ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/9 ገጽ 3-4
  • ይቕረ በሃሊ ዲኻ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ይቕረ በሃሊ ዲኻ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ይቕረ ምባል ብድሆ ኢዩ
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ካብ ልቢ ይቕረ በሉ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ስለምንታይ ይቕረ እንብል?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/9 ገጽ 3-4

ይቕረ በሃሊ ዲኻ?

ቢልን እታ 16 ዓመት ዝዕድሚኣ ሊሳ ስማ ጓሉን ኣይሰማምዑን ኢዮም ነይሮም። እቲ ኣብ መንጐኦም ዝለዓል ዝነበረ ንኣሽቱ ዘይምስምማዓት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ጭድርታ የምርሕ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ምስሕሓብ እናበርትዐ ስለዝኸደ ሊሳ ካብ ገዝኣ ተሰጐት።a

ድሕሪ ገለ እዋን ሊሳ ከም እተጋገየት ትርዳእ እሞ: ንኣቦኣ ይቕረ ክብለላ ሓተተቶ። ይኹን እምበር እቲ ተመሪሩ ዝነበረ ኣቦኣ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ጌጋታታ ሸለል ኣብ ክንዲ ዝብሎ ነቲ ንኽትዕረቕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ነጸጎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ንገዛእ ጓሉ ምሕረት ንምግባር ፍቓደኛ ኣይነበረን!

ዘበናት ይገብር ሓደ ንጹህ ሰብኣይ ብዘይ ፈጸሞ በደል ተኸሲሱ ንኽመውት ተፈሪዱ ነበረ። መሰኻኽር ብሓሶት መስከሩሉ: ፖለቲካውያን መራሕቲ ድማ ደይመደይ ኢሎም ፍትሒ ኣቕነኑሉ። እቲ ንጹህ ሰብኣይቲ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ነይሩ። ቀቅድሚ ሞቱ ብጸሎት ቀሪቡ ንኣምላኽ ከምዚ ብምባል ሓተቶ:- “ኣቦይ: ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ: ሕደገሎም።”​—⁠ሉቃስ 23:⁠34

የሱስ ካብ ልቡ ሓደገሎም ሰዓብቱ ኸኣ በዚ መገዲ እዚ ንኽቀድሕዎ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:32) ይኹን ደኣ እምበር ከም ቢል ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጨኪኖም ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ንስኻኸ በዚ ዝመጸ ብቕዓትካ ከመይ ኢዩ? ካልኦት ኣብ ልዕሌኻ ሓጢኣት ክፍጽሙ ከለዉ ይቕረ ንምባል ፍቃደኛዶ ኢኻ? ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝኸውንከ? እዚኸ ይቕረ ክበሃልዶ ይግባእ ኢዩ?

ይቕረ ምባል ብድሆ ኢዩ

ይቕረ ምባል ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዘን ጽንኩራት ግዜያት ድማ ናይ ደቂ ሰብ ርክብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ናብራ ስድራ ቤት መብዛሕትኡ ግዜ ብጭንቀትን ጸቕጥታትን ኢዩ መሊኡ ዘሎ። ነዊሕ ዓመታት ይገብር ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ: እዚ ኹነታት እዚ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዝገሃድ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪኾኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት:  . . . ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​1-4

ኵላትና እምበኣር ነቲ ንኻልኦት ይቕረ ናይ ምባል ዘሎና ክእለት ዝፍትን ግዳማዊ ጸቕጥታት ክገጥመና ግድን ኢዩ። ብተወሳኺ: ምስቲ ወሽጣዊ ጸቕጥታትውን ንቃለስ ኢና። ጳወሎስ “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ:  . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና: ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር: ኣነ አይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ” እናበለ ይትክዝ። (ሮሜ 7:​19, 20) በዚ ኸኣ ኢና መብዛሕትና ከምቲ ይቕረ በሃልቲ ክንኮኖ እንደሊ ዘይንኸውን። ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ዝተወርሰ ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ኣብ ልዕሊ ኹላትና ዓቢ ጽልዋ ይገብር: አረ ሓደ ሓደ ግዜስ ነቲ ኣብ ብጾትና ደቂሰብ ዘሎና ርሕራሔ ይዝርፎ ኢዩ።

ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ዝበደላ ብዝፈጸሞ ንእሸቶ በደል ይቕረ ንኽትብለሉ ምትብባዕ ምስ ተዋህባ “እቲ ይቕረ ንኽትብል ዝወስደልካ ጻዕሪ ሓደ እኳ ይኹን ኣይበቕዖን ኢዩ” ብምባል መለሰት። ብላዕሊ ላዕሊ ክትርእዮ ከሎኻ እዚ ሓሳባት እዚ ባህ ዘየብል: ደረቕ: አረ ምትእምማንካ ዘጥፍእ መሲሉ ይረአ ይኸውን። ጥልቕ ኢልና እንተደኣ ርኢናዮ ግን: ሰባት ነታ ብስስዐን ዘይምግዳስን ጽልእን ዝመልአት ዓለም ክጋጠሙ ከለዉ ዝሰምዖም ተስፋ ምቑራጽ ከም ዝገልጽ ኢና እንርዳእ። ሓደ ሰብኣይ “ሰባት ይቕረ እንተድኣ ኢልካሎም ይብለጹልካ ኢዮም። ከም ድረቡይ ኢዮም ዝቖጽሩኻ” በለ።

ስለዚ እምበኣር ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ይቕረ ናይ ምባል ኣመለኻኽታ ከተማዕብል ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣየገርምን ኢዩ። ጌና ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብሕያውነት ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ኢዩ ዘተባብዓና። (ምስ 2 ቈረንቶስ 2:⁠7 ኣነጻጽርዎ።) ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና?

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተለዊጡ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ