ኣብ መንጎ መለኮታዊ ትምህርትን ትምህርቲ ኣጋንንትን ዘሎ ውግእ
“ ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን [ኪስዕቡ ኢዮም]።”—1 ጢሞቴዎስ 4:1።
1. ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ውግእ ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ?
ዕድሜኻ ምሉእ ውግእ ኣብ ዘለዎ ከባቢ እንተ ትነብር እንታይ ዓይነት ናብራ ከም እተሕልፍ እሞ ሕሰቦ። ክትድቅስን ክትንስእን ከሎኻ ቶኽስን ተወንጫፍን ክትሰምዕሲ እንታይ ናብርኡ ኢዩ? ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት እዚ ዓይነት ናብራ እዚ የሕልፉ ብምህላዎም ዘሕዝን ኢዩ። ይኹን እምበር ብመንፈሳዊ መገዲ ኵሎም ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ናብራ ኢዮም ዘሕልፉ ዘለዉ። ኣብ ማእከል እዚ 6, 000 ዓመታት ዝኣክል ዝወሰደ ኣብዚ ግዜና ድማ እናዋዕውዐ ዝቕጽል ዘሎ ዓብዪ ውግእ ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። እዚ ናይ መዋእል ውግእ እዚ እንታይ ኢዩ? እዚ ውግእ እዚ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ኣብ መንጎ መለኮታዊ ትምህርትን ናይ ኣጋንንቲ ትምህርትን ዘሎ ውግእ ኢዩ። ካብቶም ተጻረርቲ ሓይልታት ሓዲኦም ብዝገብርዎ መሰረት ርኢኻ ነዚ ውግእዚ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ እቲ ኣዝዩ ጨካንን ዘይምሕርን መጽነትን ዝኾነ ኲናት ኢዩ ኢልካ ክትጽውዖሲ ምግናን ኣይኮነን።
2. (ሀ) ጳውሎስ ብዝበሎ መሰረት: ኣየኖት ክልተ ወገናት ኢዮም ብኣንጸርነት ዝዋግኡ ዘለዉ? (ለ) ጰውሎስ “እምነቶም” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ?
2 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ ነቶም ኣብዚ ኲናት እዚ ዘሎዉ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ከምዚ ብምባል ጠቒስዎም ኣሎ:- “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ: እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:1) ትምህርቲ ኣጋንንቲ ብፍላይ “በቲ ዳሕራይ ዘመናት” ብርቱዕ ጽልዋ ክገብር ምዃኑ ኣስተውዕል። እቲ ጳውሎስ ኣብ ግዚኡ ኾይኑ ኣርሒቑ ዝረኣዮ ግዜ: ነዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ኢዩ። እቲ ንትምህርቲ ኣጋንንቲ ዝጻረር “እምነቶም” ተባሂሉ ዘሎውን ኣስተብህለሉ። ኣብዚ “እምነቶም” ተባሂሉ ዘሎስ ኣብቲ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ እተዛረቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ቃላት እተመስረተ መለኮታዊ ትምህርቲ ዘመልክት ኢዩ። እዚ እምነት እዚ ህይወት ዝህብ እምነት ኢዩ። ንሓደ ክርስትያን ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብር ይምህሮ። ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ ሓቂ ድማ ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16። 6:40።
3. (ሀ) እቶም ኣብ መንጐ ሓቅን ሓሶትን ብዝግበር ውግእ ምኽንያት ግዳያት ዝኾኑ ግዲኦም እንታይ ኢዩ? (ለ) ብድሕሪ ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ኰይኑ ዝዓዪ ዘሎ መን ኢዩ?
3 ነዚ እምነት እዚ ዝኽሕዱ ዘበሉ ኹሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይረኽቡን ኢዮም። ንሳቶምሲ ናይቲ ውግእ ግዳያት ኢዮም። ብትምህርቲ ናይ ኣጋንንቲ ክትታለልሲ ፍሪኡ ክንደይ ኰን ዘሕዝን ኢዩ! (ማቴዎስ 24:24) ነፍሲ ወከፍና ከም ውልቀ ሰባት መጠን ከምቶም ኣብቲ ውግእ ዝጉድኡ ግዳያት ኰይንና ምእንቲ ከይንርከብ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና? ንዕላማ ናይቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝኾነ ሰይጣን ዲያብሎስ ዘገልግል ናይ ሓሶት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ክንነጽጎ ይግብኣና። (ማቴዎስ 12:24) ሰይጣን “ንሓሶትውን ኣቦኣ” ስለ ዝኾነ ትምህርቱ ዘበለ ኹሉ ሓሶት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዮሃንስ 8:44) ነቶም ቀዳሞት ወለድና ንምትላል እተጠቕመሉ ሓሶት ብኸመይ ዝበለ ሜላ ከም ዘቕረቦ እስኪ ቀጺልና ንርኣዮ።
ምህሮ ኣጋንንቲ ተቐልዐ
4, 5. ሰይጣን እንታይ ሓሶት ኢዩ ንሄዋን ዝነገራ? ስለምንታይከ ኢዩ እዚ ተግባር እዚ ረሲእነት ዝኾነ?
4 እቲ እተፈጸመ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት 3:1–5 ተመዝጊቡ ኣሎ። ሰይጣን ብተመን ተጠቒሙ ነታ ሰበይቲ ማለት ንሄዋን “ኣምላኽሲ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ?” ኢሉ ሓተታ። እቲ ሕቶ ምንም ጕድኣት ዘለዎ አይመስልን ኢዩ: ይኹን እምበር ነታ “ኢሉዶ ኣዚዙ ኢዩ?” እትብል ሕቶ ምልስ ኢልና እሞ ነስተብህለላ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሰይጣን ብምግራም “ስለምንታይ ኣምላኽ ከምኡ ኢሉ ዝእዝዝ?” ይብል ከም ዘሎ ኢዩ ዝመስል።
5 ሄዋን ብግርህነት ብዛዕባ እታ ኣይትብልዑ ኢሉ ዝኣዘዞም ነገረቶ። ኣምላኽ ንኣዳም ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ምስ ዝበልዑ ሞት ከም ዚሞቱ ነጊርዎ ስለ ዝነበረ: ሄዋን ነቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝገልጽ መለኮታዊ ትምህርቲ ትፈልጦ ነይራ ኢያ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እቲ ሕቶ ናይ ሰይጣን ብውሕልነት ስለ ዝቐረበ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ተገዳስነት ከም እተሕድር ገበራ። ስለዚ ኸኣ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ዘምጽኦ ጉዳይ ክዛርብ ከሎ ጽን ኢላ ሰምዓኣቶ:- “እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፤ ኣይፋልኩም: . . . ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም: በላ።” ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ረሲእነት ኢዩ! ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ሓቅን ኣምላኽ ፍቕርን ፈጣርን ዝኾነ የሆዋ: ንሰብኣውያን ደቁ ብሓሶት ከም ዝተዛረቦም ገይሩ ኸሰሶ!—መዝሙር 31:5። 1 ዮሃንስ 4:16። ራእይ 4:11።
6. ሰይጣን ነቲ ናይ የሆዋ ቅንዕናን ልኡላዊነትን ብኸመይ ኢዩ ዝበደሆ?
6 ብዘይካ እዚውን ሰይጣን ዝበሎ ነገር ኣሎ። ከምዚ ዝብል:- “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትኾኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ ኢዩ።” እቲ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ምሉእ ዘይጕዱል ገይሩ ባሪኹዎም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽሲ በዘራርባ ሰይጣን ካብ ሓደ ድንቂ ዝኾነ ነገር: እዚ ማለት ከኣ ከም ኣማልኽቲ ንኸይኮኑ ክኽልክሎም ኢዩ ደልዩ ማለቱ ነበረ። በዚ ኸምዚ ሰይጣን ነቲ ናይ ኣምላኽ ቅንዕና ብድሆ ኣቕረበሉ። ከምኡውን ተድላ ርእስኻ ምግባርን ኮነ ኢልካ ሕግታት ኣምላኽ ምጥሓስን የተባብዕ: በዚ መገዲ እዚ ምምልላስ ከኣ ንረብሓኻ ምዃኑ ይገልጽ። ብሓቂ እምበኣር ሰይጣን: ኣምላኽሲ ኣብቲ ደቂ ሰባት ዝገብርዎ ዘበለ ደረት ክገብረሎም ምንም መሰል የብሉን ብምባል ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍጡራት ዘለዎ ልኡላዊነት ብድሆ ኣቕሪቡሉ ኢዩ።
7. ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ክስማዕ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ? ምስ እዚ ሎሚ ዘሎ ተመሳሳሊ ዝኸውንከ ብኸመይ ኢዩ?
7 ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ክስማዕ ዝጀመረ: በዘን ሰይጣን እተዛረበን ቃላት ኢዩ። እዚ እኩይ ትምህርቲ እዚ ገና ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ኣምላኻዊ ዘይኮነ መምርሒታት የተባብዕ አሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝገበሮ ሰይጣን ብኻልኦት ከዳዓት መናፍስቲ ተሰንዩ ገና ሕጂውን ነቲ ኣምላኽ ንተግባራትና ስርዓት ከውጽኣሉ ዘለዎ መሰል ይቃወሞ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ሕጂውን እንተኾነ ንልዕልነት ናይ የሆዋ እናተቓወመ ደቂ ሰባት ንሰማያዊ ኣቦኦም ምእንቲ ከይእዘዙ ተጽዕኖ ንምግባር ይፍትን ኢዩ ዘሎ።—1 ዮሃንስ 3:8, 10 ።
8. ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን እንታይ ኣጥፍኡ? ይኹን እምበር የሆዋ ሓቀኛ ምዃኑ ብኸመይ ተረጋገጸ?
8 ኣዳምን ሄዋንን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣብ መንጎ መለኮታዊ ትምህርትን ናይ ኣጋንንቲ ትምህርትን ዝተላዕለ ውግእ: ግጉይ ዝኾነ ውሳኔ ብምግባሮም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጥፍኡ። (ዘፍጥረት 3:19) ዓመታት ኣናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ኣካላቶም እናተጨማደደ ስለ ዝኸደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ተላዒሉ ዝነበረ ነገር መን ኢዩ ሓሳዊ መን ኢዩ ሓቀኛ ንምፍላጥ ብቑዕ መረጋገጺ ኾይንዎም ኢዩ። ይኹን እምበር ቅድሚ ብኣካል ምሟቶም ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ እቲ ምንጪ ህይወት ዝኾነ ፈጣሪኦም ንህይወት ከም ዘይበቕዑ ምስ ፈረዶም: ኣብ መንጎ ሓቅን ሐሶትን ዘሎ ውግእ እቶም ቀዳሞት ግዳያት ኮይኖም ተረኽቡ። እዚ ድማ እቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ዝሞቱሉ ግዜ ኢዩ።—መዝሙር 36:9። ምስ ኤፌሶን 2:1 አነጻጽሮ።
ሎሚ ዘሎ ምህሮ ኣጋንንቲ
9. ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ አሳልጦ ረኺቡ ዘሎ?
9 ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ናብቲ ብ1914 ዝጀመረ “መዓልቲ ጐይታ” ተወስደ። (ራእይ 1:10) ኣብቲ ግዜ እቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ ከባቢ ምድሪ ተደርበዩ: እዚ ድማ ንሰይጣን ድያብሎስ ተቓዋሚ ናይቲ ዓቢ ፈጢሪና ዓቢ ውርደት ኢዩ። ድሕሪኡ እቲ ብተደጋጋሚ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝኸሶም ዝነበረ ደሃዩ ኣብ ሰማይ ኣይተሰምዐን። (ራእይ 12:10) ይኹን እምበር ካብ ኤደን ጀሚሩ ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ከመይ ዝበለ ምዕብልና ኢዩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘርኣየ? እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ።” (ራእይ 12:9) ዓለም ብመላኣ ኣብ ናይ ሰይጣን ሓሶት ተምበርከኸት! ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ተባሂሉ ምጽውዑ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን!—ዮሃንስ 12:31። 16:11።
10, 11. ሎሚ ሰይጣንን ኣጋንንቱን በየናይ መገድታት ኢዮም ንጡፋት ኮይኖም ዘለዉ?
10 ሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየን ስዕረቱ ተኣሚንሉዶ ኢዩ? ኣይተኣመነን! ኣንጻር መለኮታዊ ትምህርትን ኣንጻር ኣቶም ኣብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝጠብቁን ብቐጻሊ ንኽዋጋእ ደኣ ቆሪጹ ተላዕለ። ሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ ብኡንብኡ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ውግእ ቀጺልዎ ኢዩ:- “እቲ ገበል [ሰይጣን] ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቖጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።”—ራእይ 12:17።
11 ሰይጣን ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ኣገልግልቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ንደቂ ሰባት ብቐጻሊ ዓትዒቱ ምእንቲ ክሕዞም እናተቓለሰ ንዓለም በቲ ናይ ሓሶት ወሪኡ ኣዕለቕሊቑዋ ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ ሓደ ካብቲ ብመዓልቲ ጐይታ ዝፍጸም ዝረኣዮ ራእያት ንሰይጣንን ንምድራዊት ናይ ፖለቲካ ማሕበሩን ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓብላሊ ዝኾነ ሓይሊ ዓለምን ዘመልክቱ ሰለስተ ኣራዊት ረኣየ። ካብ ኣፍ እዞም ሰለስተ ድማ: ቍርዖብ ወጹ። እዚኣቶምከ ንምንታይ ኢዮም ዘመልክቱ? ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “እዚኣቶም: ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ኹሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም።” (ራእይ 16:14) ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንጡፍ ከም ዘሎ ግልጺ ኢዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣንጻር መለኮታዊ ትምህርቲ ገና ይቃለሱ ኢዮም ዘሎዉ። ክሳዕ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ብሓይሉ ዘቋርጾም ድማ ክቕጽልዎ ኢዮም።—ራእይ 20:2።
ንምህሮ ኣጋንንቲ ምልላይ
12. (ሀ) ንትምህርቲ ኣጋንንቲ ክንቃወሞ እንኽእል ስለምንታይ ኢና? (ለ) ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ዕላምኡ ከውድቖም ዝፍትን ብኸመይ ኢዩ?
12 እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎዎም ደቂ ሰባት ንትምህርቲ ናይ ኣጋንንቲ ክቃወምዎዶ ይኽእሉ ኢዮም? ብኽልተ ምኽንያታት ብርግጽ ይኽእሉ ኢዮም። ቀዳማይ ነገር መለኮታዊ ትምህርቲ እቲ ዝሓየለ ኢዩ: ካልኣይ ድማ ንምቅዋሙ ምእንቲ ክንክእል የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ሜላታት ቀላሊዕዎ ኢዩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ “ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።” (2 ቈረንቶስ 2:11) ሓደ ካብቲ ሰይጣን ዕላምኡ ንምፍጻም ዝጥቀመሉ መገድታት ስደት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ዝያዳ ንምትላል ዝጥቀመሉ ብልሓት ግን ነቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ሰባት ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ክጸልዎም ብምፍታን ኢዩ። ንሄዋን ኣብ ልባ ግጉይ ዝኾነ ባህግታት ኣሕዲሩ ኢዩ ኣታሊሉዋ። ሎሚውን እንተኾነ ከምኡ ክገብር ኢዩ ዝፍትን። ጰውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ: ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።” (2 ቈረንቶስ 11:3) ንኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ብኸመይ ኣባላሽይዎ ከም ዘሎ እሞ ሕስብ ነብሎ።
13. ሰይጣን ካብ ገነት ኤደን ጀሚሩ ንደቂ ሰብ እንታይ ሓሶት ኢዩ ዝነገሮም?
13 ሰይጣን የሆዋ ከም ዝሓሰወ ብምኽሳስ ደቂ ሰባት ንፈጣሪኦም እንተድኣ ዘይተኣዚዞም ከም ኣማልኽቲ ኪኾኑ ከም ዝኽእሉ ንሄዋን ገለጸላ። እዚ ሎሚ ዘሎ ሓጥእ ኵነታት ናይ ደቂ ሰብ: እቲ ሓሳዊ: ሰይጣን ድኣ እምበር የሆዋ ከም ዘይኮነ ኢዩ ዝገልጽ። ከምቲ ዝበሎ ሎሚ እንተርኤና ደቂ ሰብ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን! ይኹን እምበር ሰይጣን ምስቲ ቀዳማይ ሓሶቱ ኣተሓሒዙ ካልእ በብዓይነቱ ሓሶት ምሂዙ ኢዩ። ነፍሲ ሰብ አይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳብ ኣስፋሕፍሐ። በዚ ኸምዚ ድማ ንደቂ ሰብ ከም ኣማልኽቲ ክኾኑሉ ዝኽእሉ ክልእ መገዲ ከም ዘሎ ገይሩ ይጥብሮም ኣሎ። ቀጺሉ ድማ ኣብዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ እተመስረተ ከም እኒ:- ሲኦል: መንጽሄ ቦታ: መናፍስትነትን ናይ ኣቦታት ኣምልኾን ዝኣመሰለ ትምህርቲ ኣስፋሕፍሐ። ኣማእታት ሚልዮናት ዝኣኽሉ ሰባት ከኣ ገና በዚ ሓሶት እዚ ተጠሊፎም ይርከቡ ኣለዉ።—ዘዳግም 18:9-13።
14, 15. ብዛዕባ ሞትን መጻኢ ተስፋ ወዲ ሰብን እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ?
14 እቲ የሆዋ ንኣዳም እተዛረቦ ቃላት ብርግጽ ሓቂ ኢዩ ነይሩ። ኣዳም ኣንጻር ኣምላኽ ምስ ሓጥአ ሞይቱ ኢዩ። (ዘፍጥረት 5:5) ኣዳምን እቶም ካብኡ ዝወጹ ዘርኡን ምስ ሞቱ: ገለ እኳ ዘይፈልጡን ዘይንቀሳቐሱን ምዉታት ነፍሳት ኮይኖም ተረፉ። (ዘፍጥረት 2:7። መክብብ 9:5, 10። ህዝቅኤል 18:4) ብምኽንያት እቲ ካብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት ኵሎም ሰብኣውያን ነፍሳት መወትቲ ኢዮም። (ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ኤደን: ሓደ ንግብርታት ድያብሎስ ዝገጥመሉ ዘርኢ ክመጽእ ምዃኑ ኣተስፍዩ ነበረ። (ዘፍጥረት 3:15) እቲ ዘርኢ እቲ ድማ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። የሱስ ብዘይ ሓጢኣት ኢዩ ሞይቱ: ደቂ ሰባት ካብቲ ናይ ምሟት ኵነታቶም ምእንቲ ክዕደጉ ድማ እታ እተሰውአት ህይወቱ በጃ ኾነት። እቶም ኣብ የሱስ እምነት ብምግባር ተኣዛዝነቶም ዘርእዩ ድማ እቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣለዎም።—ዮሃንስ 3:36። ሮሜ 6:23። 1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6።
15 እቲ ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ተስፋ ዝህቦምሲ በጅነት ደኣ እምበር: እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ዘይብሩህ ሓሳብ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ መለኮታዊ ትምህርቲ ኢዩ። ሓቂ ድማ ኢዩ። ድንቂ ዝኾነ መግለጺ ፍቕርን ጥበብን ናይ የሆዋ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) እዚ ሓቂ እዚ ክንምሃር ብምብቃዕናን ካብቲ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ሓራ ብምውጻእናንሲ ክሳዕ ክንደይ ኢና መማሰውቲ ክንክውን ዝግብኣና!—ዮሃንስ 8:32።
16. ደቂ ሰብ ብናይ ገዘእ ርእሶም ጥበብ ብምምራሖም እንታይ ነዊሕ ዝጸንሐ ፍረ ኢዮም ኣፍርዮም?
16 ሰይጣን በቲ ኣብ ገነት ኤደን እተዛረቦ ሓሶት ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥበብ ንኽውከሉ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። ሎሚ እቲ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ፍሪኡ: ዓመጽ: ቁጠባዊ ጸቕጢ: ውግእን ኣዝዩ ገኒኑ ዘሎ ምፍልላይን ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ይርአ አሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት” እዩ ምባሉ ኣየገርመናን ኢዩ! (1 ቈረንቶስ 3:19) እንተኾነ ግና መብዛሕትኦም ሰባት ንትምህርቲ ናይ የሆዋ ካብ ምቕላብሲ ብዕሽነት ብስቓይ ክነብሩ ኢዮም ዝመርጹ። (መዝሙር 14:1-3። 107:17) እቶም ንመለኮታዊ ትምህርቲ ዝቕበሉ ክርስትያናት ግን በዚ መጻወድያ እዚ ካብ ምፍንጣር ርሒቖም ይርከቡ።
17. ሰይጣን እንታይ “ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ” ትምህርቲ ኢዩ ኣማዕቢሉ ዝርከብ ዘሎ? ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ?
17 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ:- “ኣታ ጢሞቴዎስ: ካብቲ: ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ: ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሓቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21) እቲ “ፍልጠት” እቲ ንትምህርቲ ናይ ኣጋንንቲ እውን ዘመልክት ኢዩ። ብመዓልትታት ጳውሎስ ድማ ነቲ ኣብተን ጉባኤታት ዝርአ ዝነበረ ገሊኦም ዘማዕብልዎ ዝነበሩ ናይ ክሕደት ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። (2 ጢሞቴዎስ 2:16-18) ጸኒሑ ኸኣ ብሓሶት ፍልጠት ዝበሃል ከም እኒ:- ኣግኖስትሲዝምን ናይ ግሪኽ ፍልስፍናን ነታ ጉባኤ ኣበላሽይዋ ነበረ። ከምቲ ብዘመናውያን ከሓድቲ ዝማዕበለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኮነ ሓሳባት ከምኡውን ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ኣምላኽ የለን ዝብል ትምህርቲ ኣተይዝምን ኣምላኽ ምህላዉን ዘይምህላዉን ኣይፍለጥን ኢዩ ዝብል ትምህርቲ አግኖስትሲዝምን ናይ ፍልቀት ክልሰ ሓሳባትን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ኣይኰነትን ኢሉ ዝምጕት ነቐፌታዊ ትምህርትን ናይቲ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ ኣብነታት ኢዮም። ፍረ ናይዚ ኹሉ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ ድማ በቲ ቀንዲ መለለዪ ባህሪ ናይዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ኮይኑ ዘሎ ሕሱር ዝኾነ ሞራላዊ ውድቀትን ኣስፍሕፊሑ ዘሎ ንስልጣናት ዘይምኽባርን ምጥፍፋእን ስስዐን ይርአ አሎ።
ኣብ መለኮታዊ ትምህርቲ ጠቢቕካ ምጽጋዕ
18. ሎሚ ንመለኮታዊ ትምህርቲ ዝደልዩ ዘሎዉ መን ኢዮም?
18 ዋላኳ ሰይጣን ካብ ገነት ኤደን ጀሚሩ ንምድሪ ብናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ኣዕለቕሊቕዋ እንተሎ ንመለኮታዊ ትምህርቲ ንምርካብ ዝጽዕሩ ሰባት ኵሉ ግዜ ኣለዉ። ሎሚ ቍጽሮም ኣብ ሚልዮናት በጺሑ ኣሎ። እዚኣቶም እቶም ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ንኽገዝኡ ርግጸኛ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ተረፍ ክርስትያናትን እቶም ምድራዊ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ንኽወርሱ ተስፋ ዘለዎም ቍጽሮም ከኣ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓቢ ጭፍራ ዝኾኑ ናይተን “ኻልኦት ኣባጊዕውን” ዘጠቓለሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 25:34። ዮሃንስ 10:16። ራእይ 7:3, 9) ሎሚ ብሓደ ተኣኪቦም ዓለምለኻዊ ማሕበር ኣቊሞም ኣለዉ። እቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ናይ ኢሳይያስ ቃላት ድማ ኣባታቶም ዝውዕል ኢዩ:- “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር [ብየሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ።” — ኢሳይያስ 54:13.
19. ብየሆዋ እተምሃርካ ምዃን እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ?
19 ብየሆዋ እተምሃርካ ምዃን ክበሃል ከሎ ናይ ሓቂ ሰረተ–ትምህርቲ ምፍላጥ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ዝሓትት። የሆዋ ከመይ ገይርና ከም እንነብርን ንመለኮታዊ ትምህርቲ ከመይ ገይርና ኣብ ናይ ብሕቲ ናብራና ከም እነውዕሎን ይመርሓና ኢዩ። ንኣብነት ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣዝዩ ገኒኑ ዘሎ ስስዐን ብዕልግናን ከምድላየይ ዝብል መንፈስን ንቃወሞ ኢና። ነቲ ሃብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንምድላብ ኢልካ ዝግበር ናብ ሞት ዝመርሕ ጨካን መስድዒውን ነለልዩ ኢና። (ያእቆብ 5:1–3) ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ብናይ ሃዋርያ ዮሃንስ ቃላት ተገሊጹ ዘሎ መለኮታዊ ትምህርቲ ፈጺምና ኣይንርስዖን ኢና:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዐለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።”—1 ዮሃንስ 2:15።
20, 21. (ሀ) ሰይጣን ንደቂ ሰብ ንምዕዋር ዝገበሮም ጻዕርታት እንታይ ኢዮም? (ለ) እቶም ኣብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝጸንዑ እንታይ በረኸት ኢዮም ዝረኽቡ?
20 ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ኣብ ግዳያቱ ዘኸትሎ ዘሎ ሳዕቤን ኣብቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝበሎም ቃላት ክንርእዮ ንኽእል ኢና:- “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ: ኣምላኽ እዛ ዐለም እዚኣ [ሰይጣን] ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።” (2 ቈረንቶስ 4:4) ሰይጣን በዚ መገዲ እዚውን እንተኾነ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ከዕውሮም ኢዩ ዝደሊ። ኣብ ገነት ኤደን ንሓደ ካብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምትላል ብተመን ኢዩ ተጠቒሙ። ሎሚ ድማ ዓመጽን ብዕልግናን ዝመልኦ ፊልምን ናይ ቲቪ መደባትን ይጥቀም ኣሎ። ራድዮን መጻሕፍትን ሙዚቃን ከኣ ይጥቀም ኢዩ። ከም ብርቱዕ መሳርሒ ዝዓየሉውን ሕማቕ ምሕዝነት ኣሎ። (ምሳሌ 4:14። 18:7። 29:3) ኵሉ ግዜ እዞም ነገራት እዚኣቶም ናይ ኣጋንንቲ ምህዞታትን ትምህርትን ምዃኖም ኣይትዘንግዕ።
21 ኣብ ገነት ኤደን እተዘርበ ናይ ሰይጣን ቃላት ሓሶት ምንባሩ ናይ የሆዋ ቃላት ድማ ሓቂ ምዃኑ ከም እተረጋገጸ ኣይትረስዕ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ነገር ከምኡ ኢሉ ኢዩ ዘሎ። ሰይጣን ኵሉ ግዜ ሓሳዊ ኮይኑ ክርከብ ከሎ መለኮታዊ ትምህርቲ ድማ ኵሉ ግዜ ሓቂ ኢዩ። (ሮሜ 3:4) ናብ ቃል ኣምላኽ እንተድኣ ጠቢቕና ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዝግበር ውግእ ብወገን እቲ ዝስዕር ኰይንና ዓወት ክንጭብጥ ኢና። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) ስለዚ እምበኣር ንኹሉ ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ብቖራጽነት ተላዒልና ወጊድ ንበሎ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ውግእ ዘብቅዕ ክንዕገስ ኢና። ሓቂ ክዕወት ኢዩ። ሰይጣን ክጠፍእ ኢዩ: ኣብ ልዕሊ ምድሪ ድማ መለኮታዊ ትምህርቲ ጥራይ ክስማዕ ኢዩ። — ኢሳይያስ 11:9።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ?
◻ ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ ክስማዕ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ?
◻ ገለ ካብቲ ብሰይጣንን ኣጋንንቱን እተስፋሕፍሐ ሓሶት እንታይ ኢዩ?
◻ ሎሚ ሰይጣን በየናይ መገድታት ኢዩ ብዘይመጠን ንጡፍ ኮይኑ ዘሎ?
◻ ሰይጣን ንትምህርቲ ኣጋንንቲ ንኸማዕብል ዝጥቀመሉ ነገር እንታይ ኢዩ?
◻ እቶም ኣብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝጸንዑ እንታይ በረኸት ኢዮም ዝረኽቡ?
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣጋንንቲ ትምህርቲ መጀመርታ ኣብ ገነት ኤደን ኢዩ ተሰሚዑ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ካብቲ ብዛዕባ በጅነትን ብዛዕባ እታ መንግስትን ዝገልጽ መለኮታዊ ትምህርቲ ኢዩ ዝርከብ