ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/6 ገጽ 25-30
  • ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ አብ ናብራኹም ኣውዕልዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ አብ ናብራኹም ኣውዕልዎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥዑይ ኣነባብራ
  • ንኣረገውቲ ሰብኡት ዝኸውን ምኽሪ
  • ነተን ኣረገውቲ አንስቲ
  • ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ
  • ነቶም ኣጉባዝ
  • ንባሮትን ግዙኣትን
  • ሓደ ንጹህ ህዝቢ
  • ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ከነማቕል ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ ይርእየን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/6 ገጽ 25-30

ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ አብ ናብራኹም ኣውዕልዎ

“ኣምልኾ ግና ንኹሉ ይጠቅም ።” — 1 ጢሞቴዎስ 4 : 8

1, 2. ሰባት ብዛዕባ ጥዕናኦም ዝመጸ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ዝግደሱ ? ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ ?

ጽቡቕ ጥዕና : ኣብ ህይወት ሓደ ኣዝዩ ክቡር ሃብቲ ምዃኑ : ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ዝሰማምዕሉ ኢዩ ። ብኣካሎም ጥዑያት መታን ክኾኑ ብዙሕ ገንዘብን ግዜን የጥፍኡ : ሕክምና ክግበረሎም ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ብግቡእ ዝሕከምሉ መገዲ ኢዮም ዝደልዩ ። ንኣብነት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ንጥዕና ተባሂሉ ኣብ ዓዓመቱ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ልዕሊ 900 ቢልዮን ዶላር [900 ሽሕ ሚልዮን ዶላር] ገንዘብ ይጠፍእ ። እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ሰብኣይ : ሰበይቲ ከምኡውን ቆልዓ ንዓመት 3, 000 ዶላር ይበጽሖም ማለት ኢዩ : ኣብተን ካልኦት ዝማዕበላ ሃገራት እውን ንሓደ ሰብ ዝበጽሖ ዓመታዊ ወጻኢ ዳርጋ ክንድኡ ኢዩ ።

2 እዚ ኹሉ ናይ ግዜ : ጉልበትን ገንዘብን ወጻኢ ዝተገብረሉስ እንታይ ኣፍረየ ? ሓቂ’ዩ ካብ ኩሉ ናይ ታሪኽ እዋናት ከም ሎሚ ገይሩ ሕክምናዊ መሳርሒታትን መሳለጥያታትን ማዕቢሉ ከም ዘይፈልጥ ማንም ዝስሕቶ የለን ። እንተኾነ ግና እዝስ ናብ ጥዕና ዝመልኦ ናብራ ህይወት ብቕጽበት ክልወጥ ኣይከኣለን ። እዚ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ናይ ኣመሪካ ንባዕሉ እኳ ብዛዕባ ሓለዋ ጥዕና : መደብ ናይቲ መንግስቲ እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ኣብ ርእስቲ “ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ መግደራ ናይ ዓመጻ” ዜጋታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ካብ ናይ ኩለን ዝማዕበላ ሃገራት “ዝበዝሐ ቍጽሪ ናይ ኤይድስ ግዳያትን ሽጋራ ዘትክኹን መስተ ዘብዝሑን : ናይ ናኣሽቱ ኣዋልድ ጥንስን : ኣዝዩ ትሑት ክብደት ዘለዎም ቆልዑ ዝውለዱን” ኰይኖም ኣለዉ በለ ። ንዝርርቡኸ እንታይ ኢሉ ደምደሞ ? “ከም ህዝቢ መጠን ጥዑያት ክንከውን እንተደኣ ኰይንና ኣነባብራና ክንቅይር ኣሎና ።” — ገላትያ 6 : 7, 8

ጥዑይ ኣነባብራ

3. ብመሰረት እቲ ናይ ጥንቲ ናይ ግሪኽ በህሊ : ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ ?

3 ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን : ግሪኻውያን ባህሊ ናይ ኣካላዊ ቅርጽኻን ሓይልኻን ምምሕያሽ : ምህናጽ ኣካላትን ከምኡውን ናይ ኣትለቲክ ውድድራት ንምግባር ብዝነበሮም ተወፋይነት ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም ። ነዚ ነገር እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእስይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ምኽሪ ንኽህቦ ብመንፈስ ተመርሐ :- “እቲ ስጋዊ ምልምማድ ንቑሩብ ነገር እዩ ዝጠቅም : ኣምልኾ ግና ንኹሉ ይጠቅም : ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ ።” (1 ጢሞቴዎስ 4 : 8) ስለዚ እምበኣር : ጳውሎስ ነቲ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣፍልጦ ዝህብሉ ዘለዉ ማለት ሕክምና ወይ ንዋታዊ ምስንዳእ ናይ ሓቂ ጥዑይ ናብራ ህይወት ክህልወካ ውሕስነት ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝሕብር ዘሎ ። ጳውሎስ እቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ወይ ሸለል ክበሃል ዘይብሉ መንፈሳዊ ጥዕናን ኣምልኾን ምኹስኳስ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ ።

4. ኣምልኾ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ ?

4 ከምዚ ዝበለ መገዲ ምኽታል ካብቲ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ወይ መልክዕ ኣምልኾ “ጥራይ ዘለዎም ሰባት ዝወርዶም ጎዳኢ ሳዕቤናት ይከላኸለልና ብምዃኑ : “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት” ብዙሕ ይጠቅም ኢዩ ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 5 ፣ ምሳሌ 23 : 29, 30 ፣ ሉቃስ 15 : 11 – 16 ፣ 1 ቈረንቶስ 6 : 18 ፣ 1 ጢሞቴዎስ 6 : 9, 10) እቶም ነቲ ኣምልኾ ናይ ኣምላኽ ንህይወቶም ስርዓት ከትሕዞ ዘፍቅድሉ : ኣብቲ ሕግን ስርዓታትን ናይ ኣምላኽ ጥዑይ ክብሪ ስለ ዘለዎም : ነቲ ናይ ኣምላኽ ጥዑይ ትምህርቲ ኣብ ናብርኦም ከውዕልዎ ይድረኹ ኢዮም ። ከምዚ ዝበለ መገዲ ምኽታሎም መንፈሳውን ኣካላውን ጥዕና : ዕግበትን ሓጐስን የምጽኣሎም ኣሎ ። ንሳቶም “ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ : ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም” ዝእክቡ ዘለዉ ኢዮም ። — 1 ጢሞቴዎስ 6 : 19

5. ጳውሎስ ኣብታ ናብ ቲቶስ ዝለኣኻ ደብዳቤ ኣብቲ ካልኣይ ምዕራፍ : ከመይ ዝበለ መምርሒ አዩ ዝሃበ ?

5 በዚ ጥዑይ ትምህርቲ ናይ ኣምላኽ እትምራሕ ህይወት ከምዚ ዝበለ በረኸት ሕጅን ንዝመጽእን ትረክብ ካብ ኮነት : ነዚ ጥዑይ ትምህርቲ ናይ ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ናብራና ከነውዕሎ ክንገብሮ ከም እንኽእል ብጭቡጥ ክንፈልጦ ከድልየና ኢዩ ። መልሱ ድማ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ዝጸሓፈሉ ድብዳቤ ሰፊሩ ይርከብ ። ኣብታ ካልአይቲ ምዕራፍ ናይታ መጽሓፍ : ንቲቶስ መምርሒ ክህቦ ከሎ “ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ከም ዚግባእ ጌርካ ንገር” ዝብል ስለ ዝርከቦ : ኣብታ ምዕራፍ ፍሉይ ኣቓልቦ ከንገብር ኢና ። ብርግጽ ኩልና ዓበይቲ ንኹን ናኣሽቱ : ሰብኡት ንኹን ኣንስቲ ካብዚ “ጥዑይ ትምህርቲ” ሎሚ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና ። — ቲቶስ 1 : 4, 5 ፣ 2 : 1

ንኣረገውቲ ሰብኡት ዝኸውን ምኽሪ

6. ጳውሎስ “ንኣረገውቲ ሰብኡት” እንታይ ምኽሪ ሃቦም ? ከምኡ ብምግባሩኸ ስለምንታይ ኢዩ ሕያውነት ኣርእዩ ክበሃል ዝከኣል ?

6 ጳውሎሰ ብመጀመርታ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ዓበይቲ ሰብኡት ዝኸውን ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ ። በጃኹም ንቲቶስ 2 : 2 ኣንብብዋ ። “እቶም ኣረገውቲ” ከም ጉጅለ መጠን ይሕፈሩን ከም ኣብነት ናይ እምነትን ተኣማንነትን ድማ ይርኣዩ ኢዮም ። (ዘሌዋውያን 19 : 32 ፣ ምሳሌ 16 : 31) በዚ ምኽንያት እዚ ካልኦት ነዞም ዓበይቲ ሰባት እዚኣቶም : ኣዝዩ ከቢድ ነገር እንተ ዘይኰይኑስ ምኽሪ ወይ ምዕዶ ክህብዎም ይስከፉ ይኾኑ ። (እዮብ 32 : 6, 7 ፣ 1 ጢሞቴዎስ 5 : 1) ስለዚ እምበኣር : ጳውሎስ ነቶም ኣረገውቲ ብመጀመርታ ብምጥቃሱ ሕያውነቱ ኢዩ ዝገልጸሎም ዘሎ : ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃቦም ምኽሪ እንተ ኣቕሊቦምሉ ልክዕ ከም ጳውሎሰ ክቕድሑ ዝግብኦም ኣብነት ይኾኑ ምህላዎም ከረጋግጹ ይኽእሉ ። — 1 ቈረንቶስ 11 : 1 ፣ ፊልጲ 3 : 17

7, 8. (ሀ) “ሚዛናዊ ልምዲ” ምህላው እንታይ ዘጣመረ ኢዩ ? (ለ) “ረዚን” ምዃን “ለባም” ብምዃን ሚዛናዊ ክግበር ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ ?

7 እቶም ሽምግል ዝበሉ ክርስትያን ሰብኡት ቅድሚ ኹሉ “ጥንቁቓት” [ሚዛናዊ ልምዲ ዘለዎም ትሓዓ] ክኾኑ ይግብኦም ። ሽሕኳ ኣብቲ ቦኽሪ ቃል ንናይ መስተ ልምዲ ተመልክት እንተኾነት [ዘይሰክር ኪንግዶም ኢንተርሊንያር] እታ ቃል ንንቁሕ ምዃን : ዕቱብ ወይ ርእስኻ ምግታእ እውን ትውዕል ኢያ ። (2 ጢሞቴዎስ 4 : 5 ፣ 1 ጴጥሮስ 1 : 13) እዚ ማለት ድማ እዞም ዓበይቲ ሰብኡት ብመስተ ይኹን ብኻልእ ነገራት ሚዛኖም ዝሕልዉ : ሕሉፍነት ዘይብሎም ወይ ምሒር ዘየብዝሑ ክኾኑ ይግብኦም ።

8 ከምኡውን : ብተወሳኺ “ረዘንትን” “ለባማትን” ክኾኑ ኣለዎም ። ረዚን ወይ ምዕሩግ : ወረጃን ክብረት ዝግብኦ ምዃንን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዕድመ ዝተተሓሓዙ ነገራት ኢዮም ። ገሊኣቶም ግና ምስቲ ሓያል መገድታት ናይ መንእሰይ ዘይቃዶ ወይ ክጻወር ዘይክእል እምብዛ ዝሓለፈ ዓይነት ርዝነት ዘርእዩ ኣለዉ ። (ምሳሌ 20 : 29) በዚ ድማ ኢዩ ረዚን ምዃን ለባም ብምዃን ሚዛኑ ክሕሉ ዝኽእል ። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት እቲ ርዝነቶም ምስቲ ዕድሚኦም ዝኸይድ ኰይኑ ምስኡ ድማ ኣብ ስምዒቶምን ድርኺቶምን ምሉእ ምቁጽጻር ክገብሩ ዝኽእሉ ሚዛናውያን ክኾኑ ኸአ ኣለዎም ።

9. ኣረገውቲ ሰብኡት ብእምነትን ብፍቕርን ብፍላይ ድማ ብትዕግስቲ ጥዑያት ክኾኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ ?

9 ኣብ መጨረሻ እዞም ብዕድመ ዝሸምገሉ ሰብኡት “ብእምነት : ብፍቕሪ : ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪኾኑ” ኣለዎም ። ጳውሎስ መብዛሕትኡ ግዜ ንእምነትን ፍቕርን ምስ ተስፋ ኣተሓሒዙ ኢዩ ዝጠቕሰን ። (1 ቈረንቶስ 13 : 13 ፣ 1 ተሰሎንቄ 1 : 3 ፣ 5 : 8) ኣብዚኣ ግና ንተስፋ “ትዕግስቲ” ተኪእዋ ኣሎ ። ምናልባት ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ምሕላል ምስ ዕብየት ዘሎ ነገር ስለ ዝኾነ ይኸውን ። (መክብብ 12 : 1) ይኹን እምበር : ከምቲ የሱስ ዝበሎ “እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ ።” (ማቴዎስ 24 : 13) ብተወሳኺ : እዞም ብዕድመ ዝሸምገሉ ሰብኡት በቲ ዘለዎም ዕድመ ወይ ተሞክሮ ጥራይ ዘይኰነስ ከም እኒ እምነት : ፍቕርን ትዕግስትን ዝኣመሰሉ ድልዱል መንፈሳዊ ባህርያት ብምንጽብራቖም ክቕድሑ ዘለዎም ሰናይ ኣብነት ኢዮም ።

ነተን ኣረገውቲ አንስቲ

10. ነተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ “ኣረገውቲ ኣንስቲ” ጳውሎስ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበን ?

10 ጰውሎስ ቀጺሉ ናብተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ብዕድመ ዝሸምገላ ኣንስቲ ኣቓልብኡ ይገብር ። በጃኹም ንቲቶስ 2 : 3 ኣንብብዋ ። “እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን” እዚኣተን እተን ብዕድመ ዝዓበያ ኣባላት ናይታ ጉባኤ : ነቶም “ኣረገውቲ ሰብኡት” ኣንስቶም ከምኡውን ኣዴታትን እናሓጐታትን ናይቶም ካልኦት ኣባላት እየን : እዚኣተን እውን ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ብርቱዕ ጽልዋ ክህልወን ይኽእል ኢዩ ። በዚ ድማ ኢዩ ብዛዕብአን ጳውሎስ ዘረባኡ ክጅምር ከሎ “ከምኡ” ዝበለ : ማለት እዘን “ኣረገውቲ ኣንስቲ” ኣብታ ጉባኤ ዘለወን ግደ ብግቡእ መታን ክፍጽማ ንሳተን እውን ብግዲአን ከማልእኦ ዘለወን ግዴታታት ኣለወን ማለቱ ኢዩ ።

11. ቅዱስ ጠባይ እንታይ ኢዩ ?

11 ጳውሎስ ብመጀመርታ “እተን ኣረገውቲ ኣንስትውን ከምኡ [ብጠባየን ቅዱሳት ይኹና ትሓዓ]” በለ ። “ጠባይ” ነቲ ውሽጣዊ ኣመለኻኽታን ባህርያትን ብግብርን ብኣቃውማን ዝገልጽ ግዳማዊ መግለጺ ኢዩ ። (ማቴዎስ 12 : 34, 35) ስለዚ እምበኣር ናይ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኤት ክርስትያን ሰበይቲ ኣመለኻኽታን ባህርያትን እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ? ብሓንቲ ቃል ‘ቅዱስ’ ክኸውን ኣለዎ ። እዛ ቃል እዚኣ ካብታ “ንኣምላኽ ተባሂሉ ዝተቀደሰ ወይ ዝተፈልየ ብቑዕ ሰብ : ተግባር ወይ ነገር” ዝብል ትርጉም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል ዝተተርጐመት ኢያ ። ብመሰረት እቲ ኣብ ካልኦት ብፍላይ እኳ ኣብተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ንኣሽቱ ኣንስቲ ዘለወን ጽልዋ ክርኤ ከሎ : ብሓቂ እዚ ምኽሪ እዚ ልዓቱ ዝሓዘ ኢዩ ። — 1 ጢሞቴዎስ 2 : 9, 10

12. ከመይ ዝበለ ዘይጉቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ልሳን ኢና ኩልና ከነርሕቖ ዘሎና ?

12 ቀጺሉ ክልተ ኣሉታዊ ባህርያት ጠቒሱ ኣሎ :- “ዘይሓመይቲ : ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና ።” እዘን ክልተ ነገራት ብሓደ ተጠሚረን ምህላወን ዘገርም ኢዩ ። “ኣብቲ ወይኒ ጥራይ ከም ኣልኰላዊ መስተ ዝዝውተረሉ ዝነበረ ናይ ጥንቲ ግዜ” ይብል ፕሮፈሶር ኢ. ኤፍ. ስኰት ትዕዝብቱ ክገልጽ ከሎ : ኣስዒቡ ድማ “እተን ኣረገውቲ ኣንስቲ ኣብታ ወይኒ ንምስታይ ዝእከባላ ዝነበራ ንእሽቶ ማሕበረን ኰይነን እየን ንጐረባብተን ብሕምየት ምንጭት ዘብላኦም” ይብል ። ብጠቕላላኡ ክርአ ከሎ ኣንስቲ ሓደ ክንኣድ ዝግብኦ ጽቡቕ ጠባይ ኣለወን : ንሱ ድማ ካብ ሰብኡት ንላዕሊ ብዛዕባ ሰብ ይግደሳ ኢየን ። እንተኾነ ግና : እዚ ተገዳስነት እዚ ናብ ሕሜት አረ ናብ ጸርፊ ወይ ምጽላም ከምርሕ ይኽእል ኢዩ ። ብፍላይ መልሓስ ብመስተ ፍትሕ ምስ በለት እሞ ኣይንዓሎ ኢዩ ። (ምሳሌ 23 : 23) ብርግጽ ኩሎም እቶም ጥዑይ ኣነባብራ ዝስዕቡ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ካብዚ መፈንጠራ እዚ ክሕለዉ ኣለዎም ።

13. ኣረገውቲ ኣንስቲ በየናይ መገዲ እየን መምህራን ክኾና ዝኽእላ ?

13 ኣረገውቲ ኣንስቲ ነቲ ዘለወን ግዜ ብሃናጺ ዝኾነ መገዲ መታን ክጥቀማሉ “መሃርቲ ሰናይ ኪኾና” ተታባቢዐን ኣለዋ ። ኣብ ካልእ ቦታ ጳውሎስ ኣንስቲ ኣብ ጉባኤ ከም ዘየስተምህራ ግልጺ ዝኾነ መምርሒ ሂቡ ኣሎ ። (1 ቈረንቶስ 14 : 34 ፣ 1 ጢሞቴዎስ 2 : 12) ይኹን እምበር : እዚ ነገር እዚ ኣብ ቤተንን ህዝብን : ነቲ ክቡር ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ካብ ምትሕልላፍ ዝኽልክለን ኣይኰነን ። (2 ጢሞቴዎስ 1 : 5 ፣ 3 : 14, 15) ከምቲ ቀጺላ ዘላ ጥቕሲ እትሕብሮ : ነተን ኣብታ ጉበኤ ዘለዋ ንኣሽቱ ኣንስቲ ሰናይ ክርስትያናዊ ኣብነት ብምዃን : ብዙሕ ክዓያ ይኽእላ እየን ።

ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ

14. እተን መንእሰያት ክርስትያን ኣንስቲ ነቲ ሓላፍነተን ንኽፍጸማ ብኸመይ ሚዛናውያን ክኾና ይኽእላ ?

14 ጳውሎስ ነተን ኣረገውቲ አንስቲ “መሃርቲ ሰናይ ኪኾና” ኣለወን ኢሉ ከተባብዐን ከሎ ኣብኡ ብፍላይ ንናእሽቱ ኣንስቲ ጠቒስወን ኣሎ ። በጃኹም ንቲቶስ 2 : 4, 5 ኣንብብዋ ። ሽሕኳ እቲ መምርሒ ብዝያዳ ኣብ ናይ ቤት ዕዮ ዘተኩር እንተኾነ : መንእሰያት ክርስትያን ኣንስቲ ብሻቕሎት ናይ ስጋዊ ጥሪት ክወሓጣ ዘፍቅዳ ሕሉፋት ክኾና የብለንን ። ኣብ ክንድኡስ ንሳተን “እቲ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ከይጽረፍሲ . . . ነፍሰን ዚቐጽዓ : ንጹሃት . . . ሕያዎት” ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ክርስትያናዊ ርእስነት ክድግፋ ድልዋት ክኾና ኢዩ ዘለወን ።

15. መብዛሕትአን ኣብተን ጉባኤታት ዘለዋ መንእሰያት ኣንስቲ ክንኣዳ ዝግብአን ስለምንታይ ኢዩ ?

15 ሎሚ እቲ ኩነታት ናይ ስድራቤታት ካብቲ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ ። መብዛሕትኦም ስድራቤታት ብእምነት ዝተፈላለዩ ኢዮም : ገሊኦም ድማ ምስ ንጽል ወላዲ ዝነብሩ ኢዮም ። ዋላ ኣብተን ያታውያን ስድራቤታት ዝበሃላ እኳ: እታ ሰበይቲ ወይ ኣደ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ገዛ ጥራይ ምውዓል እናገደፈቶ ኢያ ። እዚ ኹሉ ነገራት እዚ ንመንእሰያት ክርስትያን ኣንስቲ ከቢድ ጸቕጥን ሓላፍነትን የምጽኣለን ኢዩ ። እንተኾነ ግና እዚ ካብቲ ዘለወን ጽሑፋዊ ግዴታታት ናጻ ዝገብረን ኣይኰነን ። ስለዚ እምበኣር : ብዙሓት እሙናት መንእሰያት ኣንስቲ ነቲ ዘለወን ዕዮታት ሚዛናዊ ንምግባር ኣበርቲዐን እናሰርሓ ክነሰን ንረብሐታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክህብኦ ከለዋ አረ ገሊኣተንሲ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሓገዝቲ ወይ ስርዓታውያን ፓይነር ኰይነን ክትርእየንሲ ብሓቂ ዓቢ ሓጐስ ዘምጽእ ኢዩ ። (ማቴዎስ 6 : 33) እወ : ብሓቂ ክንኣዳ ዝግብአን ኢየን !

ነቶም ኣጉባዝ

16. ጳውሎስ ንመንእሰያት ሰብኡት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም ? እዚኸ ስለምንታይ ኢዩ እዋናዊ ዝኾነ ?

16 ጳውሎስ ቀጺሉ ናብቶም መንእሰያት ሰብኡት ቲቶስውን ጭምር ገጹ ይመጽእ : በጃኹም ንቲቶስ 2 : 6 – 8 ኣንብብዋ : መብዛሕቶም ናይ ሎሚ መንእሰያት ሓላፍነት ዝጐደሎን ኣዕናውን ዝኾነ መገዲ ከም እኒ: ሽጋራ ምስታይ ሓሽሽን መስተን ብዘይግቡእ ምውሳድ : ዘይሕጋዊ ጾታዊ ርክብ : ካልእ ዓለማዊ ባህግታት ከም ኣራዊታዊ ዓይነት ስፖርትን ርኹስ ሙዚቃን መዘናግዒታትን ዝኣመሰለ ይስዕቡ ስለ ዘለዉ : እዚ ምኽሪ እዚ ነቶም በቲ ጥዑይን ሕጉስን ኣነባብራ ክመላለሱ ዝደልዩ መንእሰያት ክርስትያን ብሓቂ እዋናዊ ምዕዶ ኢዩ ።

17. ሓደ መንእሰይ ሰብኣይ ብኸመይ ኢዩ “ለባምን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያን” ክኸውን ዝኽእል ?

17 ምስቶም ኣብ ዓለም ዘለው መንእሰያት ክነጻጸር ከሎ : ሓደ ክርሰትያን መንእሰይ ሰብኣይ “ለባም ” ከምኡውን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሱ ኣርኣያ ዝገብር ’ ክኸውን ይግብኦ ። ጳውሎስ ከም ዝገለጾ ሓደ ለባምን ብሱልን ኣእምሮ ዝጥረ: በቶም ትምህርቲ ጥራይ ዝመሃሩ ዘይኰነስ : በቶም “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ” ኢዩ ። (እብራውያን 5 : 14) መንእሰያት ነቲ ሓይሊ ንእስነቶም ንስሱዕ ባህግታት ብላሽ ኣብ ክንዲ ዘጥፍእዎ ብፍታዎም ግዚኦምን ጉልበቶምን ኣብቲ ዝተፈላለየ ዕዮ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሉእ ተሳትፎ ብምግባር ክውፍይዎ ከለዉ ምርኣይ : ኣየ ክንደይ ዘደንቕ ኢዩ ! ከምዚ እንተደኣ ገይሮም ልክዕ ከም ቲቶስ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ” ኣርኣያ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ። — 1 ጢሞቴዎስ 4:12

18. ብንጹህ ትምህርቲ : ርዝነት ዘለዎ ተግባራት : ከምኡውን ጥዑይ ዘረባ ምዝራብ እንታይ ማለት ኢዩ ?

18 መንእሰያት ሰብኡት “ብንጹህ ትምህርቲ : ብምርዛን : መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ ” ክመላለሱ ከም ዝግብኦም ተማዒዶም ኣለዉ ። እቲ ንጹህ ትምህርቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣጽኒዑ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ መንእሰያት ሰብኡት ትጉሃት ተመሃሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክኾኑ ዘለዎም ። ከምቶም ኣረጋውያን ሰብኡት እዞም መንእሰያት ሰብኡት ድማ ረዘንቲ ክኾኑ ይግብኦም ። ኣገልጋሊ ናይ ቃል ኣምላኽ ምዃን ኣዝዩ ረዚን ሓላፍነት ምዃኑ ተረዲኦም “ንወንጌል ዝበቅዕ ጠባይ” ሒዞም ክመላለሱ ከም ዝግብኦም ኣፍልጦ ክህብሉ አለዎም ። (ፊሊጲ 1 : 27 ትሓዓ) ብተመሳሳሊ ኵሉ እቲ ዘረባኦም ‘ጥዑይን’ “መንቅብ ዜብሉን” እንተደኣ ኰይኑ : እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባና ዝብልዎ ኩፉእ ነገር ኣይክህልዎምን ኢዩ ። — 2 ቈረንቶስ 6 : 3 ፣ 1 ጴጥሮስ 2 : 12, 15

ንባሮትን ግዙኣትን

19, 20. እቶም ኣብ ትሕቲ ሰብ ሓዲሮም ዘለዉ ብኸመይ ነቲ ትምህርቲ ናይ የሆዋ መድሓኒና ክስልምዎ ምኸኣሉ ?

19 ኣብ መጨረሻ ጳውሎስ ኣቓልቦኡ ዝገበረሎም ነቶም ኣብ ትሕቲ ሰብ ዝሓደሩ ኢዩ ። በጃኹም ንቲቶስ 2 : 9, 10 ኣንብብዋ ። ሎሚ መብዛሕትና ባሮት ወይ ግዙአት ኣይኰናን : ይኹን እምበር መብዛሕትና ተቖጺርና እንሰርሕ ወይ ንኻልኦት ኣገልግሎት እንህብ ሰራሕተኛታት ኢና ። ስለዚ እምበኣር እቲ ጳውሎስ ዘርዚሩዎ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ሎሚውን ይሰርሕ ኢዩ ።

20 “ንጐይተቶም ዚግዝኡ . . . ብኹሉ ባህ ዜብሉ ኪኾኑ ” ኣለዎም ክበሃል ከሎ ክርስትያናት ሰራሕተኛታት ነቶም ናይ ሰራሕ ኣሕሉቕቶምን ተቆጻጸርትን ናይ ሓቂ ክብሪ ከርእዩዎም ኣለዎም ማለት ኢዩ ። (ቈሎሴ 3 : 22 ) ከምኡውን እሙናትን ትጉሃት ሰራሕተኛታት ዝብል ጽቡቕ ስም ክህልዎምን እታ ናይ ስራሕ መዓልቲ ድማ ነቲ ኣስራሒ ትግብኦ ስለ ዝኾነት ብምልእታ ክህብዎ ይግባእ ። ናይቶም ካልኦት መሳርሕቶም ጠባያት ብዘየገድስ : ክርስትያናት ኣብ ስርሖም ነቲ ልዑል ክርስትያናዊ ስርዓታት ናይ ስነ – ምግባር ኩሉ ግዜ ክሕልዉዎ ኣለዎም ። እዚ ኩሉ ዝገብርዎ ድማ “ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ ” ኢዩ ። በቲ ጽቡቕ ኣካይዳ ናይቶም መሰኻኽር መሳርሕቶም ተሳሒቦም ንሓቂ ዝተቐበሉ ቅኑዓት ተዓዘብቲ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ብዙሕ ዘሐጉስ ፍረ ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ኢና ። እዚ እቲ የሆዋ ነቶም ኣብቲ ዝሰርሕሉ ቦታ ከይተረፈ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዝኽተሉ ዝህቦም ዓስቢ ኢዩ ። — ኤፌሶን 6 : 7, 8

ሓደ ንጹህ ህዝቢ

21. የሆዋ ነዚ ጥዑይ ትምህርቲ ዝሃበና ስለምንታይ ኢዩ ? ንሕናኸ ብኸመይ ክንቅበሎ ኣሎና ?

21 እዚ ጳውሎስ ዘርዚሩዎ ዘሎ ጥዑይ ትምህርቲ ኣብ ዘድልየካ ግዜ እትውከሶ ናይ ስነ – ምግባር ስርዓታት ዝሓዘ ሕጊ ወይ ናይ ሞራል ሓሳባት ኣይኰነን ። ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ጳውሎስ ቀጺሉ ገሊጽዎ ኣሎ ። በጃኹም ንቲቶስ 2 : 11, 12 አንብብዋ ። የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕሩን በቲ ዘይግብኣና ሕያውነቱን ተደሪኹ ብእኡ ተማሂርናስ ኣብዚ ጽንኩርን ሓደገኛን ግዜ ዕላማ ዘለዎን ሕጉስን ህይወት ክህልወና ዝሕግዝ ጥዑይ ትምህርቲ ቀሪቡልና ኣሎ ። ነዚ ጥዑይ ትምህርቲ ክትቅበሎን ኣብ ናብራኻ ከተውዕሎን ክትገብሮን ፍቓደኛ ዲኻ ? ከምዚ እንተገይርካ ንድሕነትካ ኢዩ ።

22, 23. ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኣብ ናብራና እንተኣውዒልናዮ ከመይ ዝበለ በረኸታት ኢና እንዓጽድ ?

22 ኣብ ርእሲኡውን : ነቲ ጥዑይ ትምሀርቲ ኣብ ናብራና እንተኣውዒልናዮ ንሕጂ ሓደ ፍሉይ መሰል የምጽኣልና ንዝመጽእ ድማ ዘሐጉስ ተስፋ ይህልወና ። በጃኹም ንቲቶስ 2 : 13, 14 ኣንብብዋ ። እወ ብርግጽ : ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኣብ ናብራና እንተኣውዒናዮ : ካብዛ ብልሽውትን ናብ ሞት ትኸይድ ዘላ ዓለምን ከም ንጹሃት ህዝቢ ኰይንና ክንፍለ ኢና ። ቃላት ጳውሎስ ምስቲ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ኣብ ከረን ሲናይ ክምዕዶም ከሎ ዝበሎ ይመሳሰል : ከምዚ ዝብል :- “ንውዳሴን ንስምን ንኽብርን ከኣ ልዕሊ ኹሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ : ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን : እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ ።” — ዘዳግም 26 : 18, 19

23 ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኣብ ናብራና ብምውዓል ነቲ ረኺብናዮ ዘሎና : ጽሩያት ህዝቢ የሆዋ ናይ ምዃን መሰል: ኣኽቢርና እንርእዮ ይግበረና ! ንኹሉ ዓይነት ዘይኣምላኻዊ ነገራትን ዓለማዊ ትምኒትን ካባኻ ንኸተርሕቖ ኩሉ ግዜ ንቑሕ ኩን : ከምኡ ብምግባርካ ድማ ንጹህን ነቲ የሆዋ ባዕሉ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ዓቢ ዕዮ ክጥቀመልካን እትበቅዕ ኰይንካ ክረኽበካ ኢዩ ። — ቈሎሴ 1 : 10

ትዝክርዎዶ ?

◻ ኣምልኾ ንኹሉ ዝጠቅምስ ስለምንታይ ኢዩ ?

◻ ኣረጋውያን ክርስትያን ሰብኡትን አንስትን ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኣብ ናብራኦም ከውዕልዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዩም ?

◻ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት ሰብኡትን ኣንስትን ከመይ ዝበለ ጥዑይ ትምህርቲ ኢዩ ዝሃቦም ?

◻ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኣብ ናብራና እንተኣውዒልናዮ ከመይ ዝበለ መሰልን በረኸትን ኢዩ ክህልወና ዝኽእል ?

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ብዙሓት ነቲ ኣብ ቲቶስ 2 : 2 – 4 ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኣለዉ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ