ኣብ ትሕቲ ስልጣን ብሓጐስ ንገዛእ
“ኻብ ልቢ [ተኣዘዝኩም ]።” — ሮሜ 6:17
1, 2. (ሀ) ሎሚ ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢዩ ዘሎ? ምንጩኸ እንታይ ኢዩ? እንታይ ሳዕቤንከ ኣለዎ? (ለ) ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ፍሉያት ምዃኖም ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ?
ሎሚ እቲ ‘ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዝዓዪ ዘሎ መንፈስ’ ብዘሰንብድ ኣገባብ ተጋሂዱ ይርአ አሎ። እዚ ድማ ካብቲ “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ዝኾነ ሰይጣን ዝምንጭ ዘሎ መንፈስ ናይ ልጓም ዘይብሉ ፋሉልነት ኢዩ። እዚ መንፈስ እዚ: ማለት እዚ “ኣየር” ወይ ዓብላሊ ኣረኣእያ ናይ ስስዐን ዘይተኣዛዝነትን ኣብ ልዕሊ ዝበዝሑ ደቅሰብ “ስልጣን” ወይ ሓይሊ የርኢ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ዓለም ናይ ስልጣን ቅልውላው የጋጥማ ኣሎ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ኢዩ። — ኤፌሶን 2:2
2 ሰናይ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን: ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ሎሚ ነቲ መንፈሳዊ ሳናብኦም በዚ ዝተበከለ “ኣየር” ወይ መንፈስ ዕልወት ኣይመልእዎን ኢዮም ዘለዉ። ‘ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ከም ዝወርድ’ ይፈልጡ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ወሲኹ “እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሀሉኹም” ይብል። (ኤፌሶን 5:6, 7) ኣብ ክንድኡስ ሓቀኛታት ክርስትያናት ብመንፈስ የሆዋ ክመልኡ ኢዮም ዝጽዕሩ: ከምኡውን ነታ “ንጽህቲ . . . ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ [እዝዝቲ ትሓዓ]” ዝኾነት “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኢዮም ዝሰትዩ። — ኤፌሶን 5:17, 18፣ ያእቆብ 3:17
ንልዕልነት የሆዋ ብፍታው ምግዛእ
3. መፍትሕ ናይ ብፍታው ምግዛእ እንታይ ኢዩ? ታሪኽከ እንታይ ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ ዝምህረና?
3 ፈቲኻ ምግዛእ ክርከብ ዝኽእል ንሕጋዊ ስልጣን ኣፍልጦ ምሃብ እንተደኣ ኣልዩ ኢዩ። ንልዕልነት የሆዋ ምንጻግ ሓጐስ ከም ዘየምጽእ ናይ ደቂ ሰብ ታሪኽ የርእየና ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምንጻግ ንኣዳምን ሄዋንን ይኹን ነቲ ናይ ዕልወቶም ቀስቃሲ ዝኾነ ሰይጣን ድያብሎስ ሓጐስ ከምጽእ አይከኣለን። (ዘፍጥረት 3:16–19) ሰይጣን ኣብዚ ተዋሪዱሉ ዘሎ ኵነታት ግዜኡ ሓጺር ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ “ብርቱዕ ቍጥዓ” ኢዩ ዘለዎ። (ራእይ 12:12) ሰላምን ሓጐስን ደቅሰብ እወ ናይ ብምሉኡ አድማስ ሰላምን ሓጐስን ነቲ ጻድቕ ልዕልነት የሆዋ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝተመክሐ ኢዩ። — መዝሙር 103:19–22
4. (ሀ) የሆዋ ኣገልገልቱ እንታይ ዓይነት ተገዛእነትን ምእዛዝን ከርእዩ ኢዩ ዝደልዮም? (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንትኣማመን እንኽእል? እቲ ዘማራይከ ነዚ ከመይ ገይሩ ይገልጾ?
4 ይኹንእምበር: የሆዋ ብምኽንያት እቲ ብዘደንቕ ኣገባብ ዝተመዛዘነ ባህርያቱ ምዉቕ ስምዒት ዘይብሉ ተኣዛዝነት ኣየሐጕሶን ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ሓያል ኢዩ: ግን ጨቋኒ ኸኣ አይኮነን። ንሱ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ: መስተውዓልቲ ፍጥረታቱ ከኣ ብፍቕሪ ተደሪኾም ብፍታው ክእዘዝዎ ኢዩ ዝደሊ። ንልዕልነቱ ክግዝኡ ዝደልዮም: ካብ ንዕኡ ንዘለኣለም ምግዛእ ዝበልጽ ካልእ ከም ዘይብሎም ተረዲኦም ብምሉእ ልቦም ኣብ ትሕቲ እቲ ጽድቃውን ሕጋውን ስልጣኑ ክኾኑ ብምምራጽ ክገብርዎ ኸለዉ ኢዩ። እቲ የሆዋ ኣብ ኣድማሱ ዝደልዮ ሰብ ከምቲ ናይቲ ዘማራይ ዝመሰለ ስምዒታት ዘለዎ ኢዩ: ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ነዒንቲ የብርሄን። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ንዘለኣለም ይነብር። ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ: ብዘሎውን ጻድቕ እዩ።” (መዝሙር 19:7–9) ኣብታ ናይ የሆዋ ሓዳስ ዓለም ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ኴንና: እቲ ናይ የሆዋ ልዕልነት ቅንዕናን ጽድቅን ከም ዘለዎ ዘየወላውል እምነት ክህልወና የድሊ።
ተሓጒስና ንንጉስና ንገዛእ
5. የሱስ በቲ ዘርኣዩ ምእዛዝ እንታይ ዓስቢ ረኸበ? ንሕናኸ ንምንታይ ኢና ፈቲና ኣፍልጦ እንህበሉ?
5 ክርስቶስ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ብምግዛእ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ዝኾነና። “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል [ዕጨይቲ ስቓይ ትሓዓ] እኳ ደኣ ተኣዘዘ” ዝብል ኢና እነንብብ። ጳውሎስ ወሲኹ “ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኹሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ኹሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።” (ፊልጲ 2:8–11) እወ ኣብ ቅድሚ እቲ መራሒናን ዝገዝእ ዘሎ ንጉስናን ክርስቶስ የሱስ ተሓጒስና ኢና እንምብርከኽ። — ማቴዎስ 23:10
6. ከመይ ኢሉ ኢዩ የሱስ ነቶም ዓሌታት ምስክርን መራሕን ኰይንዎም ዘሎ? እቲ ‘መስፍናዊ ግዝኣቱኸ’ ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝቕጽል?
6 ብዛዕባ ክርስቶስ መራሒና የሆዋ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እንሆ: ምስክር ንህዝብታት: መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ።” (ኢሳይያስ 55:4) የሱስ በቲ ምድራዊ ኣገልግሎቱን ካብ ምውታት ድሕሪ ምትንስኡ ድማ ካብ ሰማይ ነቲ ዕዮ ስብከት ብምምርሑን ንኣቦኡ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ህዝብታት “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ከም ዝኾነ ኣመስኪሩ ኢዩ። (ራእይ 3:14፣ ማቴዎስ 28:18–20) ሎሚ እዞም ዓሌታት እዚኦም በቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ክድሕኑ ዘለዎም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ “ዓቢ ጭፍራ” ኢዮም ተመሲሎም ዘለዉ። (ራእይ 7:9, 14) ይኹን እምበር ናይ የሱስ መሪሕነት ኣብኡ ኣይውዳእን ኢዩ። እቲ ‘መስፍናዊ ግዝኣቱ’ ክሳዕ ሽሕ ዓመት ክጸንሕ ኢዩ። ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ከኣ ምስቲ ስሙ ዝሕብሮ ብምስምማዕ “ግሩም መካር [መኻሪ ትሓዓ]: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም” ክኾነሎም ኢዩ። — ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ራእይ 20:6
7. ክርስቶስ የሱስ ኣብቲ “ዔላታት ማይ ህይወት” ክመርሓና እንተደኣ ደሊና ከይደንጔና እንታይ ክንገብር ይግብኣና? ብየሱስን ብየሆዋን ከም እንፍቀር ዝገብረናኸ እንታይ ኢዩ?
7 ካብቲ ክርስቶስ የሱስ እቲ ገንሸል ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ደቅሰብ ናብኡ ገጹ ዝመርሖም “ዔላታት ማይ ህይወት” ክንጥቀም ንትምነ እንተደኣ ኴንና: ከም ንጉስ መጠን ንስልጣኑ ተሓጒስና እንግዛእ ምዃንና ከይደንጔና ብተግባራትና ከነርኢ ኣሎና። (ራእይ 7:17፣ 22:1, 2፣ ምስ መዝሙር 2:12 ኣነጻጽሮ።) የሱስ ከምዚ በለ:- “እተፍቅሩኒ እንተ ኴንኩምሲ: ትእዛዛተይ ሓልዉ። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዝሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ: ኣነውን ኤፍቅሮ።” (ዮሃንስ 14:15, 21) ብየሱስን ብኣቦኡንዶ ክትፍቀር ትደሊ ኢኻ? እምብኣር ንስልጣኖም ተገዛእ።
ተዓዘብቲ ተሓጒሶም ይእዘዙ
8, 9. (ሀ) የሱስ ንምህናጽ እታ ማሕበር እንታይ ኢዩ ሂቡ ዘሎ? እዞም ሰብኡት እዚኣቶምከ በየናይ መገዲ ኢዮም ነተን መጓሰ ኣብነት ክኾንወን ዝግብኦም? (ለ) እቲ ተገዛእነት ናይቶም ተዓዘብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብኸመይ ኢዩ ተመሲሉ ዘሎ? ናይ ፍርዲ ጉዳያት ከርእዩ ከለዉኸ ‘እዙዝ ልቢ’ ምእንቲ ክህልዎም ብኸመይ ኢዮም ክጽዕሩ ዝግብኦም?
8 “እታ ማሕበር ንክርስቶስ ትእዘዞ” እያ ንሱ ኸኣ ከም ናታ ተዓዛቢ መጠን ንምህናጽ ናይታ ማሕበር ዝኾኑ “ሰብኡት ከም ውህበት” ሃበ። (ኤፌሶን 4:8, 11, 12፣ 5:24) እዞም ብመንፈስ ዝሸምገሉ ሰብኡት እዚኣቶም ነቲ “መጓሰ ኣምላኽ ክጓስይዎ”: ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናኾንዎ እምበር ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይቶት ከይኮኑ” ተነጊሮም ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 5:1–3) እተን መጓሰ ናይ የሆዋ እየን ክርስቶስ ከኣ እቲ ብሉጽ ጓሳ ኢዩ። (ዮሃንስ 10:14) እቶም ተዓዘብቲ ካብቶም የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ክጓስይወን ብሕድሪ ዝሃብዎም ኣባጊዕ ፍቓደኛ ምትሕብባር ዝጽበዩ ካብ ኰኑ ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ናይ ተገዛእነት ሰናይ ኣብነታት ክኾኑ ይግብኦም። — ግብሪ ሃዋርያት 20:28
9 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን እቶም ቅቡኣት ተዓዘብቲ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ኣብ ውሽጢ’ ወይ ‘ኣብ ልዕሊ የማናይ ኢድ’ ናይ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ኰይኖም ኢዮም ቀሪቦም ዘለዉ: እዚ ኸኣ ከም ርእሲ ናይታ ማሕበር ንእኡ ከም ዝግዝኡ ዘመልክት ኢዩ። (ራእይ 1:16, 20፣ 2:1) ሎሚውን ካብኡ ብዘይውሕድ እቶም ኣብ ውሽጢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ተዓዘብቲ: ንመሪሕነት ክርስቶስ ክግዝእዎን “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት” ክብሉን ይግባእ። (1 ጴጥሮስ 5:6) ናይ ፍርዲ ጉዳያት ክፍጽሙ ምስ ተሓቱ ከምቲ ሰሎሞን ኣብተን እሙን ዝነበረለን ዓመታት ከሎ ዝጸለዮ ናብ የሆዋ “ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ: ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ [እዙዝ ልቢ ትሓዓ] ሀቦ” ኢሎም ክጽልዩ ይግባእ። (1 ነገስት 3:9) እዙዝ ልቢ ንሓደ ሽማግለ ነቲ ጉዳይ ከምቲ የሆዋን ክርስቶስን ገይሮም ዝርእይዎ ገይሩ ንኽርእዮ ክድርኾ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ኣብ ምድሪ ዝተገብረ ውሳኔ ብዝከኣል መጠን ምስቲ ኣብ ሰማይ ዝተገብረ ውሳኔ ኢዩ ዝመሳሰል። — ማቴዎስ 18:18–20
10. ኵሎም ተዓዘብቲ እቲ የሱስ ነተን ኣባጊዕ ዝገበረለን ኣተሓሕዛ ምእንቲ ክቐድሕዎ ከመይ ገይሮም ኢዮም ክጽዕሩ ዝግብኦም?
10 ገየሽቲ ተዓዘብትን ናይ ጉባኤ ሽማግሌታትውን ንክርስቶስ በቲ ኣተሓሕዛ ናይተን ኣባጊዕ ዝገደፎ ኣብነት ክቐድሕዎ ክጽዕሩ ይግብኦም። ከምቶም ፈሪሳውያን ዘይኮነ የሱስ ንምስዓቡ ዘጸግም ማእለያ ዘይብሉ ሕግታት ብምስራዕ ተጽዕኖ ይገብር ኣይነበረን። (ማቴዎስ 23:2–11) ነቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ከምዚ በሎም:- “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኲሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴዎስ 11:28–30) ሓቂ ኢዩ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያንኳ “ናይ ገዛእ ርእሱ ጾር” ክጸውር እንተኣለዎ: እቶም ተዓዘብቲ ናይ የሱስ ኣብነት ክዝክሩን ንኣሕዋቶም ድማ እቲ ናይ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ጾሮም ‘ናይ ሕያውነትን’ “ቀሊልን” ንምሽካሙ ድማ ጥዑምን ምዃኑ ምእንቲ ክስምዖም ክሕግዝዎም የድልዮም። — ገላትያ 6:5
ቲኦከራቲካዊ ተገዛእነት
11. (ሀ) ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓደ ሰብ ንርእስነት እናኣኽበረ ኸሎ ብሓቂ ቲኦከራቲካዊ ከይከውን ዝኽእል? መብርሂ ሃብ። (ለ) ብሓቂ ቲኦክራቲካዊ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ?
11 ቲኦክራሲ: ምምሕዳር ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:3 ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ዘጠቓለለ ኢዩ። ግን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ኢዩ ዝሓትት። ሓደ ሰብ ንርእስነት ዘኽብር መሲሉ ይርአ ይኸውን። ምስናይዚ ግን ብመሰረት ትርጉም ናይታ ቃል ምሉእ ቲኦክራቲካዊ ዘይኮነ ክኸውን ይኸእል ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ከምኡ ክኸውን ይኽእል? ንመረድኢ: ደሞክራሲ ብህዝቢ ዝመሓደር መንግስቲ ማለት ኢዩ: ደሞክራስያዊ ሰብ ክበሃል ከሎ ኸኣ “ኣብ ኣተሓሳስባ ናይ ደሞከራሲ ዝኣምን ማለት ኢዩ።” ሓደ ሰብ ኣነ ደሞክራስያዊ ኢየ: ኣብ ምርጫታት እሳተፍ ኢየ: አረ ንጡፍ ፖለቲካዊ ኢየውን ይብል ይኸውን። እንተኾነ ግን ብሓፈሻዊ ጠባዩ ንመንፈስ ደሞክራስን ኹሉ እቲ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ስርዓታትን ዘስተናዕቖ እንተኮይኑ ብሓቂዶ ደሞክራስያዊ ሰብ ክበሃል ይከኣል ኢዩ? ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ ናይ ብሓቂ ቲኦክራቲካዊ ክበሃል እንተደኣ ኾይኑ: ንርእስነት ካብ ብኣፍኣዊ መገዲ ምግዛእ ንላዕሊ ክገብር ይግብኦ። ንመገድታትን ባህርያትን የሆዋ ክቐድሖ ይግባእ። ብኹሉ መገዲ ብሓቂ ብየሆዋ ዝግዛእ ክኸውን ኣለዎ። የሆዋ ንወዱ ምሉእ ስልጣን ኣልቢስዎ ካብ ኮነ ኸኣ ቲኦክራቲካዊ ምዃን ማለት ንየሱስ ምቕዳሕውን ማለት ኢዩ።
12, 13. (ሀ) ቲኦከራቲካዊ ምዃን ማለት ብፍላይ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ? (ለ) ቲኦክራቲካዊ ተገዛእነት ግድን ማእለያ ዘይብሉ ሕግታት ምእዛዝ ዘጠቓለለ ድዩ? መብርሂ ሃብ።
12 የሆዋ ብፍቕሪ ዝተደረኸ ፍቓደኛ ተገዛእነት ኢዩ ዝደሊ። ብኸምኡ ዝበለ መገዲ ገይሩ ኸኣ ኢዩ ነቲ ጠቕላላ ፍጥረቱ ዘመሓድሮ። ንሱ ብቐንዱ ፍጹም ኣርኣያ ናይ ፍቕሪ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ክርስቶስ የሱስ “ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን” ኢዩ። (እብራውያን 1:3) እቶም ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነንሓድሕዶም ክፋቐሩ ይግብኦም። (ዮሃንስ 15:17) ስለዚ ቲኦክራቲካዊ ምዃን ክበሃል ከሎ ተገዛኣይ ምዃን ማለት ጥራይ ዘይኮነስ ፈቃር ምዃን ማለትውን ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ጉዳይ ብኸምዚ ዝስዕብ ክጠቓለል ይኽእል ኢዩ:- ቲኦክራሲ ብኣምላኽ ዝመሓደር ኢዩ: ኣምላኽ ከኣ ፍቕሪ ኢዩ: ስለዚ ቲኦክራሲ: ብፍቕሪ ምምሕዳር ማለት ኢዩ።
13 ሓደ ሽማግለ: እቶም ኣሕዋት ቲኦክራቲካውያን ኮይኖም መታን ክርከቡ ኵሉ ዓይነት ሕግታት ክእዘዙ ኣለዎም ዝብል ኣተሓሳስባ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ገለ ሽማግለታት ነቲ በብግዜኡ እቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ዝህቦ ርእይቶታት: ከም ሕግታት ገይሮም ዓዮምሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45) ንመረድኢ: ሓደ ግዜ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት መታን ኣጸቢቕካ ክትፋለጦምሲ ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ጥራይ ኣብ ክንዲ ኮፍ ምባል ምቅይያር ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ርእይቶ ተዋሂቡ ነይሩ። እዚ ግን ተግባራዊ ርእይቶ ደኣምበር ዘይልወጥ ሕጊ ክኸውን ተባሂሉ ኣይኮነን ሓሳባት ዝተዋህበ። እንተኾነ ግን ገለ ሽማግሌታት ነዚ ከም ሕጊ ገይሮም ወሲዶሞ ነቶም ዘይስዕብዎ ኸኣ ከም ዘይቲኦከራቲካውያን ክቖጽርዎም ዝንባሌ ይህልዎም ይኸውን። ይኹን’ምበር ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ቦታ ኮፍ ክብል ብዙሕ ብቑዕ ምኽንያታት ይህልዎ ይኸውን። ሓደ ሽማግለ ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገራት ኣብ ግምት ዘየእትዎ እንተደኣ ኾይኑ ንሱ ንገዛእ ርእሱዶ ብሓቂ ቲኦክራቲካዊ ኢዩ? ቲኦክራቲካውያን ምእንቲ ክትኮኑ “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።” — 1 ቈረንቶስ 16:14
ብሓጐስ ምግልጋል
14, 15. (ሀ) ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓደ ሽማግለ ንገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዝርከብ ሓጐስ ከም ዝሕረሙ ክገብሮም ዝኽእል? እዚኸ ስለምንታይ ኢዩ ዘይቲኦከራቲካዊ ዝኸውን? (ለ) የሱስ ነቲ ብዝሒ ናይ ኣገልግሎትና ዘይኮነስ ነቲ ብኣገልግሎትና ዝግለጽ ፍቕሪ ብሞሳ ከም ዝርእዮ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘርኣየ? (ሐ) ሽማግለታት ኣብ ግምት ከእትዉዎ ዝግባእ እንታይ ኢዩ?
14 ቲኦክራቲካዊ ምዃን ማለት ንየሆዋ ብሓጐስ ምግልጋል ማለትውን ኢዩ። የሆዋ “ብሩኽ [ሕጉስ ትሓዓ] ኣምላኽ” ኢዩ (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ኣምለኽቱ ተሓጒሶም ከገልግልዎ ኢዩ ዝደሊ። እቶም ኣብ ሕግታት ጥብቂ ክኾኑ ዝደልዩ ሰባት: ኣብ መንጎ እቲ እስራኤል ‘ተጠንቂቖም ክሕልዉዎ’ ዝነበሮም ስርዓታት: እዚ ዝስዕብ ድማ ከም ዝነበረ ክዝክሩ ይግባእ:- “በቲ ኢድካ ዝዘርጋሕካሉ ዘበለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሓጐስ።” (ዘዳግም 12:1, 18) ዝኾነ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንዓዮ ዘበለ ሓጎስ ደኣምበር ሸኸም ክኾነና ኣይግብኦን። ተዓዘብቲ: እቶም ኣሕዋት ንየሆዋ ንምግልጋል ዝከኣሎም ዘበለ ብምግባር ክሕጎሱ ከም ዝኽእሉ ንኽገብርዎም ብዙሕ ክጽዕሩ ኣለዎም። ብኣንጻሩ ሽማግሌታት ጥንቁቓት እንተዘይኮይኖም: ንገለ ካብቶም ኣሕዋት ሓጎሶም ክዝርፍዎም ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት ነቶም ኣብቲ ዕዮ ምስክርነት ነቲ ናይ ጉባኤ ገምጋም ስዓታት ዝበጽሕዎ ወይ ዝሓለፍዎ ኣሕዋት ብምንኣድ: ብኣሽሙር ገይሮም ድማ ነቶም ክበጽሕዎ ዘይከኣሉ: ዝወቕስዎም እንተደኣ ኾይኖም እቶም ኣዝዩ ሒደት ጸብጻብ ከምጽኡ ብቑዕ ምኽንያት ዝነበሮም ደኣ ከመይ ክስመዖም ኢዩ? እዝስ ዘየድሊ ጸጸት ከም ዝስምዖምን ካብ ሓጐሶም ድማ ከም ዝሕረሙዶ ክገብሮም ኣይክእልን?
15 እቲ ገሊኣቶም ኣብ ዕዮ ህዝባዊ ምስክርነት ዝውፍይዎ ሒደት ስዓታት ምስቲ እቶም ካልኦት ብምኽንያት ንእስነትን ዝሓሸ ጥዕናን ካልእ ኵነታትን ዝውፍይዎ ብዙሕ ስዓታት ክነጻጸር ከሎ ዝያዳ ጻዕሪ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ሽማግሌታት ኣይፈርድዎምን ኢዮም። ብሓቂ ኸኣ ኣቦ ንየሱስ ኢዩ ‘ክፈርድ ስልጣን ዝሃቦ’ (ዮሃንስ 5:27) የሱስ ነታ ድኻ መበለት እቲ ዘቕረበቶ ህያብ ካብ ገምጋም ንታሕቲ ስለ ዝኾነዶ ነቒፍዋ ኢዩ? ኣይፋሉን: ነተን ክልተ ለብጦን ንምውፋይ ብሓቂ ክንደይ ዋጋ ከም ዝኸፈለት ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። “ዘለዋ ዘበለ ኹሉ ምግባ ኢያ ዝሃበት።” ኣየወ እዝስ ኣብ የሆዋ ከመይ ዝበለ ዓሚቍ ፍቕሪ ከም ዘለዋ ዘመልክትዶ ኣይኮነን! (ማርቆስ 12:41–44) ሽማግለታትከ ነቲ ፍቕራዊ ጻዕሪ ናይቶም ዘለዎም ዘበለ ኹሉ ብቑጽሪ ትሕቲ “ገምጋም” ዝኾነ ዘየስተብህሉ ክኾኑዶ ይግብኦም ኢዩ? በቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ክርአ ኸሎ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጻዕርታት አረ ልዕሊ ገምጋምውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ!
16. (ሀ) ሽማግለታት ኣብ ዝርርቦም ኣሃዛት ክጥቀሙ እንተደኣ ኰይኖም ምስትውዓልን ጽቡቕ ሚዛንን ክህልዎም ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) እቶም ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎቶም ወሰኽ ምእንቲ ከርእዩ: ብኸመይ ኢዮም ብዝበለጸ ክሕገዙ ዝኽእሉ?
16 እሞኸ እዚ ሕጂ ዝሃብናዮ ርእይቶ: ናብ ሕጊ ተለዊጡ: እቲ ኣሃዝ ዋላ እቲ ገምጋምውን ፈጺሙ ክጥቀስ የብሉን ማለት ድዩ? ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኮነን! እቲ ቍም ነገርሲ ሽማግለታት ኣብ መንጎ ነቶም ኣሕዋት ኣገልግሎቶም ከስፍሑ ምትብባዕን ዓቕሞም ዘፍቅደሎም ተሓጒሶም ክገብሩ ምሕጋዝን ዘሎ ሚዛን ክሕልዉ ከም ዘለዎም ኢዩ። (ገላትያ 6:4) ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ መኽሊት ዝሃቦ ምስላ: እቲ ጐይታ ጥሪቱ ንባሮቱ ከረክቦም ከሎ “ከከም ዓቕሞም” ኢዩ ሂብዎም። (ማቴዎስ 25:14, 15) ብተመሳሳሊ ሽማግለታትውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሒ ዓቕሚ ኣብ ግምት ከእትዉ ይግባእ። እዚ ኸኣ ምስትውዓል ይሓትት። ምናልባሽ ገሊኦምሲ ዝያዳ ምእንቲ ክዓዩ ምትብባዕ የድልዮም ይኸውን። ንጥፈቶም ብዝበለጸ ከምሓድሩ ወይ ክሰርዑ ሓገዝ ክግበረሎም ከሎ ተሓጒሶም ክቕበልዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ብዝኾነ: ዓቕሞም ዘፍቅደሎም ብሓጐስ ምእንቲ ክገብርዎ እንተደኣ ተሓጊዞም: እቲ ሓጐስ እቲ ክርስትያናዊ ንጥፈቶም ንምስፋሕ ከበርትዖም ኢዩ። — ነህምያ 8:10፣ መዝሙር 59:16፣ ኤርምያስ 20:9
ተሓጒስካ ብምግዛእ ዝርከብ ሰላም
17, 18. (ሀ) ብሓጐስ ምግዛእ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሰላምን ጽድቅን ከምጽኣልና ዝኽእል? (ለ) ብሓቂ ጌርና ንትእዛዛት ኣምላኽ ነቕልበሉ እንተደኣ ኴንና እንታይ ኢዩ ናትና ክኸውን ዝኽእል?
17 ነቲ ናይ የሆዋ ሕጋዊ ልዕልነት ተሓጒስካ ምግዛእ ዓቢ ሰላም ኢዩ ዘምጽኣልና። እቲ ዘማራይ ናብ የሆዋ ክጽሊ ኸሎ “እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም: ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።” (መዝሙር 119:165) ንሕግታት ኣምላኽ ብምእዛዝና ንገዛእ ርእስና ኢና እንረብሕ። የሆዋ ንእስራኤል ከምዚ በሎም:- “እግዚኣብሄር እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ: ከምዚ ይብል፤ ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ከም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ።” — ኢሳይያስ 48:17, 18
18 ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ምስ ኣምላኽ ሰላም የምጽኣልና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:18, 19) ኣብቲ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ ደም እምነት እንተደኣ ጌርና ንድኽመታትና ክንቃለስ ድማ ብርቱዕ ጻዕሪ እንተጌርና ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ እንተደኣ ፈጺምና ሕልናና ካብ ስምዒት ናይ በደል ይዓርፍ። (1 ዮሃንስ 3:19–23) ከምዚኣ ዝመሰለት እምነት ብግብሪ ተሰንያ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጻድቕ ኣቃውማን ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ድሒንካ ኣብታ ናይ የሆዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዘደንቕ ተስፋን ትህበና። (ራእይ 7:14–17፣ ዮሃንስ 3:36፣ ያእቆብ 2:22, 23) ‘ንትእዛዛት ኣምላኽ እንተደኣ ኣቕሊብናሉ ጥራይ ኢዩ’ እዚ ኹሉ ዝተባህለ ናትና ክኸውን ዝኽእል።
19. ናይ ሕጂ ሓጐስናን ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ተስፋናን ኣብ ምንታይ ዝተመርኰሰ ኢዩ? ዳዊትከ ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ልባዊ ተኣማንነትና ገሊጽዎ ዘሎ?
19 እወ: እቲ ሕጂ እንረኽቦ ሓጐስ ይኹን እቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ እንረኽቦ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ንየሆዋ ከም ልዑል ጐይታ ናይዚ ጠቕላላ ፍጥረት ተሓጒስና ንስልጣኑ ብምግዛእ ዝርከብ ኢዩ። ከምቲ ናይ ዳዊት ስምዒት ዝህልወና ይግበሮ: ንሱ ከምዚ በለ:- “ጐይታየ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ኹሉ ናትካ እዩ እሞ: ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ: እታ መንግስትስ ናትካ እያ: ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ። ሕጂ ኸኣ: ዎ ኣምላኽና: ንሕና ነመስግነካ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ አሎና።” — 1 ዜና መዋእል 29:11, 13
ክዝከር ዝግባእ ነጥብታት
◻ የሆዋ: ኣገልገልቱ እንታይ ዓይነት ተገዛእነትን ምእዛዝን ከርእዩ ኢዩ ዝደልዮም?
◻ የሱስ በቲ ዘርኣዮ ምእዛዝ እንታይ ዓስቢ ረኸበ? ንሕናኸ በቲ እንገብሮ ምምልላስ እንታይ ኢና ከነረጋግጽ ዝግብአና?
◻ ኵሎም ተዓዘብቲ በቲ የሱስ ነተን ኣባጊዕ ዝገበረለን ኣተሓሕዛ ብኸመይ ኢዮም ክቐድሕዎ ዝግባእ?
◻ ቲኦክራቲካዊ ምዃን እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ?
◻ ተሓጒስካ ምግዛእ እንታይ በረኸታት ኢዩ ዘምጽኣልና?
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ነተን መጓሰ ዓቕመን ዘፍቅደለን ተሓጒሰን ክገብራ የተባብዕወን
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ በቶም ካብ ልቢ ዝእዘዝዎ ይሕጐስ