የሆዋ— ብለውሃት ዝድንግጽ ኣቦና
“እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ።” —ያእቆብ 5:11
1. እቶም ትሑታት ናብ የሆዋ ዝጠብቁ ስለምንታይ ኢዮም?
ኣድማስ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝኾነ ተመራመርቲ ስነ–ኰኾብ ንኹሎም እቶም ኣብኡ ዝርከቡ ጋላክሲታት ክቖጽርዎም ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ንሕና እንነብረሉ ጸባዊ መገዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጋላክሲውን ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝኾነ ወዲ ሰብ ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ከዋኽብቲውን እንተኾነ ክቖጽሮም ኣይክእልን ኢዩ። ከም በዓል ኣንታረስ ዝኣመሰሉ ገለ ከዋኽብቲ: ካብ ጸሓይና ብኣሽሓት ዝተዓጻጸፍ ዕብየትን ብርሃንን ኣለዎም። እቲ ዓቢ ፈጣሪ ናይዞም ኣብ ኣድማስ ዝርከቡ ኵሎም ከዋኽብትስ ኣዝዩ ሓያል ክኸውን ኣለዎ! ብርግጽ ድማ ንሱ “እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ።” (ኢሳይያስ 40:26) ይኹን እምበር እዚ ዘደንቕ ኣምላኽ እዚ “ኣዝዩ ለዋህ ብምፍታውን ዝድንግጽን” ኢዩ። እዚ ፍልጠት እዝስ ነቶም ትሑታት ኣገልገልቲ የሆዋ ብፍላይ ድማ ነቶም ብስደትን ሕማምን ጭንቀትን ወይ ካልእ ጸገማትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!
2. ናይ ለውሃት ስምዒታት መብዛሕትኡ ግዜ በዞም ናይዛ ዓለም እዚኣ ሰባት ብኸመይ ይረኣዩ?
2 ብዙሓት ነቲ ከም እኒ “ለዋህ ምፍታውን ምድንጋጽን” ዝኣመሰለ ናይ ክርስቶስ ልስሉስ ስምዒታት ከም ድኽመት ኢዮም ዝቖጽርዎ። (ፊልጲ 2:1) ብፍልቀታዊ ፍልስፍና ተደሪኾም ንሰባት ናይ ካልኦት ስምዒታት ዝጐድእ እኳ እንተኾነ ንረብሓ ርእሶም ከቐድሙ የተባብዕዎም። እቶም ኣብ ምዝንጋዕ ይኹን ኣብ ስፖርት: ብኻልኦት ንኽቅድሑ ተባሂሎም ዝረኣዩ ብዙሓት ጸወታታት ዘየንብዑ ወይ ከኣ ለዋህ ምፍታው ዘየርእዩ ናይ ጭከና ተግባራት ኢዮም። ገሊኦም ፖለቲካውያን ገዛእቲውን ልክዕ ከምኡ ዝኣመሰለ ኢዮም ዝገብሩ። ነቲ ጨካን ገዛኢ ኔሮ ዝማሃሮ ሰኔካ ዝበሃል ናይ እስቶይክ ፈላስፋ “ድንጋጸ ድኻም ኢዩ” ዝብል ኣጕልሐ። ብ ኤም’ክሊንቶክን ስትሮንግስን እተጽሓፈ ሲክሎፐድያ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ናይ እስቶይዚስም ጽልዋ . . . ኣብዚ ግዜያት እዚውን ከይተረፈ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ብቐጻሊ ጽልዋ ይገብር ኣሎ።”
3. የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ንሙሴ ከመይ ገይሩ ኢዩ ገሊጹሉ?
3 ብኣንጻሩ ግን: ባህርያት ናይቲ ፈጣሪ ወዲ ሰብ ልቢ ዝትንክፍ ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንሙሴ በዘን ዝስዕባ ቃላት ገይሩ ገለጸሉ:- “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር: መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ን[ኹ]ራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን . . . ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ።” (ዘጸኣት 34:6, 7) ሓቂ’ዩ: የሆዋ ነዚ ናይ ገዛእ ርእሱ መግለጺ እዚ ንፍትሑ ብምጕላሕ ኢዩ ደምዲምዎ። ነቶም ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ካብቲ ዝግብኦም መቕጻዕቲ ኣይምሕሮምን ኢዩ። ገና ግን ንገዛእ ርእሱ ብቐዳምነት መሓሪ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝገልጻ።
4. እቲ ልቢ ዝትንክፍ ትርጕም ናይታ መብዛሕትኡ ግዜ “ምሕረት” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቃል እንታይ ኢዩ?
4 ሓድ ሓደ ግዜ: እታ “ምሕረት” እትብል ቃል ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ዝገብር ፍትሓዊ መገዲ ጥራይ እተመልክት ብስምዒት ዘይተደረኸት ምዃና ኢያ እትሕሰብ። ይኹን ደኣ እምበር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉማት ምንጽጻር ምስ ተገብረ እቲ ቀንዲ ትርጉም ናይታ ካብ ራ.ቻም’ እትብል ግሲ ዝወጸት ናይ እብራይስጢ ቅጽል ኣነጺርዎ ኢዩ። ገለ ምሁራት ብዝሃብዎ ሓሳባት መሰረት: እቲ መሰረታዊ ትርጉማ: “ልምሉም ምዃን” ማለት ኢዩ። “ራቻም” ይብል እቲ ሲኖኒምስ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት እተባህለ መጽሓፍ ክገልጽ ከሎ:- “ኣብቶም እነኽብሮም ሰባት ድኻምን ስቓይን ክንርኢ ኸሎና ወይ ሓገዝና ክደልዩ ከለዉ ዝስምዓና ዓሚቍን ለዋህን ስምዒት ናይ ድንጋጽ ኢዩ ዝገልጽ።” ካልእ ልቢ ዝትንክፍ መግለጺታት ናይዚ ተበሃጊ ባህርይ እዚ: ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክርፕቸርስ ጥራዝ 2 ገጽ 375–9 ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
5. ኣብ ሕጊ ሙሴ ምሕረት ብኸመይ ኢያ ተረጋጊጻ ዘላ?
5 እቲ ናይ ኣምላኽ ለዋህ ድንጋጸ ኣብቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ብንጹር መገዲ ተገሊጹ ኢዩ። እቶም ኣብ ጸገም ዝነበሩ ከም እኒ መበለታት ዘኽታማትን ድኻታትን ብድንጋጸ ክተሓዙ ነበሮም። (ዘጸኣት 22:22-27፣ ዘሌዋውያን 19:9, 10፣ ዘዳግም 15:7-11) ኵሎም: እንተላይ ባሮትን እንስሳታትን ካብታ ናይ ሰንበት ዕረፍቲ ክጥቀሙ ነበሮም። (ዘጸኣት 20:10) ብተወሳኺውን ኣምላኽ ነቶም ንትሕት ዝበሉ ብለውሃት ዝሕዝዎም ዝነበሩ ግለሰባት: ኣተኵሮ ገይሩሎም ኣሎ። ምሳሌ 19:17 “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ብምባል ይገልጽ።
ደረት ናይ መለኮታዊ ድንጋጽ
6. የሆዋ ነብያትን ልኡኻትን ናብ ህዝቡ ዝለኣኸ ስለምንታይ ኢዩ?
6 እስራኤላውያን ንስም ኣምላኽ ጸይሮም ነበሩ: ኣብታ ‘ንስም የሆዋ ዝቖመት’ ቤት መቕደስ ናይ የሩሳሌም ድማ የምልኽዎ ነበሩ። (2 ዜና መዋእል 2:4፣ 6:33) ይኹን እምበር ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ ብዕልግናን ዝሙትን ቅትለትን ተጸምዱ እሞ: በዚ ድማ ንስም የሆዋ ዓቢ ጸርፊ ኣምጽኡሉ። ኣምላኽ ምስቲ ደንጋጺ ባህርያቱ ብምስምማዕ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ጥፍኣት ከየውረደ: ብትዕግስቲ ነቲ ኵነታት ከዐርዮ ፈቲኑ ኢዩ። ንሱ “ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም . . . ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ። ግናኸ [ቍ]ጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ: ፈውሲውን ክሳዕ ዚስአን: ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ አላገጹሎም: ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ: ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም።”—2 ዜና መዋእል 36:15, 16
7. ድንጋጸ የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ደረቱ ምስ በጽሐ: ንመንግስቲ ይሁዳ እንታይ ኣጋጠማ?
7 የሆዋ ደንጋጽን ንኹራ ደንጓይን እኳ እንተኾነ: ኣብቲ ዘድልየሉ ግዜ ጽድቃዊ ቍጥዓ ይገልጽ ኢዩ። ኣብቲ ግዜቲ እምበኣር መለኮታዊ ድንጋጽ: ኣብቲ ደረቱ በጺሑ ኢዩ። ብዛዕባ ፍሪኡ ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ:- “ስለዚ ንሱ [የሆዋ] ንንጉስ ከለዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። ንሱ ኸኣ ነጕባዞም ኣብ ቤተ–መቕደሶም ብሴፍ ቀተሎም: ንመንእሰይን ንድንግልን ንዓብይን ንሸያብን ኣይራሕርሓሎምን። ንኹሎም ናብ ኢዱ ኣሕለፎም።” (2 ዜና መዋእል 36:17) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሩሳሌምን ቤተ–መቕደሳን ዓነወት: እቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ተማረኸ።
ንስሙ ዝድንግጽ
8, 9. (ሀ) የሆዋ ንስሙ ክድንግጽ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ገሊጹ? (b) ጸላእቲ የሆዋ ኣፎም ዝሓዙ ብኸመይ ኢዩም?
8 እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህዝብታት በዚ ጥፍኣት እዚ ተሓጒሶም ኢዮም። እናኣላገጹ ድማ “እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም: ካብ ሃገሩውን ወጺኦም” በሉ። በዚ ጸርፊ እዚ ተነኺኡ ኸኣ የሆዋ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ:- “ነቲ . . . ቅዱስ ስመይ [ክድንግጸሉ ኢየ ትሓዓ ]። ነቲ . . . ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። . . . እቶም ህዝብታት ኣነ [የሆዋ ትሓዓ ] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”—ህዝቅኤል 36:20-23
9 ህዝቡ ን70 ዓመታት ዝኣክል ድሕሪ ምምራኾም: የሆዋ እቲ ደንጋጺ ኣምላኽ ሓራ ኣውጽኦም: ተመሊሶም ድማ ኣብ የሩሳሌም ቤተ–መቕደስ ክሃንጹ ኣፍቀደሎም። እዚ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ብምግራም ኣፎም ከም ዝሕዙ ገይርዎም ኢዩ። (ህዝቅኤል 36:35, 36) ዘሕዝን ግን ህዝቢ እስራኤል እንደገና ኣብ ሕማቕ ተግባራት ወደቑ። ሓደ እሙን ኣይሁዳዊ ነህምያ: ነቲ ኵነታት ንምዕራይ ሓጊዙ ኢዩ። ብህዝባዊ ጸሎት ቀሪቡ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዝገበሮ ድንጋጽ ዘለዎ ተግባራት ደጊምዎ ኢዩ:-
10. ነህምያ ንድንጋጽ የሆዋ ዘጕለሖ ብኸመይ ኢዩ?
10 “ብጊዜ ጸበባኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ: ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ: ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካ ኸኣ ካብ ኢድ ጸላእቶም ዜድሕንዎም መድሓንቲ ሀበካዮም። ዕረፍቲ ምስ ኰነሎም ግና: ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ: ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከኣ ኣባኻ ኣእወዩ: ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ። ከም ምሕረትካ ኸኣ ብዙሕ ሳዕ ኣድሐንካዮም። . . . ብዙሕ ዓመታት ድማ ተዐገስካዮም።”—ነህምያ 9:26-30፣ ከምኡውን ኢሳይያስ 63:9, 10 ተመልከት።
11. ኣብ መንጐ የሆዋን ናይ ሰባት ጣኦታትን እንታይ ምንጽጻር ኢዩ ዘሎ?
11 ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ብጭከና ምስ ነጸግዎ: ህዝቢ ይሁዳ ነቲ ክቡር መሰል ዝነበሮ ቦታኦም ንዘለኣለም ኣጥፍእዎ። ኣምላኽ ምስኦም ዝነበሮ እሙን ርክብ ንልዕሊ 1,500 ዓመታት ጸንሐ። እዚ ኸኣ የሆዋ ብርግጽ ኣምላኽ ምሕረት ምዃኑ ዘረጋግጸልና ዘለኣለማዊ ምስክር ኮይኑ ኣሎ። ምስቶም ጨካናት ኣማልኽትን ስምዒት ዘይብሎም ጣኦታትን ከተነጻጽሮ ከሎኻስ ኣየ ከመይ ዘበለ ንጹር ፍልልይ ኢዩ ዘሎ!—ኣብ ሳጹን ኣብ ገጽ 3 ተመልከት።
እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ድንጋጽ
12. እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ድንጋጽ ኣምላኽ: እንታይ ኢዩ?
12 እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ድንጋጽ ኣምላኽ: ነቲ ፍቑር ወዱ ናብ ምድሪ ምልኣኹ ኢዩ። የሱስ ኣብ ናብራኡ ብንጽህና ስለ ዝተመላለሰ: ንየሆዋ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጺኡሉ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ናይ ሓሶት ክርክራት ናይ ድያብሎስ ፍጹም ዝኾነ መልሲ ኣዳልዩሉ ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) ይኹን ደኣ እምበር ኣብቲ ግዜያት እቲ: እቲ ፍቑር ወዱ ጨካንን ዘስካሕክሕን ናይ ሞት ስቅያት ከሕልፍ ክርእዮ ኸሎ: ንየሆዋ ማንም ምድራዊ ወላዲ ክጽመሞ ዘይክእል ዓብዪ ስቓይ ከም ዘምጽኣሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ዝተገበረ መስዋእቲ ንናይ ደቂ ሰብ ድሕነት መገዲ ዝኸፈተ ኣዝዩ ፍቕራዊ መስዋእቲ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 3:16) ከምቲ ብዘካርያስ ኣቦ ዮሃንስ መጥምቕ ኣቐዲሙ እተነግረ ነቲ “ለዋህ ድንጋጽ ኣምላኽና” ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ።—ሉቃስ 1:77, 78 ትሓዓ
13. በየናይ ኣገዳሲ መገዲ ኢዩ የሱስ ነቲ ናይ ኣቦኡ ባህርያት ዘንጸባረቖ?
13 ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ምልኣኹ ንደቂ ሰብ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ንጹር ኣረኣእያ ከም ዝህልዎም ገይሩ ኢዩ። ከመይ ኢሉ? የሱስ ብፍላይ ነቶም ትሑታት ብለውሃት ዝድንግጽ ብምዃኑ ንባህርያት የሆዋ: ፍጹም ገይሩ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ! (ዮሃንስ 1:14፣ 14:9) በዚ ዝመጸ: እቶም ሰለስተ ጸሓፍቲ ወንጌል ማቴዎስ: ማርቆስ: ሉቃስ ካብታ “ኣምዑት” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ዝወጸት ስፕላግ.ክኒዞ.ማይ እትብል ናይ ግሪኽ ግሲ ተጠቒሞም ኣለዉ። “ካብ መበቆላ” ይብል እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዊልያም ባርክለይ “ተራ ርሕራሐ ወይ ድንጋጸ ከም ዘይትገልጽ ክርአ ይከኣል ኢዩ: ኣብ ክንድኡስ እቲ ንሰብ ናብቲ ወሽጣዊ እንታይነቱ ዝደፍኦ ስምዒት ኢያ እትገልጽ። ንናይ ድንጋጽ ስምዒት እትገልጽ ዝጸንዐት ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ።” ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ድማ ‘ምድንጋጽ’ ወይ ‘ብድንጋጽ ምድራኽ’ ተባሂላ ተተረጕማ ኣላ።—ማርቆስ 6:34፣ 8:2
የሱስ ክድንግጽ ከሎ
14, 15. ኣብ ከተማ ገሊላ የሱስ ብኸመይ ኢዩ ብድንጋጽ እተለዓዓለ: እዚኸ ናይ ምንታይ ምሳሌ ኢዩ ዝገልጸልና?
14 እቲ ትርኢት ኣብ ከተማ ገሊላ ኢዩ። ሓደ “ለምጺ ዝመልኦ” ሰብኣይ እቲ ልሙድ ዝነበረ መጠንቀቕታ ከይሃበ ንየሱስ ቀረቦ። (ሉቃስ 5:12) እሞኸ ከምቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝሓቶ ገይሩ “ርኹስ: ርኹስ” ኢሉ ስለ ዘይጨርሐዶ የሱስ ብትሪ ገሲጽዎ ኢዩ? (ዘሌዋውያን 13:45) ኣይፋሉን። ኣብ ክንድኡ ግን: የሱስ ነቲ ብተስፋ ምቍራጽ ዝተለዓዓለ ልመና ናይቲ ሰብኣይ ጽን ኢሉ ሰሚዕዎ ኢዩ:- “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ምስ በሎ: የሱስ ‘ብድንጋጽ ተደሪኹ’ ኢዱ ዘረጊሑ ነቲ ለምጻም “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ብምባል ተንከዮ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ጥዕናኡ ተመልሰሉ። የሱስ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ተኣምራታዊ ሓይልታት ጥራይ ዘይኰነስ: ነዚ ሓይልታት እዚ ንኽጥቀመሉ ዝድርኾ ለዋህ ስምዒታቱውን ይገልጽ ነይሩ ኢዩ።—ማርቆስ 1:40-42
15 የሱስ ነዚ ስምዒት ናይ ድንጋጸ ቅድሚ ምግላጹ ግድን ቀሪብካ ክሕተት ድዩ ነይርዎ? ኣይፋሉን። ገለ እዋን ጸኒሑ የሱስ ካብ ከተማ ናይን ቀብሪ ክወጽእ ከሎ ኣጓነፎ። የሱስ ቅድሚ እዚ ብዙሕ ቀብርታት ከም ዝረኣየ ኣየጠራጥርን ኢዩ: እዚ ግን ብፍላይ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ ነይሩ። እቲ ምዉት ነታ መበለት ሓደ ወዳ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ‘ብድንጋጽ ተደሪኹ:’ ቀሪቡ “ኣይትብከዪ” በላ። ሽዑ ንወዳ ናብ ህይወት ብምምላስ ነዚ ፍሉይ ትእምርቲ ይፍጽሞ።—ሉቃስ 7:11-15
16. የሱስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ዝደንገጸሎም ስለምንታይ ኢዩ?
16 ካብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻሜታት እተምሃርናዮ ዝምስጥ ትምህርቲ: የሱስ ‘ብድንጋጽ ምስ ተደረኸ’ ንኽሕግዝ ኢሉ ኣወንታዊ ነገራት ከም ዝገበረ ኢዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: የሱስ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ ዓቢ ጭፍራ ይምልከት። ማቴዎስ ነቲ ጸብጻብ ከቕርብ ከሎ ከምዚ ይብለና:- “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዘበሉን ነበሩ እሞ ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) እቶም ፈሪሳውያን ንመንፈሳዊ ጥሜት ናይቲ ተራ ህዝቢ ንምዕንጋል ዝገብርዎ ነገር የለን። ኣብ ክንድኡስ ነቶም ትሑታት ብዙሕ ዘየድሊ ሕግታት እናገበሩ ይጽዕንዎም ኢዮም። (ማቴዎስ 12:1, 2፣ 15:1-9፣ 23:4, 23) እቲ ኣብቶም ተራ ህዝቢ ዝነበሮም ኣረኣእያ ብዛዕባ እቶም ንየሱስ ጽን ኢሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ተገሊጹ ኢዩ: ከምዚ ድማ በሉ:- “እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ።”—ዮሃንስ 7:49
17. ኣብቶም ህዝቢ ዝነበሮ ድንጋጸ ንየሱስ ብኸመይ ኢዩ ዝደረኾ: እንታይ ንነዊሕ እዋን ዝኸውን መምርሒኸ ኢዩ ዝሃበ?
17 የሱስ ግና ብኣንጻሩ በቶም ብመንፈሳዊ መገዲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝነበሩ ህዝቢ ዓሚቍ ስምዒት ተሰሚዕዎ ኢዩ። እንተኾነ ግና እቶም ብመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝግደሱ ኣዝዮም ብዙሓት ስለ ዝነበሩ ንሱ ንበይኑ ብሕታዊ ሓልዮት ክገብረሎም ኣይክኣለን። ስለዚ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ ዝያዳ ዓየይቲ ንኽወሃቦም ክጽልዩ ነገሮም። (ማቴዎስ 9:35-38) ምስ እዚ ጸሎት እዚ ብምስምማዕ ድማ የሱስ ንሃዋርያቱ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ዝብል መልእኽቲ ከብጽሑ ሰደዶም። እቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝተዋህበ መምርሒታት ንክርስትያናት ከም ጠቓሚ መምርሒ ኰይኑ ክሳዕ እዚ ግዜዚ የገልግል ኣሎ። እቲ ናይ የሱስ ድንጋጸ ዝመልኦ ስምዒታት ንናይ ወዲ ሰብ መንፈሳዊ ጥሜት ንምዕንጋል ከም ዝደረኾ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ማቴዎስ 10:5-7
18. የሱስ እቶም ህዝቢ ኣብ መንጐ ዕረፍቱ ህሩግ ምስ በልዎ: ብኸመይ መለሰ: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ንማሃር?
18 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚውን የሱስ ንመንፈሳዊ ድልየት ናይቶም ህዝቢ ተገዳስነት ኣርእዩ ኢዩ። ኣብዚ ግዜዚ ንሱን ሃዋርያቱን ክሰብኩ ምስ ወዓሉ ደኸሙ እሞ: ዝዓርፉሉ ቦታ ደለዩ። ይኹን እምበር እቶም ህዝቢ ኸኣ ብኡብኡ ረኸብዎም። የሱስ ኣብ መንጐ ዕረፍቱ ህሩግ ስለ ዝበልዎ ኣብ ክንዲ ዝቑጣዕ: ማርቆስ “ደንገጸሎም” ብምባል ነቲ ጸብጻብ የቕርቦ። የሱስ ዓሚቍ ስምዒታት ከም ዝመጾ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ? “ሓላዊ ከም ዜብለን ኣባጊዕ” ስለ ዝነበሩ ኢዩ። ኣብዚውን የሱስ ንስምዒታቱ ብተግባር ይገልጾ እሞ: ነቶም ህዝቢ “ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ” ክምህሮም ይጅምር። እወ: ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ጥምየቶም ብዕምቆት ስለ ዝተሰምዖ: መስዋእቲ ብምግባር ነቲ ዘድልዮ ዝነበረ ዕረፍቲ ንዕኦም ንምምሃር ተክኦ።—ማርቆስ 6:34፣ ሉቃስ 9:11
19. እቲ የሱስ ኣብቶም ህዝቢ ዝነበሮ ተገዳስነት ክንየው እቲ መንፈሳዊ ድልየቶም ዝዘርግሖ ብኸመይ ኢዩ?
19 የሱስ ብቐዳምነት ብዛዕባ መንፈሳዊ ድልየት ናይቶም ህዝቢ እኳ ዝግደስ እንተነበረ: ነቲ መሰረታዊ ስጋዊ ድልየቶም ግን ፈጺሙ ሸለል ኣይበሎን። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ “ምሕዋይ ንዘድልዮምውን ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 9:11) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ እቶም ህዝቢ ካብ ገዝኦም ርሒቖም ምስኡ ነዊሕ ግዜ ጸንሑ። ብዛዕባቲ ብስጋ ዘድልዮም ስለ ዝሓለየሎም: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ: ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም: የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ: ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን።” (ማቴዎስ 15:32) ሕጂ እምበኣር የሱስ ካብቲ ክመጽኦም ዝኽእል ዝነበረ ስቓይ ንኽከላኸለሎም ሓደ ነገር ይገብር። ነቶም ኣሽሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ብተኣምራታዊ መገዲ ብሾብዓተ እንጌራን ብሒደት ዓሳን ይምግቦም።
20. ካብታ የሱስ ድንጋጽ ዘርኣየላ ተመዝጊባ ዘላ ናይ መወዳእታ ኵነት እንታይ ንማሃር?
20 እታ የሱስ ድንጋጸ ዘርኣየላ ተመዝጊባ ዘላ ናይ መወዳእታ ኵነት: እታ ናብ የሩሳሌም ዝገበራ ናይ መጨረስታ ጕዕዞኡ ኢያ። ዓቢ ጭፍራ: ፋስጋ ከብዕሉ: ምስኡ ይጐዓዙ ኣለዉ። ኣብታ ናብ ያሪኮ እትወስድ መገዲ: ክልተ ዕዉራት ለመንቲ: “ጐይታይ: ምሓረና” እናበሉ ይጭድሩ። እቶም ህዝቢ ስቕ ከብልዎም ይፍትኑ: እንተኾነ ግን የሱስ ጸዊዑ እንታይ ከም ዝደልዩ ይሓቶም። “ጐይታይ: ኣዒንትና ክፈተልና” ብምባል ይልምንዎ። ‘ብድንጋጽ ተደሪኹ’ ኣዒንቶም ምስ ተንከየ: ረኣዩ። (ማቴዎስ 20:29-34) ካብዚ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንማሃር! የሱስ ናብታ ናይ መወዳእታ ሰሙን ናይ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዳርጋ ናብ ምእታው ኣቢሉ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ኢድ እቶም ወኪላት ሰይጣን ዝኾኑ ዘሰቅቕ ናይ ጭከና ሞት ቅድሚ ምሕላፉ: ዝፍጽሞ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዮ ኣለዎ። ይኹን እምበር እቲ ጸቕጥታት ናይዚ ኣገዳሲ ግዜ እዚ ነቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይነበረ ሰብኣዊ ድልየታት: ለዋህ ስምዒታቱ ናይ ድንጋጽ ንኸይገልጽ ክኽልክሎ ኣየፍቀደሉን።
ንድንጋጸ ዘጕልሑ ምሳሌታት
21. እቲ ጐይታ ናይ ባርያኡ ከቢድ ዕዳ ምሕዳጉ: ናይ ምንታይ ምሳሌ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ?
21 እታ ኣብዚ ጸብጻብ ኣገልግሎት የሱስ ውዒላ ዘላ ስፕላግ.ክኒ’ዞ.ማይ እትብል ናይ ግሪኽ ግሲ: ኣብ ሰለስተ ምሳሌታት የሱስውን ውዒላ ኣላ። ኣብ ሓደ ዛንታ: ሓደ ባርያ ነቲ ከቢድ ዕዳኡ ንክኸፍል ግዜ ክወሃቦ ለመነ። እቲ ጐይታኡ ‘ብድንጋጽ ተደሪኹ:’ ንኹሉ ዕዳኡ ሓደገሉ። እዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ እምነት ዝገበረ ክርስትያን: ነቲ ዓቢ ዕዳ ናይ ሓጢኣት ብምድምሳስ ዓቢ ድንጋጸ ከም ዘርኣየ ይገልጸልና።—ማቴዎስ 18:27፣ 20:28
22. እቲ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ምሳሌ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ?
22 ብዘይካ እዚውን ዛንታ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ኣሎና። እቲ ደረቐኛ ወዲ ንገዛ ምስ ተመልሰ እንታይ ከም ዘጋጠመ ዘክሮ። “ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረአዮ እሞ ደንገጸሉ: ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ።” (ሉቃስ 15:20) እዚ ድማ ሓደ ብድርቅና ዝመላለስ ዝነበረ ክርስትያን ናይ ሓቂ ነስሓ እንተድኣ ኣርእዩ: የሆዋ ይድንግጸሉ: ብለውሃት ድማ ይቕበሎ ምዃኑ ኢዩ ዘርእየና። የሱስ በዘን ክልተ ምሳሌታት ገይሩ እምበኣር: ኣቦና የሆዋ “ኣዝዩ ለዋህ ብምፍታውን ዝድንግጽን” ከም ዝኾነ የርእየና።—ያእቆብ 5:11 ትሓዓ
23. ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብጻይነት ዘርኣየ ሳምራዊ ዝገለጾ ምሳሌ: እንታይ ትምህርቲ ኢና እንመሃር?
23 እቲ ሳልሳይ ምሳሌያዊ ኣጠቓቕማ ናይታ ስፕላግ.ክኒ’ዞ.ማይ: በቲ እተዘረፈን ዳርጋ ምዉት ኰይኑ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ወዲቑ ዝነበረ ኣይሁዳዊ: ‘ብድንጋጸ እተደረኸ’ ሳምራዊ ኣሎና። (ሉቃስ 10:33) ነቲ ስምዒታቱ ብተግባር ብምርኣይ እቲ ሳምራዊ ነቲ ጓና ንምሕጋዝ ብምሉእ ሓይሉ ዝከኣሎ ዘበለ ገበረ። እዚ ድማ የሆዋን የሱስን ንሓቀኛታት ክርስትያናት ለውሃትን ድንጋጸን ብምርኣይ: ኣብነቶም ክስዕቡ ከም ዝደልይዎም ኢዩ ዝገልጸልና። ነዚ ክንገብረሉ እንኽእል ገለ መገድታት ኣብ ዝቕጽል ዓንቀጽና ክንርእዮ ኢና።
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ መሓሪ ምዃን ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?
◻ የሆዋ ንስሙ ድንጋጽ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ?
◻ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ድንጋጽ እንታይ ኢዩ?
◻ በየናይ መገድታት ኢዩ የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ዘንጸባረቖ?
◻ ካብቲ ናይ የሱስ ናይ ድንጋጽ ተግባራትን ምሳሌታትን እንታይ ንማሃር?
[ኣብ ገጽ 7, 8 ዘሎ ሳጹን]
ን“ለዋህ ፍቕራዊ ሓልዮት” ዝበቅዕ ጽሑፋዊ ቃል
ነብዪ ኤርምያስ “ኣምዑተይ: ኣምዑተይ ተበጠሰ” ኢሉ ይጭርሕ። ብዛዕባ እቲ ብምኽንያት ገለ ዝበልዖ ሕማቕ ነገር ዘስዓበሉ ሕማም መዓናጡ ዶኾን ኢዩ ዘማርር ዘሎ? ኣይፋሉን። ኤርምያስ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ክወርድ ዘለዎ ጥፍኣት ዝነበሮ ዓሚቍ ተገዳስነት ንምግላጽ ኢዩ: ነዚ ናይ እብራይስጢ ምሳልያዊ ቃል ዝጥቀም ዝነበረ።—ኤርምያስ 4:19
የሆዋ ኣምላኽ ዓሚቍ ስምዒታት ስለ ዘለዎ: እታ ን“ኣምዑት” ወይ “መዓናጡ” (መ.’ኢም‘) እትውዕል ናይ እብራይስጢ ቃል ነቲ ለዋህ ስምዒታቱ ንምግላጽውን ትውዕል ኢያ። ንኣብነት: ዓሰርተታት ዓመታት ቅድሚ መዓልትታት ኤርምያስ እቶም ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ብንጉስ ኣሶር ተማሪኾም ነበሩ። የሆዋ ነዚ ነገር እዚ: ነቲ ዘርኣይዎ ዘይተኣማንነት ንምቕጻዕ ኢሉ ኢዩ ኣፍቂድዎ። እንተኾነ ግን ኣምላኽዶ ኣብ ምርኮ ረሲዕዎም ኢዩ? ኣይፋሉን እባ ድኣ። ከም ክፍሊ ናይ ኪዳን ህዝቡ ገይሩ ብምርኣይ ምስኦም ዝነበሮ ርክብ ገና ጽኑዕ ኢዩ ነይሩ። ንዓታቶም ንምምልካት ብስም እቲ ምሩጽ ዓሌት ኤፍሬም ተጠቒሙ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ኤፍሬምዶ ፍቁር ወደይ: እቲ ምጭዊ ውሉደይ ኣይኰነን[?] ብኹራ እኳ እንተ ተዛረብክዎ: መመሊሰ እዝክሮ ኣሎኹ እሞ: ብምኽንያቱ ኣምዑተይ ተበጢሱ እዩ።”—ኤርምያስ 31:20
የሆዋ “ኣምዑተይ ተበጢሱ እዩ” ብምባሉ: ነቶም እተማረኹ ህዝቡ ዝነበሮ ዓሚቍ ናይ ምፍታው ስምዒታቱ ንምግላጽ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኢዩ ተጠቒሙ። ኢ. ሄንደርሰን ናይ መበል 19 ክፍለ ዘበን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሳብ ክህብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ የሆዋ ኣብዚ ንሓደ እተመልሰ ሓሻሽ ዘርኣዮ ለዋህ ናይ ወላዲ ስምዒት: ክበልጾ ዝኽእል ነገር የለን። . . . ሽሕኳ ኣንጻር እቶም [መምለኽቲ ጣኦት ኤፍሬማውያን] እንተተዛረበን እንተ ቐጽዖምን . . . ፈጺሙ ኣይረስዖምን: ኣብ ክንድኡስ በቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ናይ መወዳእታ ምሕዋይ ይሕጐስ ኢዩ ነይሩ።”
እታ “ንመዓናጡ” ወይ “ኣምዑት” እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ክርስትያን ጽሑፋት ግሪኽ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኢያ ውዒላ ዘላ። እዛ ቃል እዚኣ ከም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:18 ቃል ብቓሉ ዘይኮነስ ብኻልእ መልክዕ ክንጥቀመላ ከሎና ነቲ ለዋህ ናይ ምፍታው ስምዒታት ወይ ድንጋጸ ኢያ እተመልክት። (ፊልሞን 12) ሓድ ሓደ ግዜ: እታ ቓል ምስታ “ሰናይ” ወይ “ጽቡቕ” ዝብል ትርጉም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል ትተኣሳሰር ኢያ። ሃዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ንክርስትያናት ‘ብለውሃት ዝድንግጹ’ ኪኾኑ ከተባብዕዎም ከለዉ ነዚ መግለጺ እዚ ኣብ ሓደ ጠርኒፎምዎ ኣለዉ: ቃል ብቓሉ ድማ “ኣጸቢቕካ ደንጋጺ ምዃን” ማለት ኢዩ። (ኤፌሶን 4:32፣ 1 ጴጥሮስ 3:8) እታ “ኣምዑት” እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ምስታ ፖል.ይ’ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ክትተኣሳሰር ትኽእል ኢያ። እቲ ምጥርናፍ ቃል ብቓሉ “ብዙሕ ኣምዑት ምህላው” ማለት ኢዩ። እዚ ኣዝዩ ሳሕቲ ዝጥቀስ ናይ ግሪኽ መግለጺ ሓንሳእ ጥራይ ኢዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ውዒሉ ዘሎ: ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ ኢዩ ዘመልክት። ትርጉም ሓዳስ ዓለም እዚ ዝስዕብ ትርጉም ሂባቶ ኣላ:- “የሆዋ ብምፍታው ኣዝዩ ለዋህ . . . ኢዩ።”—ያእቆብ 5:11
እቲ ኣብ ኣድማስ ኣዝዩ ዝሓየለ የሆዋ ኣምላኽ: ከምቶም ድንጋጸ ብዘይብሎም ሰባት እተመሃዙ ጨካናት ኣማልኽቲ ብዘይምዃኑስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና መማሰውቲ ክንከውን ዝግብኣና! ነቲ ‘ብለውሃት ዝድንግጽ’ ኣምላኾም ብምቕዳሕ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ርክባት ልክዕ ከምቲ ናቱ ክገብሩ ኢዮም ዝድረኹ።—ኤፌሶን 5:1
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
መለኮታዊ ድንጋጸ ኣብ መደምደምታኡ ምስ በጸሐ: የሆዋ ንባቢሎናውያን ነቶም ደረቐኛታት ህዝቡ ንኽማርኽዎም ኣፍቀደ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ኣምላኽ ነማውታ ወዱ: ክርኢ ኸሎ: ማንም ሰብ ክጽመሞ ዘይክእል ዝዓበየ ስቓይ ከም ዘምጽኣሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነቲ ናይ ኣቦኡ ድንጋጸ ዝመልኦ ባህርያት ፍጹም ገይሩ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ