ንድሕነት ስድራቤትኩም ኣበርቲዕኩም ጽዓሩ
“ብናይ ጐይታ [የሆዋ ትሓዓ ] ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም ።” — ኤፌሶን 6:4
1, 2. ሎሚ ወለዲ እንታይ ብድሆታት ኢዩ ዘጋጥሞም ዘሎ ?
ሓንቲ ፍልጥቲ መጽሔት ሱር – ነቀል ለውጢ ኢላ ጸውዓቶ ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ስድራቤት ዝተራእየ ዘስደምም ለውጥታት ዝገለጸቶ ዓንቀጽ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ ። እዚኣቶም “ውጽኢት ናይቲ ዝልሕም ዘሎ ፍትሕ : ካልኣይ መርዓ : ካልኣይ ፍትሕ : ብወሰን ምውላድን ኣብተን ብፍትሕ ወይ ምፍልላይ ዘይተበታተና ስድራቤታት” ዝርአ ሓድሽ ወጥርታት ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ : ሰባት ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት ክፉእ ዘመን” ከም ዘጋጥሞም ስለ ዝዛረብ : ከምዚኦም ዝበሉ ጸቕጥታትን ወጥርታትን እንተተራእየ ዘገርም አይኮነን ። — 2 ጢሞቴዎስ 3:1–5
2 ስለዚ ወለዲ ሎሚ ኣብቶም ቅድም ዝነበሩ ወለዶታት ዘይፍለጥ ብድሆታት ይጋጠምዎም ኢዮም ። ምንም እኳ ብዙሓት ካባና ንደቆም ‘ካብ ቍልዕነቶም’ ጀሚሮም ብኣምላኻዊ መገድታት እንተኣዕበይዎም : ብዙሓት ስድራቤታት ‘ብሓቂ ምምልላስ’ ካብ ዝጅምሩ ቍሩብ ግዜ ኢዩ ። (2 ጢሞቴዎስ 3:15 ፣ 3 ዮሃንስ 4) እቶም ወለዲ መገድታት ኣምላኽ ክምህርዎም ክጅምሩ ከለዉ ደቆም ዓበይቲ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ። ብተወሳኺውን ቍጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ንጽል ወለዲ ዘለዎም ስድራቤታትን ብኻልኣይ መርዓ ዝቖማ ቤተሰብን ኣብ መንጐና ይርከባ ኣለዋ ። ኩነታትኩም ከመይ ከም ዝኾነ ብዘየገድስ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ሕጂውን ይሰርሕ ኢዩ :- “ብናይ ጐይታ [የሆዋ ትሓዓ] ተግሳጽን ምዕዶም ደኣ ኣዕብይዎም ።” — ኤፌሶን 6:4
ክርስትያን ወለድን ግዴኦምን
3, 4. (ሀ) እቶም ናይ ኣቦታት ግደ ክቕንስ ዝገበሩ ምኽንያታት እንታይ ኢዮም ? (ለ) ስለምንታይ ኢዮም ክርስትያናት ኣቦታት ካብ ብስጋ ጥራይ ምእላይ ንላዕሊ ክገብሩ ዘለዎም ?
3 እተን ኣብ ኤፌሶን 6:4 ዘለዋ ናይ ጳውሎስ ቃላት ብቐደምነት ‘ነቦታት’ ከም ዝተጻሕፋ ኣስተብህል ። ሓደ ጸሓፊ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ :- ኣብ ዝሓለፉ ወለዶታት “ኣቦታት ንናይ ደቆም ሞራላውን መንፈሳውን ዕቤት ሓላፍነት ይስከሙ ነይሮም ኢዮም ንናይ ደቆም ትምህርትውን ኣቦታት ኢዮም ተሓተትቲ ነይሮም ። እቲ መሰረታዊ ኢንዱስትሪያዊ ለውጢ ግን ነቲ ዝነበረ ናይ ቀረባ ርክብ ኣጥፍኦ ። ኣቦታት ኣብ ፋብሪካታትን ድሓር ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈታትን ክሰርሑ ግራውቶም : ድኳኖምን ገዝኦምን ሓዲጎም ከዱ ። ዝበዝሐ ካብቲ ሓደ ግዜ ናይ ኣቦታት ሐላፍነት ዝነበረ : ኣዴታት ተቐበላኦ ። ናይ ኣቦ ምህላው ድማ ኣፍኣዊ ጥራይ ኮይኑ ተረፈ ።”
4 ክርስትያን ሰብኡት ኩሉ እቲ ምልምማድን ኣተዓባብያን ነንስትኹም ብምግዳፍ : ንቤተሰብኩም ብስጋ ጥራይ ምእላይኩም ከዕግበኩም የብሉን ። ነቶም ናይ ጥንቲ ኣቦታት ምሳሌ 24:27 ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም :- “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ : ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ : ደሓር ቤትካ ስራሕ ።” ሎሚውን ብተመሳሳሊ ንመነባብሮኹም ዝኸውን ከም ሰራሕተኛ ኴንኩም ንነዊሕ ግዜን ኣበርቲዕኩምን ክትሰርሑ የድልየኩም ይኸውን ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ብድሕሪኡ ግን በጃኹም ብስምዒትን ብመንፈስን ‘ቤትኩም ክትሰርሑ’ ግዜ መድቡ ።
5. ከመይ ገይረን እየን ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንድሕነት ቤተን ክዓያ ዘለወን ?
5 ክርስትያን ኣንስቲ : ንስኻትክንውን ንናይ ቤተሰብክን ድሕነት ኣበርቲዕክን ዕየያ ። ምሳሌ 14:1 ከምዚ ይብል :- “ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ ።” ከም ናይ መርዓ ብጾት ንስኻትክንን ሰብኡትክንን ነቲ ናይ ደቅኹም ምልምማድ ሓላፍነት ተማቐልዎ ። (ምሳሌ 22:6 ፣ ሚልክያስ 2:14) እዚ ንደቅኽን ምቕጻዕ : ንክርስትያናዊ ኣኼባን ግራት ኣገልግሎትን ምድላዎም ወይ ድማ ኣብቲ ሰብኡትክን ዘይብሉ ግዜ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምምራሕ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ከምኡውን ንደቅኽን ናይ ገዛ ዕዮ ጽቡቕ ጠባይ ኣካላዊ ንጽህናን ካልኦት ብዙሓት ሓደስቲ ነገራትን ክትምህራኦም ብዙሕ ክትገብራ ትኽእላ ኢኽን ። (ቲቶስ 2:5) ሰብኡትን ኣንስትን ከምዚ ገይሮም ብሓንሳብ ሓቢሮም ምስ ዝሰርሑ ነቲ ናይ ደቆም ድላይ ብዝበለጸ ከማልኡሎም ይኽእሉ ኢዮም ። ገለ ካብቶም ዘድልዩኸ እንታይ ኢዮም ?
ንስምዒታዊ ድልየቶም ምሕላይ
6. ኣዴታትን ኣቦታትን ኣብቲ ስምዒታዊ ዕቤት ናይ ደቆም እንታይ ግደ ይጻወቱ ?
6 ኣደ “ውሉዳ እትሓቁፍ መጥበዊት” እንተኾይና ቆልዑ ዑቕባ : ህድኣትን ከም እተፈቕሩን ኢዩ ዝስምዖም ። (1 ተሰሎንቄ 2:7 ፣ መዝሙር 22:9) ነቲ ድፍኢት ናይቲ ንደቀን ዝህብኦ ልግሲ ዝመልኦ ቆላሕታ ዝቆጻጸርኦ ኣዴታት ውሑዳት ኢየን ። ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ይሓትት :- “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ክሳዕ ዘይትርሕርሓሉ : ነቲ ዝጠቡ ውላዳ ክትርስዕ ይክኣላ እዩ ?” (ኢሳይያስ 49:15) ስለዚ ኣዴታት ኣብ ናይ ቆልዑ ስምዒታዊ ምዕባለ ኣገዳሲ ተራ ኢዩ ዘለወን ። ይኹን እምበር ኣቦታትውን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣገዳሲ ተራ ኢዮም ዝጻወቱ ። ናይ ስድራቤት መምህር ፖል ለዊስ ከምዚ ይብል :- “ካብቶም መሰረት ናይ ስድራቤት ዘጽንዑ ሰራሕተኛታት : ምስ ኣቦይ ጥዑይ ርክብ ኣሎኒ ዝብል ስዲ ቆልዓ ዘለዎ ሓደ’ኳ ይኹን ናባይ መጺኡ ኣይፈልጥን ። ካብ ኣማእታት ሓደ ቆልዓ እኳ የለን ።”
7, 8. (ሀ) ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ጽኑዕ ማእሰር ከም ዘሎስ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ ? (ለ) ከመይ ገይሮም ኢዮም ወለዲ ምስ ደቆም ማእሰር ፍቕሪ ክቐርጹ ዝኽእሉ ?
7 ስለዚ ክርስትያን ኣቦታት ምስ ደቆም ማእሰር ፍቕሪ ክኹስኩሱ ኣገዳሲ ኢዩ ። ንኣብነት ንየሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እሞ ሕሰብዎም ። ኣብ ጥምቀት የሱስ : የሆዋ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ :- “ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ ።” (ሉቃስ 3:22) ኣብዘን ውሑዳት ቃላት ብዙሕ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ : የሆዋ (1) ንወዱ ኣፍልጦ ሃበ (2) ንየሱስ ፍቕሩ ብጋህዲ ገለጸሉ (3) ንየሱስ ከም ዝሰመሮ ኣፍልጦ ሃበሉ ። ይኹን እምበር የሆዋ ንየሱስ ፍቕሩ ዝገለጸሉ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ጥራይ ኣይነበረን ። ድሓር የሱስ ንኣቦኡ ከምዚ በሎ :- “ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ ።” (ዮሃንስ 17:24) ብሓቂ እምብኣር እቶም እዙዛት ዝኾኑ ውሉዳትሲ ካብ ኣቦታቶምዶ ኣፍልጦ : ፍቕርን ስምረትን ኣየድልዮምን ኢዩ ?
8 ኣቦ እንተደኣ ኴንካ ብዘይምቁራጽ ግቡእ ዝኾነ ኣካላውን ኣፍኣውን መግለጺ ብምግባር ምስ ደቅኻ ማእሰር ፍቕሪ ክትቀርጽ ትኽእል ኢኻ ። ልክዕ ኢዩ ገለ ሰባት : ብፍላይ ካብ ኣቦታቶም ፍቕሪ ዘይርኣዩ እንተኾይኖም : ፍቕሪ ከርእዩ ይጽግሞም ኢዩ ። ይኹን እምበር ንደቅኻ ክእለት ብዝጐደሎ መገዲውን ይኹን ፍቕርኻ ክትገልጸሎም ምፍታን ብርቱዕ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ። ልዕሊ ኹሉ “ፍቕሪ ይሃንጽ” ኢዩ ። (1 ቈረንቶስ 8:1) ደቅኹም ብምኽንያት ኣባታዊ ፍቕርኹም ዑቕባ ዝስምዖም እንተኾይኑ ናይ ‘ሓቂ ውሉዳትኩም’ ክኾኑን ኣባኹም ንምውካልውን ናጽነት ክስምዖም ኢዩ ። — ምሳሌ 4:3
ንመንፈሳዊ ድልየቶም ምሕላይ
9. (ሀ) እቶም እስራኤላውያን ወለዲ ንመንፈሳዊ ድላይ ናይ ስድራቤቶም ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝሓልዩ ዝነበሩ ? (ለ) ክርስትያናት ንደቆም ንእግረመገዶም ክምህርዎም እንታይ ኣጋጣሚታት ኢዩ ዘለዎም ?
9 ቆልዑ መንፈሳዊ ድላይውን ኣለዎም ኢዩ ። (ማቴዎስ 5 : 3) ሙሴ ንእስራኤላውያን ወለዲ ከምዚ ኢሉ ኣዘኻኸረ :- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን ። ንደቅኻ ምሀሮም : ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ ።” (ዘዳግም 6 : 6, 7) ክርስትያን ወላዲ እንተኾይንካ “ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ” ንእግረ መገድኻ ክትምህሮም ብዙሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ ። ብመኪና ክትጓዓዙ ከለኹም ዝጠፍእ ግዜ : ኣብ ዕዳጋ ወይውን ምስ ደቅኹም ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከዱ ከለኹም እተሕልፍዎ ግዜ ምቕልል ኢሉኩም ትምህርቲ ከተመሓላልፉሎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይህብ ኢዩ ። ናይ : መግቢ ግዜ ብፍላይ ንቤተሰብ ጽቡቕ ናይ ምዝርራብ ግዜ ኢዩ ። “ነቶም ኣብ መዓልቲ ዘጋጠሙና ነገራት ክንዛረብ ናይ መግቢ ግዜ ንጥቀመሉ ኢና” ብምባል ሓንቲ ወላዲት ትገልጽ ።
10. ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ሓደ ሓደ ግዜ ብድሆ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ ? ወለዲኸ እንታይ ውሳኔ ኢዩ ክህልዎም ዘለዎ ?
10 ይኹን እምበር ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንደቅኻ ስሩዕ ትምህርቲ ምሃብውን ኣገዳሲ ኢዩ ። ‘ንልቢ ቆልዓ ዕሽነት ተቈራንይዎ’ ከም ዘሎ ሓቂ ኢዩ ። (ምሳሌ 22 : 15) ገለ ወለዲ ደቆም ብቐሊሉ ኮነ ኢሎም ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ የተዓናቕፍዎ ኢዮም ይብሉ ። ከመይ ገይሮም ? ፍሕትሕት ብምባልን ብምስልካይን : ዘሕርቑ መዘንበሊታት (ምስ ኣሕዋቶም ምብኣስ) ብምፍጣር ወይ ድማ ንመሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ዘይትፈልጦ ብምምሳልን ኢዩ ። እዚ ክሳዕ ናይ መን ፍቓድ ይሕይል ኣብ ዝብል ምስሕሓብ እንተበጺሑ : ናይ ወለዲ ፍቓድ ክሕይል ኣለዎ ። ክርስትያናት ወለዲ : ተስፋ ክቖርጹን ቆልዑ ነታ ቤት ክቆጻጸርዋ ስቕ ኢሎም ክርእይዎምን የብሎምን ። — ምስ ገላትያ 6 : 9 ኣነጻጽርዎ ።
11. ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዘሕጉስ ክግበር ዝከኣል ብከመይ ኢዩ ?
11 ደቅኹም ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዘይሕጎስሉ እንተኾይኖም : ምናልባት ገለ ለውጥታት ክግበር ይከኣል ኢዩ ። ንኣብነት እቲ ዝግበር መጽናዕትስ ነቲ ደቅኹም ዝገበርዎ ጉድለት ንምእራም ተባሂሉ ድዩ ዝቐርብ ? ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ኣብ ብሕቲ ክትዘራረቡሎም እቲ ዝበለጸ ኢዩ ። ጽንዓትኩም ስርዓታዊ ኮይኑ ድዩ ዝቕጽል ? ንሓደ ምሩጽ ናይ ተለቪዥን ምርኢት ወይ ናይ ስፖርት ውድድር ክትርእዩ ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ተቋርጹ እንተ ኴንኩም ደቅኹምውን ነቲ መጽናዕቲ ኣርዚኖም ኣይርእይዎን ኢዮም ። ነቲ ትምህርቲ ክትመርሕዎ ከለኹምሲ ብትግሃትን ብተመስጦንዶ ተቕርብዎ ኢኹም ? (ሮሜ 12 : 8) እወ ትምህርቲ ዘሐጉስ ክኸውን ኣለዎ ። ኩሎም እቶም ቆልዑ ከም ዝሳተፉ ግበሮም ። ኣወንታውያንን ሃነጽትን ኩኑ : ነቲ ናይ ደቅኹም ተሳትፎ ድማ ምዉቕ ብዝኾነ መገዲ ጌርኩም ንኣድዎ ። ብዙሕ ክትሽፍኑ ዘይኮነስ ኣብ ልቦም ክትበጽሑ ፈትኑ ። — ምሳሌ 23 : 15
ብጽድቂ ምቕጻዕ
12. ስለምንታይ ኢዩ ምቕጻዕ ኩሉ ግዜ ኣካለዊ መቕጻዕቲ ዘይሕውስ ?
12 ቆልዑ መቕጻዕቲውን ብጽኑዕ የድልዮም ኢዩ ። ከም ወለዲ መጠን ገደብ ክትገብሩሎም ኣሎኩም ። ምሳሌ 13 : 24 ከምዚ ይብል :- “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ : ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ ።” ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ መቕጻዕቲ ኩሉ ግዜ ብመግረፍቲ ክኸውን ኣለዎ ማለቱ ኣይኮነን ። ምሳሌ 8 : 33 “ተግሳጸይ ስምዑ” ኢዩ ዝብል ። ከምኡውን “ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ : ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይአትዎ” ኢሉና ኣሎ ። — ምሳሌ 17 : 10
13. ናይ ቆልዓ መቕጻዕቲ ብኸመይ ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ ?
13 ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኣድላይ ይኸውን ኢዩ ። ብሕርቃን ምስ ዝኸውን ግና መጠኑ ዝሓለፈን ዘይውጽኢታውን ኢዩ ዝኸውን ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ የጠንቅቕ :- “ኣቱም ኣቦታት : ሕሊናኦም ከይዐርብ : ነቶም ውሉድኩም ኣይተኾርይዎም ።” (ቈሎሴ 3 : 21) ብርግጽ “ግፍዒ [ጭቆና ትሓዓ] ንጥበበኛ የዐሽዎ” ኢዩ ። (መክብብ 7 : 7) እተመረረ መንእሰይ ኣንጻር እቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ክዓሉ ይኽእል ኢዩ ። ስለዚ ወለዲ ንደቆም ጽኑዕን ሚዛናውን መገዲ ገይሮም ብጽድቂ ክቐጽዕዎም ቅዱሳት ጽሑፋት ክጥቀሙ ኣለዎም ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 16) ኣምላኻዊ ቅጽዓት ብፍቕርን ህድኣትን ኢዩ ዝወሃብ ። — ምስ 2 ጢሞቴዎስ 2 : 24, 25 ኣነጻጽርዎ ።a
14. ወለዲ ናብ ኩራ ገጾም ዘዝብሉ ምዃኖም እንተተሰምዖምሲ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዘለዎም ?
14 ልክዕዩ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና ።” (ያእቆብ 3 : 2) እቶም ፈቃራት ወለዲውን እንተኾኑ በቲ ግዚያዊ ጸቕጢ ተሸፊኖም ሕያውነት ዘይብሉ ነገር ክዛረቡ ወይ ኩራኦም ከግህድዎ ይኽእሉ ኢዮም ። (ቈሎሴ 3 : 8) ከምዚ ምስ ዝኸውን ወድኹም ወይ ጓልኩም ኣብ ብርቱዕ ምጭናቕ ከለዉ ወይ ድማ ንስኹም ተቖጢዕኩም ከለኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም ። (ኤፌሶን 4 : 26, 27) ነቲ ነገር ምስ ወድኹም ወይ ጓልኩም ኴንኩም ፍትሕዎ : ኣድላይ ምስ ዝኸውን ይቕረታ ሕተቱ ። (ምስ ማቴዎስ 5 : 23, 24 ኣነጻጽርዎ ።) ከምዚ ዓይነት ትሕትና ምርኣይ ንዓኩምን ንወድኹምን ወይ ጓልኩምን ከቀራርበኩም ኢዩ ። መንፈስኩም ምቍጽጻር ስኢንኩም እትቑጥዑ ምዃንኩም ይስምዓኩም እንተኾይኑ ካብቲ ዝተመዘዘ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ሓገዝ ድለዩ ።
ንጽል ወለዲ ዘለውዎ ሓዳርን ብኻልኣይ መርዓ ዝቖሙ ስድራቤታትን
15. ነቶም ኣብ ንጽል ወለዲ ዘለዉወን ስድራቤታት ዘለዉ ቆልዑ ብኸመይ ምተሓገዙ ?
15 ይኹን እምበር ኩሎም ቆልዑ ኣይኮኑን ደገፍ ናይ ክልቲኦም ወለዲ ዝረኽቡ ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ካብ 4 ቆልዑ 1 ብንጽል ወላዲ ኢዩ ዝዓቢ ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ዘኽታማት’ ብዙሓት ኢዮም ነይሮም : ሓልዮት ክግበረሎም ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ንረኽቦ ። (ዘጸኣት 22 : 22) ሎሚ ስድራ ዘለዎም ንጽል ዝኾኑ ክርስትያን ወለዲ ተመሳሳሊ ጸቕጥን ጸገምን የጓንፎም ኢዩ : የሆዋ “ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን” ምዃኑ ምፍላጦም ግን የዕርፎም ኢዩ ። (መዝሙር 68 : 5) ክርስትያን ‘ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ክበጽሕዎም’ ተተባቢዖም ኢዮም ። (ያእቆብ 1 : 27) ኣመንቲ ብጾት ነተን ንጽል ወለዲ ዘለዉወን ስድራቤታት ክሕግዝወን ብዙሕ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ።b
16. (ሀ) ንጽል ወለዲ ንቤተሰቦም እንታይ ክገብሩሎም ኣለዎም ? (ለ) ስለምንታይ ኢዩ ምቕጻዕ ከቢድ ዝኸውን ? ስለምንታይከ ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ ?
16 ንጽል ወላዲ እንተኾይንኩም ንቤተሰብኩም ምእንቲ ክትጠቕሙስ ንስኹም ንገዛእ ርእስኹም እንታይ ክትገብሩ ምኸኣልኩም ? ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ኣኼባታት ምክፋልን ግራት ኣገልግሎትን ክትጽዕሩ ከድልየኩም ኢዩ ። ይኹን እምበር መቕጻዕቲ ምሃብ ብፍላይ ክብድ ዝበለ ብድሆ ክኾነኩም ይኽእል ይኸውን ። ምናልባትውን ብሞት ፍቑር ብጻይኩም ገና ትጉህዩ ወይ ትሓዝኑ ትህልዉ ። ወይውን ሓዳርኩም ስለ ዝፈረሰ ምስናይ ገበንን ሕርቃንን ስሚዒታት ትቃለሱ ትህልዉ ። ደቅኹም ምስቲ ናይ ቅድም ብጻይኩም ተማቒልኩምዎም እንተኾይንኩም ምናልባት እቲ ምሳኹም ዘሎ ወድኹም ወይ ጓልኩም ናብቲ ዝተፈልየ ወይ ዝተፈትሐ ብጻይኩም ከይከይድ ትፈርሑ ትኾኑ ። ከምዚ ዓይነት ኩነታት ሚዛናዊ መቕጻዕቲ ከይትህብ ብስምዒት ከቢድ ክገብሮ ይኸእል ይኸውን ። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ “ስዲ ዝኸደ ውሉድ ንወላዲቱ የሕፍራ” ኢሉ ይነግረና ። (ምሳሌ 29 : 15) ስለዚ ብናይ ዝሓለፈ ናይ መርዓ ብጸይትኻ ወይ ብጻይኪ ጸጸት : ጣዕሳ ወይ ስሚዒታዊ ጸቕጢ ኣይተእቱ ኣይትእተዊ ። ምኽንያታውን ጽኑዕን ስርዓታት ኣውጽኡ ። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ አይተእትውዎ ። — ምሳሌ 13 : 24
17. ኣብታ ንጽል ወላዲ ዘለዋ ስድራቤት ግደ ናይቶም ኣባላት ናይታ ስድራቤት ብኸመይ ኢዩ ዘይንጹር ክኸውን ዝኽእል ?
17 ንጽል ኣደ ወዳ ንሰብኣያ ክትክኣላ ከም ሰብኣይ ናይ ገዛ ትቖጽሮ እንተኾይና ወይ ድማ ንጓላ ኩሉ ምስጢራ እተካፍላ ኣማኒታ ገይራ ብውሽጣዊ ሽግራት ትጽዕና እንተ ኾይና ጸገማት ክለዓል ይኽእል ኢዩ ። ከምዚ ምግባር ዘይግቡእን ነቲ ውሉድ ዘደናግርን ኢዩ ። ናይ ወላድን ውሉድን ግደ ንጹር ምስ ዘይከውን መቕጻዕቲ ዋጋ የብሉን ። ንስኹም ወለዲ ምዃንኩም ክፍለጥ ኣለዎ ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ እትደልዪ ኣደ እንተኾይንኪ ንሽማግለታት ወይ ድማ ብዕድመ ዝዓበያ ብሱላት ኣሓት ሕተቲ ። — ምስ ቲቶስ 2 : 3 – 5 ኣነጻጽርዎ ።
18, 19. (ሀ) ገለ ካብቶም ብኻልኣይ መርዓ ዝቖሙ ስድራቤታት ዘጋጥምዎም ዘለዉ ብድሆታት እንታይ ኢዮም ? (ለ) ከመይ ገይሮም ኢዮም ኣብታ ብኻልኣይ መርዓ ዝቖመት ስድራቤት ዘለዉ ወለድን ቆልዑን ጥበብን ምስትውዓልን ከርእዩ ዝኽእሉ ?
18 ብኻልኣይ መርዓ ዝቖሙ ስድራቤታትውን ዝመሳሰል ብድሆ ኢዩ ዘጋጥመን ። ዝበዝሕ ግዜ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተ’ቦ ካብ “ውላድ በዓልቤት ወይ በዓልቲ ቤት ቅልጡፍ ፍቕሪ” ዳርጋ ኣይረኽቡን ኢዮም ። ንኣብነት ውሉዳት በዓልቤት ወይ በዓልቲ ቤት በቲ ናብቶም ዝወለድካዮም ደቅኻ እትግብሮ ምድላው ብቕሊሉ ተነቀፍቲ ክኾኑ ይኸእሉ ኢዮም ። (ምስ ዘፍጥረት 37 : 3, 4 ኣነጻጽርዎ ።) አረ ውሉዳት በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት በቲ ዝተፈልየ ወላዲኦም ምስ ሓዘን ይቃለሱ ይኾኑ : ከምኡውን ንሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተ’ቦ ምፍቃር ብገለ መገዲ ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ዘይእሙን ምዃን ኮይኑ ክስምዖም ይኸእል ። ዘድሊ መቕጸዕቲ ክትህቡ ኣብ እትፍትንሉ እዋን ምናልባት ቍጥዓ ብዝመልኦ መገዲ ‘ንስኻ ወላዲየይ ኣይኮንካን !’ ዝብል መልሲ የጋጥመኩም ይኸውን ።
19 ምሳሌ 24 : 3 ከምዚ ይብል :- “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ : ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ ።” እወ : ብኻልኣይ መርዓ ዝቖመት ቤተሰብ ክትዕወት ብኹሎም ጥበብን ምስትውዓልን ከድልዮም ኢዩ ። ድሕሪ ገለ እዋን : ቆልዑ ነቲ ነገራት ከም ዝተቐየረ ዝሕብር ቃንዛ ዝመልኦ ክዉን ነገር ክቕበልዎ ኣለዎም ። ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰበይቲቦውን እንተኾኑ ብተመሳሳሊ ትዕግስተኛታትን ደንገጽትን ተቓውሞ ዝመስል ምስ ዘጋጥም ድማ ቀልጢፎም ዘይቅየሙን ክኾኑ ክመሃሩ የድልዮም ይኸውን ። (ምሳሌ 19 : 11 ፣ መክብብ 7 : 9) ቅድሚ ናብ ናይ ምቕጻዕ ደረጃ ምብጻሕኩም : ምስ ውላድ በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት ዕርክነት መስርቱ ። ከምዚ ዓይነት ማእሰር ክሳዕ ዝምስረት ገሊኦም መቕጻዕቲ በቲ ቐንዲ ወላዲ ክፍጸም ክፈቕዱ ዝሓሸ ኮይኑ ይስምዖም ይኸውን ። ውጥረት ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ርክብ ክግበር ጻዕሪ ክካየድ ኣለዎ ። ምሳሌ 13 : 10 “ጥበብ ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ” ይብል ።c
ንድሕነት ቤተ ሰብኩም ምስራሕ ቀጽልዎ
20. ናይ ከርስትያን ቤተሰብ ርእሲ ዝኾኑ እንታይ ኣብ ምግባር ኢዮም ክቕጽሉ ዘለዎም ?
20 ድልዱል ክርስትያናዊ ቤተሰብ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ነገር ኣይኮነን ። ናይ ስድራቤት ርእሲ ዝኾንኩም ንናይ ቤተሰብኩም ድሕነት ኣበርቲዕኩም ምስራሕ ቀጽልዎ ። ዘይጥዑያት ባህርያት ወይ ዓለማዊ ዝንባሌታት እናኣለኹም ትኩራት ኩኑ ። ብቓል : በኻይዳ : ብፍቕሪ : ብእምነት ብንጽህናውን ኣርኣያ ኩኑዎም ። (1 ጢሞቴዎስ 4 : 12) ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍረ መንፈስ ኣንጸባርቕዎ ። (ገላትያ 5 : 22, 23) ትዕግስቲ : ሓልዮት : ምሕረትን ሕያውነትን ነቲ ንደቅኹም መገድታት ኣምላኽ ክትምህሩ እትገብርዎ ጻዕሪ ከሐይለልኩም ኢዩ ። — ቈሎሴ 3 : 12 – 14
21. ከመይ ጌርካ ኢዩ ኣብ ሓንቲ ቤት ምውቕን ሕጉስን ሃዋህው ክርከብ ዝክኣል ?
21 ብሓገዝ ኣምላኽ ጌርኩም ኣብ ውሽጢ ቤትኩም ሕጉስን ምዉቕን መንፈስ ክትዕቅቡ ፈትኑ ። ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ሓንሳእ ብሓደ ሓቢርኩም ክትምገቡ ብምጽዓር : ከም ቤተሰብ ኴንኩም ሓቢርኩም ግዜ ኣሕልፉ ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት : ግራት ኣገልግሎትን ናይ ስድራቤት መጽናዕትን ኣገደስቲ ኢዮም ። ገና ግን “ንስሓቕ ጊዜ ኣለዎ ። . . . ንጓይላ ድማ ጊዜ ኣለዎ ።” (መክብብ 3 : 1, 4) እወ : ሃነጽቲ ንዝኾኑ መዘናግዒታት መደብ ግበሩ ። ቤተ መዘክራትን መካነ እንስሳታትን ካልእን ንብምልእታ እታ ስድራቤት ከም እትቀራረብ ክገብራ ይኽእል ኢዩ ።
22. ንናይ ስድራቤትኩም ድሕነት ኣበርቲዕኩም ክትሰርሑ ዘሎኩም ስለምንታይ ኢዩ ?
22 ኩሉኹም ክርስትያናት ወለዲ “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኹሉ : ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን” ብኹሉ ንየሆዋ ባህ ከተብልዎ ስራሕኩም ቀጽሉ ። (ቈሎሴ 1 : 10) ንገዛኹም ኣብቲ ንቃል ኣምላኽ ናይ ምእዛዝ ድልዱል መሰረት ህነጽዋ ። (ማቴዎስ 7 : 24 – 27) እቲ ንደቅኹም “ብናይ ጐይታ [የሆዋ ትሓዓ] ተግሳጽን ምዕዶን” ከተዕብይዎም እትገብርዎ ጻዕሪ ስምረቱ ከም ዝህልዎ ርግጸኛታት ኩኑ ። — ኤፌሶን 6 : 4
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነታ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ : ‘ሾቦጥ መቕጻዕቲ’ ግዜኡ ዘሕለፈ ድዩ ?” እትብል ኣብ ናይ 8 መስከረም 1992 ተበራበሩ ! ዝወጸት ዓንቀጽ ረኣዩ ።
ብኸመይ ምመለስኩም ?
◻ ከመይ ገይሮም ኢዮም ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ሓቢሮም ቤቶም ክሃንጹ ዝኽእሉ ?
◻ ገለ ካብቶም ስምዒታዊ ድሌታት ናይ ቆልዑ እንታይ ኢዮም ? ብኸመይከ ምተማልኡ ?
◻ ከመይ ገይሮም ኢዮም ናይ ስድራቤት ርእስታት ንደቆም ስርዓታውን ብናይ እግረመገድን ኣገባብ ገይሮም ክምህርዎም ዝኽእሉ ?
◻ ወለዲ ብኸመይ ንጽድቂ ብዝኸውን ምእዳብ ክቐጽዑ ይኽእሉ ?
◻ ንጽል ወለዲ ዘለዉዎም ስድራቤታትን ብኻልኣይ መርዓ ዝቖመ ስድራቤትን ምእንቲ ክሕገዙ እንታይ ክግበር ምተኻእለ ?
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣቦ ፍቕርን ኣፍልጦን ንናይ ሓደ ቆልዓ ስሚዒታዊ ምዕባለ ኣድላይ ኢዩ