክቕጽሉ ይሓድግዎም፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት ክቕድሱ የፍቅዱሎም ። እሞኸ ብዙሓት ኣባላት ቤተክርስትያን ካብ ግብረ ገብነት ወጻኢ ዝኾነ ግብርታት ክገብሩ ብምርኣይናስ ከገርመናዶ ይግብኦ ?
5. እቲ ብዕሉግ ኵነታት ናይ ህዝበ ክርስትያን ካብቲ ናይ ሶዶምን ጐሞራን ሓለፍ ዝበለ ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ ?
5 የሆዋ ነቶም ተቐማጦ የሩሳሌም ምስ ተቐማጦ ሰዶምን ጎሞራን ኣመሳሰሎም ። እቲ ናይ ህዝበ ክርስትያን ዘይሞራላዊ ኵነታት ግን ካብቲ ናይ ሰዶምን ጎሞራን ዝገደደ ኢዩ ። እወ : ህዝበ ክርስትያን : ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዝያዳ ተወቃሲት ኢያ ። መማህራና ነቲ ሞራላዊ ሕግታት ኣምላኽ የስተናዕቕዎ ኢዮም ። እዚ ኸኣ ብወገኑ : እከይ ንኽትገብር ዝደፋፍኡኻ በብዓይነቶም ሰላሕ ጉልድም ዝኾኑ መስድዒታት ዘለዎ ናይ ሞራላዊ ሕስረት ሃዋህው ኣስዓበ። እዚ ከምዚ ዝመሰለ ኵነታት ናይ ሞራላዊ ሕስረት : ኣብ ኵሉ ሰፊኑ ስለ ዘሎ : ሎሚ እከይ ከም ንቡር ኢዩ ተቖጺሩ ዘሎ ።
“ብሓሶት ይመላለሱ”
6. ኤርምያስ : ብዛዕባ ክፍኣት ናይ ነብያት የሩሳሌም እን ታይ በለ ?
6 እስከ ቍጽሪ 14 ብዛዕባ ነብያት የሩሳሌም እንታይ ኢላ ከም ዘላ ኣስተብህሎ ። “ብሓሶት ይመላለሱ” ነበሩ : እያ እትብል ። እቲ ካልአይ ክፋል ናይ ቍጽሪ 15 ኸኣ “ካብቶም ነብያት የሩሳሌም ረሲእነት [ክሕደት ት.ሓ.ዓ.] ኣብ ኵላ እታ ሃገር ተዘርጊሑ እዩ” ይብል ። ብድሕርዚ ቍጽሪ 16 ወሲኻ ከምዚ ትብል “እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ : እቶም ዚንበይልኩም ዘለዉ ነብያትሲ ኸንቱነት እዮም ዚምህሩኹም ዘለዉ : ራእይ ልቦም እምበር : እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ዝወጸ ኣይኰነን ዚነግሩኹም ዘለዉ እሞ፣ ቃላቶም ኣይትስምዑ ።”
7, 8. ናይ ህዝበ ክርስትያን ቤተ ክህነት ስለምንታይ ኢዮም ከምቶም ሓሰውቲ ነብያት ናይ የሩሳሌም ኰይኖም ዘለዉ ? እዚኸ ነቶም በጻሕቲ ቤተ ክርስትያን ብኸመይ ነኺእ ዎም ኣሎ ?
7 ቤተ ክህነት ናይ ህዝበ ክርስትያንውን ከምቶም ሓሰውቲ ነብያት የሩሳሌም ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘይርከብ ትምህርትታት : ናይ ክሕደት ሰረተ – ትምህርትታት እናዘርግሑ ብሓሶት ኢዮም ዝመላለሱ ዘለዉ ። ገለ ካብዞም ናይ ሓሶት ትምህርትታትከ እንታይ ኢዮም ? ናይ ነፍሲ ዘይሙማት : ስላሴ : መንጽሂ ቦታ ከምኡውን ንሳባት ንዘልኣም ዘሳቒ ሺኦል ሓዊ ዝኣመሰሉ ኢዮም ። ከምኡውን ነቲ ሰባት ክሰምዕዎ ዝደልዩ ነገራት እናሰበኹ ኣእዛን ሰማዕቶም ይሓኩ ኣለዉ ። ደጋጊሞም ድማ ህዝበ ክርስትያን ሰላም ኣምላኽ ስለ ዘለዋ መዓት አይወርዳን ኢዩ ይብሉ ኣለዉ ። እንተኾነ ግን እቶም ቤተ ክህነት “ራእይ ልቦም” ኢዮም ዝዛረቡ ዘለዉ ። ሓሶት ድማ ኢዩ ። እቶም ንኸምዚ ዝመሰለ ሓሶት ዝኣምኑ ብመንፈስ ዝተመረዙ ኢዮም ። ንጥፍኣቶም ከኣ ኢዮም ዝታለሉ ዘለዉ ።
8 የሆዋ ብዛዕባ እዞም ሓሰውቲ ነብያት ኣብ ቍጽሪ 21 እንታይ ከም ዝብል ኣስተብህል :- “ነዞም ነብያት እዚኣቶም ኣይለኣኽክዎምን ግናኸ ጐየዩ : ኣነስ ኣይተዛረብክዎምን ግናኸ ንሳቶም ተነበዩ ።” ስለዚ ሎሚውን እዞም ቤተ ክህነት ብኣምላኽ ኣይተላእኩን : ወይውን ሓቅታቱ ዝምህሩ ኣይኰኑን ። ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ ? ኣገልገልቶም ዓለማዊ ፍልስፍናታት ስለ ዝመገብዎም : ኣብ መንጎ እቶም በጻሕቲ ቤተ ክርስትያን ዘሰክሕ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ መሃይምነት ይርከብ ኣሎ ።
9, 10. (ሀ) እቶም ሓሰውቲ መምህራን የሩሳሌም እንታይ ዝዓይነቱ ሕልምታት ኢዩ ነይርዎም ? (ለ) ካህናት ህዝበ ክርስትያንከ ብተመሳሳሊ ከመይ ኢሎም ኢዮም “ሕልሚ ሓሶት” ዝመሃሩ ?
9 ብተወሳኺ : ሎሚ ቤተ ክህነት ናይ ሓሶት ተስፋታት ኢዮም ዝዝርግሑ ዘለዉ ። ንቍጽሪ 25 ኣስተብህለላ :- “ነቲ ሓሊመ : ሓሊመ እናበሉ እቶም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ዝበልዎ ሰማዕኩ ።” ንሱኸ እንታይ ዓይነት ሕልምታት ኢዩ ? ቍጽሪ 32 ትነግረና :- “እንሆ፣ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዚንበዩ : ንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዜስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ : ይብል እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ኣነስ ኣይለኣኽኩዎምን : አይኣዘዝክዎምን፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዚዐብሱሉ የብሎምን : ይብል እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ።”
10 እዞም ቤተ ክህነት እንታይ ሓሶት ሕልምታት ወይ ተስፋታት ኢዮም ዝመሃሩ ? ሎሚ እታ ሰላምን ደሓንን እተምጽእ እንኰ ተስፋ ወድሰብ ሕቡራት መንግስታት ኢያ ይብሉ ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ንሕቡራት መንግስታት “እታ ናይ መወዳእታ ተስፋ ናይ ስምምዕን ሰላምን ፣” “እቲ ዝለዓለ መጋብኣያ ናይ ሰላምን ፍትሕን ፣” “ናይ ዓለም ሰላም እተምጽእ ቀንዲ ምድራዊ ተስፋ” ኢሎም ጸውዕዋ ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝመሰለ ምትላል ኰን ኢዩ ! እታ እንኰ ተስፋ ውድሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኢያ ። እቶም ቤተ ክህነት ግን ብዛዕባ ሓቂ ናይታ የሱስ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ ስብከቱ ገይሩዋ ዝነበረ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ : ኣይሰብኩን ኣይምህሩንውን ኢዮም ።
11. (ሀ) ናይ የሩሳሌም ሓሰውቲ መምህራን ኣብ ልዕሊ ስም ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ሳዕቤን ኢዮም ዘምጽኡ ? (ለ) እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን መምህራንከ ምስቶም ክፍሊ ኤርምያስ ክነጻጸሩ ኸለዉ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዝምልከት እንታይ ኢዮም ዝገበሩ ?
11 ቍጽሪ 27 ክትውስኸና ኢያ ። “ከምቲ ኣቦታቶም ምእንቲ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ : ንሳቶም በቲ ንሓድሕዶም ዚዛራረቡሉ ሕልምታቶምዶ ንህዝበይ ስመይ ኬረስዕዎ ይሓስቡ ኣለዉ ?” እቶም ሓሰውቲ ነብያት የሩሳሌም : ነቲ ህዝቢ ስም ኣምላኽ ከም ዝርስዕ ገበርዎ ። እዞም ናይ ሎሚ ሓሰውቲ ሃይማኖታዊ መምህራንከ ከምኡዶ ከይኰነ ዝገበሩ ? ዝኸፍአ ኸኣ ንስም ኣምላኽ ማለት የሆዋ ይሓብእዎ ። ስም ኣምላኽ ምዝውታሩ ኣድላዪ ኣይኮነን ኢሎም ይምህሩ : ካብቲ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ትርጕማቶም ድማ የልግስዎ ። ንዝኾነ ይኹን ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ንህዝቢ ዝምህር ሰብ ኣበርቲዖም ይጻረርዎ ። እቶም ክፍሊ ኤርምያስ : ማለት እቶም ተረፍ ናይቶም ብመንፈስ ዝተቐብኡ ክርስትያናትን ብጾቶምን ግን ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ኢዮም ዝገብሩ ። ንሚልዮናት ሰባት ከኣ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምሂሮምዎም ኢዮም ። — ዮሃንስ 17:6 ።
ገበነኛታት ምዃኖም ምቅላዕ
12. (ሀ) ብወገን ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን መምህራን ዓቢ ናይ ደም በደል ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ ? (ለ) ናይ ካህናት ግደ ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም እንታይ ነበረ ?
12 እቶም ክፍሊ ኤርምያስ ነቶም ቤተ ክህነት ንመጓሴኦም ናብታ ገፋሕ መገዲ ጥፍኣት ዝመርሕዎም ሓሰውቲ መምህራን ከም ዝኾኑ ብተደጋጋሚ ኣቃሊዖሞም ኢዮም ። እወ : እቶም ተረፍ : እዞም ሓለምቲ እዚኣቶም እቲ ንጥፍኣቶም ዝኾነ ፍርዲ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዝግብኦም ኣነጺሮሞ ኢዮም ። ንኣብነት ኣገልገልቲ የሆዋ : ነቲ ኣብ ራእይ 18:24 ዘሎ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን ። ደም ናይቶም “ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝተሓርዱ” ኣብኣ ከም ዝተረኽበ ዝገልጽ ብዙሕ ግዜ ይጠቕስዎ ነይሮም ኢዮም ። ብዛዕባቲ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ምፍልላያት ዝተገብረ ኵሉ ውግኣት እሞ ሕሰቡ ። ኣየ እቲ ናይቶም ሓሰውቲ መምህራን ናይ ደም በደልሲ ክንደይ ኰን ይዓቢ ! ትምህርትታቶም ምፍልላይ ፈጢሩ ነቲ ጽልኢ ናይቶም ዝተፈላለየ እምነታትን ዓሌታትን ዘለዎም ከኣ ኣግዲድዎ ኣሎ ። እታ ፕሪቸርስ ፕረዘንት ኣምስ (ሰበኽቲ ኣጽዋር ይዕድሉ) ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከምዚ ትብል :- እቶም ካህናት ነቲ ኲናት ምዉቕ መንፈሳዊ ትርጕምን ድፍኢትን ሃብዎ ። . . . በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ቤተ ክርስትያን : ኣብቲ ናይ ኲናት ኣገባብ ኢዳ መለሰት ።” ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለምውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ ። እቶም ቤተ ክህነት ነተን ዝዋግኣ ዝነበራ ሃገራት ምሉእ ደገፎም ሃብወን : ንሰራዊተን ከኣ ባረኽዎም ። ኣብ ህዝበ ክርስትያን ደቂ ሓንቲ ሃይማኖት ንሓድሕዶም ዝተሓራረዱሉ ክልተ ውግኣት ዓለም ተጀመረ ። ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ዓለማውን ሃይማኖታውን ክፋላት ናይ ህዝበ ክርስትያን ብዘይምቍራጽ ደም ይፋሰሱ ኣለዉ ። ኣየ እቲ ሓሶት ትምህርቶምሲ ከመይ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ !
13. ከመይ ኢሉ ኢዩ ኤርምያስ 23:22 ካህናት ህዝበ ክርስትያን ምስ የሆዋ ርክብ ከም ዘይብሎም ዘረጋግጽ ?
13 እስኪ ኤርምያስ ምዕራፍ 23 ቍጽሪ 22 ዝብሎ ንመልከት :- “ኣብ ምኽረይ ውዒሎም ነይሮም እንተ ዝኾኑስ ቃላተይ ንህዝበይ መስምዕዎም : ካብቲ ኽፋእ መገዶምን ካብ እከይ ግብሮም ከኣ ምመለስዎም ነይሮም ።” ናይ ህዝበ ክርስትያን ሃይማኖታውያን ነብያት ኣብ ምኽሪ የሆዋ ውዒሎም ነይሮም እንተ ዝኾኑ : እወ ከም እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምስኡ ዝጠበቐ ዝምድና ነይርዎም እንተ ዝኸውን : ሽዑ ንሳቶምውን ብስርዓታት ኣምላኽ ምነበሩ ነይሮም ። ንሳቶምውን ነቶም ኣብ ውሽጢ ህዝበ ክርስትና ዘለዉ ህዝብታት ናይ ኣምላኽ ቃላት ከም ዝሰምዑ ምገበርዎም ነይሮም ። ኣብ ክንድኡስ እዞም ዘመናውያን ሓሰውቲ መምህራን : ነቶም ሰዓብቶም ዕዉራት ሰዓብቲ ናይቲ ናይ ኣምላኽ ተጻራሪ ዝኾነ ሰይጣን ድያባሎስ ኢዮም ገይሮምዎም ዘለዉ ።
14. ብ1958 እንታይ ንህዝበ ክርስትያን ኣበርቲዑ ዘቃልዕ ጽሑፍ ኢዩ ዝወጸ ?
14 እቲ በቶም ክፍሊ ኤርምያስ ዝተገብረ ምቅላዕ ናይቶም ቤተ ክህነት ሓያል ኢዩ ነይሩ ። ንኣብነት ኣብቲ ብ1958 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝተኻየደ መለኮታዊ ፍቓድ ዘርእስቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ : እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምክትል ፕረዚደንት ሓደ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነበረ : ክፋሉ ከኣ እንሆ :- “ናይዚ ኹሉ ዓመጻ : ስድነት : ጽልኢ : ባእሲ : ኣድልዎ . . . ከምኡውን ዕቡድ ምድንጋር : ሱር ኰይኑ ዘሎ ግጉይ ሃይማኖት ምዃኑ : ብድሕሪኡ ድማ እቲ ቀንዲ ጸላኢ ናይ ወዲ ሰብ ዝኾነ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዘሎ ብዘይውልውል ወይ ብዘይስግኣት ንእውጅ ኣሎና ። እቶም ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ተጠየቕቲ ዝኾኑ እቶም ሃይማኖታውያን መምህራንን መራሕትን ኢዮም ። ካብዚኣቶም ከኣ እቶም ብዝለዓለ ደረጃ ገበነኛታት ዝኾኑ ናይ ህዝበ ክርስትያን ቤተ ክህነት ኢዮም ። . . . ድሕርዚ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ዘሎ ኵሉ ዓመታት : ህዝበ ክርስትያን ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ከምቲ እስራኤል ብግዜ ኤርምያስ ምስ ኣምላኽ ዝነበራ ርክብ ዝመሳሰል ኢዩ ። እወ : ህዝበ ክርስትያን ካብቲ ኤርምያስ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ክወርድ ከሎ ዝረኣዮ ጥፍኣት ዝያዳ ዘፍርሕን ዘባድምን ጥፍኣት ከጋጥማ ኢዩ ።
ኣብ ልዕሊ ሓሰወቲ መምህራን ዝወርድ ፍርዲ
15. ካህናት ብዛዕባ ሰላም እንታይ ትንቢታት ኢዮም ዝገበሩ ? ክፍጸሙ ድዮምከ ?
15 እዚ መጠንቀቕታ እዚ ተዋሂብዎም ከብቅዕ : እቶም ቤተ ከህነት እንታይ ኢዮም ዝገበሩ ? ልክዕ ከምቲ ቍጽሪ 17 ዝብሎ ኢዩ :- “ንሳቶም ከኣ ነቶም ዚንዕቁኒ ዘለዉ ኹሉ ግዜ ፤ እግዚኣብሄርሲ [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ደሓን ኪኾነልኩም እዩ ኢሉ ኣሎ : ነቶም ብትሪ ልቦም ዚመላለሱ ኹላቶም ድማ ፤ ገለ ኽፉእ ኣይኪወርደኩምን እዩ : ይብልዎም ኣለዉ ።” እዚስ ሓቂ ድዩ ? ኣይፋሉን ! የሆዋ ንሓሶት ናይዞም ትንቢታት ናይ ቤተ ክህነት ከቃልዖ ኢዩ ። ነቲ ብስሙ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይክፍጽሞን ኢዩ ። ይኹን እምበር እቲ እቶም ቤተ ከህነት ምስ ኣምላኽ ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ናይ ሓሶት ተስፋ ኣዝዩ መታለሊ ኢዩ !
16. (ሀ) ናይዛ ዓለም አዚኣ ሞራላዊ ሃዋህው እንታይ ኢዩ ? መንከ ኢዩ ኣብኡ ሓላፍነት ዝሽከም ? (ለ) እቲ ክፍሊ ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ሕሱር ሞራላዊ ኣመለኻኽታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝምልከት እንታይ ይገብር ኣሎ ?
16 ‘ኣነስ በቲ ናይቶም ቤተ ክህነት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ያኢ ክታለል ? እንታይ መጺኡኒ !’ ኢልካ ትሓስብ ትህሉ ኢኻ ። ይኹን እምበር ኣርጊጽካ ከምኡ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ ። እቲ ናይቶም ቤተ ክህነት ናይ ሓሶት ትምህርትታት : ሰላሕታውን ዘስካሕክሕን ሞራላዊ ሃዋህው ኢዩ ኣማዕቢሉ ዘሎ ። እዚ ዘይጽኑዕ ትምህርትታቶም ክሳዕ ክንደይ ርኹስ ምዃኑ ከየገደሰ ዳርጋ ንኹሉ ኢዩ ዝቕበል ። እዚ ከምዚ ዘመሰለ ሕሱር ሞራላዊ ሃዋህው : ኵሉ ዓይነት መዳያት ናይ ምዝንጋዕ : ፊልምታት : ቲቪ : መጽሔታትን ሙዚቃን ይዝርግሕ ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይዚ ሕሱር ግን ተፈታዊ ዝመስል ሞራላዊ ሃዋህው ከይንወድቐ : ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና ። መንእሰያት : በቲ ሕሱር ዝኾነ ቪድዮታትን ሙዚቃን ክፍንጠሩ ይኽእሉ ኢዮም ። እዚ ሎሚ ዘሎ ኵሉ ተፈቒዱለይ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ናይ ሰባት ብቐጥታ ፍረ ናይቲ ትምህርቲ ሓሶት ናይቶም ቤተ ክህነትን በቲ ጻድቕ ስርዓታት ናይ ኣምላኽ ከይመላለሱ ብምስናፎምን ዝመጸ ፍረ ኢዩ ። እቲ ክፍሊ ኤርምያስ ነዚ ርኹስ ዝኾነ ኣረኣእያታት ይዋግኦ ኣሎ : ከምኡውን ንህዝቢ የሆዋ ነዚ ርኹስ ኣረኣእያታት እዚ ክነጽግዎ ይድግፎም ኣሎ ።
17. (ሀ) ብመሰረት ትንቢት ኤርምያስ : ኣብ ልዕሊ እታ እክይቲ የሩሳሌም እንታይ ፍርዲ ኢዩ ክወርድ ዝነበሮ ? (ለ) ንህዝበ ክርስትያንከ ብዝቐልጠፈ ግዜ እንታይ ክወ ርዳ ኢዩ ?
17 ናይ ህዝበ ክርስትያን ሓሰውቲ መምህራን ካብ የሆዋ ካብቲ ዓቢ ፈራዲ እንታይ ዓይነት ፍርዲ ኢዮም ዝቕበሉ ? ቍጽሪ 19, 20, 39 ከምኡውን 40 መልሲ ይህበና :- “እነሆ : ህቦብላ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] : እቲ ነድሩ ኸም ዘራጊቶ ይወጽእ ኣሎ : ኣብ ርእሲ እቶም ረሲኣን ድማ ኪወድቕ ኢዩ ። ቍጥዓ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመንሲ ኣይኪምለስን እዩ ። . . . ስለዚ እንሆ : ብጥራስ ክርስዓኩም ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ኸተማን ካብ ገጸይ ኣርሒቐ ኽድርብየኩም እየ ። ናይ ዘለኣለም ነውርን ዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ሕፍረትን ከውርደልኩም እየ ።” ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ልዕሊ እታ እክይቲ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ተፈጹሙ ኢዩ : ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንእኡ ዝመሳሰል መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝበ ክርስትያን ክወርድ ኢዩ !
“ጾር የሆዋ” ምእዋጅ
18, 19. ኤርምያስ እንታይ “ጾር የሆዋ” ኢዩ ንይሁዳ ዝኣወጀላ : ምስ እንታይ ትርጕምከ ?
18 እሞኸ ደኣ እቶም ክፍሊ ኤርምያስን ብጾቶምን እንታይ ኢዩ ሓላፍነቶም ? ቍጽሪ 33 ከምዚ ኢላ ትነግረና :- “እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን : ጾር እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] እንታይ ኢዩ ? ኢሎም እንተ ሓተቱኻ ፤ ንስኻ ኸኣ : ኣየናይ ጾር እሞ [ኣቱም ህዝቢ ጾር ኴንኩምኒ ዘሎኹምሲ ንስኻትኩም ኢኹም ት.ሓ.ዓ.] ኢልካ ምለሰሎም ኣነ ኽድርብየኩም እየ : ይብል እግዚኣብሄር ። [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.]”
19 እቲ “ጾር” ዝብል ናይ እብራይስጢ ቃል ድርብ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ ። እቲ ሓደ ትርጕሙ ነቲ ከቢድ ዝኾነ መለኮታዊ ፍርዲ ከመልክት ከሎ : እቲ ኻልኣይ ትርጕሙ ኸኣ ንሓደ ዘድክመካ ከቢድ ሸኸም ዘመልክት ኢዩ ። ኣብዚ እቲ “ጾር የሆዋ” ተባሂሉ ዘሎ ንሓደ ከቢድ ትንቢት ማለት ነቲ ብዛዕባ ዕንወት የሩሳሌም ዝዛረብ ፍርዲ ዘመልክት ኢዩ ። እቶም ህዝቢኸ ነቲ ኤርምያስ ካብ የሆዋ ተቐቢሉ ብተደጋጋሚ ዝነግሮም ዝነበረ ከቢድ ትንቢታዊ ቃላት ክሰምዕዎዶ ይደልዩ ነይሮም ? ኣይፋሎምን : እቶም ህዝብስ ንኤርምያስ ከምዚ እናበሉ ኢዮም ዘላግጽሉ ዝነበሩ :- “ሕጂኸ እንታይ ትንቢት (ጾር) ኢኻ ተሰምዓና ? እቲ ትንቢትካ ካልእ ዘድክም ሸኸም ከም ዝኾነ ርግጸኛታት ኢና” የሆዋ ግን እንታይ ኢሉ ነገሮም ? ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምዚ ዝስዕብ በሎም :- “ኣቱም ህዝቢ ጾር ኴንኩምኒ ዘሎኹምሲ ንስኻትኩም ኢኹም ። ኣነ ኽድርብየኩም እየ ።” እወ : እዞም ህዝቢ እዚኦም ንየሆዋ ጾር ኢዮም ኰይኖሞ ነይሮም : ድሕሪ ደጊም ጾር ኰይኖም ከየድክምዎ ኸኣ ክጸርጐም መዲቡ ነበረ ።
20. ሎሚ “ጾር የሆዋ” እንታይ ኢዩ ?
20 ሎሚኸ “ጾር የሆዋ” አንታይ ኢዩ ? እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ከቢድ ትንቢታዊ መልእኽቲ ኢዩ ። ነቲ ዘይተርፍ ጥፍኣት ናይ ህዝበ ክርስትያን ዝእውጅ ከቢድ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ዝመልአ ኢዩ ። ንሕና ኸኣ ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን : ነቲ “ጾር የሆዋ” ናይ ምእዋጅ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎና ። እቲ መወዳእታ እናቐረበ ብዝኸደ : ኵሎም እቶም ካብ መገዶም ዘላገሱ ኣባላት ናይ ህዝበ ክርስትያን “ጾር” ከም ዝኾኑ : እወ “ጾር የሆዋ !” ከም ዝኾኑን ንህዝበ ክርስትያን ንመከራ ኣሕሊፉ ብምድርባዩ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ ካብዚ ጾር እዚ ከናግፋ ከም ዝኾነ ክንነግር ግቡእና ኢዩ ።
21. (ሀ) የሩሳሌም ስለምንታይ ኢያ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝዓነወት ? (ለ) ብድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም ነቶም ሓሰውቲ ነብያትን ነቲ ሓቀኛ ነቢ ናይ የሆዋን እንታይ ኣጋጠሞም ? እዚኸ ንዓና እንታይ ኢዩ ዘረጋግጸልና ?
21 ብመዓልትታት ኤርምያስ : ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ኣዕነዉዋ ፍርዲ የሆዋ ተፈጸመ ። እዚ ነቶም ተረርቲ ክሳድን ዘይእሙናትን እስራኤላውያን ናይ ነውርን ውርደትን ተመኵሮ ኢዩ ነይሩ ። እቲ ብተደጋጋሚ ዘሕሰርዎ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ከምቲ እኩይ ግብሮም ከም ዝጠንጠኖም ዘመልክተሎም ኢዩ ነይሩ ። ኣፍ ናይቶም ዕቡያት ሓሰውቲ ነብያቶም ኣብ መወዳእታ ተዓብሰ ። ይኹን እምበር ኣፍ ናይ ኤርምያስ ግን ብዘይምቍራጽ ይንበ ነበረ ። የሆዋ ኸኣ አይጠንጠኖን ። ልክዕ ምስዚ ኣብነት እዚ ብምስምማዕ ሕጂውን የሆዋ በቲ ዝወሰዶ ከቢድ ስጕምቲ ንካህናት ህዝበ ክርስትያንን ነቶም ንሓሶቶም ዝኣምንዎን ክድዕምኾም ከሎ ነቶም ክፍሊ ኤርምያስ አይክጥንጥኖምን ኢዩ ።
22. ህዝበ ክርስትያን : ብናይ የሆዋ ፍርድታት ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢያ ክትወድቕ ?
22 እወ : እቲ ብድሕሪ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዝባደመን ሰብ ዘይነብረሉን ኵነታት የሩሳሌም : ልክዕ ከምቲ ሃይማኖታዊት ህዝበ ክርስትያን ሃብታ ምስ ተቐንጠጠን ንሕፍረት ደማ ምስ ተቓልዐትን ዝህሉ ኵነታት ዝመሳሰል ኢዩ ። እዚ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሓሰውቲ መምህራን ዝኣወጆ ዝግብኦም ፍርዲ ኢዩ ። እቲ ፍርዲ እቲ ኸኣ አይክፈሽልን ኢዩ ። ልክዕ ከምቲ እቲ ኵሉ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ኤርምያስ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትታት ኣብቲ ዝሓለፈ ግዜ ሓቂ ኰይኑ ዝተረኽበ : ሕጂ ኣብዚ ዘመናዊ ፍጻሜኡውን ሓቂ ኰይኑ ክርከብ ኢዩ ። ስለዚ ንሕናውን ከም ኤርምያስ ይግበረና ። ነቲ ትንቢታዊ ጾር የሆዋ ብዘይፍርሃት ንህዝብታት ንኣውጀሎም ። እቲ ምሉእ ክብደት ናይቲ ጻድቕ ፍርድታቱ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ መምህራን ክወርድ ከም ዘለዎ ይፍለጡ !
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ ብናይ የሆዋ ኣረኣእያ ጥንታዊት የሩሳሌም ክሳዕ ክንደይ ኢያ እክይቲ ዝነበረት ?
◻ በየናይ መገድታት እያ የሩሳሌም “ብሓሶት ዝተመላለሰት”
◻ ገበን ናይዞም ዘመናውያን ቤተ ክህነት ብኸመይ ኢዩ ዝተቓልዐ ?
◻ ሕጂ ዝእወጅ ዘሎ “ጾር የሆዋ” እንታይ ኢዩ ?
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሩሳሌም ነብያት “ዘስካሕክሕ ነገራት” ኢዮም ፈጺሞም
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
“ራእይ ልቦም እዮም ዝነግርኹም ዘለዉ”
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
የሩሳሌም ድሕሪ ዕንወታ ዝነበረ ኵነታት ናይ ህዝበ – ክርስትያን መወዳእታ ብጽሒት ዘመልክት ኢዩ