ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/8 ገጽ 20-24
  • ቅድም እቲ ብስራት ክስበኽ ናይ ግድን ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅድም እቲ ብስራት ክስበኽ ናይ ግድን ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ካህናት ህዝበ ክርስትያን ዘሎ ምንጽጻር
  • ስለምንታይ ኢዩ እቲ ብስራት ቅድም ክስበኽ ዝግብኦ ?
  • እቲ ብስራትን ፍቕሪ የሆዋን
  • እቲ ብስራትን ናይ የሆዋ ሓይልን
  • እቲ ብስራትን ጥበብ የሆዋን
  • እቲ ብስራትን ፍትሒ ኣምላኽን
  • እቲ ብስራት ኣብ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ተሰቢኹ ?
  • ነቶም መሰኻኽር ብዘይምቍራጽ ንኽሰብኩ ዝድርኾም ዘሎ እንታይ ኢዩ ?
  • “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ወንጌላውያን ኢዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ማሕበር የሆዋ ንኣገልግሎትካ ትድግፎ ኢያ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/8 ገጽ 20-24

ቅድም እቲ ብስራት ክስበኽ ናይ ግድን ኢዩ

“ቅድም ንኹሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” — ማርቆስ 13 : 10

1, 2. መለለዪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዩ ? ስለምንታይከ ?

ስለምንታይ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይምሕላል ወይ ብዘይምቁራጽ ዝሰብኩ ? እንተ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኰይኑ : እንተ ኣብ መገድታት ወይ ንእግረ መገድና ምስ ሰባት ኣብ እንራኸበሉ : ብህዝባዊ ኣገልግሎትና ብርግጽ ኣብ ብዘላ ዓለም ፍሉጣት ኢና ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ምቹእ ኣጋጣሚ ንገዛእ ርእስና ከም መሰኻኽር ብምፍላጥ ነቲ ከም ክቡር ሃብቲ ሒዝናዮ ዘሎና ብስራት ብጥበብ ገይርና ከነመሓላልፎ ንጽዕር ኢና ። አረ እዚ ኣገልግሎት እዝስ መለለይና ኢዩ ክንብል ንኽእል ኢና ! — ቈሎሴ 4 : 6

2 ሰባት ኣብቲ ከባቢኦም ጽቡቕ ዝተኸድኑ ጉጅለ ሰብኡት : ኣንስትን ቆልዑን ሳንጥኦም ሒዞም ክኸዱ እንተዝርእዩ መጀመርያ ኣብ ሓሳቦም ዝመጽእ እንታይ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብልዎ ። “እዞም ካቶሊካውያን (ወይ ኦርቶዶክስ) ሕጂ ኸኣ መጺኦም” ወይ “እዞም ጴንጠቆስጣውያን (ወይ ባፕቲዝማውያን) ሕጂ ኸኣ መጺኦም” ድዮም ዝብሉ ? ኣይፋሎምን ። ኣብ ከምዚአን ዝበላ ሃይማኖታት ኣባላት ስድራቤት ብምሉኣቶም ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ተጸሚዶም ከም ዘይዓዩ ሰባት ይፈልጡ ኢዮም ። ምናልባት ገለ ሃይማኖታውያን ጉጅለታት : ሚስዮናውያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ ገለ ዞባታት ንኽልተ ዓመት እጃሞም ከብጽሑ ይልእክኦም እየን : እንተኾነ ግን እቶም ምእመናን ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ኣገልግሎት ኣይሳተፉን ኢዮም ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ነቲ መልእኽቶም ኣብ ዝኾነ ምቹእ ኣጋጣሚ ብቕንኢ ብምትሕልላፎም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝፍለጡ ። በተን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ ! ዝበሃላ መጽሔታቶም ድማ ፍሉጣት ኢዮም ። — ኢሳይያስ 43 : 10 – 12 ግብሪ ሃዋርያት 1 : 8

ምስ ካህናት ህዝበ ክርስትያን ዘሎ ምንጽጻር

3, 4. ካህናት ናይ ህዝበ ክርስትያን ዝበዝሕ ግዜ ኣብቲ መራኸቢ ብዙሓት ከመይ ኢሎም ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ ?

3 ናይ ዜና ጸብጻባት ከነጻጽር ከሎ ብተደጋጋሚ ከም ዘመልክቶ ብዙሓት ካህናት ህዝበ ክርስትያን ቆልዑ ዘራኽሱ : ብዕሉጋት : መደናገርትን ጉሒላታትን ኰይኖም ኢዮም ተቓሊዖም ዘለዉ ። እቲ ዘፍርይዎ ግብሪ ስጋን እቲ ካብ መጠን ዝሐለፈ ተድላ ዝመልኦ ኣነባብርኦምን ንኹሉ ግሁድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ ። ሓደ ፍሉጥ ዝኾነ ጸሓፍ መዝሙር ኣብታ “የሱስ ኣብቲ ናይ ቴለቪዥን ትርኢት ሮለክስ ሰዓት [ኣዝያ ክብርቲ ወርቂ ሰዓት] ኣሲሩዶ ምተራእየ ?” እትብል ደርፉ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ : ከምዚ ዝብል ሕቶ ይሓትት :- “የሱስ ኣብ ምድሪ እንተዝምለስ ነይሩ ፖለቲካዊዶ ምኾነ ? እታ ካልኣይቲ ቤቱኸ ኣብ ፓልም ስፕሪንግስዶ [ሃብታም ናይ ካሊፎርንያ ሰፈር] ምሰርሐ : ሃብቱኸ ክሓብእዶ ምፈተነ ?” ኣየ እቲ ቃላት ናይ ያእቆብሲ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ :- “ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን ከም ብመዓልቲ ማሕረድውን ልብኹም ኣስቢሕኩም ።” — ያእቆብ 5 : 5 ፣ ገላትያ 5 : 19 – 21

4 እቲ ናይቶም ቤተ ከህነት ምስቶም ፖለቲካውያን ወኻዕካዕ ምባልን ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ኣብቲ ምርጫታት ከም ፖለቲካውያን ሕጹያት ኰይኖም ምቕራቦም ከም ዘመናውያን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኰይኖም ኢዮም ተጋሊጾም ዘለዉ ። ኣብ ከም በዓል ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን እቲ ካሳ ናይቶም ሃይማኖታት እናባኸነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ። እዚ ኸኣ እቶም ኣቕሽሽቲ ምስ ቆልዑትን ዓበይትን ግዕዙይ ናይ ርኽሰት ጠባያት ብምርኣዮም : ብዝወረዶም ክሲ ኣብ መጎተን ኣብ ፍርድን ብዙሕ ገንዘብ ይጠፍእ ስለ ዘሎ ኢዩ ። — ማቴዎስ 23 : 1 – 3

5. ስለምንታይ ኢዮም ካህናት ህዝበ ክርሰትያን” እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ክኾኑ ዘይከኣሉ ?

5 የሱስ ነቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ቤተ ከህነት ከምዚ ዝስዕብ ክብሎም ከሎ ሓቁ ኢዩ ነይሩ :- “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያን : ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ : ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምውታትን ርኽሰትን ዝመልአ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣሎኹም እሞ ወይለኹም ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትርኣይዎ : እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ ።” ስለዚ ኣምላኽ ንቤተ ክህነት ናይ ህዝበ ክርስትያን : ካቶሊክ ይኹኑ : ፕሮተስታንት ኦርቶዶክስ ወይ ካልኦት ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበራት ዘይተሓቍፉ ብስራት ክሰብኩ ኣይለኣኾምን ። እዚኣቶም እቲ ብትንቢት ዝተነግረሉ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ንምዃን ኣይበቕዑን ። — ማቴዎስ 23 : 27, 28 ፣ 24 : 45 – 47

ስለምንታይ ኢዩ እቲ ብስራት ቅድም ክስበኽ ዝግብኦ ?

6. እንታይ ፍጻሜታት ኢዩ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ዘለዎ ?

6 ኣብዛ ብዛዕባቲ የሱስ እቲ ብስራት ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክስበኽ ዝሃቦ ትእዛዝ እትዛረብ ሓጻር ጥቕሱ : ማርቆስ ጥራይ ኢዩ “ቅድም” ዝብል ቃል ተጠቒሙ ዘሎ ። (ማርቆስ 13 : 10 ፣ ምስ ማቴዎስ 24 : 14 ኣነጻጽሮ) እታ ብጀይ ቢ ፊሊፕስ ዝተተርጐመት ከምዚ ትንበብ :- “ከመይሲ መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ : እቲ ወንጌል ንኹሎም ኣህዛብ ክእወጅ ይግብኦ ኢዩ :” እታ ኣብዚ “ቅድም” ተባሂላ ዘላ ተውሳኸ ግሲ : ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ወንጌላውነት ዕዮ ካልኦት ፍጻሜታት ክስዕብዎ ከም ዝኾኑ ኢያ እትሕብር : እቶም ፍጻሜታት እቲኣቶም ከኣ እቲ ዝተተስፈወ ዓቢ ጸበባን : እቲ ጻድቕ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓዳስ ዓለምን ዘጠቓለሉ ኪኾኑ ኢዮም ። — ማቴዎስ 24 : 21 – 31 ፣ ራእይ 16 : 14 – 16 ፣ 21 : 1 – 4

7. ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ቅድም እቲ ብስራት ክስበኽ ዝደልዮ ?

7 ስለዚ ስለምንታይ ኰን ይኸውን ኣምላኽ ቅድም እቲ ብስራት ክስበኽ ዝደልዮ ዘሎ ? ሓደ ካብቲ ምኽንያት ንሱ ኣምላኽ ፍቕሪ : ኣምላኽ ፍትሒ : ኣምላኽ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝኾነ ኢዩ ። ኣብ ፍጻሜ ናይተን ኣብ ማቴዎስ 24 : 14 ከምኡውን ማርቆስ 13 : 10 ተመዝጊበን ዘለዋ ቃላት የሱስ ዝምስጥ መግለጺ ናይዘን ባህርያት የሆዋ ክንረክብ ንኽእል ኢና ። እስኪ እዘን ባህርያት እዚአን ምስቲ ምስባኽ ናይቲ ብስራት ብኸመይ ተተሓሒዘን ከም ዘለዋ ንምፍላጥ ኣሕጽር ኣቢልና ሓደ ብሓደ ንመርምረን ።

እቲ ብስራትን ፍቕሪ የሆዋን

8. እቲ ብስራት ምስባኽ መግለጺ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ ?

8 እቲ ምስባኽ ናይቲ ብስራት ከመይ ገይሩ ኢዩ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ? ቅድም ቀዳድም : ብፍላይ ንሓደ ዓሌት ወይ ጉጅለ ዝተሃቀነ መልእኽቲ አይኮነን ። “ንኹሎም ኣህዛብ” ዝኸውን ብስራት ኢዩ ። ኣምላኽ ንሰብኣዊ ስድራቤት ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዘፍቀሮም : ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ልኢኹ : ኣብ ክንዲ ሓደ ዓሌት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ክንዲ ሓጢኣት ኵሎም ደቅሰብ መስዋእቲ በጅነት ገበሮ ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር : ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን ።” (ዮሃንስ 3 : 16, 17) ብርግጽ እምበኣር እቲ ብስራት ብዛዕባ ሓንቲ ሰላምን ምውህሃድን ፍትሕን ዝመልአ ዓለም ዘተስፉ መልእኽቲ ብምዃኑ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ ። — 2 ጴጥሮስ 3 : 13

እቲ ብስራትን ናይ የሆዋ ሓይልን

9. ስለምንታይ ኢዩ የሆዋ ነተን ብርቱዓት ሃይማኖታት ናይ ህዝበ ክርስትያን ብስራት ንምስባኽ ዘይተጠቕመለን ?

9 ከመይ ኢሉ ኢዩ እቲ ናይ የሆዋ ሓይሊ ኣብ ምስባኽ ናይቲ ብስራት ዝግለጽ ? እስኪ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኣስተብህለሉ :- ነዚ ተልእኾ እዚ ክፍጽሞ ንመን ኢዩ ልኢኽዎም ዘሎ ? ነተን ናይ ህዝበ ክርስትያን ኣዝየን ሓያላት ሃይማኖታውያን ማሕበራት ከም በዓል ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርሰትያን ወይ ምርኡያት ናይ ፕሮተስታንት ኣንቆራታት ድዩ ? ኣይፋሉን : እዚኣቶም እቲ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ምእታዎም ነዚ ዕዮዚ ኣየብቅዖምን ኢዩ ። (ዮሃንስ 15 : 19 ፣ 17 : 14 ፣ ያእቆብ 4 : 4) እቲ ሃብቶምን እቲ ነቶም ምርኡያት ገዛእቲ ክጸልዉ ኢሎም ጽግዕግዕ ምባሎምን ይኹን እቲ ምስ ባህሊ ዝተኣሳሰረ ትምህርቶም ንየሆዋ ኣየሐጐሶን ። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሰብኣዊ ሓይሊ ኣየድለየን ። — ዘካርያስ 4 : 6

10. ኣምላኽ ነቲ ዕዮ ስብከት ክፍጽሙ ንመን ኢዩ ዝመረጸ ?

10 ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ንጉባኤ ቈረንቶስ ዝሰደዳ መልእኽቲ ዝበሎ ኢዩ :- “ኣሕዋተየ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት : ብዙሓት ስልጡናት : ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን ። ኣምላኽ ግና : ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ : ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ : ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ : ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ከይምካሕውን : ኣምላኽ ነቲ ኣነ ገለ እየ : ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነ ሓረየ ።” — 1 ቈረንቶስ 1 : 26 – 29

11. ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉያት ዝገብሮም ጭብጥታት እንታይ ኢዩ ?

11 ናይ የሆዋ መሰኻኽር : ኣብታ ማሕበሮም ኣዝዮም ውሑዳት ሃብታማት ኢዮም ዘለውዎም : ብፖለቲካ ሓያላት ሰባትውን ብርግጽ የብሎምን ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጽኑዕ ገለልትነት ምሓዞም : ፖለቲካዊ ጽልዋ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ኢዩ ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ : ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘመን ናይቲ ብሃይማኖታውያንን ብፖለቲካውያን መራሕትን ዝተቐስቀሰ ጽዩፍ መስጐግቲ ግዳያት ኰይኖም ጸኒሖም ኢዮም ። ይኹን እምበር : ብደቀ መዛሙርቲ ናዚ : ፋሽሽቲ : ኮሙኒስት : ሃገራዊ ስምዒትን ደቀ መዛሙርቲ ሓሶት ሃይማኖትን እኳ እዚ ኹሉ ጨካን ምጽራር እንተበጽሖም : እቶም መሰኻኽር : ነቲ ብስራት ኣብ ምልእቲ ዓለም ይሰብኩዎ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ቍጽሮምውን ብዘገርም ኣገባብ ወሲኹ ኣሎ ። — ኢሳይያስ 60 : 22

12. ስለምንታይ ኢዮም እቶም መሰኻኽር ዕዉታት ክኾኑ ዝኽእሉ ?

12 እቶም መሰኻኽር እቲ ዝረኽብዎ ዓወት ምንጩ ካበይ ከም ዝኾነ ኢዮም ዝኣምኑ ? የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ ኣተስፈዎም :- “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና : ሓይሊ ኽትቅበሉ : ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም ።” ስለዚ ብልክዕ እቲ ምንጪ ናይ ዓወቶም እንታይ ክኸውን ነይርዎ ? የሱስ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ሓይሊ ኽትቅበሉ” ኢኹም ኢዩ ዝበለ ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ነቶም መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝገብርዎ ኣገልግሎት ንኽዕወቱ ኣኽኢልዎም ዘሎ ቀንዲ ረቋሒ ሰብኣዊ ክእለት ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ሓይሊ ኢዩ ። ኣምላኽ በቶም ኣዝዮም ድኹማት ዝመስሉ ሰባት ገይሩ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ትምህርታዊ ዕዮ ይፍጽሞ ኣሎ ። — ግብሪ ሃዋርያት 1 : 8 ፣ ኢሳይያስ 54 : 13

እቲ ብስራትን ጥበብ የሆዋን

13. (ሀ) ስለምንታይ ኢዮም እቶም መሰኻኽር ብፍታውን ብዘይ ገንዘብን ዘገልግሉ ? (ለ) የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንናይ ሰይጣን ጸርፊ ዝመለሸሉ ?

13 እቲ ብስራት በቶም ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት ኢዩ ዝስበኽ ዘሎ ። የሱስ “ብኸምኡ ተቐቢልኩም : ብኸምኡ ሀቡ” በለ ። (ማቴዎስ 10 : 8) ስለዚ ዋላ ሓደ’ኳ ይኹን ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ብምግልጋሉ መሃያ ዝቕበል የለን : መሃያ ዘይውሃበኒ ዝብልውን የለን ። አረ ኣብቲ ኣኼባታቶምውን እናዞርካ ዝሕተት ገንዘብ የለን ። በቲ ስስዐ ዘይብሉ ውፉይ ኣገልግሎቶም ገይሮም ኣምላኽ ነቲ ወቓሲኡ ዝኮነ ሰይጣን ድያብሎስ መልሲ ንኽህብ ስለ ዘኽኣልዎ ሕጉሳት ኢዮም ። እዚ ጸረ ኣምላኽ ዝኾነ መንፈስ እዚ ማለት ሰይጣን ሰባት ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ብስስዐ ተደሪኾም ኢዮም በሃላይ ኢዩ ። የሆዋ ግን ብጥበቡ ገይሩ በቶም ነቲ ብስራት ካብ ቤት ናብ ቤት ይኹን ኣብ መገድታትን ብናይ እግረ መገድን ዝሰብክዎ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ እሙናት ክርስትያን መሰኻኽር ገይሩ ንናይ ሰይጣን ጸርፊ ዘየማትእ መልሲ ክህቦ ክኢሉ ኢዩ ። እዮብ 1 : 8 – 11 ፣ 2 : 3 – 5 ፣ ምሳሌ 27 : 11

14. እቲ ጳውሎስ ጠቒስዎ ዘሎ “ሕቡእ ምስጢር ጥበብ” እንታይ ኢዩ ?

14 እቲ ብስራት ብምስባኹ ጥበብ ኣምላኽ ኢዩ ከብሎ ዝኽእል ካልእ መረጋገጺ ኸኣ : እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ ንገዛእ ርእሱ መግለጺ ጥበብ ኣምላኽ ብምዃኑ ኢዩ ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና : እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ : እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር : ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ አይንዛረብን ኢና ።” እዚ “ሕቡእ ምስጢር ጥበብ እዚ እቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኤደን ዝተጀመረ ዕልወት ከደቅስ ኢሉ ዝወሰዶ ጥበባዊ ኣገባብ ዘመልክት ኢዩ ። እቲ ጥበብ ናይቲ ቅዱስ ምስጢር እቲ ኣብቲ ዓንዲ ማእከል ናይቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ተገሊጹ ።a — 1 ቈረንቶስ 2 : 6, 7 ፣ ቈሎሴ 1 : 26 – 28

እቲ ብስራትን ፍትሒ ኣምላኽን

15. የሆዋ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ከመይ ገይርና ንፈልጥ ? (ዘዳግም 32 : 4 ፣ መዝሙር 33 : 5)

15 እታ ኣብ ማርቆስ 13 : 10 ዘላ “ቅድም” እትብል ቃል ብፍላይ ምስ ፍትሒ ተተሓሒዛ ክትርአ ከላ ኢዩ ኣድላይነታ ጐሊሑ ክርኣየና ዝኽእል ። የሆዋ ብፍቕራዊ ሕያውነት ዝተሰነየ ፍትሒ ዘለዎ ኣምላኽ ኢዩ ። ብነብይኡ ኤርምያስ ገይሩ ከምዚ ይብል :- “ዚሕበንሲ  –  እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ :  – ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሓበን : ይብል እግዚኣብሄር” ። — ኤርምያስ 9 : 24

16. ፍትሒ : ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ምሃብ ከም ዝሓትት እንታይ መረድኢ ኣሎ ?

16 ነቲ ብስራት ብምስባኽ ዝመጸኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ናይ የሆዋ ፍትሒ ዝርአ ? ንመረድኢ ብሓንቲ ኣደ ንመስሎ ። እዛ ኣደ እዚኣ ሓደ ምቁር ዶልሺ ሰሪሓ : ኣጋይሽ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ምስ መጹ ክብላዕ ኢላ ተቐምጦ ። ኣበየናይ እዋን ክብላዕ ከም ዘለዎ ንደቃ መጠንቀቕታ ከይሃበት ኣብ ናይ ክሽነ ጣውላ ገዲፋቶ እንተደኣ ከይዳ : እቲ ባህርያዊ ዝምባሌ ናይቶም ቆልዑ እንታይ ኢዩ ክኸውን ? መቸም ኵላትና ሓደ ግዜ ቆልዑ ኔርና ኢና ! ኣጻብዕ ቆልዓ ናብቲ ዶልሺ ኣቢለን ወስ ከም ዝብላ ኣየጠራጥርን ኢዩ ! ስለዚ ሕጂ እታ ኣደ ግቡእ መጠንቀቕታ ካብ ምሃብ ሰኒፋ እንተደኣ ጸኒሓ : ንኽትቀጽዕ ጽኑዕ መሰረት ኣይክህልዋን ኢዩ ። በቲ ሓደ ወገን ድማ እቲ ዶልሺ ዳሕራይ ኣጋይሽ ምስ መጹ ክብላዕ ከም ዘለዎ እሞ ክትንከፍ ድማ ከም ዘይብሉ ኣነጺራ ገሊጻ እንተኾይና : ብሩህ መጠንቀቕታ ሂባ ኣላ ማለት ኢዩ ። ዘይምእዛዝ እንተደኣ ተራእዩ ጽኑዕን ፍትሓውን ስጉምቲ ክትወስድ መሰል ኣለዋ ። — ምሳሌ 29 : 15

17. ካብ 1919 ኣትሒዙ የሆዋ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ፍትሒ ዘርኣየ ከመይ ኢሉ ኢዩ ?

17 የሆዋ ድማ ብፍትሑ ተደሪኹ : ቅድም እቲ ዝድለ መጠንቀቕታ ክይሃበ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ ናይ ፍርዲ ስጉምቲ ኣየውርድን ኢዩ ። ስለዚ : ብሕልፊ ካብ 1919 ጀሚሩ : ብድሕሪ እቲ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም “ቅልውላው” ምምጽኡ : የሆዋ ንመሰኻኽሩ ኣብ ምልእቲ ምድሪ እናኸዱ ነቲ ብስራት ብቕንኢ ከም ዝሰብክዎ ገይርዎም ኢዩ ። (ማቴዎስ 24 : 7, 8, 14) እቶም ህዝብታት ነዚ ፍሉይ ዝኾነ መጠንቀቕታ እዚ ኣይፈለጥናዮን ክብሉ ግቡእ የብሎምን ።

እቲ ብስራት ኣብ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ተሰቢኹ ?

18. (ሀ) እቶም መሰኻኽር ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ከይተረፈ ከም ዝዓዩ ዝሕብር እንታይ መረጋገጺ ኣሎ ? (ለ) ካልእ ንስኻ ትፈልጦ ኣብነታትከ እንታይ ኣሎ ?

18 እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ትምህርታዊ ዕዮ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኣሳልጦ ረኺቡ ከም ዘሎ ዝሕብር ጸብጻብ ካብታ ላስት ፕለይስስ – ኤ ጆርንይ ኢን ዘ ኖርዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ክርአ ይከኣል ኢዩ ። እቲ ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ካርታ ባሕሪ ናይታ ደሴት ፋውላ ዝተባህለት ሓንቲ ካብተን ኣብ ሰሜን ናይ ስኮትላንድ ዘለዋ ደሴታት ሸትላንድ ምስ መርመሮ እቲ ካርታ ባሕሪ “ኣብ ኵሉ ክቢ እታ ደሴት ስብርባር መርከብ : ኣኻውሕ : ኣጻድፍን ዓጋቲ ቦታታትን ከም ዘሎ አዘንተወ ። እዚ ካርታ እዚ “ነቲ ባሕረኛ ካብቲ ከባቢ ክርሕቕ ዘጠንቅቖ ኢዩ ። እቲ ኣብ ዙርያ ፋውላ ዘሎ ውቅያኖስ ኣዝዩ ዘፍርሕ ፈንጅታት ዝተሓብኦ ቦታ ኢዩ ። እዚ ኸኣ ነቶም ነታ ደሴት ክበጽሑ ዝመጹ ሰብ ጃላቡ ተዛዊሮም ዝምለሱን አረ ነቶም ናይ ንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ሰራሕተኛታት ከይተረፈ ዘፍርሖም ኢዩ ። ድሕሪ ሓጸርቲ መዓልትታት ክርድኦ ከም ዝኸኣልኩ ግን እዚ ዕንቅፋታት እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዓግቶም ኣይክኣለን ።” ቀጺሉ ኸኣ “ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ዓበይቲ ኸተማታት ዘሎ ብዙሕ ሰብ ዝነብረሉ ዞባታትን ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዘሎ ህዝብን ኣመንቲ ንምርካብ ዝፈተሽዎ ከምኡ ድማ ንእምነቶም ዝስዕቡ ሰባት ንምርካብ ናብቲ ምሕድግ ዝበለ ፋውላ ከይዶም ኢዮም ።” ገለ ኣዋርሕ ይገብር ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ሓደ ኣንድሪው ዝተባህለ ወዲ እቲ ዓዲ ሓደ ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከም ዝተረኽበ ኣፍልጦ ምስ ሃበ ቀጺሉ “ብድሕርዚ ሓደ ሰሙን ጸኒሑ ኣብቲ ሰሜናዊ ባሕሪ ደሴታት ቅዳሕ ናይ ንቕሑ ! ብቋንቋ ዳኒሽ ርኤኹ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ብቋንቋ ዳኒሽ ኣብ ከተማ ኑክ ግሪንላንድ ረኸብኩ” በለ ። እዝስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ሰሜናዊ ቅናት ምድሪ ቅንኢ ዝመልኦ ኣገልግሎት ይገብሩ ከም ዘለዉ ዘረድእ ከመይ ዝበለ ምስክርነት ኢዩ !

ነቶም መሰኻኽር ብዘይምቍራጽ ንኽሰብኩ ዝድርኾም ዘሎ እንታይ ኢዩ ?

19, 20. (ሀ) ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይምቍራጽ ክሰብኩ ዝድርኾም እንታይ ኢዩ ? (ለ) ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢዮም ዝምለሹ ?

19 ርግጽ ኢዩ : ክንደይ ዓመታት ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ምጽናሕካ ብዘየገድስ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ንዘይትፈልጦም ሰባት ክትሰብኽ ቀሊል ነገር ኣይኮነን ። እሞ እንታይ ደኣ ኢዩ ነዞም ክርስትያናት እዚኦም ንኽቕጽሉ ዝድርኾም ዘሎ ? ከም ክርስትያን መጠን ህይወቶም ስለ ዝወፈዩን ሓላፍነት ድማ ስለ ዝስምዖምን ኢዩ ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ : ብግዲ በጺሑኒ ኢዩ እሞ : ዝምክሓሉ የብለይን ። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ ።” ሓቀኛታት ክርስትያናት ሒዞሞ ዘለዉ መልእኽቲ ህይወት ኢዩ : እሞ ከመይ ገይሮም ደኣ ኢዮም ንሰባት ካብ ምክፋሉ ክቑጠቡ ዝኽእሉ ? ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ዘይምሃብ ናይ ደም በደለኛ ዝገብረካ ስለ ዝኾነ : ብስራት ንምስባኽ ዝግድድ ምኽንያት ኢዩ ። — 1 ቈረንቶስ 9 : 16 ፣ ህዝቅኤል 3 : 17 – 21

20 እሞ ኸመይ ኢሉ ደኣ ኢዩ እቲ ብስራት ዝስበኽ ዘሎ ? እቶም መሰኻኽር ንኽዕወቱ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ እንታይ ኢዩ ? ኣየናይ መዳይ ናይ ኣገልግሎቶምን ማሕበሮምን ኢዩ ከም ሓቀኛ ሃይማኖት ንኸተለልዮም ዝሕግዘካ ? ነዘን ሕቶታት እዚአን እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽና ክትምልሸን ኢያ ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽን እቲ “ቅዱስ ምስጢርን” ዝያዳ መግለጫ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ትራክትን ትካል ኒውዮርክ ዝተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ትበሃል መጽሓፍ 2ይ ጥራዝ ኣብ ገጽ 1190 ርአ ።

ትዝክሮዶ ?

◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ቤተ ክህነት ዝፈልዮም እንታይ ኢዩ ?

◻ እቲ ስብከት ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ሓይልን ጥበብን ዘንጸባርቕ ?

◻ እቲ ስብከት ናይቲ ብስራት ከመይ ኢሉ ኢዩ ናይ ኣምላኽ ፍትሒ ዘንጸባርቕ ?

◻ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣገልግሎቶም ንኽቕጽሉ ዝድርኾም እንታይ ኢዩ ?

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኣብ ምሕዱግ ቦታታት ይሃልዉ ብዘየገድስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሕዎም ይደልዩ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ