ምስትውዓል ኣማዕብሉ
“እቲ ለውሃትኩም [ምስትውዓልኩም ትሓዓ] ኣብ ኩሉ ይፈለጥ፣ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ።”—ፊልጲ 4:5
1. ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም መስተውዓሊ ክትከውን ኣሸጋሪ ዝኸውንሲ ከመይ ኢሉ ኢዩ?
ናይ እንግሊዝ ጋዜጠኛ ሰር ኣለን ፓትሪክ ሀርበርት ናይ ሓቂ “መስትውዓሊ ሰብ” ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ግምት ነበሮ። ብርግጽውን ኣብዛ ተኸፋፊላ ዘላ ዓለም መስተውዓልቲ ሰባት ዝበሃሉ ዘየለዉ መሲሉ ዝረኣየሉ ግዜያት ይህሉ ይኸውን ኢዩ። ኣብዘን ጽንኩራት “ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት “ጨካናት” “ህዉኻት” “ተቐየምቲ” ብኻልእ ኣዘራርባ ፈጺሞም ምስትውዓል ዘይብሎም ክኾኑ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1–5) ይኹን ደኣ’ምበር: ሓቀኛታት ክርስትያናትሲ ንምስትውዓል ምልክት ናይ መለኮታዊ ጥበብ ምዃኑ ብምርዳእ ብዝለዓለ ደረጃ ኢዮም ዝርእይዎ። (ያእቆብ 3:17) ኣብዛ ምስትውዓል ዘይብላ ዓለም መስተውዓሊ ምዃን ዘይከኣል ኢዩ ዝብል ስምዒት የብልናን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ከጽርየና ዝኽእል ኣብ ፊልጲ 4:5 ዝርከብ መንፈስ ዝመልኦ ምኽሪ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቕበሎ ኢና:- “እቲ ለውሃትኩም [ምስትውዓልኩም ትሓዓ ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”
2. እቲ ኣብ ፊልጲ 4:5 ዝርከብ ቃላት ጳውሎስ መሰተውዓልቲ ምዃንናን ዘይምዃንናን ንኽንውስን ዝድግፈና ከመይ ኢሉ ኢዩ?
2 መስተውዓልቲ ምዃንናን ዘይምዃንናን ንኽንምርምር እዘን ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ብኸመይ ከም ዝሕግዛና ኣስተብህል። እቲ ኣገዳሲ ኾይኑ ዘሎ ንሕና ንባዕልና ብኸመይ ከም እንርእያ ዘይኮነስ: ካልኦት ንዓና ብኸመይ ከም ዝረእዩናን ብኸመይ ከም እንፍለጥን ኢዩ። ኣብ ናይ ፊልጵስ ትርጉም እዛ ጥቕሲ እዚኣ “መስተውዓልቲ ብምዃን ጽቡቕ ስም ይሃልኹም” ተባሂላ ኣላ። ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክንውከስ ንኽእል ኢና:- ብኸመይ እየ ዝፍለጥ? መስተውዓሊ: ምስ ኵነታት ዝሰማማዕ: ወረጃ ከም ዝኾንኩ ድዩ ዝዝረበለይ? ወይስ ተሪር: ነቓጽ: ገታር ከም ዝኾንኩ’የ ዝፍለጥ?
3. (ሀ) እታ “መስተውዓሊ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል እንታይ ማለት ኢያ? እዛ ባህሪ እዚኣ መሳጢት እትኸውን ስለምንታይ ኢያ? (ለ) ሓደ ክርስትያን ዝያዳ መስተውዓሊ ኪኸውን ብኸመይ ክመሃር ምኸኣለ?
3 እቲ ብዛዕባዚ ዘሎና ተፈላጥነት: ንክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ ንቐድሖ ምህላውናን ዘይምህላውናን ዘንጸባርቕ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:1) የሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ነቲ ናይ ምስትውዓል ልዑል ኣብነት ዝኾነ ኣቦኡ ፍጹም ገይሩ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:9) ብርግጽ እኳድኣ ጳውሎስ “ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሀቱን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ እታ ‘ንለውሃት’ (ኤፐይኪያስ) እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ምስትውዓል ማለትውን ኢያ። ወይ ከኣ ቃል ብቓሉ “ምስ ኵነታት ምስምማዕ” ማለት ኢያ። (2 ቈረንቶስ 10:1) ዘ ኤክስፖዚቶሪ ባይብል ኮመንተሪ ነዚ “ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ካብ ዝርከብ እቲ ዝበለጸ ናይ ጠባያት መግለጺ ቃል” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ኣዝዩ ዝምስጥ ባህሪ ዝገልጽ ስለ ዝኾነ ሓደ ምሁር እኳ ነታ ቓል “ቅቡል ምስትውዓል” ኢሉ ተርጕምዋ ኣሎ። እስከ እምበኣር ሕጂ የሱስ ንየሆዋ ኣቦኡ ብምምሳል ምስትውዓል ዘንጸባረቐሉ ሰለስተ መገድታት ንዘራረበሉ። በዚ ኸምዚ ድማ ንርእስና ዝያዳ መስተውዓልቲ ንምዃን ክንመሃር ኢና። — 1 ጴጥሮስ 2:21
“ንይቕሬታ ድልዊ”
4. የሱስ “ንይቕረታ ድልዊ” ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ?
4 የሱስ ከም ኣቦኡ: ብተደጋጋሚ “ንይቐሬታ ድልዊ” ብምዃን ምስትውዓሉ ኣርእዩ ኢዩ። (መዝሙር 86:5) ጴጥሮስ: እቲ ናይ ማሕርሮ ዓርኩ: ኣብታ የሱስ እተታሕዘላን እተፈተነላን ምሸት ሰለስተ ግዜ ዝኸሓደሉ እዋን ምልስ ኢልና ንዘክሮ። የሱስ ባዕሉ ኣቐድም ኣቢሉ:- “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና: ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ” ኢሉ ገሊጹ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:33) የሱስ ብትርን ብዘይምሕረትን ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ጴጥሮስዶ ኣውዒልዎ ኢዩ? ኣይፋሉን። ብድሕሪ ትንሳኤኡ: የሱስ ንጴጥሮስ ብሕታዊ ምብጻሕ ገይርሉ ኢዩ: እዚ ድማ ነዚ እተናስሐን ሰቡር ልቢ ዝነበሮን ሃዋርያ ንኸጸናንዖን ንኸረጋግጸሉን ኢሉ ከም ዝኾነ ኣየጠራጥር ኢዩ። (ሉቃስ 24:34፣ 1 ቈረንቶስ 15:5) ብድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ: የሱስ ንጴጥሮስ ዓቢ ሓላፍነት ክስከም ኣፍቂዱሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1–41) ሓለፍ ዝበለ ቅቡል ምስትውዓል ኣብዚ ኢዩ ተራእዩ! የሆዋ ንየሱስ ከም ፈራዲ ናይ ኵሎም ደቂ ሰብ ገይሩ ስለ ዝቐብኦ ነዚ ሕስብ ከተብሎ ከሎኻስ ዘጸናንዕዶ ኣይኰነን። — ኢሳይያስ 11:1–4፣ ዮሃንስ 5:22
5. (ሀ) ሽማግለታት ኣብ ማእከል እተን መጓሰ እንታይ ዝብል ስም ኢዩ ክህልዎም ዝግባእ? (ለ) ሽማግለታት ኣብ ናይ ፍርዲ ጉዳይ ቅድሚ ምእታዎም ነየናይ ጽሑፍ ኢዮም ክምርምርዎ ዘለዎም? ስለምንታይከ?
5 ሽማግለታት ከም ፈራዶ ኮይኖም ኣብታ ጉባኤ ክዓዩ ኸለዉ ብምስትውዓል ዝመጸ ነቲ ናይ የሱስ ኣብነት ክስዕቡ ኢዮም ዝጽዕሩ። እተን ኣባጊዕ ከም ቀጻዕቲ ገይረን ክፈርሓኦም ኣይደልዩን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ: እተን ኣባጊዕ ከም ፈቃራት ጓሶት ገይረን ብምርኣይ ምስኣቶም ዑቍባ ምእንቲ ክስምዐን ንየሱስ ክመስልዎ ኢዮም ዝደልዩ። ኣብ ናይ ፍርዲ ጉዳይውን መስተውዓልትን ንይቕሬታ ድልዋትን ንምዃን ዝከኣሎም ኢዮም ዝጽዕሩ። ቅድሚ ናብዚ ጉዳይዚ ምእታዎም ገሊኦም ሽማግሌታት ነቲ ናይ 1 ሓምለ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ “የሆዋ እቲ ዘየዳሉ ፈራድ ኩላ ምድሪ” ከምኡውን “ሽማግለታት ብጽድቂ ፍረዱ” ዝብል ዓንቀጻት ምድጋሙ ሓጋዚ ኮይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ኣገባብ ኣፈራርዳ ናይ የሆዋ ዝገልጽ ጽሟቕ ሓሳባት ይዝክርዎ ኢዮም። ከምዚ ዝብል:- “ኣብ ኣድላዪ ዝኾነሉ ጊዜ ጽኑዕ ምዃን: ኣብቲ ዝከኣለሉ ጊዜ ኸኣ ምሕረት ምግባር።” ኣብ ግዜ ፍርዲ ናብ ምሕረት ገጽካ ንኽትጽጋዕ ዝድርኸካ ብቑዕ ምኽንያት እንተድኣ ኣልዩ ከምኡ ምግባር ጌጋ ኣይኮነን። (ማቴዎስ 12:7) ተሪር ወይ ከኣ ምሕረት ዘይብልካ ምዃን ዓቢ ጌጋ ኢዩ። (ህዝቅኤል 34:4) ስለዚ እምበኣር ሽማግለታት ምስ ማእሰር ፍትሒ ተተሓሒዙ ክኸይድ ዝኽእል ብሉጽ ፍቕርን ምሕረት ዝመልአን መገድታት ንጡፋት ኮይኖም ብምድላይ ጌጋ ካብ ምፍጻም ይርሕቑ ኢዮም። — ምስ ማቴዎስ 23:23፣ ያእቆብ 2:13 ኣነጻጽሮ።
ኣብ ተለዋዋጢ ኵነታት ተዓጻፍነት ምርኣይ
6. የሱስ ነታ ጓላ ጋኔን ሒዝዋ ዘነበረ: ካብ ኣህዛብ ዝነበረት ሰበይቲ: ብኸመይ ኢዩ ምስትውዓል ዘርኣያ?
6 ንየሆዋ ብምምሳል: የሱስ ሓዲሽ ኵነታት ክለዓል ከሎ መገዱ ንምልዋጥ ወይ ምስቲ ኵነታት ንምልዛብ ቅልጡፍ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ካብ ኣህዛብ ዝነበረት ሰበይቲ ነታ ሕሱም መንፈስ ጋኔን ሓዲርዋ ዝነበረ ጓላ ምእንቲ ከሕወየላ ለመነቶ። የሱስ ኣብ መጀመርታ ብሰለስተ ዝተፈላለየ መገድታት ገይሩ ማለት: ቀዳማይ: ምላሽ ከይሃበ ስቕ ብምባሉ: ካልኣይ: ናብ ኣይሁድ ደኣ እምበር ናብ ኣሕዛብ ከም ዘይተልኣኸ ብቐጥታ ብምግላጽ: ሳልሳይ: ነዚ ሓሳብ እዚ ዘብርህ ምስላ ብምቕራብ: ክሕግዛ ከም ዘይብሉ ኣመልከተላ። ይኹን እምበር እታ ሰበይቲ ምስናይ እዚ ኹሉ ኣይቀበጸትን: በዚ ድማ ሓለፍ ዝበለ እምነት ከም ዝነበራ ኣርኣየት። ነዚ ፍልይ ዝበለ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው የሱስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ሓፈሻዊ ሕጊ ጌርካ ምግዳድ ግዜኡ ከም ዘይነበረ ክግንዘብ ክኢሉ ኢዩ። ምስቲ ዝለዓለ ስርዓት ብምስምማዕ ዝዕጸፈሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ።a በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: የሱስ ነቲ ሰለስተ ግዜ ዝኣክል ዘይገብሮ ምዃኑ ዘመልከቶ ነገር: ገበሮ። ነታ ሰበይቲ ጓላ ኣሕወየላ! — ማቴዎስ 15:21–28
7. ወለዲ በየኖት መገድታት ኢዮም ምስትውዓል ከርእዩ ዝኽእሉ? ስለምንታይከ?
7 ንሕናኸ ብተመሳሳሊ: ግቡእ ኰይኑ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ንኽንልወ ፍቓደኛታት ከም ዝኾንና ዲና እንፍለጥ? ወለዲ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስትውዓል ብተደጋጋሚ ከርእዩ የድልዮም ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ቖልዓ ፍሉይ በህሪ ስለ ዘለዎ ኣብቲ ሓደ ዝዓዪ ሜላ ኣብቲ ኻልእ ዘይሰማማዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ቖልዑ እናዓበዩ ብዝኸዱ መጠን እቲ ድልየቶም ድማ ምስኡ ይልወጥ ኢዩ። እቲ ኣብ ገዝኦም ንኽርከቡ እተወሰነሎም ሰዓታት ምትዕርራይ ክግበረሉ የድሊ ድዩ? እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ካብቲ ህያው ኣቀራርባ ጥቕሚ ክረክብ ምተኻእለዶ? ሓደ ወላዲ ኣብ ገለ ንኣሽቱ በደላት ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝቑጣዕ: ንሱ ወይ ንሳ ትሕትና ብምርኣይ ነቲ ጉዳይ ከተዓራርይዎ ፍቓደኛታት ድዮም? እቶም በዚ መገዲ እዚ ምስቲ ኵነታት ዝሰማምዑ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዘየድሊ ከየኾርይዎምን ካብ የሆዋ ከየርሕቕዎምን ክሕግዞም ኢዩ። — ኤፌሶን 6:4
8. ብዛዕባ ምስቲ ናይ ዞባኻ ድልየት ተላዚብካ ምኻድ ዝመጸ ሽማግለታት ብኸመይ መሪሕነት ክውስዱ ምኸኣሉ?
8 ሽማግለታትውን ከምኡ: ነቲ ንጹር ሕግታት ኣምላኽ ሸለል ዘይብልዎ እኳ እንተኾኑ ሓዲሽ ኵነታት ክለዓል ከሎ ምስኡ ክሰማምዑ የድልዮም። ነቲ ዕዮ ስብከት ክትዕዘቡ ከሎኹም ኣብቲ ዞባ ዝረአ ለውጥታት ንምልላይ ንቑሓት ዲኹም? ኣብቲ ጐረባብቲ ዘለዉ ሰባት ኣነባብራኦም እንተደኣ ተለዊጡ: ምናልባት ናይ ኣጋ ምሸት ምስክርነት: ናይ መገዲ ምስክርነት ወይ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ክግበር ምትብባዕ የድሊ። በዚ መገዲዚ ምስምማዕ ነቲ ናይ ስብከት ተልእኾና ብስሉጥ መገዲ ክንፍጽሞ ክሕገዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 9:26) ጳውሎስውን ምስቶም ኣብ ኣገልግሎቱ ዝረኸቦም ኩሎም ዓይነት ሰባት ብምስምማዕ ይመስሎም ከም ዝነበረ ጠቒሱ ኣሎ። ንሕናኸ ንሰባት ምሕጋዞም ምእንቲ ክንክእል ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ሃይማኖታትን ባህልታትንሲ ዝኣክል መጽናዕቲ ብምግባርዶ ነዚ ኣብነት እዚ ንቐድሖ ኢና? — 1 ቈረንቶስ 9:19–23
9. ሓደ ሽማግለ ግድላት ክፈትሕ ከሎ: ኩሉ ግዜ ኣብቲ ቅድም ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ጥራይ ክጽጋዕ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ?
9 እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እናጸንከራ ብዝኸዳ መጠን: ጓሶትውን ምስቲ ሕጂ ነተን ኣባጊዕ ዘጋጥመን ዘሎ ዘጨንቕን ዝተሓላለኸን ክፉእን ግድላት ክሰማምዑ የድልዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ሸማግለታት ሕጂ ተረርቲ እትኾኑሉ ግዜ ኣይኮነን! ሓደ ሽማግለ ግድል ንምፍታሕ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ተጠቒሙሉ ዝነበረ ኣገባብ ዘይስሉጥ ኰይኑ እንተድኣ ተረኺቡ ወይ ከኣ: እቲ “እሙን ኣስተወዓሊ ባርያ” ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እቲ ዝምልከት ሓዲሽ ጽሑፍ ንኽሓትም ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝርከብ: እቲ ሽማግለ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ገይሩ ነቲ ግድል ክፈትሕ ህርድግ ኣይብልን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45፣ ምስ መክብብ 7:10፣ 1 ቈረንቶስ 7:31 ኣነጻጽርዎ) ሓደ እሙን ሽማግለ ንሓንቲ መንፈስ ጭንቀት ዝነበራ እሞ ጥንቁቕ ሰማዒ ዘድልያ ኣዝዩ ከቢድዋ ዝነበረ ሓብቲ ንምሕጋዝ ብቕንዕና ፈቲኑ ኢዩ። ይኹን ደኣ’ምበር ነቲ መንፈስ ጭንቀታ ክሳዕ ክንድቲ ከቢድ ገይሩ ስለ ዘይርኣዩ ፍኹስ ዝበለ መፍትሒ ጥራይ ሃባ። ድሕርዚ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ግድላ ዝፈትሓላ ገለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓበሬታ ኣሕቲማ ኣውጸአት። እቲ ሽማግለ እንደገና ምስኣ ከም ዝዘራረብ ገበረ እሞ ኣብዚ ግዜ እዚ በቲ ሓድሽ ጽሑፍ ተጠቒሙ ነቲ ጸገማ ብምርዳእ ድንጋጽ ኣርኣየላ። (ምስ 1 ተሰሎንቄ 5:14, 15 ኣነጻጽሮ ።) እዝስ ከመይ ዝበለ ግሩም ኣብነት ናይ ምስትውዓል ኰን ኢዩ!
10. (ሀ) ሽማግለታት ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ኣካል ሽማግለታት ክራኸቡ ከሎዉን ምስ ኵነታት ናይ ምስምማዕ ጠባይ ከርእዩ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም? (ለ) እቲ ኣካል ሽማግለ ነቶም ተዓጻፍነት ዘየርእዩ ብኸመይ ክምልከቶም ኣለዎ?
10 ሽማግሌታት እውን ኣብ ንሓድሕዶም ከከም ኵነታቱ ናይ ምስምማዕ ዝምባለ ከርእዩ የድልዮም። ኣካል ሽማግሌታት ክራኸቡ ኸለዉ ሓደውን ይኹን ካባታቶም ኣብቲ ዝዘራረቡሉ ዘለዉ ጉዳይ ዓብላልነት ከየርኢ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ክጥንቀቑሉ ዘለዎም! (ሉቃስ 9:48) ብፍላይ እቲ ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘሎ ብዛዕባዚ ዝምልከት ነፍሱ ክገትእ ኣለዎ። ከምኡውን ሓደ ወይ ክልተ ሽማግሌታት ነቲ እቶም ብሓፈሻ ኣካል ሽማግሌ ዝወሰንዎ ውሳኔ ዘይሰማምዑሉ ምስ ዝኾኑ በቲ ንሳቶም ዝደለይዎ መገዲ ክግበር ኣየገድዱን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ካብ ሽማግለታት ምስትውዓል ከም ዝድለ ብምዝካር: ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ዘይተጣሕሰ እንተድኣ ኮይኑ ምስቲ ኵነታት ክሰማምዑ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 3) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኣካል ሽማግሌታት: ጳውሎስ ንጉባኤ ቈረንቶስ ነቶም ንገዛእ ርእሶም “ብሉጻት ሃዋርያት” ገይሮም ዘቕርብዋ ‘ዓያሱ ሰባት ስለ ዝተዓገስዎም’ ዝሃቦም መግናሕቲ ክዝክርዎ ይግብኦም። (2 ቈረንቶስ 11:5, 19, 20) ስለዚ እምበኣር ሓደ መሸማግልቶም ትርን ዘይምስትውዓልን ዘርኢ እንድኣኾይኑ ንኽመኽርዎ ድሕር ክብሉ የብሎምን። ከምኡ ክገብሩ ከለዉ ግን ንገዛእ ርእሶም ልኡማትን ሕያዎትን ክኾኑ ይግብኦም። — ገላትያ 6:1
ምስትውዓል ኣብ ስልጣን ምዝውታር
11. ብዛዕባ ስልጣን ምዝውታር ኣብ መንጎ እቲ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ዘርኣይዎ ኣገባብን የሱስ ዘርኣዮ ኣገባብን እንታይ ምንጽጻር ኢዩ ዘሎ?
11 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ስልጣን ክጥቀመሉ ከሎ ምስትውዓሉ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣየ ክንደይ ዝተፈልየ ኢዩ ነይሩ! ነዚ ዝስዕብ ኣብነት ንመርምሮ። ሕጊ ኣምላኽ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዕዮ ዕንጨይቲ ምእራይ እውን ከይተረፈ ከይግበር ይኽልክል ነይሩ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:10፣ ዘሁልቍ 15:32–36) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ሰባት ነቲ ሕጊ ብኸመይ ክሕልውዎ ከም ዘለዎም ክቆጻጸሩ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። ስለዚ ኣብቲ ሕጊ ኢዶም ብምእታው ሓደ ሰብ ብመዓልቲ ሰንበት ከልዕሎ ዝኽእል ዘበለ ደረት ብምግባር ናይ ገዛእ ርእሶም ትእዛዝ ኣውጽኡ። ካብ ክልተ ንቑጻት በለስ ዝኸብድ ነገር ከልዕሉ ከም ዘይብሎም ኣዘዙ። አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ መስማር ዘለዎ ሰንደል እቲ መስማር ተወሳኺ ክብደት ስለ ዘለዎ ንእኡ ምስካም ምስ ዕዮ ኢዩ ዝጽብጸብ ብምባል መስማር ዘለዎ ሰንደል ከይግበር ኣዘዙ! ኩሉ ኹሉ እቶም ራቢ ዝበሃሉ ኣይሁድ ብዛዕባ ሰንበት 39 ሕግታት ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣምላኽ ወሰኹ: መሊሶም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕግታቶም መወዳእታ ዘይብሉ ሕግታት ወሰኹ። በቲ ሓደ ወገን ግን የሱስ: መወዳእታ ዘይብሉ ከልካሊ ሕግታት ብምግባር ወይ ጽኑዕን ክብጻሕ ዘይክእልን ስርዓታት ብምውጻእ ንሰባት ከም ዝሓፍሩ ብምግባር ይቆጻጸሮም ኣይነበረን። — ማቴዎስ 23:2–4፣ ዮሃንስ 7:47–49
12. የሱስ ብዛዕባ እቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ዝምልከት ነገራት ነግፈረግ ኣይበለን ክንብል እንኽእል ስለምታይ ኢና?
12 እሞ የሱስሲ ነቲ ጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ጽኑዕ ገይሩ ይሕዞ ኣይነበረን ኢልና ክንሓስብ ይግብኣና ድዩ? ንሱስ ኣጽኒዑ ኢዩ ዝሕዞ ነይሩ! ሰባት ነቲ ክንየው እቲ ሕጊ ዘሎ ስርዓታት ኣብ ልቦም እንተድኣ ዓቊሮምዎ እቲ ሕጋጋት ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ከም ዝኸውን ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። እቶም ፈሪሳውያን ክቑጸር ዘይከኣል ሕግታት እናገበሩ ንሰባት ክቆጻጸሩ ክፍትኑ ከለዉ የሱስ ግን ኣብ ልቢ ኢዩ ዝበጽሕ ነይሩ። ንኣብነት: ከም እኒ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዝብል ሕግታት ዝመጸ ምስ ኵነታት ምስምማዕ ዝበሃል ከም ዘየልቦ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 6:18) ስለዚ የሱስ ብዛዕባ ናብ ብዕልግና ክመርሕ ዝኽእል ሓሳባት ንሰባት ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 5:28) እዚ ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ካብቲ ተሪርን ጽኑዕን ሕግታት ኣውጺእካ ክሕሎ ብምግዳድ ዝርከብ ጥበብን ምስትውዓልን ዝያዳ ሓለፋ ኣለዎ።
13. (a) ሽማግለታት ዘይዕጸፍ ሕጋጋትን ስርዓታትን ካብ ምፍጣር ክርሕቑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢዩ ንሕልና ናይ ሓደ ውልቀሰብ ከተኽብር ኣድላዪ ዝኸውን?
13 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ኣልባብ ንኽበጽሑ ኢዮም ዝግደሱ። በዚ ምኽንያት እዚ: ነቲ ብሕታዊ ርእይቶኦምን ሓሳባቶምን ናብ ሕጊ ካብ ምልዋጥ ኰነ: ብሃውሪ: ዘይዕጸፍ ሕግታት ካብ ምግባር ይቑጠቡ ኢዮም። (ምስ ዳንኤል 6:7–16 ኣነጻጽሮ።) ካብ ግዜ ናብ ግዜ: ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመሻሽጣን ዝምልከት ሕያውነታዊ መዘኻኸሪታት ክወሃብ ከሎ ግቡእን እዋናውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ግን ሓደ ሽማግለ ኣብዚ ጉዳያት እዚ ዘይልወጥ መርገጽ እንተድኣ ኣልይዎ ኮይኑ: ወይ ከኣ ብቐዳምነት ንእኡ ባህ ዘብሎ ዓይነት ጥራይ ክሕሎ ተጽዕኖ ክገብር ዝፍትን እንተድኣ ኾይኑ: ከም መስተውዓሊ ሰብኣይ ክጽዋዕ ኣይክእልን ኢዩ። ብሓቂ እምበኣር ኵሎም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ: ንኻልኦት ክቆጻጸሩ ኢሎም ምፍታን ዝብል ሓሳብ ከርሕቕዎ ኣለዎም። — ምስ 2 ቈረንቶስ 1:24፣ ፊልጲ 2:12 ኣነጻጽሮ።
14. የሱሰ በዛዕባ እቲ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ነገራት ምስትውዓል ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ?
14 ሽማግለታት ብኻልእ ጉዳይውን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነፍሶም ክምርምሩ ይደልዩ ይኾኑ:- ‘ብዛዕባቲ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ነገር መስተውዓሊ ድየ?’ የሱስ ብርግጽ መስተውዓሊ ኢዩ ነይሩ። ንሰዓብቱ ኩሉ ግዜ ካብቲ ብምሉእ ነፍሶም ዝገብርዎ ጻዕርታት ዝያዳ ከም ዘይጽበዮምን ነዚ ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝጥምቶ ኣረዲእዎም ኢዩ። ነታ ትሑት ግምት ዘለዎ ሰናቲም ዝሃበት ሰበይቲ ንኢድዋ ኢዩ። (ማርቆስ 12:42, 43) ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ማርያም ዝወፈየቶ ክቡር ህያብ ምስ ነቐፍዎ ከምዚ ብምባል ገንሖም:- “ሕደግዋ። . . . ዚከኣላ ገበረት።” (ማርቆስ 14:6, 8) ሰዓብቱ ክደኽሙ ከለዉ እውን ከይተረፈ መስተውዓሊ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት ነቶም ሰለሰተ ዝጠብቅዎ ዝነበሩ ሃዋርያቱ ክበራበሩን ምስኡ ኮይኖም ድማ ኣብታ ዝእሰረላ ለይቲ ነቒሖም ክጸንሑን ተላብይዎም እኳ እንተነበረ: ብተደጋጋሚ ብምድቃሶም ተሰፋ ኣቍሪጾምዎ ኢዮም። ይኹን ድኣ’ምበር ብድንጋጽ ተላዒሉ: “መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” በለ። — ማርቆስ 14:34–38
15, 16. (ሀ) ሽማግለታት ነተን መጓሰ ድፍኢት ከይገብሩለን ወይ ከኣ ከይተርወን ክጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም? (ለ) ሓንቲ እምንቲ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ካብ ካልኦት እትጽብዮ ዝነበረት ነገራት ከተተዓራሪ ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ?
15 ሓቂ ኢዩ የሱስ ንሰዓብቱ ‘ክጋደሉ’ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (ሉቃስ 13:24) ከምኡ ክገብሩ ኢሉ ግን ፈጺሙ ኣይገደዶምን! ኣተባቢዕዎም: ኣብነት ሰሪዑሎም: መርሒነት ሂብዎም: ኣብ ልቦም ክበጽሕ ኢሉ ጽዒሩ ኢዩ። ነቲ ዝተረፈ ንኽገብር ድማ ኣብ ሓይሊ መንፈስ የሆዋ ተኣሚኑ ኢዩ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ከገልግሉ ከተባብዕዎም ይግብኦም: እንተኾነ ግና እቲ ሕጂ ንየሆዋ ንምግልጋል ኣብ ኣገልግሎት ዝገብርዎ ዘለዉ ብገለ መገዲ እኹል ከም ዘይኮነ ወይ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ብምምልካት ናይ በደል ስምዒት ከም ዝስምዖም ወይ ከም ዝሓፍሩ ምግባር ከርሕቕዎ ይግባእ። “ዝያዳ ግበሩ! ዝያዳ ግበሩ! ዝያዳ ግበሩ!” እናበልካ ብተሪር ኣቀራርባ ገይርካ ምድፍፋኦም ነቶም ዝከኣሎም ክገብሩ ኢሎም ዝጽዕሩ ዘለዉ ሰባት ተስፋ ከቑርጾም ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ‘ንኸተሐጕሶ ዘጸግም’ ብዝብል እንተድኣ ዝዝረበሉ ኾይኑ እዝስ ካብ ምስትውዓል ዝርሓቐ ብምዃኑ ኣየ ክንደይ ዘሕዝን ኢዩ!—1 ጴጥሮስ 2:18
16 ኩልና ብዛዕባ እቲ ካብ ካልኦት እንጽበዮ መስተውዓልቲ ክንከውን ይግብኣና! ሓንቲ ሓብቲ ንሳን ሰብኣያን ነታ ዝሓመመት ኣዲኣ ምእንቲ ክኣልዩ: ንናይ ሚስዮናዊ ዕዮ ምስ ገደፍዎ: ከምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “እዘን ግዜያት እዚኣተን ነዞም ኣብ ጉባኤታት ዘሎና ኣስፋሕቲ ብሓቂ ኣጸገምቲ ኢየን። ኣብ ናይ ወረዳን ናይ ኣውራጃን ዕዮ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ካብዚ ሕጂ እንርኽቦ ዘሎና ብዙሕ ጸገማት ተዓቊብና ብምንባርና: ሕጂ ግን ብሃንደበትን ብዘጕሂ ኵነታትን ነቲ ነገር ክንርድኦ ተገዲድና። ንኣብነት ከምዚ ዝብል ሓሳባት ምሕሳብ ልማደይ ነበረ:- ‘እዛ ሓብቲ አዚኣስ ስለምንታይ ኢያ እቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዕደል ዝግብኦ ጽሑፍ ዘይትዕድል? ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዘይተንብብ ድያ ኮይና?’ ሕጂ ግን ስለምንታይ ምዃኑ ተረዲኡኒ። ገሊኦም ብዙሕ ጻዕሪ ብምግባር ኢዮም ኣብ ኣገልግሎት ዝኸዱ።” ነሕዋትና ኣብ ክንዲ በቲ ዘይገበርዎ እንፈርዶም: በቲ ዝገበርዎ ክንንእዶምሲ ክንደይ ዝበለጸ ኢዩ!
17. ብምስትውዓል ዝመጸ የሱስ ብኸመይ ኢዩ ኣብነት ሰሪዑልና ዘሎ?
17 የሱስ ንስልጣኑ ከመይ ገይሩ ብምስትውዓል ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ዝገደፈልና ሰናይ ኣብነት እስከ ንመርምሮ። ልክዕ ከም ኣቦኡ ብሕማቕ የሱስውን ብቕንኢ ተላዒሉ ንስልጣኑ ይሕሉ ኣይነበረን። ንሱውን ነቲ ጉጅለ ናይቲ እሙን ባርያ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ኩሉ ጥሪቱ ብምሻሙ ስልጣን ብምሃብ ዝመጸ ወሓለ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45–47) ንናይ ካልኦት ሓሳባት ንምስማዕውን ኣይፈርሕን ኢዩ ነይሩ። ንሰማዕቱ ኩሉ ግዜ “እንታይ ይመስለኩም?” እናበለ ይሓቶም ነበረ። (ማቴዎስ 17:25፣ 18:12፣ 21:28፣ 22:42) ሎሚውን ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም እዚ ጠባይ እዚ ክህልዎም ኣለዎ። ዝኾነ ይኹን ስልጣን ይሃልዎም ንኸይሰምዑ ከኸንቦም ኣይግባእን ኢዩ። ወለዲ ጽን በሉ! ሰብኡት ጽን በሉ! ሽማግለታት ጽን በሉ!
18. (ሀ) ብምስትውዓል ጽቡቕ ስም ዘሎና እንተኾይኑን እንተዘይኮይኑን ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል? (ለ) ኵልና ብቆራጽነት እንታይ ክንገብር ምኸኣልና?
18 ነፍሲ ወከፍና ‘መስተውዓልቲ ብምዃን ጽቡቕ ስም ክህልወና’ ኢና እንደሊ። (ፊልጲ 4:5 ትርጉም ፊልፕስ ) ግናኸ እዚ ጽቡቕ ስም እዚ እንተልዩናን እንተዘይብልናን ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል? የሱስ ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዝብሉ ክፈልጥ ምስ ዝደሊ ነቶም እሙናት ብጾቱ ይሓቶም ነበረ። (ማቴዎስ 16:13) ንስኻኸ ኣብነቱ ዘይትስዕብ? ንሓደ ግልጺ ይዛረብ ኢዩ ኢልካ እትኣምነሉ ሰብ: ብምስትውዓልን ምስ ኵነታት ብምስምማዕን ትፍለጥ እንተ ኾይንካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ? ብርግጽ እምበኣር ኵልና ነቲ ናይ የሱስ ፍጹም አብነት ናይ ምስትውዓል ኣጸቢቕና ንኽንቀድሖ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት ብዙሕ ኣሎ! ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ገለ ስልጣን ምስ ዝህልወና ኵሉ ግዜ ኣብነት ናይ የሆዋን የሱስን ብምኽታል ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ዘድልየሉ ብምስትውዓል እናተጠቐምና ወትሩ ንይቕሬታ ድልዋት: ተዓጸፍቲ ወይ ምስ ኵነታት እንሰማማዕ ንኹን። ብርግጽ እምበኣር ነፍሲ ወከፍና መስተውዓሊ ንምዃን እንጽዕር ይግበረና! — ቲቶስ 3:2
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዝበሃል መጽሓፍ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- “ሓደ ኤፐይኮስ [መስተውዓሊ] ዝኾነ ሰብ: ብልምዲ ዝመጸ ፈጺሙ ጌጋ ዝኾነ ነገር: ብሕጋዊ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ምኽኑይ ዝኾነሉ ግዜያት ከም ዘሎ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ኤፐይኮሰ ዝኾነ ሰብ: ካብቲ ሕጊ ዝለዓለን ዝዓበየን ዝግድድ ሓይሊ ክመጽእ ከሎ: ኣበየናይ ኵነታት ነቲ ሕጊ ከዝልቖ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ኢዩ።
ከመይ ገይርኩም ምመለሽኩም?
◻ ክርስትያናት መስተውዓልቲ ናይ ምዃን ድልየት ክህልዎም ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ሽማግለታት ብዛዕባ ንይቕሬታ ድልዊ ምዃን ንየሱስ ብኸመይ ክቐድሕዎ ምኸኣሉ?
◻ ከም የሱስ ተዓጸፍቲ ንምዃን ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና?
◻ ስልጣን ከነዘውትር ከሎና ብኸመይ ምስትውዓል ከነርኢ ምኸኣልና?
◻ ብሓቂ መስተውዓልቲ እንተኾይንና ንምፍላጥ ንገዛእ ርእስና ብኸመይ ክንምርምራ ምኸኣልና?
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነቲ እተናስሐ ጴጥሮስ ብኡንብኡ ይቕረ በለሉ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ሓንቲ ሰበይቲ ሓለፍ ዝበለ እምነት ምስ ኣርኣየት፣ የሱስ ሓደ ሓፈሻዊ ሕጊ ኣውጺእካ ምግዳዳ ግዜኡ ከም ዘይኮነ ተገንዘበ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ወለዲ ጽን በሉ!
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሰብኡት ጽን በሉ!
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ጽን በሉ!