ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ኣብ ስልጣናት እንታይ ኢዩ ?
“ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን ።” — ሮሜ 13:1
1. የሆዋ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኢዩ ዝበሃል ስለምንታይ ኢዩ ?
ስልጣን ምስ ፈጣሪነት ዝተኣሳሰረ ኢዩ ። እቲ ንኹሉ ፍጥረት : ህይወት ዘለዎን ህይወት ዘይብሉን ዝገበረ ወይ ህላዌ ዝሃበ እቲ ልዑል የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ። ንሱ ሓበል ዘይብሃሎ ልዑል በዓል ስልጣን ኢዩ ። ሓቀኛታት ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ናይቶም ሰማያውያን ፍጡራት ዝመሰለ ስምዒት ኢዩ ዘለዎም : ከምዚ ኸኣ ይብሉ :- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ : ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ : ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ ።” — ራእይ 4 : 11
2. እቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ደቅሰብ ክገዝኡ ባህርያዊ መሰል ከም ዘይነበሮም ከመይ ገይሮም ኢዮም ኣፍልጦ ዝሃቡ ? የሱስከ ንጶንጢዮስ ጲላጦስ እንታይ ኢዩ ዝበሎ ?
2 እቶም ብዙሓት ቀዳሞት ሰብኣውያን ገዛእቲ : ንገዛእ ርእሶም ኣምላኽ ገይሮም ምቑጻሮም ወይ ወኪላት ናይ ሓደ ጣኦታዊ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ ገይሮም ብምሕሳብ ንስልጣኖም ሕጋዊ ክገብርዎ ምፍታኖም : ማንም ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ክገዝእ ባህርያዊ መሰል ከም ዘይብሉ ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣፍጦ ምሃቦም ዝሕብር ኢዩ ።a (ኤርምያስ 10 : 23) እቲ እንኮ ሕጋዊ ምንጪ ናይ ስልጣን የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ። ክርስቶስ ንጶንጥዮስ ጲላጦስ እቲ ሮማዊ ገዛኢ ናይ ይሁዳ “ካብ ላዕሊ እንተዘይወሃበካስ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ” ኢሉ ነገሮ ። — ዮሃንስ 19 : 11
“ብኣምላኽ ዘይኮነስ ስልጣን የልቦን”
3. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም “ዝለዓሉ ሰበስልጣናት” እንታይ በለ ? እተን ናይ የሱስን ጳውሎስን ቃላትከ እንታይ ዝብል ሕቶ እየን ዘልዕላ ?
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሃጸያዊት ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ :- “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን : እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ : ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ ።” (ሮሜ 13 : 1) የሱስ ንጲላጦስ ስልጣንካ “ካብ ላዕሊ” ኢዩ ተዋሂቡካ ክብሎ ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ ? በየናይ መገዲኸ ኢዩ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ፖለቲካውያን ሰበ ስልጣናት ኣብ ቦትኦም ብኣምላኽ ከም ዝተሰርዑ ገይሩ ዝተዛረበሎም ? ንነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ የሆዋ ኢዩ ባዕሉ ዝሸሞ ማለቶም ድዩ ነይሩ ?
4. የሱስን ጳውሎስን ንሰይጣን እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝጸውዕዎ ? እንታይ ብሰይጣን ንዝተባህለሉኸ ኢዩ የሱስ ኣሉታ ዘይሃበሉ ?
4 የሱስ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ካብ ዝብሎ ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝብል ምልክት ካብ ለጠፈሉ : እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ? (ዮሃንስ 12 : 31 ፣ 16 : 11 ፣ 2 ቈረንቶስ 4 : 4) ብተወሳኺ ሰይጣን ንየሱስ ክፍትኖ ኸሎ እዚ ስልጣን እዚ ንዓይ ተዋሂቡኒ ኢዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ “መንግስትታት ኵላ ዓለም” “ስልጣን4” ክሕዝ ወፈየሉ ። የሱስ ነቲ ወፈያ ነጺግዎ ኢዩ : እንተኾነ ግን ነዚ ወፈያ እዚ ናይ ምሃብ ስልጣን ናይ ሰይጣን ምዃኑ ኣሉታ ኣይሃበሉን ። — ሉቃስ 4 : 5 – 8
5. (ሀ) ነቲ የሱስን ጳውሎስን ብዛዕባ ሰብኣዊ ስልጣን ኣመልኪቶም ዝተዛረብዎ ቃላት ከመይ ገይርና ኢና ኽንርድኦ ዘሎና ? (ለ) በየናይ መገዲ ኢዮም እቶም ሰበስልጣናት ኣብ ቦትኦም “ብኣምላኽ ዝተሰርዑ” ዝበሃሉ ?
5 የሆዋ ንሰይጣን ብድሕሪ ዕልወቱን ንኣዳምን ሄዋንን ፈቲኑ ኣንጻር ልዕልንኡ ከም ዝዓልዉ ድሕሪ ምግባሩን ክነብር ስለ ዘፍቀደሉ ኢዩ ንግዝኣት እዛ ዓለም እዚኣ ናብኡ ዘስገሮ ። (ዘፍጥረት 3 : 1 – 6 ፣ ምስ ዘጸኣት 9 : 15, 16 ኣነጻጽሮ) ስለዚ ናይ የሱስን ናይ ጳውሎስን ቃላትሲ : እቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኤደን ንቲኦክራሲ ወይ ምምሕዳር ኣምላኽ ምስ ነጸጉ : የሆዋ ነቶም ዝተነጸሉ ደቅሰብ ብኣገባብ ዘለዎ ሕብረተሰብ ተጠርኖፎም መታን ክነብሩ ናይ ስልጣን መዋቕራት ክፈጥሩ ከም ዘፍቀደሎም ዘረድኣ ኢየን ። ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ የሆዋ ዕላምኡ ምእንቲ ክፍጸም ንገለ ገዛእቲ ወይ መንግስታት ከም ዝወድቁ ገይሮዎም ኢዩ ። (ዳንኤል 2 : 19 – 21) ነቶም ካልኦት ከኣ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ኣፍቀደሎም ። ብዛዕባቶም የሆዋ ንህላዌኦም ተጻዊርዎ ዘሎ ገዛእቲ “ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም” ክበሃል ይከኣል ኢዩ ።
ቀዳሞት ክርስትያናትን ናይ ሮሜ ሰበስልጣናትን
6. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቶም ናይ ሮማ ሰበስልጣናት ከመይ ገይሮም ይምልከትዎም ነበሩ ? ስለምንታይከ ?
6 እቶም ቀዳሞት ከርስትያናት ምስቶም ውዲት ገይሮም ኣንጻር እቶም ንእስራኤል ሒዞማ ዝነበሩ ሮማውያን ዝተዋግኡ ናይ ኣይሁድ ኣንቆራ ሓይልታት ኣይተጸንበሩን ። እቶም ናይ ሮማ ሰበ ስልጣናት : ምስቲ ኵሉ ሕግታቶምን ኣገባባቶምን ኣብ መሬትን ባሕርን ሰላም ክሳዕ ዝዓቀቡ : ብዙሕ ጠቓሚ ዝኾነ መስመራት ናይ ማይን ጽርግያትትን ድልድላትን ክሳዕ ዝሃነጹ : ብሓፈሻ ድማ ንናይ ሓባር ብልጽግና ክሳዕ ዝዓየዩ : ክርስትያናት “ንሰናዮም” ኢሎም ዝተዓጥቁ “ኣገልገልቲ ኣምላኽ” ገይሮም ይግምትዎም ነበሩ ። (ሮሜ 13 : 3, 4) ሕግን ስርዓትን ነቶም ክርስትያናት ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ነቲ ብስራት ኣርሒቖምን ኣግፊሖምን ክሰብክዎ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ ። (ማቴዎስ 28 : 19, 20) ሽሕኳ ገለ ካብቲ ገንዘብ አብቲ ኣምላኽ ዘይሰምሮ ዕላማታት ይውዕል እንተነበረ : ነቲ ብሮማውያን ዝተሰለዓሎም ግብሪ ብሰናይ ሕልና ይኸፍልዎ ነበሩ ። — ሮሜ 13 : 5 – 7
7, 8. (ሀ) ንሮሜ 13 : 1 – 7 ተጠንቂቕና እንተደኣ ኣንቢብናያ እንታይ ኢና እንርዳእ ? እቲ ኣከባቢ ናይቲ ጽሑፋትከ እንታይ ትርጉም ኢዩ ዘመልክት ? (ለ) እቶም ናይ ሮማ ሰበስልጣናት ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ከም “ኣገልጋሊ ኣምላኽ” ኰይኖም ምዕያይ ዘቋረጹ ? ኣብዚ ጉዳይ’ዚኸ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዮም ዝሓዙ ?
7 ነተን ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 13 ዘለዋ ቀዳሞት ሾብዓተ ጥቕስታት ተጠንቂቕና እንተደኣ ኣንቢብናየን : እቶም ፖለቲካውያን ‘ዝለዓሉ ሰበስልጣናት’ ነቶም ሰናይ ዝገብሩ ዝንእዱ ነቶም እከይ ዝገብሩ ኸኣ ዝቐጽዑ “ኣገልጋሊ ኣምላኽ” ከም ዝነበሩ ይገልጸልና ። እቲ ኣከባቢ ናይቲ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ : ኣብ መንጐ እቲ ሰናይን እከይን ዘሎ ፍልልይ ዝውስኖ ኣምላኽ ደኣ’ምበር እቶም ዝለዓሉ ሰብ ስልጣናት አይኰኑን ። ስለዚ ኸኣ እቲ ሮማዊ ሃጸይ ወይ ከኣ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ በዓል ስልጣን ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ነገራት ይገበረለይ ኢሉ ምስ ዝሓትት ወይውን ብግምጣሉ : ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ክግበር የብሉን ኢሉ ምስ ዝቃወም ደጊም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኮይኑ ኣይዓየየን ማለት ኢዩ ። የሱስ “ናይ ቄሳር : ንቄሳር : ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሃቡ” ኢዩ ዝበለ ። (ማቴዎስ 22 : 21) በዚ ምኽንያትዚ ኸኣ መንግስቲ ሮሜ ነቲ ንኣምላኽ ዝግብኦ ነገራት ከም ኣምልኾ ወይ ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ዝኣመሰሉ ነገራት ምስ እትሓትት ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝብል ሃዋርያዊ ምኽሪ ኢዮም ዝስዕቡ ዝነበሩ ። — ግብሪ ሃዋርያት 5 : 29
8 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾ ናይ ሃጸይን ኣምልኾ ጣኦትን ከይካፈሉ ብምእባዮምን ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዘይ ምሕዳጎምን ብስራት ምስባኽ ጠጠው ብዘይምባሎምን ስደት ኣምጽኣሎም ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብትእዛዝ ናይ ሃጸይ ኔሮ ከም ዝተቐንጸለ ኢዩ ዝእመን ። ካልኦት ሃጸያትውን ከም በዓል ዶሚሽያን : ማርኩስ ኣውረሉስ : ሰፕቲሙስ : ሰቨሩስ : ደስዩስን ዳዮክለሽያንን ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት የሳጕግዎም ነይሮም ኢዮም ። እዞም ሃጸያት እዚኣቶምን እቶም ብትሕቲኦም ዝነበሩ ሰበስልጣናትን ንክርስትያናት ከሳጉግዎም ከለዉ ብርግጽ ከም “ኣገልጋሊ ኣምላኽ” ኰይኖም ኣይኮኑን ዝዓዩ ነይሮም ።
9. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ፖለቲካውያን ዝለዓሉ ሰበ ስልጣናት እንታይ ኢዩ ኵሉ ሳዕ ሓቂ ኰይኑ ዝተርፍ ? እቲ ፖለቲካዊ ኣራዊትከ ሓይልን ስልጣንን ካብ መን ኢዩ ዝቕበል ? (ለ) ብዛዕባ ናይ ክርስትያናት ንሰበ ስልጣን ምግዛእ እምበኣር እንታይ ኣብ ዝብል መደምደምታ ኢና ክንበጽሕ እንኽእል ?
9 እዚ ኹሉ ዝረኣናዮ : እቶም ፖለቲካውያን ዝለዓሉ ሰበስልጣናት ብፍሉይ መዳያት ኣብቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ምርግጋእ ወይ ስርዓት ምእንቲ ክዕቀብ ከም “ስርዓት ኣምላኽ” ኰይኖምኳ ዘገልግሉ እንተኾኑ ክፍሊ ናይቲ ሰይጣን ዝኣምላኹ ዓለማዊ ኣገባብ ኮይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ ። (1 ዮሃንስ 5 : 19) ኣካል ናይቲ ኣብ ራእይ 13 : 1, 2 ብኣራዊት ተመሲሉ ዘሎ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ማሕበር ኢዮም ። እቲ ኣራዊት እቲ ሓይሉን ስልጣኑን ካብቲ “ዓብዩ ገበል” ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ ዝወሰዶ ። (ራእይ 12 : 9) በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር እቲ ክርስትያናት ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰበ ስልጣናት ዝግዝእዎ ምግዛእ ውሱን ደኣምበር ደረት ዘይብሉ ኣይኮነን ። — ምስ ዳንኤል 3 : 16 – 18 ኣነጻጽሮ ።
ንሰበስልጣናት ግቡእ ኣኽብሮት ምሃብ
10, 11. (ሀ) ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰብኡት ክብሪ ከነርእዮም ከም ዘሎና ጳውሎስ ከመይ ገይሩ ኣርኣየ ? (ለ) ብኸመይን ስለምንታይን ኢዩ “ስለ ነገስታትን ስለ ኹሎም መኳንንትን” ጸሎት ክግብር ዝኽእል ?
10 እንተኾን ግን እዚ ክበሃል ከሎ ክርስትያናት : ኣብ ልዕሊ እቶም ዝለዓሉ ፖለቲካውያን ሰበስልጣናት ደረቐኛን እምቢተኛን ኣቕዋም ከንጸባርቑ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን ። ሓቂ ኢዩ : ብዙሓት ካብዞም ሰባት እዚኣቶም በቲ ኣብ ብሕታዊ ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዘርእይዎ ጠባያት ንኽብረት ዝበቕዑ ኣይኮኑን ። ይኹን እምበር ሃዋርያት ብዘርኣይዎ ኣብነት ይኹን ብዝሃብዎ ምኽሪ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰብኡት ብኣኽብሮት ክጥመቱ ከም ዘለዎም ኣርእዮም ኢዮም ። ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስ ቀረባ ዘመዱ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ካልኣይ : ክቐርብ ከሎ : ምስኡ ብኣኽብሮት ተዘራረበ ። — ግብሪ ሃዋርያት 26 : 2, 3, 25
11 ጳውሎስ ንዓለማውያን ሰበስልጣን ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ግቡእ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ ኣሎ : እዚ ብሕልፊ’ኳ ብዛዕባ ህይወትናን ክርስትያናዊ ንጥፈታትናን ዝምልከት ውሳኔ ክገብሩ ጥርዓን ምስ እነቕርበሎም ኢዩ ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “እምብኣርከ ስለ ኹሉ ሰብ : ብኹሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብረሲ : ስለ ነገስታትን ስለ ኹሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር : ቅድሚ ኹሉ እምዕድ ኣሎኹ ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ኹሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን ኢዩ ።” (1 ጢሞቴዎስ 2 : 1 – 4) ኣብዞም ሰበስልጣናት ኣኽብሮት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ምህላው ነቲ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን” ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ : ብዝያዳ ናጻ ኴንና ክንዓዮ ከፍቅዱልና ክድርኾም ይኽእል ኢዩ ።
12, 13. (ሀ) ጴጥሮስ ብዛዕባ ሰልጣን እንታይ ሚዛናዊ ዝኾነ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ ? (ለ) ‘ንዕሽነት እቶም’ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽልኢ ዝፈጥሩ “ዘይፈልጡ ሰባት” ከመይ ጌርና ኢና ክንዓብሶ እንኸእል ?
12 ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም : ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ : ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ : ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ኹሉ ዘሎ ንጉስ : ወይስ ነቶም : ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ : ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ : ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ : ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ ። ከም ውጹኣት ሓራ : ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር : ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ክፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ ። ንኹሉ ሰብ ኣኽብሩ : ሕውነት ኣፍቅሩ : ንኣምላኽ ፍርህዎ : ንንጉስ ኣኽብርዎ ።” (1 ጴጥሮስ 2 : 13 – 17) ንኣምላኽ ከም ባሮቱ መጠን ምሉእ ተገዛእነት ከነቕርበሉ : ነቶም ንገበርቲ እከይ ክቐጽዑ ዝተላእኩ ፖለቲካውያን ሰበስልጣናት ከኣ ምጡንን ኣኽብሮት ዘለዎን ተገዛእነት ከተቕርብ ኣየወ እዝስ ሚዛኑ ዝሓለወ ምኽሪዶ ኣይኮነን !
13 ብዙሓት ዓለማውያን ሰበስልጣናት : ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግጉይ ኣመለኻኽታ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ ኣሎ ። እዚ ኸአ መብዝሕትኡ ግዜ እቶም ተንኮለኛታት ዝኾኑ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብዝቐረበሎም ግጉይ ሓበሬታ ምኽንያት ኢዩ ። ወይውን ኵሉ እቲ ብዛዕባና ዝፈልጥዎ ካብ መራኸቢ ብዙሓት ብዝረኸብዎ ሓበሬታ ኢዩ : ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣድልዎ ዘለዎም ኢዩም ። ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ግጉይ ኣመለኻኽታ እዚ በቲ ኣኽብሮት ዝመልኦ ኣቕዋምና ጌርና ክንብቶኖ ንኽእል ኢና ። እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ነቶም ሰበስልጣናት ብዛዕባ ዕዮን እምነትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትኽክል ዝኾነ መግለጺ ክንህቦም ንኽእል ኢና ። ነቶም ብዕዮ ትሑዛት ዝኾኑ ሰብ መዚ እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ትበሃል ብሮሹር ንጹርን ሓጺርን መግለጺ ክትህቦም ትኽእል ኢያ ። ምሉእ ሓበሬታ እንተደኣ ደልዮም ከኣ : እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር : ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ትበሃል መጽሓፍ ክዕደሉ ይኽእሉ ኢዮም ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ዞባውን ሃገራውን ህዝባዊ ኣብያተ መጻሕፍቲ ሰፊራ ክትርከብ ዝግብኣ ብልጽቲ መሳርያ ኢያ ።
ኣብ ውሽጢ ክርስትያን ስድራቤት ዘሎ ስልጣን
14, 15. (ሀ) ኣብ ውሽጢ እታ ክርስትያን ስድራቤት በየናይ መሰረት ኢዩ ስልጣን ዝህሉ ? (ለ) ክርስትያናት ኣንስቲ ኣብ ሰብኡተን ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወን ዘለዎ ? ስለምንታይከ ?
14 ክርስትያናት ንዓለማውያን ሰበስልጣን ዝግብኦም ክብሪ ከርእዩ ብኣምላኽ ዝሕተቱ ካብ ኰኑ ነቲ ብኣምላኽ ዝቖመ ኣብ ክርስትያን ስድራቤታት ዘሎ ናይ ስልጣን መዋቕርውን ብተመሳሳሊ ክእዘዝዎ ከም ዝግባእ ዘተሓታትት ኣይኮነን ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ገይሩ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ናይ ርእስነት ስርዓት ገሊጽዎ ኣሎ ። ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ : ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ : ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝኾነ : ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ ።” (1 ቈረንቶስ 11 : 3) እዚ ኢዩ ናይ ቲኦክራሲ ወይ ኣምላኻዊ ምምሕዳር ስርዓት ። እዚኸ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ ?
15 ንቲኦክራሲ ምኽባር ካብ ገዛኻ ኢዩ ዝጅምር ። ሓንቲ ክርስትያን በዓልቲ እንዳ ንስልጣን ናይ በዓል እንደኣ : ኣማኒ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ግቡእ ኣኽብሮት ዘይትህብ እንተደኣ ኾይና ቲኦከራቲካዊት ኣይኮነትን ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ከምዚ ኢሉ መኸሮም :- “ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝኾነ : ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ : ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ ኢዩ እሞ : ኣትን ኣንስቲ : ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም ። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ : ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብኹሉ ይተኣዘዛኦም ።” (ኤፌሶን 5 : 21 – 24) ልክዕ ከምቲ ክርስትያናት ሰብኡት ንርእስነት ናይ ክርስቶስ ክግዝኡ ዘለዎም : ክርስትያናት ኣንስቲውን ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበ ስልጣን ናይ ሰብኡት ምግዛእ ጥበብ ምዃኑ ከስተብህላ ይግባእ ። እዚ ዓሚቍ ውሽጣዊ ዕግበት ብዘዓበየ ኸኣ በረኸት የሆዋ ዘምጽኣለን ኢዩ ።
16, 17. (ሀ) ኣብ ክርስትያን ስድራቤታት ዝዓበዩ ውሉዳት ሎሚ ከመይ ኢሎም ኢዮም ካብ ብዙሓት መንእሰያት ክፍለዩ ዝኽእሉ ? እንታይ መተባብዒኸ ኢዩ ዘለዎም ? (ለ) የሱስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ከመይ ኢሉ ኢዩ ብሉጽ ኣብነት ዝኾኖም ? እንታይ ንኽገብሩ ኢዮምከ ዝተባብዑ ?
16 ቲኦክራቲካውያን ውሉዳት ንወለዶም ግቡእ ኣኽብሮት ከርእዩ ሕጉሳት ኢዮም ። ብዛዕባ እዞም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ መንእሰይ ወለዶ “ንወለዶም ዘይእዘዙ” ከም ዝኾኑ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 1, 2) ንክርስትያናት ውሉዳት ግን እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብሎም :- “ኣቱም ውሉድ : እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ : ንወለድኹም ብኹሉ ተኣዘዝዎም ።” (ቈሎሴ 3 : 20) ንስልጣን ወለዲ ምኽባር ንየሆዋ የሐጕሶ : ካብኡ ድማ በረኸት ትረክብ ።
17 እዚ ብኣብነት ናይ የሱስ ተገሊጹ ኣሎ ። እቲ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል :- “ምሳታቶም [ምስ ወለዱ] ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ : ይእዘዞምውን ነበረ ። የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዐበየ ።” (ሉቃስ 2 : 51, 52) የሱስ አብቲ ግዜ እቲ ወዲ 12 ዓመት ኢዩ ነይሩ : እታ ናይ ግሪኽ ግሲ ድማ ነታ ‘ይእዘዞም ነበረ’ እትብል ንወለዱ “ብዘይምቍራጽ ይግዝኦም” ከም ዝነበረ ኢያ ኣድሚቓ ተዛሪባትሉ ዘላ ። ስለዚ ንወለዱ ምግዝኡ ኣብቲ ናይ ኰተቴ ዕድመ ምስ ኣተወ ኣየብቅዐን ። ንስኻትኩም ኣቱም መንእሰያትውን ብመንፈሳውነት ክትምዕብሉን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትን ከኣ ጸጋ ወይ ሞጎስ ክትረኽቡ እንተደኣ ደሊኹም ኣብ ውሽጢ ስድራቤትኩምን ካብኡ ወጻእን ንስልጣን ኣኽብሮት ከተርእዩ ኢኹም ።
ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዘሎ ስልጣን
18. ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ርእሲ መን ኢዩ ? ንመን ኢዩኸ ስልጣኑ ኣወኪሉ ዘሎ ?
18 ኣብ ውሽጢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስርዓት ከም ዘድሊ ክዛረብ ከሎ ጳውሎስ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር : ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን ። ግናኸ ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ ። (1 ቈረንቶስ 14 : 33, 40) ኵሉ ነገር ጥጡሕ ኰይኑ ብስርዓት ምእንቲ ክጐዓዝ እቲ ርእሲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝኾነ ክርስቶስ ንእሙናት ሰብኡት ስልጣን ሂብዎም ኣሎ ። ከምዚ ነንብብ :- “እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ከርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪኾኑ ኢሉ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን : ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪኾኑ ሃበ ። ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዐብና : ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ ።” — ኤፌሶን 4 : 11, 12, 15
19. (ሀ) ክርስቶስ ንመን ኢዩ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ምድራዊ ጥሪቱ ሸይምዎ ዘሎ ? ንመንከ ኢዩ ፍሉይ ስልጣን ዝዓደሎ ? (ለ) ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ናይ ሰልጣን ውክልና ኢዩ ዘሎ ? እዚኸ ብወገንና እንታይ ክንገብር ዝሓተና ኢዩ ?
19 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኸኣ ክርስቶስ ነቲ ጉጅለ ናይቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣብ ልዕሊ “ኵሉ ገንዘቡ” ወይ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ረብሓታት ሸይምዎ ኣሎ ። (ማቴዎስ 24 : 45 – 47) ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን እዚ ባርያ እዚ ብቕቡኣት ክርስትያናት ሰብኡት ዝቖመ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝተወከለ ኢዩ ። ነዞም ሰብኡት እዚኣቶም ድማ ክርስቶስ ውሳኔታት ከሕልፉን ካልኦት ተዓዘብቲ ክሸሙን ስልጣን ሂብዎም ኢዩ ። (ግብሪ ሃዋርያት 6 : 2, 3 ፣ 15 : 2) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ብግዲኡ ንጨንፈር ኮሚቴታት : ንናይ ኣውራጃን ወረዳን ተዓዘብቲ ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ካብ 73, 000 ዝበዝሓ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘለዉ ሽማግለታትን ስልጣን ወኪሉ ኣሎ ። ኵሎም እዞም ውፉያት ክርስትያን ሰብኡት ደገፍናን ኣኽብሮትናን ይግብኦም ኢዩ ። — 1 ጢሞቴዎስ 5 : 17
20. የሆዋ በቶም ስልጣን ንዘለዎም ክርስትያናት ብጾት ዘየኽብሩ ሰባት ከም ዝጕሂ እንታይ ኣብነት ኣሎና ?
20 ነቶም ኣብ ውሽጢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስልጣን ዘለዎም ክብሪ ክንህብ ግቡእና ምዃኑ ብዝምልከት ምስቲ ንዓለማውያን ሰብ ስልጣን ክንግዛእ ዘሎና ግዴታ ብጽቡቕ ክነጻጸር ይኽእል ኢዩ ። ሓደ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ዝሰመሮ ሰብኣዊ ሕጊ ክጥሕስ ከሎ : እቲ በቶም “ገዛእቲ” ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ መቕጻዕቲ ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣብ ልዕሊ እቲ “ገባር እከይ” ሰብ ዝግለጽ ቍጥዓ ኣምላኽ ኢዩ ። (ሮሜ 13 : 3, 4) ሓደ ሰብ ንሰብኣዊ ሕግታት ብምጥሓሱን ንዓለማውያን ሰበስልጣን ግቡእ ኣኽብሮት ብዘይምሃቡን የሆዋ ዝቑጣዕ እንተደኣ ኾይኑ ደኣ : ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘስተናዕቕን ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብጾቱ ክርስትያናት ድማ ዘየኽብር እንተኾይኑ ክሳዕ ክንደይ ጓሂ ዘይስምዖ !
21. እንታይ ጽሑፋዊ ምኽሪ እንተሰዓብና ኢና ሕጉሳት እንኸውን ? ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ክንምርምር ?
21 ዓለወኛታት ብምዃን ወይ ባዕለይ እፈልጥ ዝብል ኣረኣእያ ብምሓዝ ኣብ ርእስና ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ነውርድ : ነቲ ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ምኽሪ ክንስዕብ ኢና :- “ደጊም : ኣቱም ፍቍራተይ : እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ : አባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ : ከየሎኹ ግዳ እቲ ዝበዝሕ እምበር : ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ : ከምቲ ኹሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም : ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ ። . . . ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም : ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እተብርሁ : ምእንቲ ኽትኰኑ : ንኹሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይ ውልውልን ግበርዎ ።” (ፊልጲ 2 : 12 – 15) ከምዚ ሎሚ ኣብ ገዛእ ርእሱ ናይ ስልጣን ቅልውላው ኣውሪዱ ዘሎ ቄናንን ጠዋይን ወለዶ ዘይኮነስ ህዝቢ የሆዋ ንስልጣናት ክግዝኡ ድልዋት ኢዮም ። ስለዚ ኸኣ : ከምዚ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንርእዮ ዘሎና : ዓቢ ረብሓታት ኢዮም ዝሓፍሱ ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ተመልከት
ብድግማ መልክዕ
◻ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን መን ኢዩ ? ስለምንታይከ ኢዩ ስልጣኑ ሕጋዊ ዝኸውን ?
◻ በየናይ መገዲ ኢዩ እቶም ሰበስልጣናት ኣብ ቦትኦም “ብኣምላኽ ዝተሰርዑ” ዝበሃሉ ?
◻ እቶም ዝለዓሉ ሰበ ስልጣናት “ኣገልጋሊ ኣምላኽ” ካብ ምዃን ዘቋርጹ መዓስ ኢዮም ?
◻ ኣብ ክርስትያን ስድራቤታት ከመይ ዝበለ ናይ ስልጣን መዋቕር ኢዩ ዘሎ ?
◻ ኣብታ ክርስትያናዊ ጉባኤ እንታይ ናይ ስልጣን ውክልና ኢዩ ዘሎ ?
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር : ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በለ