ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ
‘ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን’
ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ዓመታት ይገብር ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተመሪሑ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርህን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቅቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ከም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34,35) ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኵሎም ዓሌታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ ኣህዛብ ይርከብዎም ኢዮም። ባህጊ ጽድቂ ኣለዎም: ንኣምላኽ ከኣ ይፈርህዎ ኢዮም። የሆዋ ንኹሎም ኣብ ማሕበር ሓዳስ ዓለም ሓንጎፋይ ኢሉ ይቕበሎም ኣሎ። ንኣብነት ንሓንቲ ኣብ ጫድ እትነብር ሰበይቲ ከምኡ ገይሩ ተቐቢሉዋ ኢዩ።
እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብሃይማኖታ ሕጉስቲ ኣይነበረትን። ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓንቲ ቅዳሕ ናይታ ንንእስነትካ — ብዝበለጸ ተጠቐመላ እትብል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ተቐቢላ ነበረት እሞ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ሰናይ ምኽሪ ኣማሰወትሉ። ጽንዓት መጽሐፍ ቅዱስ ተጀመረላ፣ አዘውቲራ ኸኣ ትገብር ነበረት። ይኹን እምበር ኣብ ኣኼባታት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትካፈል ምትብባዕ ምስ ተገብረላ ምላሽ ኣይሃበትን። ስለምንታይ ኰን ትኸውን? ምኽንያቱ ሰብኣያ ዋላ እኳ ጽንዓት ንኽትገብር እንተ ዘይተቓወማ: ኣብ ኣኼባታት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትካፈል ግን ከፍቅደላ ኣይፈተወን።
እታ ሰበይቱ ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ ክትካፈል ስለ ዝደለየት: እታ ጽንዓት እትገብረላ ዝነበረት ሓብቲ ነቲ በዓል ቤት እቲ ቀንዲ ቀንዲ ሓሳባት ናይቲ ፕሮግራምን ካብኡ ዝርከብ ሰናይ ምኽርን ኣርኣየቶ። በዚ ድማ “ሓንሳእ ጥራይ” ንኽትካፈል ኣፍቀደላ። ተኻፈለት እሞ በቲ ፕሮግራም ምሉእ ብምሉእ ተሓጎሰት። ነቲ ኣብኡ ዝተማህረቶ ንሰብኣያ ምስ ገለጸትሉ ድሕሪኡ ኣብቲ ኻልእ ኣኼባታት ንምክፋል ተቓውሞ ኣይገበረላን። እታ ጉባኤ በቶም ካብ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝመጹ ኣብ ንሓድሕዶም ዝተሓላለዩ ኣህዛብ ዝቖመት ምዃና ምስ ተገንዘበት ኣዝያ ተመሰጠት። ድሕርዚ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኻፈለት እሞ ደቃ ኣብ ሕቑፊ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ መሰኻኽር ኮፍ ኢሎም መግቢ ክበልዑ ኸለዉ: ብሓፈሽኡ ከም ኣብ ሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት ዘለዉ ኮይኖም ፍቕሪ ናይ ካልኦት ከስተማቕሩ ከለዉ ብምርኣያ ኣዝያ ተደነቐት። እዚ ኣብ ህይወታ ሓደ ዓቢ ለውጢ ኣምጽኣላ።
ይኹን ድኣ እምበር ብኡንብኡ ተቓውሞ ሰዓባ። ብተፈጥሮኣ ሓናኽ እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ክትህብን ነቲ ካብ ኣዝማዳን ጐረባብታን ዝመጻ ዝነበረ ኣሉታዊ ሓሳባት ድማ ብጽንዓት ክትቃወሞ ጀመረት። ምስ ሰብኣያ ብዙሕ ዓመታት እኳ ገይራ እንተ ነበረት: ባህላዊ ናይ መርዓ ኪዳን ጥራይ ኢዩ ነይርዎም። ነቲ ብሕጋዊ መገዲ ምምርዓው ዝብል ኣቕዋም ብኸመይ ኰን ክትምልሸሉ ኢያ? ኣብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራባ: ንሰብኣያ ተዛረበቶ እሞ ንሱ ድማ ክከታተሎ ምዃኑ ገለጸላ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እቲ ተኸታቲሉ ምስ ወድአ: ብሕጋዊ መገዲ ተመርዓዉ።
ምስኦም እትቕመጥ ዝነበረት ንዕልታ ብዙሕ ግድላት እኳ ትፈጥረላ እንተ ነበረት: እቲ በዓል ቤት ንሰበይቱ ይከላኸለላ ነበረ። ድሕርዚ ሓሙኣ ክበጽሕ መጸ። ንወዱ ድማ: ሰበይቱ ሃይማኖታ ስለ ዝለወጠት ንኽፈትሓ ግዲ በሎ። እቲ ኣቦ ንወዱ “ብልጽቲ ሰበይቲ” እንተድኣ ተመርዕዩ ገዝሚ እታ መርዓት ባዕሉ ክኸፍለሉ ምዃኑ ቃል ኣተወሉ። እቲ ወዱ ግን “እዚ ነገር እዚ ብፍጹም ኣይገብሮን እየ። ሕያወይቲ ሰበይቲ ኢያ። ባዕላ ክትከይድ ትደሊ እንተድኣ ኾይና: ሓደ ነገር ኢዩ: ባዕለይ ግን ኪዲ ኣይብላን እየ” ዝብል ምላሽ ሃቦ። እታ ሰበይቲ ንሓሙኣ ብሕያውነታዊ መገዲ ትቐርቦ ስለ ዝነበረት ተግባራቱ ኣሕፈሮ። ይኹን እምበር: ንዓዱ ምስ ተመልሰ: ንወዱ ናይ መወዳእታ ዘፈራርሕ ደብዳቤ ጸሓፈሉ። እቲ ደብዳቤ “ንሰበይትኻ እንተድኣ ዘይትሰዳ ኾይንካ ካብ ሓጂ ንዳሓር ውላደይ ኣይኮንካን” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ሕጂውን እቲ ወዱ ምስ ሰበይቱ ደኣ ኾነ። ሰብኣያ እዚ ኣቕዋም እዚ ብምውሳዱ እታ ሰበይቱ ከመይ ዝበለ ሓጎስ ኰን ተሰሚዕዋ ይኸውን?
ሕጂ እቶም ክልተ ንኣሽቱ ደቆም ነዲኦም ብፍቕሪ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የሰንይዋ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም እዞም ቆልዑ እዚኦም: እቶም ዝርርብ ዝህቡ ኵሎም ኣሕዋት ክራባት ኣሲሮም ስለ ዝረኣይዎም: ነቦኦም ክራባት ክገዝኣሎም ሓተትዎ። ሎሚ እዛ ኣደ እዚኣ ዝተጠመቐት ሓብቲ ኰይና ኣላ።
ሓንቲ ካብቶም ኣብ ጫድ ዝርከቡ 345 ሕጉሳት መሰኻኽር ኰይና ድማ ብስራት መንግስቲ የሆዋ እናኣወጀትን ብሓቂ “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ከም ዜልቦ” እናኣማሰወትን ትነብር ኣላ።