ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/10 ገጽ 19-24
  • ከምቲ ናይ የሱስ ጌርካዶ ትምህር ኢኻ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከምቲ ናይ የሱስ ጌርካዶ ትምህር ኢኻ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትምህርቱ ኣብ ልቢ ዝበጽሕ ኢዩ ነይሩ
  • የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ምስ ኵነታት ተሰማምዐ
  • “ወዲ ትእዛዝ” ምዃን
  • የሱስ ንቖልዑ የፍቅሮምን ይርድኦምን ኢዩ
  • “እታ ጊዜ በጺሓ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • የሱስ ክርስቶስ—እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ገለጸ
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • “መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/10 ገጽ 19-24

ከምቲ ናይ የሱስ ጌርካዶ ትምህር ኢኻ?

“ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ: ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ: እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ። ”​—⁠ማቴዎስ 7:​28, 29

1. የሱስ ኣብ ገሊላ እናመሃረ ኸሎ ዝሰዓብዎ መን ኢዮም ነይሮም: ምስ እንታይ ምላሽከ?

የሱስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ጭፍራ ህዝቢ ናብኡ ይእከብ ነበረ። “የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ: ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ: ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ኵሉ ድናስን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” ወረ ናይቲ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ናብ ኵሉ ምስ ተዘርግሐ ኸኣ “ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዓብዎ።” (ማቴዎስ 4:​23, 25) ምስ ረኣዮም ከኣ “ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” ክምህሮም ከሎ ኸኣ ነቲ ኣባታቶም ዝነበሮ ድንጋጽ ወይ ከኣ ርህራሀ ከስተውዕልዎ ከኣሉ: ከመይሲ ከም ንቑስሎም ዘረስርስ ቅብኣት ዝተለኽዩ ኰይኖም ናብኡ ክስሓቡ ክኢሎም ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 9:​35, 36

2. ኣብ ርእሲ እቲ ናይ የሱስ ተኣምራታት ነቶም ብዙሓት እኩባት ህዝቢ እንታይ ኢዩ ዝሰሓቦም?

2 ኣየወ: የሱስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ኣካላት ክንደይ ኰን ይበዝሕ—ንለምጻማት ከም ዝነጽሁ: ንጸማማት ከም ዝሰምዑ: ንዕዉራት ከም ዝርእዩ: ንሓንካሳት ከም ዝኸዱ: ነቶም ምዉታት ናብ ህይወት ከም ዝምለሱ ገበረ! ብሓቂ እዚ ብየሱስ ገይሩ ዝግለጽ ዝነበረ ሓይሊ የሆዋ ብዙሕ ዝቑጽሮም ጭፍራ ዝስሕብ ኢዩ ነይሩ! ይኹን እምበር እቲ ተኣምራት ጥራይ ኣይኮነን ዝስሕቦም ዝነበረ: ብዙሓት ጭፍራ ድማ ካብቲ የሱስ ዝህቦ ዝነበረ መንፈሳዊ ምሕዋይ ምእንቲ ክጥቀሙ ናብ የሱስ ይመጹ ነይሮም ኢዮም። ንኣብነት ነቲ ዝና ዘትረፈ ናይ ከረን ስብከቱ ምስ ሰምዑ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ እሞ ተዓዘቦ:- “ኰነ ድማ የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ: ከም ጸሓፍቶም ዘይኮነስ: ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ: እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴዎስ 7:​28, 29) እቶም መምህራኖም ነቲ ዝምህርዎ ዝነበሩ ንምድጋፍ ካብቶም ናይቶም ጥንታውያን መምህራን ኣፈታሪኽ ኢዮም ዝጠቕሱ ዝነበሩ። የሱስ ግን ካብ ኣምላኽ ብዝተዋህቦ ስልጣን ኢዩ ዝምህሮም ነይሩ:- “እቲ ኣነ ዝዛረቦ: ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ከምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 12:​50

ትምህርቱ ኣብ ልቢ ዝበጽሕ ኢዩ ነይሩ

3. የሱስ ነቲ መልእኽቱ ከቕርቦ ኸሎ ካብቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝተፈልየ ዝኾነ?

3 አብ መንጐ እቲ ናይ የሱስ ትምህርትን ናይቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ትምህርትን ዝነበረ ፍልልይ ኣብ ትሕዝቶ—ኣብ መንጐ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ሓቅታትን እቲ ሸኸም ዝኾነ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ያታታት ናይ ሰብን—ጥራይ ዘይኮነስ: ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራኡውን ፍልልይ ነይርዎ ኢዩ። እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ትዕቢተኛታትን ጨካናትን ብትምክሕትነት ክብ ዝበለ መዓርጋት ዝደልዩን ነቶም እኩባት ህዝቢ ድማ ከም “ርጕማት ህዝቢ” ቖጺሮም ዘናሽዉዎምን ዝንዕቅዎምን ኢዮም ነይሮም። የሱስ ግን ዓቃል: ህዱእ: ሕያዋይ: ርህሩህ: ልዙብ ወይ ከኣ ምስ ኵነታት ዝሰማማዕን: ኵሉ ግዜ ኸኣ ዝድንግጸሎምን ኢዩ ነይሩ። የሱስ ቅኑዕ ብዝኾነ ቃላት ገይሩ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ልቡ ዝፈልፈለን ብቐጥታ ድማ ናብ ልቢ ሰማዕቱ ክበጽሕ ብዝኽእል ተባሃጊ ቃላት ገይሩ ኢዩ ዝምህር ነይሩ። እቲ ዘሐጕስ መልእኽቱ ንሰባት ናብኡ ዘቕርቦም: ምእንቲ ክሰምዕዎ ድማ ኣንጊሆም ናብቲ ቤተ–መቕደስ ኪኸዱ ዝድርኾም: ናብኡ ከም ዝጠብቁን ባህ ኢሉዎም ድማ ከም ዝሰምዕዎ ዝገብሮምን ኢዩ ነይሩ። ማእለያ ዘይብሎም ህዝቢ “ኸምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” እናበሉ ሰዓብዎ።​—⁠ዮሃንስ 7:​46–49፣ ማርቆስ 12:​37፣ ሉቃስ 4:​22፣ 19:​48፣ 21:⁠38

4. ኣብቲ ናይ የሱስ ስብከት ንብዙሓት ሰባት ብፍላይ ዝሰሓቦም እንታይ ነበረ?

4 ሰባት ናብ ትምህርቱ ኺሰሓቡ ካብ ዝደረኾም ምኽንያታት ሓደ: ብርግጽ እቲ ኣጠቓቕማ ምሳሌታቱ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ዝርእዮ ዝነበረ ነገራት እቲ ሰባት ዝርእይዎ ዝነበሩ ኢዩ: ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ሰባት ፈጺሞም ሓሲቦምሉ ዘይፈልጡ ነገራት ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ኣብ ግርሁ ዝበቍል ዕምባባታት: ስፍርአን ዝሰርሓ ኣዕዋፍ: እኽሊ ዝዘርኡ ሰብኡት: ዝጠፍኣ ዕያውቲ ኣናድዮም ዝረኽቡ ጓሶት: ዝበለየ ክዳውንቲ ዚልግባ ኣንስቲ: ኣብ ዕዳጋ ዝጻወቱ ቆልዑ: መርበቦም ዝጓትቱ ገፈፍቲ ዓሳ—ኣብ ኵሉ ዝርከብ ኵሉ ሰብ ድማ ክርእዮ ዝኽእል ተራ ነገራት—ኣብ ኣዒንቲ የሱስ ግን ከቶ ተራ ነገራት ኣይነበረን። ኣብ ዝጠመቶ ዘበለ ስፍራ ንኣምላኽን ነታ መንግስቱን ብምሳሌ ንምግላጽ ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙርይኡ ዝነበረ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ሓሳብ ንምሃብ ክጥቀመሉ ዝኽእል ነገር ሃሰስ ይብል ነበረ።

5. የሱስ ንምሳሌታቱ ኣብ ምንታይ ይምስርቶ ነበረ: እቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምሳሌኸ ዘስልጥ ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ?

5 ናይ የሱስ ምሳሌታት ኣብቲ ሰባት ብዙሕ ግዜ ዝርእይዎ መዓልታዊ ነገራት ዝተመስረቱ ኢዮም: ሓቅታት ምስ እዞም ፍሉጣት ዝኾኑ ነገራት ክተኣሳሰሩ ከለዉ ኸኣ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ሰማዕቲ ብቕልጣፈን ብዕምቆትን ኢዮም ዝስኣሉ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሓቅታት ብእዝኒ ዝስምዑ ጥራይ ዘይኮነስ ዳሕራይ ኣብ ኣእምሮ ብቐሊሉ ክዝከሩ ዝኽእሉን ኢዮም። ናይ የሱስ ምሳሌታት ብምቅላሎምን ብዘየድሊ ኣብ መንጐ ጣልቃ ኣትዩ ነቲ ሓቅታት ንኸይርድእዎ ዝዓግት ሃለውለው ዘይጋሕመጡ ብምዃኖምን ፍሉጣት ኢዮም። ንኣብነት እስከ ብዛዕባ እቲ ብጻይነት ዘርኣየ ሳምራዊ ዝገልጽ ምሳሌ ንመልከቶ። ሕያዋይ ብጻይ እንታይ ምዃኑ ኣነጺርካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። (ሉቃስ 10:​29–37) ከምኡውን የሱስ ብዛዕባ እቶም ክልተ ደቂ ዝሃቦ ምሳሌ ኣሎ: እቲ ሓደ ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይኒ ክዓዪ ሕራይ ዝበለ ግን ዘይፈጸሞ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣይዓይን እየ ዝበለ ግን ዝዓየየ። ኣብዚ እቲ ጐሊሑ ዝርአ ቍም ነገር ናይ ሓቀኛ ምእዛዝ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ዝተመዘዝካሉ ዕዮ ምፍጻም ኢዩ። (ማቴዎስ 21:​28–31) የሱስ ነቲ ውዕዉዕ ትምህርቱ ከቕርቦ ኸሎ ዝብዕግግ ወይ ዝኹብልል ኣእምሮ ኣይነበረን። ኣእምሮኦም ኣብ ምስማዕን ኣብ ምርኣይን ኢዩ ተታሒዙ ነይሩ።

የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ምስ ኵነታት ተሰማምዐ

6. መስተውዓሊ ወይ ምስ ኵነታት እትሰማማዕ ምዃን ብፍላይ ሓጋዚ ዝኸውን መኣስ ኢዩ?

6 መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መስተውዓሊ ምዃን ክዛረብ ከሎ ኣብቲ ናይ እግሪ ጽሑፍ ምስ ኵነታት ዝሰማማዕ ማለት ከም ዝኾነ ኢዩ ዝገልጽ። እታ ናይ ኣምላኽ ጥበብ ይቕሬታ ንኽትገብር ዝድርኸካ ኵነታት እንተደኣ ኣልዩ ምስቲ ኵነታት እትሰማማዕ ኢያ። ሓድ ሓደ ግዜ መስተውዓልቲ ወይ ምስ ኵነታት እንሰማማዕ ክንከውን ይግብኣና። ሽማግለታት ብፍቕሪ ተደሪኾምን ጣዕሳ ናይቲ ሰብ ድማ ኣብ ግምት ብምእታውን ምስ ኵነታት ክሰማምዑ ፍቓደኛታት ኺኾኑ ይግብኦም። (1 ጢሞቴዎስ 3:​3፣ ያእቆብ 3:​17) የሱስ ኣብቲ ምሕረትን ርህራሀን ዘድልየሉ ካብቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ፍልይ ብዝበለ ምስ ኵነታት ናይ ምስምማዕ ዘደንቕ ኣብነት ገዲፉ ኣሎ።

7. ገለ ካብቶም የሱስ ምስ ኵነታት ዝሰማማዕ ምዃኑ ዘረድኡ ኣብነታት እንታይ ኣለዉ?

7 የሱስ ሓደ ግዜ ከምዚ በለ:- “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና: ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።” ይኹን እምበር ጴጥሮስ ሽሕ እኳ ሰለስተ ግዜ እንተኸሓዶ የሱስ ንጴጥሮስ ኣይነጸጐን። የሱስ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝኸኣለ ሸለል ክበሃል ዝኽእል ኵነታት ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:​33፣ ሉቃስ 22:​54–62) እታ ዘይንጽህቲ ሰበይቲ ደም ዛሕዛሕ ኢሉ እናፈሰሳ ክነሱ ኣብቶም እኩባት ህዝቢ ብምምጻእ ሕጊ ሙሴ ከተፍርስ ከላውን ሸለል ኪበሃል ዝግብኦ ኵነታት ነይሩ ኢዩ። የሱስ ንዓኣውን ኣይኰነናን። ነቲ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ዓቕሊ ጽበት ይርድኦ ነይሩ። (ማርቆስ 1:​40–42፣ 5:​25–34፣ ከምኡውን ሉቃስ 5:​12, 13 ርአ) የሱስ ንሃዋርያቱ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ከየፍልጡ ነጊርዎም ክነሱ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብቲ ዒላ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ባዕሉ ከፍልጣ ኸሎ ኣብቲ ሕጊ ድርቕ ኢሉ ከም ዘይጠበቐ ኢና እንርዳእ። (ማቴዎስ 16:​20፣ ዮሃንስ 4:​25, 26) ኣብ ኵሉ እዚ ጉዳያት እዚ ምስ ኵነታት ኪሰማማዕ ግቡእ ኰይኑ ዝረኸቦ: ብፍቕርን ምሕረትን ድንጋጸን ተደሪኹ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 2:​13

8. መኣስ ኢዮም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሕግታት ዝጠውዩ ዝነበሩ: መኣስከ ዘይጠውዩ?

8 እቶም ምስ ኵነታት ዘይሰማምዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግን ከምኡ ኣይነበሩን። ንዕኦም ዝምልከት እንተደኣ ኾይኑ ብዕራዮም ናብ ማይ ኪወስዱ ነቲ ናይ ሰንበት ባህሎም የፍርስዎ ነበሩ። ወይውን ብዕራዮም ወይ ወዶም ናብ ዒላ ምስ ዝኣቱ ምእንቲ ከውጽእዎ ሰንበት የፍርሱ ነበሩ። ነቶም ተራ ህዝቢ ግን ፈጺሞም ኣይፈቐዱሎምን! “በጻብዕቶም [ነቲ ዝድለ ነገራት] ክትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።” (ማቴዎስ 23:​4፣ ሉቃስ 14:​5) ንየሱስ ካብ መብዝሕትኡ እቲ ሕጊ ሰባት ኢዮም ዘገድስዎ: ንፈሪሳውያን ግን ካብ ሰባት ሕግታት ይበልጽዎም ነይሮም።

“ወዲ ትእዛዝ” ምዃን

9, 10. ናብ የሩሳሌም ድሕሪ ምምላሶም ንየሱስ ወለዱ ኣበይ ኢዮም ዝረኸብዎ: እቲ የሱስ ዘቕርቦ ዝነበረ ሕቶታትከ እንታይ ኣገዳስነት ኢዩ ዝነበሮ?

9 ገለ ሰባት: ናይ የሱስ ንእስነት እተዘንቱ ሓንቲ ኣጋጣሚ ጥራይ ኢያ ተጻሒፋ ዘላ ኢሎም ይሓዝኑ። ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ናይቲ ፍጻመ እቲ ዓቢ ትርጕም ኣይግንዘብዎን ኢዮም። ኣብ ሉቃስ 2:​46, 47 ተመዝጊቡልና ኣሎ:- “ኰነ ድማ: ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ። ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።” ናይ ኪተል ቴኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ እታ “እናሓተቶም ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ናይ ሓደ ወዲ ናይ ምህንጣይ ሕቶታት ጥራይ እትመልክት ከም ዘይኮነት ዝገልጽ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። እታ ቃል ነቲ ኣብ ፍርዳዊ ምርመራ: ወይ ካልእ ምርመራ ወይ መስቀላዊ ሕቶታት እተመልክት ኢያ: አረ ከምቲ ኣብ ማርቆስ 10:​2 ከምኡውን ኣብ 12:​18–23 ተመዝጊቡ ዘሎ ‘ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዝሓትዎ ዝነበሩ ዓይነት መርማርን መታለልን ሕቶታት’ ዝመሳሰል ኢዩ።

10 እዛ መዝገበ–ቃላት እዚኣ ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ብመሰረት እዚ ኣጠቓቕማ እዚ . . . [ሉቃስ] 2:​46 ንናይ ሓደ ወዲ ናይ ህንጡይነት ሕቶታት ድዩ ዘመልክት ወይስ ነቲ ዕዉት ክትዑ: ኢልካ ክትሓትት ይከኣል ኢዩ። [ቍጽሪ] 47 ምስቲ ዕዉት ክትዑ ዝብል ሓሳብ ኢያ እትሰማማዕ።a ሮዘርሃም ንቍጽሪ 47 ክትርጕማ ኸሎ ሓደ ዝምስጥ ኵነታት ከም ዝነብር ገይሩ ኢዩ ተርጒምዋ:- “ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን መልስታቱን ኣዝዩ ደንጸዎም።” ናይ ሮበርትሰን ወርድ ፒክቸርስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት እቲ ቀጻሊ ምግራሞም እንታይ ምዃኑ ትርጕሙ ኪግለጽ ከሎ “ልክዕ ኣዒንቶም ፈጢጡ ከም ዝወጸ ኾይኖም ኣዝዩ ደንጸዎም” ይብል።

11. ማርያምን ዮሴፍን ነቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ብኸመይ መለሽሉ: ሓደ ቴኦሎጂካል ዲክሸነሪኸ እንታይ ርእይቶ ኢዩ ዝህብ?

11 ኣብ መወዳእታ ወለዱ ንየሱስ ኣብቲ ቤተ–መቕደስ ምስ መጹ “ሰምበዱ።” (ሉቃስ 2:​48) ሮበርትሰን እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ ግሪኽ ሓረግ “ምውቓዕ ብጕስጢ ገይርካ ምቕላዕ” ማለት ኢያ: ይብል። ቀጺሉ ኸኣ ዮሴፍን ማርያምን በቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን “ተወቒዖም” ይብል። በዚ መገዲ እዝስ የሱስ ድሮ ዘገርም መምህር ኰይኑ ነይሩ ማለት ኢዩ። ናይ ኪተል ጽሑፍ ምስ እዚ ኣብ ቤተ–መቕደስ ዝተፈጸመ ኵነታት ኣተሓሒዙ “የሱስ ነቲ እቶም መቃናቕንቱ ኣብ መወዳእታ ኢዶም ሂቦም ክሰዓርሉ ዘለዎም ተቓውሞ ድሮ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኸሎ ኢዩ ጀሚርዎ” ዝብል ሓሳብ የቕርብ።

12. እቲ የሱስ ዳሕራይ ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝገበሮ ክትዕ እንታይ ጕሉሕ መለለዪ ኢዩ ነይርዎ?

12 ብርግጽ ከኣ ኢዶም ሂቦም ኢዮም! ዓመታት ጸኒሑ የሱስ ንፈሪሳውያን በዚ ኸምዚ ዝበለ ሕቶታት ገይሩ ኢዩ ዘሸነፎም። “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓደ እኳ ኺሓቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።” (ማቴዎስ 22:​41–46) ነቶም ሰዱቃውያንውን ብተመሳሳሊ: ብዛዕባ ናይ ትንሳኤ ሕቶ ኣፎም ከም ዝዓብሱ ገይርዎም ኢዩ: ስለዚ ኸኣ “ድሕርዚ ገለ ኪሓትዎ እኳ ኣይደፈሩን።” (ሉቃስ 20:​27–40) ጸሓፍትውን እንተኾኑ ኪዕወቱ ኣይከኣሉን። ሓደ ካባታቶም ምስ የሱስ ድሕሪ ምክታዑ “ደጊሙ ኺሓቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን።”​—⁠ማርቆስ 12:​28–34

13. ኣብ ህይወት የሱስ እቲ ኣብ ቤተ–መቕደስ እተፈጸመ ዝያዳ ትርጕም ሓዘል ዝገብሮ እንታይ ኢዩ: እንታይ ክንግንዘቦ ዝግበኣና ጕዳይ ከም ዘሎኸ ኢዩ ዝእምት?

13 እዛ ብዛዕባ የሱስን እቶም መምህራንን ኣብቲ ቤተ–መቕደስ እተመልክት ፍጻመ ካብቲ ካልእ ዛንታ ናይ ንእስነቱ ዝተመርጸት ስለምንታይ ኢያ? ምኽንያቱ ኣብ ህይወት ናይ የሱስ ሓንቲ ነጥበ–መቐይሮ ኢያ ነይራ። ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኡ እቲ ኣይሁድ “ወዲ ትእዛዛት” ኢሎም ዝጽውዕዎ: ንኹሉ እቲ ድንጋጌታት ዝሕሉ ኪኸውን ከኣለ። ማርያም ንየሱስ ብዛዕባ እቲ ንዓኣን ንዮሴፍን ዝገበረሎም ናይ ኣእምሮ ምንዋጽ ጠቒሳ ምስ ኰረየትሉ: እቲ ናይ ወዳ መልሲ: ነቲ ተኣምራታዊ ኣወላልድኡን መሲሓዊ መጻኢ ህይወቱን ተገንዚብዎ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር። እዚ ኸኣ ብቐጥታ ኣምላኽ ኣቦኡ ምዃኑ ብምጥቃሱ ኢዩ ዘፍለጠ:- “ንምንታይሞ እትደልዩኒ[?] ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዝግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም[?]” ኣጋጣሚ ኾይኑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊበን ዘለዋ ቃላት የሱስ እዚአን እየን። ኣብ ምድሪ ብምልኣኹ ዕላማ የሆዋ እንታይ ከም ዝነበረ ተገንዚብዎ: ምንባሩ ዘመልክታ እየን። ስለዚ ብምልእታ እዛ ፍጻመ እዚኣ ሓንቲ ዓቢ ትርጕም ዝመልኣ ኢያ።​—⁠ሉቃስ 2:​48, 49

የሱስ ንቖልዑ የፍቅሮምን ይርድኦምን ኢዩ

14. እቲ ኣብ ቤተ–መቕደስ ዝተገብረ ዛንታ ናይቲ መንእሰይ የሱስ ንመንእሰያት ከተሓሳስቦም ዝግብኦ እንታይ ኣገዳሲ ሓሳባት ኢዩ ሒዙ ዘሎ?

14 እዚ ጸብጻብ እዚ ብፍላይ ንመንእሰያት ባህ ዘብል ኪኸውን ይግብኦ። የሱስ ናብ ስብእነት ገጹ ኪስጕም ከሎ ክሳዕ ክንደይ ብትግሃት የጽንዕ ከም ዝነበረ ዘመልክት ኢዩ። እቶም ኣብ ቤተ–መቕደስ ዝነበሩ መምህራን በዚ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ “ወዲ ትእዛዝ” ተደኒቖም ኢዮም። ምስናይዚ ግን ገና ምስ ዮሴፍ ኣብቲ ቤት ጽርበት ይዓዪ ነበረ: ንዕኡን ንማርያምን ኸኣ “ይእዘዞም” ነበረ፣ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጸጋ’ ዓበየ።​—⁠ሉቃስ 2:​51, 52

15. የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንመንእሰያት ደጋፊ ዝነበረ: እዚኸ ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ማለት ኢዩ?

15 የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንመንእሰያት ኣጸቢቑ ኢዩ ዝድግፍ ነይሩ:- “ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ቈልዑ ኣብ ቤተ–መቕደስ ዓው ኢሎም: ‘ሆሳእና ንወዲ ዳዊት:’ ኪብሉን ምስ ረኣዩ: ተናደዱ እሞ: ‘እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣሎኻ?’ በልዎ። የሱስ ከኣ: ‘እወ: ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን?’ በሎም።” (ማቴዎስ 21:​15, 16፣ መዝሙር 8:​2) ሎሚውን ከም ቀደም ነቶም ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ንጽህንኦም ዝሕልዉን ዝውድስዎን: አረ ገሊኦምሲ’ኳ ነዚ ንምፍጻም ህይወቶምውን ከይተረፈ ዝኸፍሉ ዘለዉ መንእሰያት ደጋፊኦም ኢዩ ኰይኑ ዘሎ!

16. (ሀ) የሱስ ኣብ ማእከል ሃዋርያቱ ሓደ ቆልዓ ደው ብምባል እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝመሃረ? (ለ) ኣብ ከመይ ዝበለ ወሳኒ እዋን ናይ ህይወቱኸ ኢዩ ገና ንቆልዑ ግዜ ዝነበሮ?

16 እቶም ሃዋርያት ካብኣቶም እቲ ዝዓበየ መን ከም ዝኾነ ክካትዑ ኸለዉ የሱስ ነቶም 12 ከምዚ በሎም:- “እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ [ኹ]ሉን ግዙእ ኵሉን ይኹን: . . . ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ: ሓቊፉዎ ኸአ፤ ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ ኢዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር: ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል።” (ማርቆስ 9:​35–37) ብተወሳኺ ናብታ ዘስካሕክሕ ጸበባ ናይ ሞት ዘሕለፈላ ኸተማ የሩሳሌም ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝጐዓዘሉ ዝነበረ ግዜ ንቆልዑ ግዜኡ ሰዊኡሎም ኢዩ:- “ሕደግዎም ቆልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኸ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ: ኣይትኽልእዎም።” ብድሕርዚ ነቶም ቆልዑ “ሓ[ቊ]ፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።”​—⁠ማርቆስ 10:​13–16

17. የሱስ ንቆልዑ ከዘንትወሎም ቀሊል ዝኾነሉ ዝነበረ ምኽንያት ስለምንታይ ኢዩ: ቆልዑኸ ብዛዕባኡ እንታይ ኢዮም ኪዝክሩ ዝግብኦም?

17 የሱስ ኣብ ማእከል ናይ ዓበይቲ ዓለም ቆልዓ ምዃን እንታይ ከም ዝመስል ይፈልጦ ኢዩ። ምስ ዓበይቲ ይቕመጥ ነይሩ ኢዩ: ምሳታቶም ሰሪሑ: ንዕኦም ምእዛዝ ተሞኪርዎ ኢዩ። ቆልዑ: እዚ የሱስ እዚ ዓርክኹም ኢዩ: ምእንታኹም ኢዩ ሞይቱ: ትእዛዛቱ እንተሓሊኹም ከኣ ንዘለኣለም ክትነብሩ ኢኹም።​—⁠ዮሃንስ 15:​13, 14

18. ብሕልፊ ኣብ ግዜ ጭንቅን ጸበባን እንታይ ዘጸናንዕ ሓሳብ ኢና ክንዝክር ዝግብኣና?

18 ከምቲ የሱስ ዝእዝዞ ምግባር ከቢድ መሲሉ እኳ ዝርአ እንተኾነ: ከቢድሲ ኣይኰነን። መንእሰያት: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 11:​28–30 እነንብቦ የሱስ ንዓኹምን ንኹሉ ሰብን ንምድጋፍ ድልዊ ኢዩ:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኲሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጽሩ ኻባይውን ተማሃሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ሕሰቦ እሞ ንየሆዋ እናገልገልካ ኣብ ህይወት ክትስጕም ከሎኻስ የሱስ ከኣ ጐንጐንኻ እናሰጐመ ነቲ ኣርዑት የፍኩሰልካ: ነቲ ጾርውን የቕልለልካ ኣሎ ማለት እኮ ኢዩ። እዝስ ንኹላትና ባህ ዘብል ሓሳብዶ ኣይኰነን!

19. ብዛዕባ ኣገባባት ኣመሃህራ የሱስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክንሓስበሎም ዝግብኣና ሕቶታት እንታይ ኢዮም?

19 ካብቲ የሱስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣገባባት ሒደት ድሕሪ ምምርማርና ከምቲ ናቱ ገይርና ከም እንምህር ኰይኑዶ ረኺብናዮ? ነቶም ብስጋ ዝሓመሙ ወይ መንፈሳዊ ዓጸባ ዘለዎም ምስ ረኤናዮም ንምሕጋዞም ዝከኣለና ንምግባር ብድጋጽ ንድረኽ ዲና? ንኻልኦት ክንምህር ከሎናኸ ቃል ኣምላኽ ዲና እንምህር ወይስ ከምቶም ፈሪሳውያን ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ኢና እንምህር? ነቲ መንፈሳዊ ሓቅታት ንምብራህ: ኣብ ኣእምሮ ከም ዝቕረጽን ከም ዝስኣልን ንምግባር: ምስትውዓል ንምውሳኽን ኪሕግዝ ዝኽእል ኣብ ዙርያና በብመዓልቱ ዘጋጥመና ነገራት ንምዕዛብከ ንቑሓት ዲና? ብምኽንያት ኵነታት ኣብ ሓድ ሓደ ሕግታት ምስ ኵነታት ብምስምማዕ ፍቕርን ምሕረትን ከነርኢ ዝድለ እንተድኣ ኰይኑ ኣብቲ ሕጊ ትርር ኢልና ካብ ምጥባቕዶ ንቑጠብ ኢና! ብዛዕባ ቆልዑኸ? ከምቲ የሱስ ዘርእዮ ዝነበረ ህድኣት ዝመልኦ ሓልዮትን ፍቕራዊ ሕያውነትንዶ ነርእዮም ኢና? ንደቅኻ ከምቲ የሱስ መንእሰይ ከሎ ዝገብሮ ዝነበረ ገይሮም ከጽንዑዶ ተተባብዖም ኢኻ? ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ጽንዓት እናርኤኻ ነቶም ዝናስሑ ግን ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ እትእክቦም ገይርካዶ ብምዉቕ ስምዒት ትቕበሎም ኢኻ?​—⁠ማቴዎስ 23:​37

20. ንኣምላኽና እናኣገልገልና ኸሎና: ብኸመይ ዝበለ ባህ ዘብል ሓሳብ ኢና ንርእስና ከነጸናንዕ ዝግብኣና?

20 ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ገይርና ክንምህር ዝከኣለና ንምግባር እንተደኣ ጽዒርና ብርግጽ ‘ምስኡ ኣብ ኣርዑቱ’ ከእትወና ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 11:​28–30

[እግረ-ጽሑፍ]

a ርግጽ ኢዩ: የሱስ ነቶም ካብኡ ዝዓበዩ ብሕልፊ እኳ ነቶም ሸያባትን ካህናትን ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዘርኣዮም ንኽንኣምን ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና።​—⁠ምስ ዘሌዋውያን 19:​32፣ ግብሪ ሃዋርያት 23:​2–5፣ ኣነጻጽሮ።

ትዝክርዎዶ?

◻ እቶም ጭፍራ ሰባት ንየሱስ ዝሰዓብዎ ስለምንታይ ኢዮም?

◻ የሱስ ሓድ ሓደ ግዜ ኣብ ገለ ገለ ሕግታት ምስ ኵነታት ዝሰማማዕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ?

◻ ካብቲ የሱስ ነቶም ናይ ቤተ–መቕደስ መምህራን ዘቕረበሎም ሕቶታት እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል?

◻ ካብቲ የሱስ ምስ ቆልዑ ዝነበሮ ዝምድና እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንወስድ እንኽአል?

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ