ናይዚ መበል 20 ክፍለ–ዘበን ክሕደት ኣምላኽ
“ሰባት ንህላዌ ኣምላኽ ሓዲጎም: እንተ ንጽቡቕ ወይ ንኽፉእ ኣብ ኣምላኽ ከይተወከሱ: ንርእሶም ባዕሎም የመሓድሩ ኣለዉ።”—ናይ ሚእቲ ዓመት ክትዕ ብዛዕባ ኣምላኽ—ምንጪ ናይዚ ዘመናዊ ኢዘሀርነት
ሓደ ኣዝዩ ነዊሕ ኦም ምንም’ኳ ኣብ መጀመርያ ዝምስጥ እንተኾነ: መወዳእታኡ ግን ከም ልሙድ ኢዩ ዝሕሰብ። ህላዌኡ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ቁመቱ ድማ ዘደንቕ ኣይከውንን ኢዩ።
ናይ ኢዘሀርነትውን ምስዚ ዝመሳሰል ኢዩ። ሽሕኳ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ብዙሕ ክትዕ እንተኣለዓዓለ: ሎሚ ንህላዌ ኣምላኽ ምኽሓድ ዘርዕድን ዝህውኽን ኣይኮነን። ሓደ ናይ ምጽዋር መዋእል: ንኢዘሀርነት ምስ እምነት ኣብ ኣምላኽ: ብሰላም ሓቢሩ ከም ዝነብር ገይርዎ ኣሎ።
መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ ብግሁድ ኣይክሕድዎን ኢዮም። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ካብ 11 ሃገራት ናይ ኣመሪካ: ኤውሮጳን ኤስያን ዝተረኽበ: ናይ ምርጫ ውጽኢት ከም ዝገልጾ: ብገምጋም ካብ 2 ሚእታዊት ቁሩብ ዝበዝሑ ሰባት ኢዘሀራውያን ኢና ኢሎም። ይኹን ድኣምበር: ኣብ መንጎ እቶም ኣምላኽ ከም ዘሎ ዝኣምኑውን ከይተረፈ መንፈስ ናይ ኢዛሀርነት ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ከመይ ኢሉ እዚ ይኸውን?
ንስልጣን ኣምላኽ ምኽሓድ
ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና “ሓድ ሓደ ግዜ ኢዘሀርነት ብቀሊሉ ንኣምላኽ ብግብሪ ምንጻጉ ወይ ዕሽሽ ምባሉ የመልክት ኢዩ” ይብል። እቲ ዘ ኒው ሾርተር ኦክስፎርድ ኢንግሊሽ ዲክሸነሪ ከኣ ነዚ ዝስዕብ ካልኣይ መግለጫ ናይ “ኢዘሀርነት” ይህብ:- “ሓደ ንኣምላኽ ብስነ–ምግባር ዝኽሕድ ሰብ: ኣምላኽ ኣልቦ ሰብ።”—ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።
እወ: ኢዘሀርነት ህላዌ ኣምላኽ ወይ ስልጣኑ ወይ ክልቲኡ ምኽሓድ ይደሊ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቲቶስ 1:16 ብዛዕባ እዚ መንፈስ ኢዘሀርነት ተዛሪቡ ኣሎ:- “ንኣምላኽ ከም ዝፈልጡዎ ባዕሎም ይብሉ . . . ብግብሮም ግና ይኽሕድዎ ኣለዉ።”—ምስ መዝሙር 14:1 ኣነጻጽርዎ።
ከምዚ ዝበለ ንስልጣን ኣምላኽ ምንጻግ: ካብቶም ናይ መጀመርያ ጽምዲ ሰባት ዝተቀድሐ ኢዩ። ሄዋን ንህላዌ ኣምላኽ ኣፍልጦ ትህበሉ ነይራ ኢያ: እንተኾነ ግን “ከም ኣምላኽ ክትከውን ጽቡቕን ክፉእን ክትፈልጥ” ደለየት። እዚ ኸኣ ‘ሓለቓ–ርእሳ ክትከውንን’ ናታ ናይ ስነ–ምግባር ስርዓት ክትፈጥርን ምድላያ ዝእምት ኢዩ ነይሩ። ኣዳም ጸኒሑ ንሄዋን ኣብዚ ክሕደት ስልጣን ኣምላኽ ሓበራ።—ዘፍጥረት 3:5, 6
ሎሚኸ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ: ልሙድ ድዩ? እወ። ሓደ ረቂቕ ዝኾነ ኢዘሀርነት: ኣብቲ ንሓርነት ዝግበር ምንዳይ ይግለጽ ኣሎ። “ሎሚ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ናይ ኣምላኽ ምንባር ኣድኪምዎም ኣሎ” ብምባል እቲ ናይ ሚእቲ ዓመት ክትዕ ብዛዕባ ኣምላኽ—ምንጪ ናይዚ ዘመናዊ ኢዘሀርነት እተባህለ መጽሓፍ ትዕዝብቱ ይገልጽ። “ንሳቶም . . . ሓራ ኮይኖም ክነብሩ ኢዮም ዝደልዩ።” እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ–ምግባር ስርዓት: ከም ዘይትግበርን ሓቅነት ዘይብሉን ተባሂሉ ተነጺጉ ኢዩ። ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባ: ብብዙሕ ምስቲ ብእምቢታ “እቲ ቃሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ: እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ: ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ” ዝበለ: ግብጻዊ ፈርኦን ይመሳሰሉ ኢዮም።—ዘጸኣት 5:2
ናይ ህዝበ–ክርስትያን ክሕደት ኣምላኽ
እቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ክሕደት ኣምላኽ ከኣ: ካብቶም ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብትምህርቲ–ሰብ ዝተክኡ ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ–ክርስትያን ኢዩ ዝመጽእ። (ምስ ማቴዎስ 15:9 ኣነጻጽሮ።) ብተወሳኺ: ነቲ ደም ምፍሳስ ዝበዝሖ ውግኣት ናይዚ መበል 20 ክፍለ ዘበን ብምድጋፍ: ነቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ምርኣይ ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ነጺጎምዎ ኢዮም።—ዮሃንስ 13:35
ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እዞም ኣቕሽሽቲ: ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ስነ–ምግባር ስርዓታት: ዝባኖም ብምሃብ ንኣምላኽ ኪሒዶምዎ ኢዮም—እዚ በቲ ነቶም ንቆልዑ ዝጋሰሱ ኣቅሽሽቲ: ዝቐርቦም ዘሎ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ናይ ክስታት ዝተረጋገጸ ኢዩ። ኵነታት ናይ ህዝበ–ክርስትያን ምስተን ናይ ጥንቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመሳሳል ኢዩ። ንነብዪ ህዝቅኤል “እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲጉዋ: እግዚኣብሄር ሓንቲ’ኳ ኣይርእን እዩ: ይብሉ ኣለዉ እሞ: እታ ሃገር ብደም: እታ ከተማውን በዓመጽ መሊኤን ኣለዋ” ተባሂሉሉ ነይሩ። (ህዝቅኤል 9:9 ምስ ኢሳይያስ 29:15 ኣነጻጽሮ።) ብዙሓት: ንኣብያተ–መቃድስ ናይ ህዝበ–ክርስትያን ፈጺሞም እንተጠንጠኑዎስ ዘገርም ኣይኮነን! እንተኾነ ግን: እምነት ኣምላኽ ክሓድጉስ ይግብኦም ድዩ?
ንኢዘሀርነት ብቁዕ ምኽንያት ኣሎ ድዩ?
ብዙሓት ኢዘሀራውያን ነቲ ናይ ሃይማኖት ግብዝና ይተዓዘብዎ ኣይተዓዘብዎ: ኣብኡ እንከለዉ: ኣብ ኣምላኽ ምእማን: ምስቲ ስቃይ ናይ ዓለም ከተሓሕዝዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ሲሞን ደ ቤውቮይር ሓደ ግዜ “ንዓይ ካብ እዚ ኹሉ ናይ ዓለም ግርጭታትት ዝተሰከመ ፈጣሪ: ብዛዕባ ሓንቲ ፈጣሪ ዘይብላ ዓለም ክሓስብ ይቀለኒ” በለት።
እዚ ናይ ዓለም ዘይፍትሓውነት—እንተላይ እቲ ብግቡዛት ሃይማኖታውያን ዝቅስቀስ—ኣምላኽ ከም ዘየሎዶ የረጋግጽ ኢዩ? ሕስብ እሞ ኣብሎ: ሓንቲ ካራ ንሓደ ንጹህ ሰብ ንምፍርራሕን ምጕዳእን አረ ምቕታልውን ከይተረፈ እንተድኣ ተገልግል ኮይናስ: እዚዶ እታ ካራ ሰራሒ ከም ዘይብላ መረጋገጺ ኢዩ? ኣብ ክንድኡስ እታ ኣቅሓ ኣብ ጌጋ ኣጠቓቕማ ከም ዝወዓለት ዝሕብርዶ ኣይኮነን? ብተመሳሳሊ ከኣ እቲ ናይ ሰባት ዝበዝሔ ሓዘን: ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክእለትን ንምድርን ብግቡእ ዘይጥቀሙሉ ምዃኖም ዘረጋግጽ ኢዩ።
ገለ ሰባት ድማ ክንርእዮ ስለ ዘይንኽእል: ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዘይምኽንያታዊ ከም ዝኾነ ይስምዖም። ግን ብዛዕባ ኣየርን ናይ ድምጺ ማዕበላትን ሽታንከ? ካብዚኣቶም ንሓደኳ ይኹን ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና: ከም ዘለዉ ግን ንፈልጥ ኢና። ሳናቡእና: ኣእዛንናን ኣፍንጫናን ይነግሩና ኢዮም። ብርግጽ መርትዖ እንተድኣ ኣሎና: በቲ ክንርእዮ ዘይንኽእል ንኣምን ኢና።
ነቲ ፊዚካዊ መርትዖ— እንተላይ ብዛዕባ ኤሌክትሮንስ: ፕሮቶንስ: ኣሚኖ ኣሲድስ ከምኡውን ዝተሓላለኸ ኣእምሮ—ድሕሪ ምስትንታን: ዊልያም ክኖብሎክ ዝተባህለ ናይ ባህርያዊ ሳይንስ ሊቅ ከምዚ ክብል ተደሪኹ ኢዩ:- “ኣብ ኣምላኽ ኢየ ዝኣምን። ምኽንያቱ ንዓይ መለኮታዊ ህላዌኡ ንነገራት ከምቲ ዘለዎ: እቲ እንኮ ምኽንያታዊ መግለጫ ኢዩ።” (ምስ መዝሙር 104:24 ኣነጻጽሮ።) ብተመሳሳሊ ናይ ስነ–ኣካል ምሁር መርሊን ቡክስ “ከም ተራ ከምኡውን ህይወቱ ንሳይንሳዊ መጽናዕትን ምርምርን ከም ዝወፈየ ሰብ መጠን: ብዛዕባ ህላዌ ኣምላኽ ምጥርጣር ዝበሃል የብለይን” በለ።
እዞም ሰባት እዚኦም ጥራይ ኣይኮኑን ኣብ ህላዌ ኣምላኽ ዝኣምኑ። ብመሰረት ናይ ፊዝክስ ፕሮፌሶር ሄንሪ ማርጌናው ዝበሎ:- “ኣብቶም ዝለዓሉ ሊቃውንቲ እንተድኣ ርኢኻ ካብ መንጎኦም ኣዝዮም ሒደት ኢዘሀራውያን ኢኻ እትረክብ።” ናይ ሳይንስ ምዕባሌታት ይኹን ናይ ሃይማኖት ውድቀት: ኣብ ፈጣሪ ዘሎና እምነት ንኽንሓድግ ክድርኸና የብሉን። ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንመርምር።
እቲ ምንጽጻር ናይ ሓቀኛ ሃይማኖት
ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ፕረሲደንት: ዝነበረ ቶማስ ጀፈርሰን ብ1803 “ነቲ ናይ ክርስትና ብልሽውና ኣጸቢቐ ኢየ ዝጻረሮ: ነቲ ናይ የሱስ ናይ ባዕሉ ሓቀኛ ሞራላዊ መምርሒታት ግን ኣይኰንኩን” በለ። እወ: ኣብ መንጎ ህዝበ–ክርስትያንን ክርስትናን ፍልልይ ኣሎ። መብዛሕትኡ ካብቲ ናይ ህዝበ–ክርስትያን እምነታት: ኣብ ልምድታት ናይ ሰባት ዝተመስረተ ኢዩ። ምስዚ ክነጻጸር ከሎ እቲ ናይ ሓቂ ክርስትና: እምነቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዝተመስረተ ኢዩ። በዚ ኢዩ ጳውሎስ ነቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ–ዘበን ሰብ ቈሎሴ “ርጡብ ፍልጠት:” “ጥበብ:” ከምኡውን “መንፈሳዊ ምርዳእ” ክረኽቡ ዝጸሓፈሎም።—ቈሎሴ 1:9, 10 ትሓዓ።
የሱስ ንሰዓብቱ “ንኹሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቅኩም: ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ክሕልዉ እናመሀርኩም: ደቂ መዛሙርቲ ግበርዎም:” ኢሉ ስለ ዝኣዘዞም: ካብቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክንጽበዮ ዘሎና እዚ ኢዩ። (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።)—ማቴዎስ 28:19, 20
ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ከባቢ ምድሪ ኣብ 231 ሃገራት ይፍጽምዎ ኣለዉ። ንሳቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ 12 ቋንቋታት ተርጒሞም: ልዕሊ 74,000,000 ቅድሓት ከኣ ሓቲሞም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ብናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መደብ ገይሮም ‘ነቲ የሱስ ዝኣዘዞ ክሕልዉ’ ንልዕሊ 4,500,000 ዝኾኑ ሰባት ይሕግዙ ኣለዉ።
እዚ ትምህርታዊ መደብ እዚ ሰፊሕ ዝኾነ ውጽኢታት ኣለዎ። ኣብ ናይ ሰብ ሓሳባት ዘይኮነስ: ኣብ ናይ ኣምላኽ ጥበብ ስለ ዝተመስረተ: ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ብርሃን የምጽእ ኢዩ። (ምሳሌ 4:18) ብተወሳኺ: እዚ ትምህርቲ እዚ: ካብ ኩሎም ዓሌታትን ኣህዛብን ንዝኾኑ ሰባት: ናይ ሰብ “እዋን ምርዳእ” ክገብረሎም ዘይክእል ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ከዕብዩ ዘኽእሎም “ሓድሽ ሰብ” ንኽለብሱ ይሕግዞም ኣሎ።—ቈሎሴ 3:9, 10
ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበንና ሓቀኛ ሃይማኖት ይዕወት ኣሎ። ንኣምላኽ— ንህላዌኡ ይኹን ንስልጣኑ— ኣይክሕድን ኢዩ። እዚ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓደ ካብ መንግስቲ ኣዳራሻቶም ብምብጻሕ ባዕላትኩም ክትርእዩዎ ንዕድመኩም።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ነቲ ሰራውር ናይ ኢዘሀርነት ምድልዳል
ኣብ መፋርቕ ናይ 18 ክፍለ ዘበን: ደኒ ዲዴሮት እተባህለ ፈላስፋ: ሓንቲ ጥራዝ ዝሓዘት ኢንሳይክሎፔድያ: ካብ እንግሊዝኛ ናብ ቋንቋ ፈረንሳ ክትርጉም ተመዘዘ። ይኹን ድኣምበር: ንትጽቢት ናይቲ ዘስርሖ ዝነበረ ኣዝዩ ሓለፎ። ዲዴሮት ናይቲ ዘበን እቲ ዝንባለ ዘጕልሕ: 28 ጥራዛት ዝሓዘ ናቱ አንሲክሎፐዲ ከዳሉ: ዳርጋ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኢዩ ወዲኡሉ።
ምንም’ኳ እታ አንሲክሎፐዲ ብዙሕ ተግባራዊ ዝኾነ ሓበሬታ እንተሓዘት: ኣተኵሮኣ ግን ኣብ ናይ ሰብ ጥበብ ኢዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ግረይት ኤጅስ ኦፍ ማን ዘርእስቱ እኩብ መጻሕፍቲ “ነቲ ሰብ ንእምነት ብፍልጠት ተኪኡ: ከም ስርዓተ–መምርሒኡ ገይሩ እንተድኣ ሒዝዎ: ንዕድሉ ከመሓይሽ ይኽእል ኢዩ ዝብል [ናይ ፈላስፋታት] ሕሉፍ እምነት ክትሰብኽ ደፊራ ኢያ” ይብል። ብዛዕባ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይተጠቕሰን። ዘ ሞደርን ሄሪቴጅ እተባህለ መጽሓፍ “እቶም ኣሰናዳእቲ: በቲ ናይቲ ኣርእስትታት ምርጫኦም: ሃይማኖት ሓደ ካብቲ ሰባት ክፈልጡዎ ዘድልዮም ነገራት ከም ዘይኮነ ግሁድ ገይሮሞ” ይብል። ዘየገርም ድማ ቤተ–ክርስትያን: ነታ አንሲክሎፐዲ ጸቕጢ ክትገብረላ ፈቲና ኢያ። እቲ መንግስታዊ ኣኽባር ሕጊ: ንፖለቲካ: ንስነ–ምግባርን ሃይማኖትን መነዓዓቢት ኢያ ብምባል ኮኒኑዋ ኢዩ።
ሽሕኳ ጸላእቲ እንተነበርዋ: ናይ ዲድሮት አንሲክሎፐዲ ብገለ 4,000 ዝኾኑ ሰባት ጠለብ ረኺባ ኢያ። እዚ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ዋጋኣ ርኢኻ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ኢዩ። እዚ ሕቡእ ዝምባለ ናይ ኢዘሀርነት ናብ ምሉእ ክሕደት ኣምላኽ ክዓቢ: ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።