ንመርዓኹም ነባሪ ማእሰር ግበርዎ
“ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ : ሰብ ኣይፍለዮ ።” — ማቴዎስ 19:6
1. ሎሚ ኣብ መንጐ ሓቀኛታት ክርስትያናት ናይ ዕውት መርዓ መሰረት እንታይ ኢዩ ?
ሎሚ ብዙሓት ካብ ህዝቢ የሆዋ ዘዕግብን ጽኑዕን መርዓ የስተማቕርዎ ኣለው ። ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ዓወት ግን ብኣጋጣሚ ክርከብ ኣጸጋሚ ኢዩ ። ናይ ክርስትያናት መርዓታት ዝስስኑ ክልቲኦም ብጾት (1) ነቲ ኣረኣእያ ኣምላኽ ኣብ መርዓ ምስ ዘኽብሩ (2) ብስርዓታት ቃሉ ክነብሩ ምስ ዝጽዕሩን ኢዩ ። ልዕሊ ኹሉ : ነቲ ናይ መርዓ ስርዓት ዘቖመ ባዕሉ ኣምላኽ ኢዩ ። ንሱ እቲ ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ወለዶታት [ኵሉ ስድራቤታት ትሓዓ] ካብኡ ዝስመ’ ኢዩ ። (ኤፌሶን 3 : 14, 15) መርዓ ዕዉት ምእንቲ ክኸውን እንታይ ከም ዘድልዮ ዝፈልጥ የሆዋ ስለ ዝኾነ : መምርሒኡ ብምኽታልና ገዛእ ርእስና ኢና እንጠቅም ። — ኢሳይያስ 48 : 17
2. ኣብ መርዓ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ ?
2 ብኣንጻሩ : ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ምስናፍ ናይ መርዓ ጭንቀት የስዕበልካ ። ገለ ተዓዘብቲ ካብቶም ሎሚ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝምርዓዉ እቶም ክልተ ሲሶ ክፋትሑ ኢዮም ኢሎም ይኣምኑ ። ክርስትያናትውን እንተኾኑ ካብቲ ጭንቀትን ውጥረትን ናይዚ “ኽፉእ ዘመን” ናጻ ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 1) ቍጠባዊ ውጥረትን ናይ ስራሕ ጸቕጥታትን ንዝኾነ ይኹን መርዓ ጎዳኢ ሳዕቤን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ ። ገሊኦም ክርስትያናት ድማ ናይ መርዓ ብጻዮም ስርዓታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይምኽታሉ ኣዝዮም ጉህዮም ኢዮም ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ከምዚ ትብል :- “ንየሆዋ አፍቅሮ ኢየ : መርዓይ ግን ን20 ዓመታት ጸገማት ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ ። ሰብኣየይ ስሱዕን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ለውጢ ክገብር ዘይደልን ኢዩ ። ኣብ መጻወድያ ዝኣቶኹ ኮይኑ ይስምዓኒ ።” ብዙሓት ክርስትያናት ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ተመሳሳሊ ስምዒታት ይገልጹ ኢዮም ። እቲ ጸገም እንታይ ኢዩ ? መርዓ ናብ ዘይተገዳስነትን ግሁድ ጽልእን ገጹ ከየምርሕ እንታይ ክከላኸለሉ ይኽእል ?
ቀጻልነት ናይ መርዓ
3, 4. (ሀ) ንመርዓ ብዝምልከት ናይ ኣምላኽ ሕግታት እንታይ ኢዩ ? (ለ) ስለምንታይ ኢዩ ቀጻልነት ናይ መርዓ ቅቡልን ጠቓምን ዝኸውን ?
3 ኣብቲ ዝበለጸ ኵነታትውን ይኹን : መርዓ ሕብረት ናይ ዘይፍጹማት ሰባት ኢዩ ። (ዘዳግም 32 : 5) ስለዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ :- “እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ [ዝምርዓዉ] ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም ።” (1 ቈረንቶስ 7 : 28) ገለ ሕሉፋት ዝኾኑ ኩነታት ናብ ምፍልላይ ወይ ፍትሕ ከብጽሑ ይኽእሉ ኢዮም ። (ማቴዎስ 19 : 9 ፣ 1 ቈረንቶስ 7 : 12 – 15) ኣብ ዝበዝሑ ኩነታት ግን ክርስትያናት ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ኢዮም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ :- “እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ አይትፈታሕ : . . . ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ ።” (1 ቈረንቶስ 7 : 10, 11) ብርግጽ መርዓ ነባሪ ማእሰር ክኸውን ኣለዎ : የሱስውን ከምዚ’ዩ ዝበለ :- “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ : ሰብ ኣይፍለዮ ።” — ማቴዎስ 19 : 6
4 ነቲ ኣብ ጽልኢ ዘለዎ ወይ ፍቕሪ ኣልቦ ዝኾነ መርዓ ከም ዝተጸምደ ዝስምዖ ሰብ : ናይ የሆዋ ስርዓታት ተሪርን ዘይርትዓውን ኮይኑ ክርኣዮ ይኽእል ኢዩ ። ግን ከምኡ አይኮነን ። ቀጻልነት ማእሰር ናይ መርዓ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መጀመርያ እቲ ጸገም ክልዓል እንከሎ ሓላፍነቶም ኣብ ክንዲ ብቕልጡፍ ዝጥንጥኑ ነቲ ጸገም ክጋጠምዎን መፍትሒ ክደልይሉን ኢዩ ዘለዓዕሎም ። ሓደ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝተመርዓወ ሰብኣይ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ :- “ጸገም ዘለዎም ግዝያት ከተወግዶም ኣይትኽእልን ኢኻ ። ኣብ ነሓድሕድካ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ኣይትኸውንን ኢኻ ። ሽዑዩ እቲ ዝኣተኻዮ ቃል ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኸውን ።” ልክዕዩ ክርስትያናት ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ብቐዳምነት ነቲ ጀማሪ ናይ መርዓ ዝኾነ የሆዋ ኣምላኽ ኢዮም ሓላፍነት ዝስምዖም ። — ምስ መክብብ 5 : 4 ኣነጻጽርዎ ።
ርእስነትን ተኣዛዝነትን
5. ገለ ካብቲ ንሰብኣይን ሰበይትን ዝምልከት ናይ ጳውሎስ ምኽሪ እንታይ ኢዩ ?
5 ሽግር ኣብ ዝለዓለሉ እዋን መህደሚ ኣብ ክንዲ ምንዳይ ምኽሪ ናይ ቃል ኣምላኽ ብዝበለጸ መገዲ ክትጥቀመሉ ሃሰው ምባል ግዝይኡ ኢዩ ። ንኣብነት ነተን ኣብ ኤፌሶን 5 : 22 – 25, 28, 29 ዘለዋ ቃላት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ እሞ ሕሰብወን :- “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝኾነ : ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ : ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ : ኣትን ኣንስቲ ከም ንጎይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም ። ከምቲ ከርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ : ኣቱም ሰብኡት : ኣንስትኹም ኣፍቅሩ ። ክርስቶስ . . . ርእሱ በጃኣ ሀበ ። ሰብኡትውን ከምኡ : ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ ። [እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር : ንርእሱ የፍቅር ትሓዓ] ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር : ሓደ እኳ ዝጸልኦ የልቦን ። . . . ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና ኣሎ ።”
6. ብኸመይ ኢዮም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ካብቶም ናይ ዓለም ሰብኡት ፍሉያት ዝኾኑ ?
6 ሰብኡት ነቲ ናይ ሰብኣይ ርእስነት ብዘይግቡእ ተጠቒሞም ነንስቶም መሊኾምወን ኢዮም ። (ዘፍጥረት 3 : 16) ይኹን እምበር ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ካብቶም ናይ ዓለም ሰብኡት ፍሉያት ብምዃን ንክርስቶስ ክመስልዎ እምበር ንነፍሲ ወከፍ ናይ ኣንስቶም ተግባራት ዝቆጻጸሩ ጨቆንቲ ከይኮኑ ኢዩ ዝምዕዶም ። ብርግጽ የሱስ ክርስቶስ ፈጺሙ መሪርን ዓብላልን ኣይነበረን ። ነቶም ስዓብቱ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን : ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ ። ኣነ ለዋህ እየ : ልበይውን ትሑት : ኣርዑተይ ጽሩ ካባይውን ተምሀሩ” ብምባል የኽብሮምን ይከናኸኖምን ነበረ ። — ማቴዎስ 11 : 28, 29
7. ከመይ ገይሩ ኢዩ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዓለማዊ ስራሕ ኣብ እትሰርሓሉ እዋን ከም ድኽምቲ ፍጥረት ገይሩ ዘኽብራ ?
7 ሓደ ክርስትያን ብዓል እንዳ ንሰበይቱ ከም ድኽምቲ ፍጥረት ገይሩ ኢዩ ዘኽብራ ። (1 ጴጥሮስ 3 : 7) ንኣብነት ዓለማዊ ስራሕ ትሰርሕ ኢያ ንበል : ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክሳዕ ዝከኣሎ ሓጋዝን ሓላይን ክኸውን ኢዩ ። ሓደ ካብቲ ኣንስቲ ፍትሕ ዝሓታሉ ቀንዲ ምኽንያት ሰብኡተን ኣብ ቆልዑቶምን ወይ ቤቶምን ሸለልትነት ስለ ዘርእዩ ኢዩ ። ስለዚ ሓደ ክርስትያን ብዓል እንዳ ንምልእቲ እታ ስድራ ክጠቅም ብዝኽእል ውጽኢታዊ መገድታት ገይሩ ንሰበይቱ ክሕግዛ ሃለው ክብል ኣለዎ ።
8. ክርስትያን ኣንስቲ ተገዛእቲ ክኾና እንታይ ይሓተን ?
8 ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ብኽብሪ ምስ ዝተሓዛ ኣብ ትሕቲ ሰብኡተን ክግዝኣ ቀሊል ኢዩ ዝኾነለን ። እዚ ግን ሓሳር ዝመልኦ ባርነት ማለት ኣይኮነን ። ኣምላኽ : ሰበይቲ ባርያ ክትከውን ዘይኰነስ “ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት” (መመላእታ) ክትኮኖ ክእውጅ ከሎ ንሰብኣይ እትሕግዝ ምዃና ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ። (ዘፍጥረት 2 : 18) ኣብ ሚልክያስ 2 : 14 በዓልቲ እንዳ ከም ናይ ሰብኣይ ‘ብጸይቲ’ ኢዩ ተዘሪቡላ ዘሎ ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንስቲ ግምት ዝወሃቦ ነጻነትን ናይ ምውሳን መሰልን ነይርወን ኢዩ ። ብዛዕባ እታ “ደገኛ ሰበይቲ” መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል :- “ልቢ ሰብኣያ ይእመና ።” ብርግጽ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሓልዮት ናይ ንብረት ቤት : ምዕዳግ መግቢ ምቍጽጻር : ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ስምምዕ ምፍጻምን ንእሽቶ ንግዲ ምክያድን ዝኣመሰሉ ነገራት ሓላፍነት ትስከም ነይራ ኢያ ። — ምሳሌ 31:10–31
9. (ሀ) ከመይ ገይረን እየን ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ኣንስቲ ቅኑዕ ዝኾነ ተኣዛዝነት ዘንጸባረቓ ? (ለ) ሎሚኸ ንሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ተኣዛዚት ክትከውን ክሕግዛ ዝኽእል እንታይ ኢዩ ?
9 ይኹን እምበር ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቲ ነቲ ናይ ሰብኣያ ርእስነት ኣፍልጦ ትህበሉ ነይራ ኢያ ። ንኣብነት ሳራ “ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ” ንናይ ትሕትና መልክዕ ዘይኮነስ ሓቀኛ ነጸብራቕ ናይ ተኣዛዝነታ ኢዩ ነይሩ ። (1 ጴጥሮስ 3 : 6 ፣ ዘፍጥረት 18 : 12)ከምኡውን ምስ ሰብኣያ ኣብ ድንኳን ክትነብር ኢላ ነቲ ኣብ ከተማ ኡር ዝነበረ ምቾት ዘለዎ ገዝኣ ብፍታዋ ገደፈት ። (እብራውያን 11:8, 9) ተገዛኢት ምዃን ማለት ግን ሓንቲ ሰበይቲ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ጥቁው ስጕምቲ ክትወስድ ኣይትኽእል ኢያ ማለት አይኮነን ። ሙሴ ነቲ ንግዝረት ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ምስ ሰነፈ ሰበይቱ ጺጶራ ብቖራጽነት ስጕምቲ ብመውሳዳ መዓት ዓገተት ። (ዘጸኣት 4:24–26) ነቲ ዘይፍጹም ዝኾነ ሰብኣይ ካብ ምሕጓስ ንላዕሊ ኢዩ ዝድለ ዘሎ ። ኣንስቲ ‘ከም ንጐይታ ገይረን ንሰብኡተን ክእዘዛኦም’ ኣለወን ። (ኤፌሶን 5:22) ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ኣብ ግምት ኣእትያ ምስ እትሓስብ : ከምቲ ንሱውን ምስኣ ክገብሮ ዘለዎ : ነቲ ናይ ሰብኣያ ንኣሽቱ ጌጋታትን ዘይብቕዓታትን ሸለል ክትብሎ ክሕግዛ ኢዩ ።
ርክብ—ደም ህይወት ናይ መርዓ
10. ርክብ ኣብ መርዓ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘገድስ ?
10 እቲ ሰብ ሓዳር ዝፈላለይሉ ሓደን ዓቢይን ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ሓደ ናይ ፍትሕ ጠበቓ ከምዚ ይብል :- “ኣብ ንሓድሕድካ ብቕንዕና ዘይምዝርራብን ውሽጣዊ ሓሳባትካ ዘይምግላጽን ኣብ ንሓድሕድካ ከም ዝበለጹ ኣዕሩኽ ጌርካ ክትርአአ ዘይምኽኣልን ኢዩ ።” እወ : ርክብ : ደም – ህይወት ናይ ጽኑዕ መርዓ ኢዩ ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “አብቲ ምኽሪ [ምዝርራብ ትሓዓ] ዜብሉ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን ።” (ምሳሌ 15:22) ሰብኡትን ኣንስትን ምዉቕን ጥብቂ ርክብን ዘሕልፉ ‘ፈተውቲ’ ክኾኑ ኣለዎም ። (ምሳሌ 2:17) ይኹን እምበር ብዛዕባ ርክብ ዝመጸ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ከቢድ ኮይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ : ስለ ዝኾነ ድማ ኣዕናዊ ዝኾነ ሕርቃን ክሳዕ ዝግንፍል ቅሬታ ንሓሳቦም የጨንቖ ። ወይ ድማ ናይ መርዓ ብጾት ኣብ ንሓድሕዶም ብስምዒት ዘረሓሕቖም ናይ ገጽ ርአ ትሕትና የርእዩ ይኾኑ ።
11. እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ብኸመይ ክመሓየሽ ይኽእል ?
11 ክፋል ናይቲ ጸገም ሰብኡትን ኣንስትን ዝተፈላለየ ናይ ርክብ ኣገባብ ስለ ዘለዎም ይመስል ። ዝበዝሓ ኣንስቲ ብዛዕባ ስምዒታት ክዘራረባ ዝፎኽሰን ክኸውን እንከሎ : ሰብኡት ግን ብሓፈሻ ብዛዕባ ጭብጥታት ክዛረቡ ኢዮም ዝመርጹ ። ኣንስቲ ድንጋጸ ናይ ምርኣይን ስምዒታዊ ሓገዝ ናይ ምሃብን ዝንባሌ ክህልወን ከሎ : ሰብኡት ግን መፍትሒ ኣብ ምድላይን ምሃብን ኢዮም ዘድህቡ ። ገና እቲ ናይ ጽቡቕ ርክብ ተኽእሎ ዝህሉ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር “ንምስማዕ ቅልጡፍ ንምዝራብ ደንጓይ : ንኹራ ደንጓይ” ክኾኑ ምስ ዝውስኑ ኢዩ ። (ያእቆብ 1:19) ዓይኒ ንዓይኒ ተጣማመቱ : ናይ ብሓቂ ድማ ኣስተብህሉ ። ሓልዮት ብዘለዎ ሕቶታት ገይርኩም ኣብ ንሓድሕድኩም ዝርርብ ኣልዕሉ ። (ምስ 1 ሳሙኤል 1:8 ከምኡውን ምሳሌ 20:5 ኣነጻጽርዎ ።) ብጸይትኻ ሓደ ጸገም ክትነግረካ ኸላ ቀልጢፍካ መፍትሒ ክትህብ ኣብ ክንዲ ትፍትን : ነቲ ጸገም መፍትሒ እናኣናደኻሉ ብጥንቃቐ ስማዕ ። መለኮታዊ መምርሒ ምእንቲ ክትረኽቡ ድማ ብትሕትና ሓቢርኩም ጸልዩ ። — መዝሙር 65:2 ፣ ሮሜ 12:12
12. ከመይ ገይሮም ኢዮም ክርስትያን ብጾት ንገዛእ ርእሶም ግዜ ክዕድጉ ዝኽእሉ ?
12 ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ህይወት ጸቕጥታትን ወጥርታትን ንናይ መርዓ ብጾት ትርጕም ዘለዎ ዝርርብ ንኽገብሩ ዝኣክል ግዜን ጉልበትን ክህልዎም ኣየፍቅደሎምን ይኸውን ። ይኹን እምበር ክርስትያናት መርዓኦም ክቡር ኮይኑ ክቕጽልን ካብ ርኽሰት ክሕልውዎ እንተደኣ ኾይኖምን ኣብ ንሓድሕዶም ክቀራረቡ ኣለዎም ። ነቲ ማእሰሮም ክቡርን ዕዙዝን ገይሮም ክርእይዎን ንመርዓኦምን ንገዛእ ርእሶምን ግዜ ክዕድጉ ይግብኦም ። (ምስ ቈሎሴ 4:5 ኣነጻጽርዎ ።) ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ሚዛናዊ ዝኾነ ዝርርብ ክትገብር ዘድልየካ ግዜ ክትረክብ ብቐሊሉ ተለቪዥን ብምጥፋእ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ ። ኩሉ ግዜ ሻሂ ወይ ቡን ክትሰቲ ኢልካ ሓቢርካ ኮፍ ምባል ንናይ መርዓ ብጾት ብስምዒት ከም ዝቀራረቡ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ ። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ኣጋጣሚታት : ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ናይ ስድራቤት ጕዳያት ‘ምኽሪ ክቀባበሉ’ ይኽእሉ ኢዮም ። (ምሳሌ 13:10) ነቶም ንኣሽቱ ዘሕርቑን ዘይምርድዳእ ዝፈጥሩን ነገራት ቅድሚ ቀንዲ ምንጪ ናይ ውጥረት ምዃኖም ናይ ምዝርራብ ባህሪ ከተማዕብልሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጥበብ ኮን ኢዩ ! — ምስ ማቴዎስ 5:22, 23 ከምኡውን ኤፌሶን 4:26 ኣነጻጽርዎ ።
13. (ሀ) ብዛዕባ ጋህዲ ምዃንን ቅንዕናንሲ የሱስ እንታይ ኣብነት ኢዩ ሰሪዑ ዘሎ ? (ለ) ገለ ካብቶም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ክቀራረቡ ዘኽእልዎም መገድታት እንታይ ኢዮም ?
13 ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ይእመን :- “ንዓይ ኩሉ ግዜ ናይ ብሓቂ ሓሳበይ ክገልጽን ናይ ብሓቂ ከምቲ ዝስምዓኒ ገይረ [ንሰበይተይ] ብልክዕ ክገልጸላን ከቢድ ኢዩ ።” ይኹን እምበር ገዛእ ርእስኻ ምግላጽ : ምቅርራብ ንኸተማዕብል ቀንዲ መፍትሒ ኢዩ ። የሱስ ምስቶም ኣባላት ናይታ መርዓት ክኾኑ ዝነበሮም ክሳዕ ክንደይ ጋህድን ቅኑዕን ከም ዝነበረ እሞ ኣስተብህሉ ። ከምዚ ይብል :- “እቲ ካብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንዓኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም ። ባርያስ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን ኢዩ እሞ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ ።” (ዮሃንስ 15:15) ስለዚ ንናይ መርዓ ብጸይትኻ ከም ዓርክኻ ርኣያ ወይ ርኣይዮ ። ንብጸይትኻ ብስምዒትካ እመና ወይ እመንዮ ። ቀሊልን ቅኑዕን መግለጺ ‘ፍቕሪ’ ክትገብሩ ጽዓሩ ። (መሃልየ መሃልይ 1:2) ሓደ ሓደ ግዜ ግሁድ ርክብ ምግባር ዘይምችእ ይመስል ይኸውን : ክልቲኦም ሰብ ሓዳር እኹል ዝኾነ ጻዕሪ ምስ ዝገብሩ ግን መርዓኦም ነባሪ ማእሰር ዘለዎ ክገብርዎ ብዙሕ ክኸስቡ ኢዮም ።
ዘየሰማምዑ ነገራት ምእላይ
14, 15. ምሕርቃም ኣስናን ብኸመይ ክውገድ ምተኻእለ ?
14 ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቅንዕና ዘለዎም ዘየሰማምዑ ነገራት ክለዓሉ ናይ ግድን ኢዩ ። ግን ገዛኻ ‘ቤት ቈየቋ’ ናብ ምዃን ኣቢሉ ከንቈልቁል የብሉን ። (ምሳሌ 17:1) ንናይ መርዓ ብጸይትካ ወይ ብጻይካ ስምዒት ንዘይምጉዳእ ምሕላይን ቀልዑ ኣብ ዝሰምዕሉ እዋን ከኣ ተነቀፍቲ ነገራት ካብ ምልዓልን ተጠንቀቑ ። ራሄል ብዘይ ምውላዳ ጓሂኣ ብምግላጽ ንያእቆብ ውሉድ ክህባ ምስ ሓተቶ : ንሱ ድማ ብኹራ ከምዚ ኢሉ መለሰላ “ኣነዶ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ ?” (ዘፍጥረት 30:1, 2) ኣብ ውሽጢ ቤት ጸገማት ምስ ዝለዓሉስ ኣብቲ ሰብ ዘይኰነስ ኣብቲ ጸገም መጥቃዕቲ ግበር ። ናይ ብሕቲ ዝርርብ ኣብ እትገብሩሉ ግዜ ኣብ ንሓድሕድኩም ‘[ብዘይ ኣእምሮ ትሓዓ] ምዝራብን’ ዘየድሊ ምቁራጽን ኣወግዱ ። — ምሳሌ 12:18
15 ልክዕ ኢዩ ብዛዕባ ኣረኣእያኹም ጸኑዕ ስምዒት ይህልወኩም ይኸውን : እዚ ግን ብዘይ “መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን” ክግለጽ ይኽእል ኢዩ ። (ኤፌሶን 4:31) ሓደ ብዓል እንዳ “ጸገምኩም ብትሑት ድምጺ ተዘራረቡ” ይብል ። “ብምኽንያት ሕርቃን ካብ ክልተኹም ሓዴኹም ድምጹ ኣልዒሉ ክዛረብ እንተ ጀሚሩ : እቲ ዝርርብ ኣቋርጽዎ ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ተመሊስኩም ነቲ ዝርርብ ከም ብሓድሽ ጀምርዎ ።” ምሳሌ 17:14 እዚ ዝስዕብ ጽቡቕ ሓሳብ ይህብ :- “ናብ ምሕርቃም ስኒ ከይበጽሔ ኻብ ቈየቋ ርሓቕ ።” ክልቴኹም ምስ ዘሓልኩም ከም ብሓድሽ ክትዘራረብሉ ፈትኑ ።
ኣብ ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ
16. ስለምንታይ ኢዩ ዝሙት ክሳዕ ክንድዚ ከቢድ ነገር ዝኾነ ?
16 እብራውያን 13:4 ከምዚ ይብል :- “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ : መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር : እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን ።” ዝሙት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ኢዩ ። ንመርዓ ድማ የዕንዎ ኢዩ ። (ዘፍጥረት 39:9) ሓንቲ ናይ መርዓ ኣማኻሪት ከምዚ ኢላ ትጽሕፍ :- “ሓንሳእ ምስ ተጋህደ ዝሙት ነታ ስድራ ብምልእታ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ይሃርማ : ንብሙልኦም ኣባላት ናይታ ስድራቤት የዕንዎም : እምነትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብርን የጥፍእ : ንመንእሰያት ድማ ይጐድእ ።” ጥንስን ብጾታዊ መገዲ ዝመሓላለፍ ሕማምን እውን ክስዕብ ይኸእል ።
17. ናይ ዝሙት ዝንባሌ ብኸመይ ከተወግዶ ወይ ክትነጽጎ ይከኣል ?
17 ገለ ሰባት ነቲ ናይ ዝሙት ኣተሓሳስባ ዘዕብይዎ ነቲ ኣብ መጻሕፍትን ተለቪዥንን ፊልምታትን ብዛዕባ ጾታ ዝመሓላለፍ ብዕሉግ ኣረኣእያ ናይ ዓለም ብምክትታሎም ኢዮም ። (ገላትያ 6:8) ተመራመርቲ ዝበዝሕ ግዜ ዝሙት ካብ ጾታዊ ባህጊ ዘይኮነስ : ሓደ ሰብ ገና መልክዐኛ ምዃኑ ንምርግጋጽ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ወይ ድማ ዝያዳ ክፍቀር ምድላይ ካብ ዝብል ስምዒት ኢዩ ዝብገስ ይብሉ ። (ምስ ምሳሌ 7:18 ኣነጻጽርዎ ።) እቲ ምኽንያት ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ : ሓደ ክርስትያን ነቲ ዘይሞራላዊ ናይ መዓልቲ ሕልሚ ክነጽጎ ኣለዎ ። ብቕንዕና ስምዒትካ ምስ ብጸይትኻ ተዘራረበሉ ። ኣድላዪ እንተ ኾይኑውን ካብ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ሓገዝ ድለዩ ። ከምዚ ምግባርኩም ኣብ ሓጢኣት ካብ ምውዳቕ ክከላኸለልኩም ኢዩ ። ብተወሳኺውን ክርስትያናት ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ጥንቁቓት ክኾኑ የድልዮም ። ንሓንቲ ተመርዒኻ ከተብቅዕ ስምዒትካ ንምርዋይ ኣብ ካልእ ሰብ ምጥማት ኣንጻር ጽሑፋዊ ስርዓት ኢዩ ዝኸውን ። (እዮብ 31:1 ፣ ማቴዎስ 5:8) ክርስትያናት ብፍላይ ምስ መሳርሕቶም ስምዒታዊ ምቅርራብ ከየማዕብሉ ክጥንቀቑ ኣለዎም ። ከምዚ ዓይነት ርክብ ፍሕሽው ግን ምስ ስራሕ ዝተታሓሓዘ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ ።
18. ነቶም ኣብ መርዓ ዘለዉ ናይ ጾታ ሽግራት መሰረቶም እንታይ ኢዩ ? ብኸመይከ ክፍትሑ ምተኻእለ ?
18 ምስ ናይ መርዓ ብጻይካ ምዉቕን ክፉትን ዝምድና ምግባር ካልእ ዝዓበየ ዑቕባ ኢዩ ። ብዙሓት ተመራመርቲ ጾታዊ ሽግር ኣብ መርዓ ብኣካላዊ ምኽንያት ዝብገሱ ውሑዳት ኢዮም : ኵሉ ግዜ ግን ውጽኢት ናይ ድኹም ርክብ ኢዩ ይብሉ ። ሰብኣይን ሰበይትን ብግልጺ ርክብ ምስ ዝገብሩን ናይ መርዓ ግቡኦም ድማ ግዴታ ኾይንዎም ዘይኮነስ ከም ናይ ፍቕሪ መግለጺ ገይሮም ምስ ዝፍጽምዎ : እቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘሎ ሽግር ውሑድ ክኸውን ኢዩ ።a ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ኩነታት : ጥብቂ ርክብ ናይ መርዓ ማእሰር ክድልድል ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ ። — 1 ቈረንቶስ 7:2–5፣ 10:24
19. ፍጹም ‘ማእሰር ናይ ሕብረት’ እንታይ ኢዩ ? ኣብ መርዓኸ ከመይ ዝበለ ውጽኢት ኢዩ ዘለዎ ?
19 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍቕሪ ፍጹም ‘ማእሰር ናይ ሕብረት’ ኢያ ። ፍቕሪ ብምኹስኳስ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ‘ንሓድሕዶም እናተጻወሩን : እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ክሲ እንተለዎ ይቕረ እናተባሃሃሉ’ ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም ። (ቈሎሴ 3:13, 14) ኣብ መሰረታዊ ሕጊ ዝተመስረተት ፍቕሪ ናይ ካልኦት ሰናይ ኢያ እትደሊ ። (1 ቈረንቶስ 13:4–8) ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኮስኩስዋ ። ናይ መርዓ ማእሰርኩም ክድልድል ክትሕግዘኩም ኢያ ። ኣብቲ ናይ መርዓ ህይወትኩም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ኣውዕልዎ ። ከምዚ እንተ ጌርኩም መርዓኹም ነባሪ ማእሰር ምዃኑ ከረጋግጽ ኢዩ : ንየሆዋ ኣምላኽ ድማ ምስጋናን ክብርን ከምጽኣሉ ኢዩ ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እታ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ርክብ–ካብ ምዝራብ ንላዕሊ” እትብል ኣርእስቲ ሰብ ሓዳር ኣብዚ መዳይ እዚ ዘለዎም ሽግር ብኸመይ ከም ዝዋጽእሉ ተብርህ ።
ብኸመይ ምመለስኩም ?
◻ መርዓ ነባሪ ማእሰር ክኸውን ዘለዎስ ስለምንታይ ኢዩ ?
◻ ብዛዕባ ርእስነትን ተኣዛዝነትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ ?
◻ ምርዕዋት ሰብ ሓዳር ብኸመይ ርክቦም ከምሓይሽዎ ምኸኣሉ ?
◻ ሰብ ሓዳር ነቲ ዘየሰማምዕ ነገራት ብክርስትያናዊ መገዲ ከመይ ገይሮም ክኣልይዎ ምኸኣሉ ?
◻ እቲ ናይ መርዓ ማእሰር ንኽድልድል እንታይ ምሓገዘ ?
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ክርስትያን በዓል እንዳ ሰበይቱ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ተቖጺራ እትሰርሕ እንተ ኾይና : ብስራሕ ኣመና ክትጽዓን ስቕ ኢሉ ኣይርእን ኢዩ